ንሓይሊ ቓል ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎትካ ኣዕይዮ
ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ብስራት ንኸነካፍሎ ግዜ እንተ ሂቡና፡ ነቲ ኣጋጣሚ ጽቡቕ ጌርና ኢና እንጥቀመሉ፣ ጥቕስታት ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ድማ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ንጥቀመሉ ኢና። እዚ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝወሰድናዮ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ጐሊሑ ነይሩ እዩ። ኣርእስቲ እቲ ሓላው ወረዳ ዘቕረቦ መደረ፡ “ንሓይሊ ቓል ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣዕይይዎ” ዚብል እዩ ነይሩ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ትዝክሮዶ፧
ቃል የሆዋ ኻብ ናትና ንላዕሊ ብዝያዳ ሓይሊ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧—2 ጢሞ. 3:16, 17።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስምዒት ዜለዓዕልን ኣተሓሳስባ ዚቐርጽን ድራኸታት ዜመሓይሽን ጠባይ ዚእድብን ብኸመይ እዩ፧—ናይ 15 ሰነ 2012 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 27 ሕ.ጽ. 7 ርአ።
ኣብ ኣገልግሎት ንሓደ ሰብ ጥቕሲ ኸነንብበሉ ኸለና፡ ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ምእንቲ ኺሓድሮ ብኸመይ ናብኡ ኸም ዜተኵር ክንገብር ንኽእል፧—ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ገጽ 148፡ ሕ.ጽ. 3-4 ኸምኡውን ኣብ ናይ መጋቢት 2013 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 6፡ ሕ.ጽ. 8 ርአ።
ነቲ እነንብቦ ጥቕስታት ክንገልጾን ትርጉሙ ኸነረድእን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧—ግብ. 17:2, 3፣ ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ካብ ገጽ 154፡ ሕ.ጽ. 4 ኽሳዕ ገጽ 156፡ ሕ.ጽ. 5 ርአ።