ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/14 ገጽ 4
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ተጠቐመላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ነታ ብዛዕባ ወብ ሳይት እትገልጽ ሓዳስ ትራክት ተጠቐመላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 7/14 ገጽ 4

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧

እቲ ብዓል ቤት ንኣርእስቲ እታ ትራክት ከም ዚርእዮ ብምግባር ከምዚ በል፦ “ሰላም። ነዚ ኣገዳሲ መልእኽቲ እዚ ንኸነብጽሕ ብደረጃ ዓለምለኸ ኣብ ዚግበር ወፈራ ንካፈል ኣሎና። እዚኣ ትራክት እዚኣ ንዓኻ እያ።”

ነታ ትራክት ኣብ ቤቶም ንዘይተረኽቡ ሰባት ክትገድፈሎም እንተ ሓሲብካ፡ ከም ዘይትርአ ጌርካ፡ ከይዓጻጸፍካ ኣእትዋ።

እቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ወይ ኪዛረብ እንተ ደልዩ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳማይ ገጽ እታ ትራክት ዘሎ ኣማራጺ ሕቶታት እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለዎ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ነታ ትራክት ገንጺልካ ድማ፡ መዝሙር 119:144, 160 እንታይ ከም እትብል ኣርእዮ። እታ ትራክት፡ ብዛዕባ ሓደ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜዕግብ መልሲ ንኺረክብ ኪሕግዞ ዚኽእል ወብ ሳይት ዚገልጽ ሓበሬታ ኸም ዝሓዘት ኣብርሃሉ። ምናልባት ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኸም ኣብነት ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ቅድሚ ምፍልላይኩም፡ ነቲ ኣብ ድሕሪት እታ ትራክት ዘሎ ሰለስተ ሕቶታት ኣርእዮ እሞ፡ ብዝያዳ ኣየነይቲ ሕቶ ኸም እተገድሶ ሕተቶ። ብjw.org ተጠቒሙ ንሕቶኡ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ መልሲ ኸም ዚረክብ ተመሊስካ ኸተርእዮ ኸም እትኽእል ሓብሮ። ምስ ተመለስካ፡ ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > BIBLE QUESTIONS ANSWERED ብምርኣይ ንመልሲ እታ ሕቶ ተመያየጠላ።

ንኣኼባ ዞባኹም ዚምልከት ወረቐት ዕድመ ትዕድል እንተ ኣሊኻ ድማ፡ ነቲ ወረቐት ዕድመ ምስታ ትራክት ጌርካ ሃቦ እሞ፡ “ኣብ ዚመጽእ እዋን ብናጻ ኣብ እንገብሮ ህዝባዊ ኣኼባ ንኽትመጽእ ዚዕድም ወረቐት እውን ሂብናካ ኣሎና” በሎ።

ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓሰ

ኣብ መወዳእታ ሰሙን፡ ዚጥዕም እንተ ዀይኑ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ንምዕዳል ከምዚ በል፦ “ናይ ቀረባ እዋን መጽሔታትና ኸነበርክተልካ እውን ሕጉሳት ኢና። እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ‘ኣምላኽ ይግደሰልካ ድዩ፧’ ንእትብል ሕቶ መልሲ ትህበሉ እያ።”

ንቕሑ! ነሓሰ

ኣብ መወዳእታ ሰሙን፡ ዚጥዕም እንተ ዀይኑ፡ መጽሔት ንቕሑ! ንምዕዳል ከምዚ በል፦ “ናይ ቀረባ እዋን መጽሔታትና ኸነበርክተልካ እውን ሕጉሳት ኢና። እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ ‘ሰባት ብኸመይ ሰላም ኪገብሩ ይኽእሉ’ ንእትብል ሕቶ መልሲ ትህበሉ እያ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ