ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/13 ገጽ 7
  • ሳጹን ሕቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሳጹን ሕቶ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ሕጹያት ጥምቀት ዚግበር ናይ መደምደምታ ምይይጥ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ኣገልገልቲ እቲ ብስራት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • መመላእታ ጽሑፍ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ኣባጊዕ የሆዋ ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት የድልየን ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 7/13 ገጽ 7

ሳጹን ሕቶ

◼ ሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ንኺጥመቕ ብቑዕ ቅድሚ ምዃኑ፡ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከብን ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈልን ዘለዎ፧

ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ኻብ ዚገብሮ ውሳነታት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ፡ ጥምቀት እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ንኺጥመቕ ብቑዕ ቕድሚ ምዃኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ካብኡ ዚደልዮ ብቕዓት ብእተወሰነ ደረጃ ኺፈልጥ ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ብብቕዓት ኣምላኽ ኪነብር ፍቓደኛ ምዃኑ ኼርኢ ኣለዎ።

ክርስትያናት ኣኼባኦም ከይሓድጉ ስለ እተኣዘዙ፡ ሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከብ ከም ዚጽዕር ኬርኢ ኣለዎ። (እብ. 10:24, 25) ሓሳብ ብምሃብ እውን ኪሳተፍ ኣለዎ። ከም ብቕዓት ጌርካ ዘይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እተመዝገበ ኪኸውን ኣለዎ።

ብዘይካዚ፡ ክርስትያናት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን ስለ እተኣዘዙ፡ ሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ፡ ቅድሚ ጥምቀት ኣብ ኣገልግሎት ኣዘውቲሩ ኺካፈል ኣለዎ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ንኺጥመቕ ብቑዕ ቅድሚ ምዃኑ፡ ንኽንደይ ኣዋርሕ እዩ ኼገልግል ዘለዎ፧ በብወርሑ ኣዘውቲሩን ብቕንኣትን ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈል ከም ዝቘረጸ ምእንቲ ኺርአ፡ እኹል ግዜ ኺውሃቦ ኣለዎ። (መዝ. 78:37) ይኹን እምበር፡ ካብቲ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዝዀነሉ እዋን ክሳዕ እቲ ንጥምቀት ብቑዕ ዝዀነሉ እዋን፡ ብዙሕ ግዜ ኺሓልፍ ኣየድልን እዩ፣ ምናልባት ሒደት ኣዋርሕ እኹል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ዜሕልፎ ሰዓት ክንደይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ነዚ ሓደ ዓይነት መምርሒ ኸነውጽኣሉ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ሽማግለታት ንዅነታት ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብ ግምት ኬእትውዎን ሚዛናውያን ኪዀኑን ኣለዎም።—ሉቃ. 21:1-4።

ምስቲ ናይ ጥምቀት ሕጹይ ዚራኸቡ ሽማግለታት (ኣብተን ኣዝዩ ሒደት ሽማግለታት ዘለዉወን ጉባኤታት ከኣ ኣገልገልቲ ጉባኤ)፡ ዓቕሚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እተፈላለየ ምዃኑ ኺዝክሩ ኣለዎም፣ ንጥምቀት ዚበቅዕ እንተ ዀይኑ ኣብ ምውሳን ድማ፡ ኬመዛዝኑ ኣለዎም። ናይ የሆዋ ምስክር ንምዃን ናይ ሓቂ ድሌት ከም ዘለዎን ነቲ ምስ ውድብ የሆዋ ብምሕባርን ኣብ ኣገልግሎት ብምክፋልን ዚርከብ ፍሉይ መሰል ከም ዜማስወሉን ኬርኢ ኣለዎ። እቶም ሽማግለታት፡ ናብ መንፈሳዊ ብስለት ከም ዘይበጽሐ ወይ ከኣ ልክዕ ከምቲ ሓደ ጥሙቕ ወንጌላዊ ኺህልዎ ዚግባእ ዓይነት ተመክሮ ኸም ዘይብሉ ይርድኡ እዮም። ንጥምቀት ብቑዕ ዘይኰነ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎም፡ ንኸይጥመቕ ዝወሰኑሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታቶም ብለውሃት ኪነግርዎን መንፈሳዊ ሓገዝ ንኺረክብ ኪሕግዝዎን ኣለዎም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ