ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38
“ብደረጃ ዓለምለኸ ነዚ ኣገዳሲ መልእኽቲ እዚ ንዕድል ኣሎና። ንዓኻ ኸኣ ክንህበካ።”
መዘኻኸሪ፦ ክልኻ ምእንቲ ኽትሽፍን፡ ኣቀራርባኻ ሓጺር ግበሮ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ እቲ ብዓል ቤት ናይ ሓቂ ተገዳስነት የርእን ብዝያዳ ኺመያየጥ ይደልን ይኸውን። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ብዛዕባ እታ ኣብ ገበር ዘላ ሕቶ ርእይቶኡ ኽትሓትቶን ነቲ ኣብ ውሽጢ ዚርከብ መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብበሉን ትኽእል ኢኻ፣ ግዜ ኸም ዚፈቕዶ ድማ፡ ብዛዕባ እተወሰነ ትሕዝቶ እታ ትራክት ክትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም። ቅድሚ ምኻድካ፡ ነታ ብድሕሪት እታ ትራክት እትርከብ “ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ” እትብል ሕቶ ኣርእዮ እሞ፡ ምስ ተመለስካ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ቘጸራ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳር
“ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ እተነግረ ሓሶት፡ እቲ ዝዓበየ ኣየናይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ኣምላኽ ንሰባት፡ ኬፍቅርዎን ብእኡ ኺተኣማመኑን እዩ ዚደልዮም። [ኢሳይያስ 41:13 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነቲ ንሰባት ናብ ኣምላኽ ንኸይቀርቡ ዚዓግቶም ሰለስተ ልሙድ ሓሶት ተቃልዖ።”
ንቕሑ! ሕዳር
“ብዙሓት ሰባት፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዚጠፍእ ዘሎ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ብዛዕባ እዚ ኸነዘራርበካ ኢና መጺእና። ደረጃ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ማሕበረ ሰብ፡ ዚወርድ ዘሎ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣረኣእያን ጠባይን ሰባት ከም ዚቕየር ተነብዩ ነይሩ እዩ። [2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ክንተኣማመነሉ እንኽእል ስለምንታይ ምዃኑ ትገልጽ።”