ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/09 ገጽ 1
  • ስብከት ብመንፈሳዊ መዳይ የበራትዓና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስብከት ብመንፈሳዊ መዳይ የበራትዓና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • የሆዋ ኼበርትዓካ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ስብከት ንኽንዕገስ ይሕግዘና
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክትጸንዕ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 4/09 ገጽ 1

ስብከት ብመንፈሳዊ መዳይ የበራትዓና

1. ዕዮ ስብከት እንታይ ጥቕሚ እዩ ዜምጽኣልና፧

1 ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት ምስታፍ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኬበራትዓናን ሓጐስ ኪውስኸልናን ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ኣገልግሎት እንጽመደሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ንምሕጓስ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ‘እቲ ቓል ክንሰብኽ’ እተዋህበና ትእዛዝ ምስ እንሕሉ፡ በረኸት የሆዋ ንረክብ፡ ብኻልእ መገድታት እውን ንርእስና ንጠቅም ኢና። (2 ጢሞ. 4:2፣ ኢሳ. 48:17, 18) ስብከት ኬበራትዓናን ኬሐጕሰናን ዚኽእል ግን ብኸመይ እዩ፧

2. ኣገልግሎት ብኸመይ እዩ ዜበራትዓና፧

2 ንበራታዕን ንባረኽን፦ ስብከት፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ሽግራት ዘይኰነስ፡ ኣብ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነተኵር የተባብዓና። (2 ቈረ. 4:18) ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንገልጽ ከለና፡ ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ዘላትና እምነት ትድልድል፡ ንሓቂ ዘሎና ሞሳ ድማ ይዓቢ። (ኢሳ. 65:13, 14) ንኻልኦት ብመንፈስ ንኺዓብዩ እሞ፡ ‘ካብ ዓለም ንኸይኰኑ’ ኽንሕግዞም ከለና፡ ካብ ዓለም እተፈለና ንምዃን ዘሎና መትከል ዝያዳ ይድልድል።—ዮሃ. 17:14, 16፣ ሮሜ 12:2።

3. ኣገልግሎትና፡ ክርስትያናዊ ባህርያት ንኸነማዕብል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

3 ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍና፡ ክርስትያናዊ ባህርያት ንኸነማዕብል ይሕግዘና። ንኣብነት፡ “ንዅላቶም ኵሉ” ንምዃን ምጽዓርና፡ ዝያዳ ትሕትና ንኸነማዕብል ይድግፈና። (1 ቈረ. 9:19-23) ነቶም “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ሰባት ከነዘራርቦም ከለና፡ ርሕራሐን ድንጋጸን ኢና እንመሃር። (ማቴ. 9:36) ዘይምግዳስ ወይ ምጽራር እናኣጋጠመና ኽነሱ ጸኒዕና እንተ ቐጺልና፡ ጽንዓት ንመሃር። ንሰባት ንምሕጋዝ ርእስና ምውፋይና ድማ፡ ዝያዳ ሓጐስ የምጽኣልና።—ግብ. 20:35።

4. ብዛዕባ ኣገልግሎትካ ኸመይ ይስምዓካ፧

4 ነቲ በይኑ ኣምልኾ ዚግብኦ ኣምላኽ፡ ውዳሰ ዜምጽኣሉ ኣገልግሎት ከነቕርብ ምኽኣልናስ፡ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ኣገልግሎት የበራትዓና እዩ። ነቶም ‘ነቲ ብስራት ብእተማልአ መገዲ ኣብ ምምስካር’ ብተወፋይነት ዜገልግሉ ብዙሕ በረኸት የምጽኣሎም እዩ።—ግብ. 20:24 NW።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ