ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/13 ገጽ 4
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሃሎዊን—ብዛዕባኡ ዚገልጽ ሓቂ
    ንቕሑ!—2013
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 8/13 ገጽ 4

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦

“ሰላም። መጻምድቲ ንሓዳሮም ዕዉት ንምግባር ዜኽእሎም ዜተኣማምን ሓገዝ ካበይ ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ንምግላጽ ኢና ኽንበጽሓካ መጺእና። ሓዳር፡ ሕጉስ ንኸይከውን እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት እንታይ እዩ ምበልካ፧” [መልሲ ተጸበ።] ነቲ ብዓል ቤት፡ ነታ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ 1 መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ ዓንቀጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ድማ፡ ቈጸራ ግበር።

ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስከረም

“ሓያሎ ኣብ ማሕበረ ሰብና ዘለዉ ሰባት፡ ኣምላኽ ስለምንታይ ክንድዚ ዚኣከል መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደ ስለ ዚሓትቱ ኢና ኽንበጽሓካ መጺእና። ብዛዕባ እዚ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እቲ ዜገርም፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓዘንን ስቓይን ዘይህልወሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ ይመባጻዕ እዩ። [ራእይ 21:4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መከራ ኽሳዕ ክንድዚ ዝበዝሐ ስለምንታይ ምዃኑ፡ ሓሙሽተ መሰረታዊ መርትዖ ተቕርብ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንመከራ ዜወግደሉ መገዲ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”

ንቕሑ! መስከረም

“ብዛዕባ ሓደ ውሩይ ዝዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ዚብዓል በዓል ሓበሬታ ንምሃብ ኢና መጺእና። እቲ በዓል ሃሎዊን ይብሃል። ገሊኦም ነቲ ኸምቲ ዚስዕብ ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጠንቀቕታ ብምስዓብ፡ ነዚ በዓል እዚ ንኸየብዕሉ ወሲኖም እዮም። [ዘሌዋውያን 19:31 ኣንብብ።] ካልኦት ሰባት ግና፡ ብዛዕባ ልዕለ ባህርያውያን መናፍስቲ ስለ ዘይኣምኑ፡ ንሃሎዊን ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ከም ዘይብሉ መዘናግዒ ገይሮም ይምልከትዎ። ብዛዕባ እዚ በዓል እዚ ዘሎካ ርእይቶ እንታይ እዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ ሕማቕ ኣመጻጽኣ ሃሎዊን ትገልጽ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ