ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ
1. ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብእተወደበ ኣገባብ ክንከይድ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧
1 የሱስ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብምውዳብን ብስሉጥ መገዲ ብምዕያይን ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ሎሚ እውን እቶም ነዚ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብሓላፍነት ዚመርሑ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኪፍጸም እዮም ዚደልዩ። ምስዚ ብምስምማዕ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዚርከባ ጉባኤታት ዘለዉ ጕጅለታት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚወደቡሉ ሓደ መገዲ፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ እዩ።—ማቴ. 24:45-47፣ 25:21፣ ሉቃ. 10:1-7።
2. ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ እንታይ ኪግበር እዩ ዚግባእ፧
2 ጽቡቕ መሰናድዎ፦ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ነቶም ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚኸዱ ኣስፋሕቲ መተባብዕን ግብራዊ ትምህርትን መምርሕን ንምሃብ እዩ ዚዳሎ። ዕለታዊ ጥቕሲ ምስ ኣገልግሎት ወፍሪ ብቐጥታ ዚተሓሓዝ እንተ ዀይኑ፡ ምይይጥ ኪግበረሉ ይከኣል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቶም ተኣከብቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ንዚግበር ዕዮ ንምድላው ተባሂሉ፡ ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ካብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ፡ ወይ ካብ መጽሓፍ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እተወስደ መዘኻኸሪታት ኪቐርብ ይኽእል እዩ። ነቲ ዚዕደል ጽሑፍ እነበርክትሉ መገዲ ዜርኢ ሓጺር መርኣያ እውን ኪቐርብ ይኽእል እዩ። ናይ መደምደምታ ጸሎት ቅድሚ ምቕራቡ፡ ኵሎም ኣስፋሕቲ ምስ መን ከም እተቛረኑን ኣበየናይ ክሊ ኸም ዜገልግሉን ኪፈልጡ ኣለዎም። ድሕሪ እዚ ኻብ 15 ደቒቕ ዘይዛይድ ኣኼባ እዚ፡ ኵሎም ነናብ ክሎም ኪኸዱ ኣለዎም።
3. ንኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ናይ ምውዳብ ሓላፍነት ዘለዎም መን እዮም፧
3 ብኸመይ እዩ ዚወደብ፧ ሓላው ኣገልግሎት ንኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ናይ ምውዳብ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ቀዳመ-ሰንበት፡ ሓለውቲ ጕጅለ ወይ ሓገዝቶም ምስ ናታቶም ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ናይ ምዕያይ ሓላፍነት ኣለዎም። ገሊኦም ሓለውቲ ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ኣብ መንጎ ሰሙን እውን ምስ ናታቶም ጕጅለ ኣገልግሎት ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም። ሓለውቲ ጕጅለ ንጕጅለኦም ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ንምግልጋል ዜድሊ እኹል ክሊ ምእንቲ ኽረኽቡ፡ ምስ ሓላው ኣገልግሎት ብቐረባ ይዓዩ እዮም። ኣብ መንጎ ሰሙን፡ ንጕጅለታት ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ናይ ምውሳድ ዕዮ ብሓላፍነት ዚከታተትል፡ ሓላው ኣገልግሎት እዩ።
4-6. (ሀ) ንኽሊ ጉባኤ ብዚምልከት፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምንታይ ዕላማ እዩ ዚግበር፧ (ለ) ኣበይን መዓስን ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸም ዜድሊ ንምውሳን፡ እንታይ ኪሕሰበሉ ይከኣል፧
4 እዚ ኣኼባ እዚ ኣበይን መዓስን ኪግበር ይግባእ፧ ብምልእታ ጉባኤ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ክንዲ እትእከብ፡ ንኽሊ እታ ጉባኤ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምዕያይ ዜኽእል ኣብ ብምሉኡ እቲ ኽሊ ኣብ ዚርከብ ምሹእ ቦታታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኣብ ናይ ውልቂ ኣባይቲ እንተ ተገብረ ይሓይሽ። ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ዕላማ እዚ ኼገልግል ይኽእል እዩ። ሓያሎ ጉባኤታት ደድሕሪ እቲ ሰንበት ዚግበር ህዝባዊ መደረን መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን፡ ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ይገብራ እየን። ናብ ክሊ ዚግበር ጕዕዞ ንምንካይ ጻዕሪ ኺግበር ይግባእ። እቲ ሕጂ ንኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዜገልግል ቦታታት ነቲ ኽሊ ብስሉጥን ብእተማልአ መገድን ንምዕያይ ዜኽእል እንተ ዀይኑ፡ በብግዜኡ ኺምርመር ኣለዎ።
5 እቲ ኣኼባታት ዚግበረሉ ሰዓትን ኣብ ሰሙን ክንደይ ሳዕ ኪግበር ከም ዚግባእን፡ ብመሰረት እቲ ኽሊ እዩ ዚውሰን። እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣበይን መዓስን እንተ ተገብረ ኸም ዚሓይሽ ንምውሳን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ።
6 ኣየናይ ክሊ እዩ ተወሳኺ ቘላሕታ ዚደሊ፧ ካብ ቤት ናብ ቤት ንምዕያይ ዝሓሸ ሰዓታት መዓስ እዩ፧ ካብ ቤት ናብ ቤት ንምግልጋል ወይ ተመላሊስካ ምብጻሓት ንምግባር፡ ምሸት ኣኼባ ኺግበር የድሊዶ፧ ኵሉ ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚምልከት መሰናድዎታት፡ ኣብ ሰሌዳ ሓበሬታ ጉባኤ ኺልጠፍ ኣለዎ። ኵላትና ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽልና ብእተማልአ መገዲ ብምሽፋን፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዘይተንከፎ ኽሊ ምስ ሰኣነ፡ ‘ኣብዚ ስፍራ የብለይን’ ዝበለ፡ ንሕና እውን ኣብቲ ደረጃ እቲ ኽንበጽሕ ንደሊ ኢና።—ሮሜ 15:23።
7. እቲ ንጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺመርሕ እተመደበ፡ እንታይ ሓላፍነት ኣለዎ፧
7 ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምምራሕ፦ እቲ ነዚ ኣኼባ እዚ ኺመርሕ ዚምደብ ኣስፋሒ፡ ጽቡቕ ገይሩ ብምድላው ነዚ ቲኦክራስያዊ መሰናድዎ ዘለዎ ዓሚቝ ኣኽብሮት ኬርኢ ይኽእል እዩ። እዚ ኣኼባ እዚ ኣብ ግዜኡ ኺጅምር፡ ኣስተምሃሪ ኪኸውን፡ ከምኡውን ካብ 10 ኽሳዕ 15 ደቒቕ ዚወስድ ሕጽር ዝበለ ኣኼባ ኪኸውን ኣለዎ። ቅድሚ እቲ ኣኼባ ምጅማሩ፡ እቲ ዚመርሕ ሓው ነቲ ጕጅለ ዚኸውን ክልታት ኪህልዎ ኣለዎ። ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ተወድአ ደንጕዮም ንዚመጹ ምጽባዮም ኣድላዪ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ ጕጅለ ኣበይ ከም ዜገልግል መልእኽቲ ምሕዳግ ግን ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣኼባ ድሕሪ ምውዳኡ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ዅላቶም ናብቲ እተመደበሎም ክሊ ኪኸዱ ኣለዎም። ብጽቡቕ እተወደበን ኣስተምሃርን ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንዅሎም ኣብኡ ዚእከቡ ኣስፋሕቲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣገልግሎቶም ንኺፍጽሙ ዜድሊ መምርሒ ኸም ዚህቦም ኣየጠራጥርን እዩ።—ምሳ. 11:14።
8. እቶም ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚእከቡ ምስቶም ዚመርሑ ኺተሓባበሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
8 ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምእካብ፦ ተሓባበርቲ ኽንከውን ኣሎና። (እብ. 13:17) እንተ ተኻኢሉ፡ እቲ ንጕጅለ ኺውድብ እተመደበ፡ ንዝዀነ ይኹን መገላግልቲ ዚደሊ ኣስፋሒ ይሕግዝ እዩ። ምኩራት ኣስፋሕቲ ንሓደስትን ተመክሮ ንዘይብሎምን ኪሕግዙ ተዳልዮም እንተ መጹ፡ ሰናይ እዩ። እቶም በብግዜኡ ምስ እተፈላለየ ሰብ ኬገልግሉ ፍቓደኛታት ዚዀኑ ኣስፋሕቲ፡ ብዙሕ ኪዓሙ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 27:17፣ ሮሜ 15:1, 2) ኵላትና ግዜ ንምኽባር ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ነዚ ቲኦክራስያዊ መሰናድዎ ዘሎና ኣኽብሮትን ንመዓይይትና ዘሎና ሓልዮትን፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ዜድሊ ምትዕርራያት ንኽንገብር ኪድርኸና እዩ።—2 ቈረ. 6:3, 4፣ ፊል. 2:4።
9. ፈለምቲ ነዚ መሰናድዎ እዚ ኺድግፉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
9 ፈለምቲ ዚገብርዎ ደገፍ፦ ፈለምቲ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚገብርዎ ደገፍ ኣኽቢርካ ዚርአን ንዅላትና ዜተባብዕን እዩ። ልክዕ እዩ፡ ፈለምቲ ብዙሕ ሓላፍነታት ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እቲ ዚመርሕዎ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስን ዚገብርዎ ተመላሊስካ ምብጻሓትን፡ ሓላፍነታት ስድራ ቤትን ዓለማዊ ስራሕን ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ብጉባኤ ዚውደብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ መዓልታዊ ዚግበር መደብ ኪድግፉ ትጽቢት ከም ዚግበረሎም ኪስምዖም የብሉን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሰሰሙን እንተ ወሓደ ገሊኡ ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ኺድግፉ ይኽእሉ እዮም። ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ብእተወሰነ ደረጃ ኣባላት ጉባኤ ዚስልጥኑሉ መሰናድዎ እዩ፣ ፈለምቲ ዘለዎም መንፈሳውነትን ተመክሮን ከኣ ንኻልኦት ብዙሕ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ኣዘውቲሮም ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ስለ ዚወጹ፡ ኣብ ኣገልግሎት ተመክሮ ኣጥርዮም እዮም። ነዚ ኸኣ ንኻልኦት ኬካፍልዎም ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍርን ብቕንኣት ዚገብርዎ ተሳትፎ፡ ኣብነቶም ንኽንስዕብ የኽእለና። ነቲ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘለዎም ተሳትፎ ኸኣ፡ ብዙሕ ነማስወሉ ኢና።
10. ኵሎም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ መሰናድዎ እዚ ብምሉእ ልቦም ኪድግፍዎ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧
10 ከምቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ዝዓበየ ኽፋል ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ብዚግበር ኣገልግሎት እዩ ዚፍጸም። ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንሓድሕድና ንኽንተባባዕን ኣብ ዕዮ ስብከት ስሉጣት ንኽንከውንን ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ብእተኻእሎም መጠን ነዚ ቲኦክራስያዊ መሰናድዎ እዚ ኺድግፉ ኣለዎም። (ግብ. 5:42፣ 20:20) እምበኣር፡ ኵላትና ብምሉእ ልብና ነዚ መሰናድዎ እዚ ንደግፍ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኸና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከለና ኸኣ ንልቢ እቲ መራሒና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከነሐጕሶ ኢና።—ማቴ. 25:34-40፣ 28:19, 20።