ቃል ኣምላኽ ንትምህርቲ ይጠቅም
1. ኣርእስቲ እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2014 ዚግበር ኣኼባ ወረዳ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ መደብከ እንታይ ሕቶ እያ ኽትምለስ፧
1 እቲ ዓብዪ ‘መምህርና’ ዝዀነ የሆዋ፡ ኣብ ዩኒቨርስ እቲ ዝበለጸ መምህር እዩ። (ኢሳ. 30:20, 21) የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚምህረና፧ ካብ ኵሉ መጻሕፍቲ ኣዝዩ ዚበልጽ መጽሓፍ ኣዳልዩልና ኣሎ፡ እዚ ድማ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። መለኮታዊ ትምህርቲ ብኣካላውን ብኣእምሮኣውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ኪጠቕመና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2014 ዚቐርብ መደብ ኣኼባ ወረዳና ኺግለጽ እዩ። ኣርእስቲ እቲ መደብ፡ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:16 እተመስረተ ዀይኑ፡ ‘ቃል ኣምላኽ ንትምህርቲ ይጠቅም’ ከኣ ይብል።
2. እቲ ቐንዲ ነጥብታት፡ ብመልሲ ኣየናይ ሕቶታት እዩ ኺጐልሕ፧
2 ነዚ ዚስዕብ ቀንዲ ነጥብታት ኣቕልበሉ፦ ቀንዲ ነጥብታት እቲ መደብ፡ ብመልሲ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪጐልሕ እዩ።
• መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ህይወትና እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧ (ኢሳ. 48:17, 18)
• ኣብ ኵነታትና ለውጢ ብምግባር ንየሆዋ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከነገልግሎ ንደሊ እንተ ደኣ ዄንና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ (ሚል. 3:10)
• “ጋሻ ትምህርትታት” ኬጋጥመና ኸሎ፡ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዚግባእ፧ (እብ. 13:9)
• ‘ንኣመሃህራ’ የሱስ ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ማቴ. 7:28, 29)
• ኣብ ጉባኤ ዘለዉ መምህራን ንርእሶም ኪምህሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ሮሜ 2:21)
• ቃል ኣምላኽ ንምንታይ እዩ ዚጠቅም፧ (2 ጢሞ. 3:16)
• ሰባት ብናይ ኣህዛብ ‘ምንቕናቕ’ ዚጽለዉ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ (ሃጌ 2:6, 7)
• የሆዋ ኣባና እንታይ ምትእምማን እዩ ዘለዎ፧ (ኤፌ. 5:1)
• ኣብ ትምህርትታት የሆዋ ጸኒዕና ንኽንቅጽል፡ ተጊህና ኽንዓዪ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧ (ሉቃ. 13:24)
3. ኣብቲ እዋናዊ ዝዀነ መደብ ክንእከብን ብኣቓልቦ ክንከታተልን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
3 ጳውሎስ፡ ኣርእስቲ እዚ መደብ እዚ እተመስረተሉ ቓላት ቅድሚ ምጽሓፉ፡ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3 ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ መለለዪ ዳሕሮት መዓልትታት ዝዀነ ጽንኩር ግዜ ገሊጹ ነይሩ እዩ። “እኩያትን ኣምሰሉታትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (2 ጢሞ. 3:13) ንመለኮታዊ ትምህርቲ ምስማዕን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ከምኡ ንገብር እንተ ደኣ ዄንና፡ ኣይክንስሕትን ኢና። ስለዚ፡ ኣብዚ እዋናዊ ዝዀነ መደብ ንኽንእከብን ብኣቓልቦ ንኽንከታተልን ቈራጽነት ንግበር።