ንጥቕምታት ናይ መለኮታዊ ትምህርቲ ኣስተማቕርዎ
“ነቲ ዝጠቅም ዝምህረካ . . . ኣነ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ. ] ኣምላኽካ እየ ።” — ኢሳይያስ 48:17።
1. ንመለኮታዊ ትምህርቲ ተጠንቂቕና ኣብ ግብሪ ነውዕሎ እንተደኣ ኰይንና እንታይ ንረክብ ?
የሆዋ ኣምላኽ መዘና ዘይብሉ ፍልጠት ዘለዎ ኣምላኽ ኢዩ ። ብኣተሓሳስባ : ብቓል ወይ ብግብሪ ዝበልጾ ሓደ እኳ የለን ። ከም ፈጣሪና መጠን : ነቲ ዘድልየና ዘበለ ይፈልጥ ስለ ዝኾነ : ኣብዚሑ ብልግሲ ይህበና ኣሎ ። ከመይ ገይሩ ከም ዝምህረና እውን ብርግጽ ይፈልጥ ኢዩ ። ንመለኮታዊ ትምህርቲ ተጠንቂቕና ኣብ ግብሪ ነውዕሎ እንተ ኾይንና : ንርእስና ክንጥቀም ናይ ሓቂ ሓጐስ ድማ ከነሕልፍ ኢና ።
2, 3. (ሀ) እቶም ናይ ጥንቲ ህዝቢ ኣምላኽ : ትእዛዛቱ ሓልዮም ነይሮም እንተ ዝኾኑ ብኸመይ ክጥቀሙ ምኽኣሉ ነይሮም ? (ለ) ሎሚኸ ነቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ እንተደኣ ኣውዒልናዮ : እንታይ ጥቕሚ ኢና እንረክብ ?
2 መለኮታዊ ትምህርቲ ከም ዝሕብሮ : እቲ ልባዊ ባህጊ ናይ ኣምላኽ : ኣገልገልቱ ንህይወቶም ምስ ሕጉን ስርዓታቱን ኣሰማሚዖም ካብ ሽግር ናጻ ዝኾነ ህይወት ረኺቦም ክሕጐሱ ኢዩ ። እቶም ጥንታውያን ህዝቢ የሆዋ ክዛረቦም ከሎ ጽን ኢሎም እንተ ዝሰምዕዎ ነይሮም : ብብዙሕ በረኸት ምተጸገዉ ነይሮም : ከመይሲ ንሱ “ነቲ ዝጠቅም ዝምህረካን : በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ኣምላኽካ እየ ። ኣየ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ ሰላምካ ከም ወሓዚ : ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምኾነ ነይሩ” ኢሉ ነጊርዎም ነይሩ ኢዩ ። — ኢሳይያስ 48:17, 18።
3 እቶም ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ : ነቲ ትእዛዛትን ትምህርትታትን ናይ ኣምላኽ ተጠንቂቖም እንተዝስዕብዎ ነይሮም ብዙሕ ጥቕሚ ምረኸቡ ነይሮም ። ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕቲ ባቢሎናውያን ከቢድ ሕሰም ዘሕልፉ : ልክዕ ከም ወሓዚ ኣዝዩ ብዙሕን ዓሚቑን ዘየቋርጽን ሰላምን ብልጽግናን ዘለዎ ህይወት መሕለፉ ነይሮም ። ብተወሳኺውን እቲ ግብሪ ጽድቆም ካብ ብዝሑ ዝተላዕለ ልክዕ ከም ማዕበል ባሕሪ ምኾነ ነይሩ ። ብተመሳሳሊ ንሕናውን ነቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ህይወትና እንተደኣ ኣውዒልናዮ : ነቲ ብዙሕ ጥቕምታቱ ክንረኽቦ ኢና ። ገለ ካብዚ ጥቕምታትዚኸ እንታይ ኢዩ ?
ህይወት ናይ ሰባት ዝልውጥ ኢዩ
4. መለኮታዊ ትምህርቲ ብኸመይ እዩ ንህይወት ናይ ሚልዮናት ሰባት ነኺእዎም ዘሎ ?
4 መለኮታዊ ትምህርቲ ንብዙሓት ሰባት ህይወቶም ናብ ዝሓሸ መነባብሮ ክልውጡ ብምሕጋዙ ጠቒምዎም ኢዩ ። እቶም ንናይ የሆዋ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ : ነቲ “ግብሪ ስጋ” ከም እኒ ነውራም ጠባያት : ኣምልኾ ጣኦት : ጥንቁልና : ባእሲ ከምኡውን እኩይ ቅንኢ ሓዲጐሞ ኢዮም ። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ፍረ – መንፈስ ዝኾነ ከም እኒ ፍቕሪ : ሓጐስ : ሰላም : ዓቕሊ : ለውሃት : ሕያውነት : እምነት : ህድኣት : ከምኡውን ርእስኻ – ምግታእ ኢዮም ዘንጸባርቑ ዘለዉ ። (ገላትያ 5:19–23) ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:17–24 ዘሎ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ ክምዕዶም ከሎ : ከምቲ ኣህዛብ ብናይ ከንቱ ሓሳቦም ኣእምሮኦም ጸልሚቱ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም ዝመላለስዎ ዘለዉ ከይመላለሱ : ኢሉ ዝሃቦም ምኽሪ የቕልብሉ ኢዮም ። እቶም ንክርስቶስ ዝመስሉ ሰባት ብተሪር ልቢ ክምርሑ ዘይኰነስ ‘ነቲ ቀደም እተመላለስሉ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጦም : በቲ ንኣእምሮኦም ዘንቀሳቕስ ሓይሊ ተሓዲሶም’ ኢዮም ። ‘ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓዲሽ ሰብ’ ድማ ይለብሱ ኢዮም ።
5. ሰባት ከመይ ገይሮም ከም ዝመላለሱ : መለኮታዊ ትምህርቲ ብኸመይ ነኺእዎም ይርከብ ?
5 ንመለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘምጽኣልና ሓደ ብሉጽ ጥቕሚ ድማ : ከመይ ገይርና ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ከም እንኽእል ዘርእየና ስለ ዝኾነ ኢዩ ። ከምቲ ኖህ ዝገበሮ ምስ የሆዋ እንተደኣ ተመላሊስና : ነቲ በቲ ዓቢ መምህርና ተሓንጺጹልና ዘሎ መገዲ ህይወት ተጠንቂቕና ክንስዕቦ ኢና ። (ዘፍጥረት 6:9። ኢሳይያስ 30:20, 21) ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ “ኣህዛብ በቲ ከንቱ ሓሳቦም” ኢዮም ዝመላለሱ ዘለዉ ። ካብ ኣእምሮ ናይዞም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ዝመጽእ ገለ ጽሑፋትሲ : ኣየ ክንደይ ዘይረብሕ ኰን ኢዩ ! ኣብ ፖምፐይ ንጽሕፈት ናይ ካልኦት ኣብ መንደቕ ተጻሒፉ ዝተዓዘበ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ “ኣታ መንደቕ እዚ ኵሉ ትርጕም ዘይብሉ ሃጠው ቀጠው ጽሕፈት ተሰኪምካ ከተብቅዕ ዘይምፍራስካስ ብሓቂ ዘገርም ኢዩ ።” “ኣብቲ ምህሮ የሆዋን” ኣብቲ ብእኡ ኣቢሉ ዝግበር ዘሎ ዕዮ ስብከት ናይታ መንግስቲ ግና ሃጠው ቀጠው ዝበሃል የለን ። [ግብሪ ሃዋርያት 13:12 ት.ሓ.ዓ.] በዚ ዕዮ እዚ ተሓጊዞም : ኣፍቀርቲ – ሓቂ ዝኾኑ ሰባት ናብ ልቦም ተመሊሶም ብምስትውዓል ይመላለሱ ኣለዉ ። ነቲ ዕላማ ኣምላኽ ብዘይምፍላጦም ብመገዲ ሓጥያት ዝመላለስዎ ዝነበሩ ከመይ ገይሮም ደው ከብልዎ ከም ዝኽእሉ ይመሃሩ ኣለዉ ። ንሳቶም ድሕሪ ደጊም ፈጺሞም ኣእምሮኦም ዝጸልመተ ኣይኰነን : ከምኡውን ንከንቱ ዕላማታት ክረኽቡ ኢሎም እውን ብዓሻ ዝኾነ ልቢ ኣይድረኹን ኢዮም ።
6. ኣብ መንጎ ንትምህርቲ የሆዋ ምስዓብን ሓጐስናን ከመይ ዝበለ ዝምድና ኢዩ ዘሎ ?
6 መለኮታዊ ትምህርቲ አምጺኡልና ዘሎ ካልእ ጥቕሚ ድማ : ምስ የሆዋን ምስ ኣገባባቱን ግርም ገይሩ ኣፋሊጡና ኢዩ ። እዚ ከምዚ ዝበለ ፍልጠት : ናብ ኣምላኽ የቕርበና : ናብኡ ዘሎና ፍቕሪ የዕብየልና : ከምኡውን ንኽንእዘዞ ዘሎና ባህጊ ክብ የብለልና ኣሎ ። ኣብ 1 ዮሃንስ 5:3 ከምዚ ይብል:- “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዙ ክንሕሉ ኢዩ እሞ ትእዛዙውን ኣይከቢድን ኢዩ ።” እቲ የሱስ ዝምህሮ ዝነበረ ኩሉ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ : ምስቲ ናቱ ትእዛዛት እውን ተሰማሚዕና ኢና ንመላለስ ። (ዮሃንስ 7:16–18) እዚ ከምዚ ዝበለ ተኣዛዝነት ካብ መንፈሳዊ ጉድኣት ኣዕቊቡ ንሓጐስና ክብ ዘብል ኢዩ ።
ኣብ ህይወትና ናይ ሓቂ ዕላማ
7, 8. (ሀ) ንመዝሙር 90:12 ብኸመይ ክንርድኦ ይግብኣና ? (ለ) ከመይ ገይርና ኢና ጥበበኛ ልቢ ከነጥሪ እንኽእል ?
7 እቲ ናይ የሆዋ ትምህርቲ : ንህይወትና ዕላማ ብዘለዎ መገዲ ክንጥቀመላ ይሕብረልና ብምህላዉ ብዙሕ ተጠቒምና ኢና ። እወ : መለኮታዊ ትምህርቲ ብፍሉይ መገዲ መዓልታትና ክንቈጽር ኢዩ ዝምህረና ። ሓደ 70 ዓመት ዝነብር ሰብ ንገለ 25, 550 መዓልታት ክነብር ብተስፋ ክጽበ ይኽእል ። ሕጂ ወዲ 50 ዓመት ዝኾነ ሰብ ድሮ 18, 250 መዓልታት ኣሕሊፉ ኢዩ : እተን ተሪፈናኦ ዘለዋ 7, 300 መዓልታት ብሓቂ ኣዝየን ዉሑዳት እየን ። ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ኢዩ ብፍላይ : ነቲ ነቢ ሙሴ ኣብ መዝሙር 90:12 ናብ ኣምላኽ ዘቕረቦ ጸሎት እንታይ ማለቱ ምዃኑ ምሉእ ትርጉሙ ክግንዘብ ዝኽእል ። ሙሴ ከምዚ ይብል : “ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ : መዓልታትና ኽንቈጽር መሀረና ።” ከምዚ ክብል ከሎስ ሙሴ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ ?
8 ኣብዚ : ሙሴ ናይ ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ኣብ ህይወቱ ዘለዋኦ መዓልታት ክንደይ ምዃነን ኣምላኽ ክነግሮ ማለቱ ኣይነበረን ። ብመሰረት መዝሙር 90:9, 10 እቲ እብራዊ ነቢ ዕድመ ሰብ 70 እንተበዝሐ ድማ 80 ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቡ ኣሎ ። ኣየ ክንደይ ይሓጽራ ! ስለዚ እምበኣር : እዘን ቃላት ናይ መዝሙር 90:12 ሙሴን እቲ ህዝብን ነተን ኣብ ህይወቶም ዘለዋኦም መዓልታት ተጠንቂቖም ክሕዝወንን ኣብ ስምረት ኣምላኽ ዝረኽብሉ መዓላ ከውዕልወን ዘኽእሎም ጥበብ መታን ከዘውትሩ : የሆዋ ባዕሉ ክመርሖም ወይ ክምህሮም ዘለዎ ልባዊ ባህጊ ብግልጺ ዘንጸባርቓ እየን ። ንሕናኸ ? ነፍስወከፍ ክብርቲ መዓልትስ ነማስወላዶ ኣሎና ? ጥበበኛ ልቢ መታን ከነጥሪ ኢልናስ ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንኽብሪ እቲ ዓቢ መምህርና የሆዋ ኣምላኽ ኢልናዶ ኣብ ቁም ነገር ዘለዎ ተግባራት ከነሕልፋ ንጽዕር ኣሎና ? መለኮታዊ ትምህርቲ ነዚ ንክንፍጽም ኢዩ ዝሕግዘና ።
9. ንኽብሪ የሆዋ ክንብል መዓልታትና ክንቆጽር እንተደኣ ተማሂርናስ እንታይ ክንጽበ ንኽእል ?
9 ንኽብሪ የሆዋ ክንብል መዓልታትና ንቖጽር እንተደኣ ኰይንና እቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ናይ ዘልኣለም ህይወት ዘውህብ ፍልጠት ዘስንቕ ስለ ዝኰነስ : መዓልታትና ብዘይ ምቁራጽ ክንቆጽረን ኢና ። የሱስ : “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ክፈልጡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ ። (ዮሃንስ 17:3) ርግጽ’ዩ ንኹሉ ኣሎ ዝበሃል ዓለማዊ ፍልጠት ኣጥሪኻውን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣይርከብን ኢዩ ። ናይ ዘልኣለም ህይወትሲ ነቶም ኣብዚ ኵሉ ኣድማስ ኣዝዮም ዝለዓሉ ክልተ ዓበይቲ ኣካላት : ኣጸቢቕካ ብምፍላጥን ነቲ ፍልጠት ድማ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን : ናይ ሓቂ እምነት ብምርኣይን እያ እትርከብ ።
10. ብዛዕባ ትምህርቲ ሓንቲ ኢንሳይክሎፐድያ እንታይ ትብል ? እዚኸ ምስቲ ጥቕምታት ናይቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ብኸመይ ክመሳሰል ይኽእል ?
10 ክንደይ ዝኣክል ዕድመ ከም ዝገበርና ብዘየገድስ ሃየ እምበኣር ኩልና ብሓባር ነዚ ዝስዕብ ጥቕሚ ናይ መለኮታዊ ትምህርቲ ነስተብህለሉ:- ነቶም ተጠንቂቖም ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ ናይ ሓቂ ዕላማ ኣብ ህይወቶም ይህቦም ኢዩ ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፐድያ ከምዚ ይብል “ትምህርቲ ንሰባት ንጥቕሚ ናይቲ ሕብረተሰብ ዘበርክቱ ኣገደስቲ ኣባላት ናይቲ ሕብረተሰብ ክኾኑ ክሕግዞም ይግብኦ ። ከምኡውን ነቲ ዝወረስዎ ባህላዊ ውርሻ ብሞሳ ዝቕበልዎን ሕጕስ ናብራ መታን ክህልዎም ድማ ዝሕግዞም ክኸውን ይግብኦ ።” መለኮታዊ ትምህርቲ ሕጕስን ዘዕግብን ህይወት ክህልወና ብሓቂ ይሕግዘና ኢዩ ። ከም ህዝቢ ኣምላኽ መጠን ነቲ መንፈሳዊ ውርሻ ብዓሚቍ ሞሳ ከም እንርእዮ ዝገብረና ድራኼ ኣብ ውሽጥና የማዕብለልና ኢዩ ። እወ ብርግጽ ነቶም ኣብዛ ምድሪ ዝነብሩ ደቂ ሰብ : ዘድልዮም መሰረታዊ ድልየት ኣብ ምዕጋብ ኣገዳሲ ተራ ዝጻወቱ ኣባላት ናይቲ ሕብረተሰብ ክገብረና ይኽእል ኢዩ ። ስለምንታይ ኢዩ ግን አዚ ክበሃል ዝከኣል ?
ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም
11. ግቡእ ትምህርቲ ምርካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ቶማስ ጀፈርሰን ብኸመይ ኣጕልሖ ?
11 ካብ ኩሉ ዓይነት ትምህርቲ : መለኮታዊ ትምህርቲ ጥራይ ኢዩ ነቲ ኣብ ሰባት ዘሎ መሰረታዊ ባህጊ ናይ ትምህርቲ ከዕግብ ዝኽእል ። እቲ ሳልሳይ ፕረዚደንት ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ዝነበረ ቶማስ ጀፈርሶን : ሰባት ክመሃሩ ኣለዎም በሃሊ ነበረ ። ጀፈርሶን ኣብታ ናብ ዓርኩን ኣብቲ ናይ ናጽነት ኣዋጅ ዝበሃል ምስኡ ኰይኑ ዝፈረመን ጆርጅ ዊዝ ዝተባህለ ብ13 ነሓሰ 1786 ዝጸሓፋ ደብዳቤ ከምዚ ይብል:- “ንዓይ ከም ዝመስለኒ ካብ ኩሉ ኣብቲ ሕጊ ዘሎ ዓንቀጻት እታ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣብ ኩሉ እቲ ህዝቢ ክባጻሕ ኣለዎ እትብል ዓንቀጽ ኢያ ። ንናጽነትን ሓጐስን ክትዕቅበሉ እትኽእል ካልእ ድልዱል መሰረት የለን : . . . ፍቑር ዓርከይ ኣንጻር ድንቁርና ሓያል ጐስጓስ ኣካይድ : ነቲ ተራ ህዝቢ ንምምሃር መታን ክከኣል ነቲ ሕጊ ኣጽድቆን ኣመሓይሾን : እቲ ንትምህርቲ ኢልካ ዝኽፈል ግብሪ : ሓደ ሽሓዊ ናይቲ ሰባት እንተዘይተማሂሮም ነቶም ኣብ ልዕሊኦም ዝለዓሉ ነገስታትን ኣቕሽሽትን ልዑላውያንን ዝኸፍልዎ ምዃኑ . . . ህዝብና ክፈልጦ ኣለዎ ።”
12. ስለምንታይ ኢዩ መለኮታዊ ትምህርቲ እቲ ዝለዓለ ዕዉትን ጠቓምን ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ዘለዎ እዩ ክበሃል ዝከኣል ?
12 እቶም ናይ ጽድቂ ዝንበሌ ዘለዎም ሰባት ኣብ ድንቁርና ተረሲዖም ክተርፉ ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ጥቕሚ ዝህቦም ልዑል ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ዘለዎ ዓለምለኻዊ ትምህርቲ ናይ የሆዋ ይወሃብ ኣሎ ። 50 ዓመት ይገብር : ካልኣይ ውግእ ዓለም እናተኻየደ ከሎ እቶም ናይ ሕሃኣ ኰሚቴ ናይ ትምህርቲ ዳግመ – ምውዳብ ዝተባህሉ : ሓደ ህጹጽ “ዓለምለኻዊ ትምህርቲ” ከም ዘድሊ ተገንዘቡ ። እዚ ነገር እዚ ሕጂውን የድሊ ኢዩ ። እቲ ክሳዕ ሕጂ ተዓዊቱ ዘሎ ዓለምለኻዊ ትምህርቲ ግና መለኮታዊ ትምህርቲ ጥራይ ኢዩ ። ንሰባት ካብ ተስፋ ምቍራጽ ዘናግፎም : ብግብረገብነትን ብመንፈሳውን ክብ ዘብሎም : ካብዚ ናይዛ ዓለም እዚኣ ትዕቢትን መሰረት ዘይብሉ ጽልእን ፍልልያትን ሓራ ዘውጽኦም : ከምኡውን ናይ ዘልኣለም ህይወት ዘውህቦም ፍልጠት ዘካፍሎም ብምዃኑ እቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ጠቓሚ ትምህርቲ ኢዩ ። ልዕሊ ኹሉ ድማ : አዚ ፕሮግራም እዚ ኣብ ኩሉ ዓለም ንዘለዉ ሰባት : ንየሆዋ ኣምላኽ ከገልግልዎ ዝምህሮም ብምዃኑ ብዙሕ ጠቒምዎም ኢዩ ።
13. ኢሳይያስ 2:2–4 ብኸመይ እዩ ሕጂ ኣብ ግዜና ዝፍጸም ዘሎ ?
13 እቶም ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝኾኑ ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ ነቲ ካብ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝርከብ ጥቕምታት ረኺቦም ይሕጐሱ ኣለዉ ። መንፈሳዊ ሸውሃት ዘለዎምን መዓልቲ የሆዋ ድማ ቀሪባ ምዃና ኣጸቢቖም ዝፈልጡን ኢዮም ። (ማቴዎስ 5:3። 1 ተሰሎንቄ 5:1–6) ሕጂ “ኣብዘን ናይ መጨረሻ መዓልታት” እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ናብቲ ጽሩይ ኣምልኾ ዝርከቦ ከረን የሆዋ ይውሕዙ ኣለዉ ። እዚ ኣምልኾ እዚ ካብ ኩሉ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝጻረር ዓይነት ኣምልኾ ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ኣብ ጽኑዕ ተሰሪቱ ኣሎ ። (ኢሳይያስ 2:2–4) ሓደ ካብቶም ውፉያት መሰኻኽር ናይ የሆዋ እንተደኣ ኾይንካስ : ኣብ ማእከል እቶም እናበዝሑ ዝኸዱ ዘለዉ ጭፍራ ኣምለኽቱን ተጠቀምቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝኾኑን ብምህላውካ ኣየሐጉሰካንዶ ? ኣብ መንጎ እቶም “ኣቱም ህዝቢ : ንየሆዋ ወድስዎ” ዝብሉ ሰባት ክትርከብሲ ኣየ ክንደይ ዘደንቕ ኢዩ ! — መዝሙር 150:6 ት.ሓ.ዓ.
ኣብ መንፈስና ዘምጽኦ ጠቓሚ ፍረ
14. ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:20 ዝርከብ ምኽሪ ናይ ጳውሎስ ምስዓብ : ከመይ ዝበለ ጥቕሚ የምጽእ ?
14 ገለ ካብቲ በዙሕ ጥቕምታት ናይ መለኮታዊ ትምህርቲ : እቲ ኣብ ኣተሓሳስባናን መንፈስናን ዘምጽኦ ሰናይ ፍረ ኢዩ ። ኣብ ጽድቃዊ : ንጹህ : ውርዙይ ከምኡውን ኣብ ዝነኣድ ነገራት ከም እንሓስብ ይገብረና ። (ፊልጲ 4:8) እቲ ናይ የሆዋ ትምህርቲ ነቲ ከምዚ ዝብል ምኽሪ ናይ ጳውሎስ ክንክተሎ ይድግፈና ኢዩ:- “በእምሮ ሰብኡት ኩኑ : ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ ።” (1 ቈረንቶስ 14:20) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ እንተደኣ ኣውዒልናዮ : ናይ እከይ ፍልጠት ክህልወና አይክንጽዕርን ኢና ። ጳውሎስ ቀጺሉ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኩራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኩሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሓቕ” (ኤፌሶን 4:31) ከምዚ ዝበለ ማዕዳ እንተደኣ ኣቕሊብናሉ ንርኽሰትን ካልእ ከቢድ ሓጥያትን ከነወግድ ክሕግዘና ኢዩ ። ሽሕኳ እዚ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥቕሚ ዘምጽኣልና እንተኾነ : ብዓቢኡ ግና ንኣምላኽ ነሐጕሶ ከምዘሎና ብምፍላጥና ፍሉይ ሓጐስ ከምጽኣልና ኢዩ ።
15. ብኣተሓሳስባና ወራዙት ኰይንና መታን ክንርከብ : እንታይ ክሕግዘና ይኽእል ?
15 ወረጃ ኣተሓሳስባ እነዘውትር ሰባት ኰይንና ክንቅጽል እነተደኣ ደሊና : ሓደ ኣዝዩ ዝድግፈና ነገር እንተሎ ነቲ ‘ንጽቡቕ ልማድ ዘጥፍእ ሕማቕ ዕርክነት’ ወጊድ ምባል ኢዩ ። (1 ቈረንቶስ 15:33) ከም ክርስትያናት መጠን ምስ ኣመናዝርን ዘመውትን ካልእ ግብሪ እከይ ዝፍጽሙ ሰባትን ፈጺምና ኣይንሓብርን ኢና ። ብተመሳሳሊ : ጾታዊ ስምዒትና ንምልዕዓል ብዛዕቦኦም ዝገልጽ ጽሑፋት ከነንብብ ወይ ድማ ኣብ ተለቪዥን ወይ ዝንቀሳቐስ ስእልታት ክንርእዮም ከም ዘይግብኣና ርዱእ ኢዩ ። ልቢ ኣዝዩ ጐራሕን ጠባርን ስለ ዝኾነ ብቐሊሉ እኩይ ባህጊ ከሕድር ይኽእል እሞ ንኽትገብሮ ክፍትነካ ይኽእል ። (ኤርምያስ 17:9) ሃየ እምበኣር ኩልና ነቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ብምስዓብ ንከምዚኦም ዝበሉ ፈተናታት ነወግዶም ። ከመይሲ ንሓሳብ እቶም ‘ንየሆዋ ዘፍቅርዎ ንእከይ ከም ዝጸልእዎ’ ዝገብር ሰናይ ፍረ ኢዩ ዘምጽኣሎም ። — መዝሙር 97:10።
16. እቲ ናይ ኣምላኽ ትምህርቲ ነቲ እነንጸባርቖ መንፈስ ዝነኽኦ ብኸመይ ኢዩ ?
16 ጳውሎስ ነቲ መተዓይይቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ “ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹን ። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን ።” በሎ ። (2 ጢሞቴዎስ 4:22) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንጢሞቴዎስን ንኻልኦት ክርስትያናትን ነቲ ዘንቀሳቕሶም ሓይሊ ስምረቱ ክህቦም ኢዩ ዝብህግ ነይሩ ። ናይ ኣምላኽ ትምህርቲ ፈቃራት : ሕያዎትን ህዱእ – መንፈስ ዘንጸባርቑን ክንከውን ይድግፈና ኢዩ ። (ቈሎሴ 3:9–14) እዝስ ምስቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት እዚኣተን ብዙሓት ሰባት ዘርእይዎ ዘለዉ ጠባያት ኣየ ክንደይ ፍልልይ ኢዩ ዘለዎ ! ንሳቶም ዕቡያት : ዘየማስዉ : ባህርያዊ ፍቕሪ ዘይብሎም : ዘይሰማምዑ ወይ ተቐየምቲ : ደረቐኛታት : ተድላ ዝፈትዉ ናይ ሓቂ ኣምላኻዊ ፍርሒ ዘይብሎም ኢዮም ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1–5) ነቲ ካብ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝርከብ ጥቕምታት ከየቋረጽና ኣብ መዓላ ነውዕሎ እንተደኣ ኰይንና : ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ብጾትና ሰባትን ተፈተውቲ ክገብረና ዝኽእል መንፈስ ከነንጸባርቕ ኢና ።
ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ
17. ብትሑት መንፈስ ተሓባቢርካ ምዕያይ ኣዝዩ ኣድላይ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ ?
17 ናይ የሆዋ ትምህርቲ ምስ ብጾትካ ኣምለኽቲ ብትሕትና ብምትሕብባርካ ዝርከብ ጥቕሚ ክንግንዘብ ይድግፈና ኢዩ ። (መዝሙር 138:6) ከምዞም ሎሚ ዘለዉ ሰባት : ነቲ ጽድቃዊ ስርዓት እንጥሕስ ዘይኰነስ ንኽንሰማማዕ ድልዋት ኢና ። ንኣብነት ሽማግለታት ኣብቲ ናይ ሽማግለታት ኣኼባ ንኽሰማምዑ ድልዋት ምስ ዝኾኑ : ብዙሕ ሰናይ ፍረ ይርከቦ ። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ስምዒት ነቲ ክውንነት ንኸይርእዩ ወይ ምፍልላይ ከስዕበሎም ዘይፈቕዱ እኳ እንተኾኑ : ምእንቲ ሓቂ ግና ብህድኣት ክዛረቡ ይኽእሉ ። ነቲ መለኮታዊ ትምህርቲ : ኩልና ተጠንቂቕና ኣብ ግብሪ ምውዓሉ እንተቐጺልና : በዚ ረኺብናዮ ዘሎና መንፈስ ናይ ሕብረት ኩላ እታ ጉባኤ ብዙሕ ክትጥቀም ኢያ ። — መዝሙር 133:1–3።
18. መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብቶም ኣመንቲ ብጾትና ከመይ ዝበለ ኣመለኻኽታ ክህልወና ኢዩ ዝድግፈና ?
18 መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ኣመንቲ ብጾትና ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ክህልወና ብዙሕ ይድግፈና ኢዩ ። የሱስ “እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኰይኑ : ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ ። (ዮሃንስ 6:44) ብፍላይ እኳ ካብ 1919 ንነጀው : የሆዋ ነቲ ከውርዶ ዘለዎ ፍርዲ ኣገልገልቱ ከም ዝእውጅዎ ገበረ : በዚ ናይ ዓለምለኸ መጠንቀቕታ ድማ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ተንቀጥቅጥን ትሕቆንን ኢያ ዘላ ። እቶም “ክቡር ነገር” ተባሂሎም ዘለዉ ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት ግና ምስቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብቲ ናይ ኣምልኾ ቤት የሆዋ : ክብሪ ኣብ ምምጻእ መታን ክሓብሩዎም : ብኣምላኸ ተሳሒቦም ንርእሶም ካብ ህዝብታት ይፈልይዋ ኣለዉ ። (ሃጌ 2:7) እወ : ብርግጽ ነዞም ብኣምላኽ ተሳሒቦም ዝመጹ ክቡራት ሰባት ከም ፍቑራት ብጾትና ጌርና ክንርእዮም ይግብኣና ።
19. ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ብጾት ዝለዓለ ዘይምስምማዕ ከመይ ገይርካ ክፍታሕ ከም ዝግብኦ : ትምህርቲ ናይ ኣምላኸ እንታይ ይብል ?
19 ግናኸ ዘይፍጹማት ሰለ ዝኾንና : ሰባት ኩሉ ግዜ ብዘይሓደ ጸገም ከም ዘይከዱ ዝተረጋገጸ ኢዩ ። ጳውሎስ ነቲ ካልኣይ ሚስዮናዊ መገሻኡ ቅድሚ ምጅማሩ : በርናባስ ንማርቆስ ምስኦም ክወስድዎ ወሲኑ ነበረ ። ጳውሎስ ግና ማርቆስ “ኣብ ጳምፍልያ እተፈልየ : ምሳታቶም ከኣ ናብቲ ዕዮ ዘይመጸ” ብምዃኑ ነቲ ሓሳብ አይተሰማማዓሉን ። በዚ ድማ ኣብ መንጐኦም ባእሲ ኾነ ። “ባርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ከደ : ጳውሎስ ግና ምስ ሲላስ ኰይኑ ናብ ሶርያን ቂልቅያን ከደ ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:36–41) ዳሕራይ ጸኒሖም ግና ነዚ ነቓዕ ኣደቂሶሞ ኢዮም : ከመይሲ ማርቆስ ኣብ ሮሜ ምስ ጳውሎስ ኢዩ ነይሩ ከምኡውን እቲ ሃዋርያ ብዛዕብኡ ጽቡቕ ተዛሪቡ ኣሎ ። (ቈሎሴ 4:10) ሓደ ካብቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝህበና ጥቕሚ ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 5:23, 24 ከምኡውን ኣብ ማቴዎስ 18:15–17 ዝሃቦ ምኽሪ ብምስዓብ ኣብ መንጐ ክርስትያናት ዝለዓል ዘይምስምማዓት ከመይ ገይርና ከም እነደቅሶ ይምህረና ።
ወትሩ ጠቓምን ዕዉትን ኢዩ
20, 21. እዚ ብዛዕባ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ : እንታይ ንኽንገብር ኢዩ ክድርኸና ዝግብኦ ?
20 ካብዚ ብዛዕባ ጥቕምታትን ዓወታትን ናይ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝወሰድናዮ ቁንጣሮ መጽናዕቲ : ብዘይጥርጥር ኩልና ኣብ ናብራ ህይወትና ብዘይምቍራጽ ኣብ መዓላ ከነውዕሎ ክሳዕ ክንደይ ኣድላይ ምዃኑ ተገንዚብና ኣሎና ። ሃየ እምበኣር ኩልና ብጸሎተኛ መንፈስ ካብቲ ዓቢ መምህርና ብቀጻልነት ንምሃር : ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ መለኮታዊ ትምህርቲ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተራእየ መገዲ ክዕወት ኢዩ ። ኩሎም እዞም ምሁራት ናይዛ ዓለም እዚኣ ንሓዋሩ ምስ ጠፍኡ : ሽዑ ኣጸቢቑ ክዕወት ኢዩ ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 1:19 ኣነጻጽርዎ) ብዓቢኡ ድማ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንፍቓድ ኣምላኽ ክመሃሩዎን ክገብርዎን ከለዉ ልክዕ ከምቲ ማያት ንመዓሙቕ ባሕሪ ዘጐልብቦ ከምኡ ድማ ምድሪ ብፍልጠት የሆዋ ክትመልእ እያ ። (ኢሳይያስ 11:9) እዝስ ነቶም እዙዛት ደቅሰብ ኣየ ክንደይ ጥቕሚ ኮን’ዩ ዘምጽኣሎም ! ኣየወ : ንየሆዋ ድማ ብዘደንቕ መገዲ ናይ ጠቕላላ ፍጥረት ላዕለዋይ ገዛኢ ምዃኑ ዘረጋገጸሉ ኢዩ !
21 ናይ የሆዋ ትምህርቲ ኩሉ ግዜ ጠቓምን ዕዉትን ኢዩ ። ከም ትጉህ ተማሃራይ ናይቲ ኣዝዩ ዓብዪ መምሃሪ – መጽሓፍ ብምዃንዶ ብቀጻልነት ነቲ ጥቕምታቱ ክትሓፍሶ ኢኻ ? ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ክትነብርን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሓቅታት ድማ ንካልኦት ከተካፍሎምን ዲኻ ? ከምዚ እንተደኣ ጌርካ : ነቲ ምሉእ ዓወት ናይ መለኮታዊ ትምህርቲ ንኽብሪ ናይቲ ዓቢ መምህርና ዝኾነ እቲ ኣዝዩ ልዑል ጐይታ የሆዋ ኣማዕዲኻ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ ።
እንታይ ተማሂርኩም ?
◻ መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ህይወትና ከመይ ዝበለ ጸለውታ ክህልዎ ይኽእል ?
◻ ከመይ ኢሉ ኢዩ ናይ የሆዋ ትምህርቲ ንትምህርታዊ ጽምኢ ናይ ሰባት ከማልእ ክኢሉ ዘሎ ?
◻ መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣረኣእያናን ከመይ ዝበለ ጠቓሚ ጸለውታ ኢዩ ክገብር ዝኽእል ?
◻ ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ናይ ኣምላኽ ትምህርቲ ጠቓሚ ምዃኑ ብኸመይ ተረጋገጸ ?
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
መለኮታዊ ትምህርቲ ከምቲ ኖህ ዝገበሮ ከመይ ገይርና ምስ ኣምላኽ ከም እንመላለስ ይምህረና ኢዩ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ካብ ኩሎም ህዝብታት ዝመጹ ሰባት ናብ ከረን የሆዋ ይድይቡ ኣለዉ