ስብከት ብመንፈሳዊ መዳይ የበራትዓና
1. ዕዮ ስብከት እንታይ ጥቕሚ እዩ ዜምጽኣልና፧
1 ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት ምስታፍ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኬበራትዓናን ሓጐስ ኪውስኸልናን ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ኣገልግሎት እንጽመደሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ንምሕጓስ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ‘እቲ ቓል ክንሰብኽ’ እተዋህበና ትእዛዝ ምስ እንሕሉ፡ በረኸት የሆዋ ንረክብ፡ ብኻልእ መገድታት እውን ንርእስና ንጠቅም ኢና። (2 ጢሞ. 4:2፣ ኢሳ. 48:17, 18) ስብከት ኬበራትዓናን ኬሐጕሰናን ዚኽእል ግን ብኸመይ እዩ፧
2. ኣገልግሎት ብኸመይ እዩ ዜበራትዓና፧
2 ንበራታዕን ንባረኽን፦ ስብከት፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ሽግራት ዘይኰነስ፡ ኣብ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነተኵር የተባብዓና። (2 ቈረ. 4:18) ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንገልጽ ከለና፡ ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ዘላትና እምነት ትድልድል፡ ንሓቂ ዘሎና ሞሳ ድማ ይዓቢ። (ኢሳ. 65:13, 14) ንኻልኦት ብመንፈስ ንኺዓብዩ እሞ፡ ‘ካብ ዓለም ንኸይኰኑ’ ኽንሕግዞም ከለና፡ ካብ ዓለም እተፈለና ንምዃን ዘሎና መትከል ዝያዳ ይድልድል።—ዮሃ. 17:14, 16፣ ሮሜ 12:2።
3. ኣገልግሎትና፡ ክርስትያናዊ ባህርያት ንኸነማዕብል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
3 ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍና፡ ክርስትያናዊ ባህርያት ንኸነማዕብል ይሕግዘና። ንኣብነት፡ “ንዅላቶም ኵሉ” ንምዃን ምጽዓርና፡ ዝያዳ ትሕትና ንኸነማዕብል ይድግፈና። (1 ቈረ. 9:19-23) ነቶም “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ሰባት ከነዘራርቦም ከለና፡ ርሕራሐን ድንጋጸን ኢና እንመሃር። (ማቴ. 9:36) ዘይምግዳስ ወይ ምጽራር እናኣጋጠመና ኽነሱ ጸኒዕና እንተ ቐጺልና፡ ጽንዓት ንመሃር። ንሰባት ንምሕጋዝ ርእስና ምውፋይና ድማ፡ ዝያዳ ሓጐስ የምጽኣልና።—ግብ. 20:35።
4. ብዛዕባ ኣገልግሎትካ ኸመይ ይስምዓካ፧
4 ነቲ በይኑ ኣምልኾ ዚግብኦ ኣምላኽ፡ ውዳሰ ዜምጽኣሉ ኣገልግሎት ከነቕርብ ምኽኣልናስ፡ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ኣገልግሎት የበራትዓና እዩ። ነቶም ‘ነቲ ብስራት ብእተማልአ መገዲ ኣብ ምምስካር’ ብተወፋይነት ዜገልግሉ ብዙሕ በረኸት የምጽኣሎም እዩ።—ግብ. 20:24 NW።