ነታ ብዛዕባ ወብ ሳይት እትገልጽ ሓዳስ ትራክት ተጠቐመላ
ኣርእስቲ እታ ትራክት፡ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧ ይብል። ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ እታ ትራክት ሰለስተ ሕቶታት ቀሪቡ ኣሎ። ምስ ሓደ ሰብ ንኽትዛረብ ኣጋጣሚ እንተ ተኸፊቱልካ፡ ብዝያዳ ኣየነይቲ ሕቶ ኸም እተገድሶ ሕተቶ እሞ፡ ኣብቲ ወብ ሳይት ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > BIBLE QUESTIONS ANSWERED ዚብል ብእንግሊዝኛ ዚርከብ ክፋል ኪርኢ ሓብሮ። ኣብኡ ኸኣ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧” “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ ኽትዓምም” ንዚብል ሕቶታት መልሱ ኺረኽበሉ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ዜደንቕ መጻኢ እንታይ ከም ዚብል፡ ንሰባት ምእንቲ ኽትምህሮም እተወሰነ ቕዳሓት እታ ትራክት ሓዝ።