በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ እትኽእል ኣቀራርባ
መብዛሕትና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሰብ እንተ ረኺብና ኣዚና ኢና እንሕጐስ። እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ከምዚ ንምግባር ክትሕግዘና ትኽእል እያ። እቲ ኣብ ገጽ 3-7 ዘሎ መቕድም: ነቲ ብዓል ቤት ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ተጠቒምና ናብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ንኸነእትዎ ኺሕግዘና ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። እቶም ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎም ኣሕዋት እውን ከይተረፈ: በዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ጌርካ መጽናዕቲ ምጅማር ቀሊል ኰይኑ ኺረኽብዎ እዮም።
◼ ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ ነዚ ኣቀራርባ እዚ ኽትፍትኖ ትኽእል ኢኻ:-
ነቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ዜጨንቖም ዜና ወይ ጸገም ድሕሪ ምጥቃስ: ነቲ ብዓል ቤት ናብቲ ኣብ ገጽ 3 ብድሙቕ ተጻሒፉ ዘሎ ሕቶታት ከም ዜተኵር ግበሮ: ሓሳባት ኪህብ ድማ ዓድሞ። ብድሕሪኡ ናብ ገጽ 4-5 ሕለፍ።
◼ ወይውን ነቲ ኣብ ገጽ 4-5 ዘሎ ሓሳባት ብምጕላሕ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-
“ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ለውጥታት እንተ ዚፍጸምሲ ዜሐጕስዶ ኣይምዀነን፧” ክትብል ትኽእል ኢኻ: ወይውን “ካብዚ ኣብዚ ዘሎ መብጽዓታት ኣየናይ ኪፍጸም ትደሊ፧” ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዚህቦ መልሲ ጽን ኢልካ ስምዓዮ።
እቲ ብዓል ቤት ኣብ ሓደ ኻብቲ ጥቕስታት ፍሉይ ተገዳስነት እንተደኣ ኣርእዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ከም ዚምህር ንምግላጽ: ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ዚርከብ ነታ ጥቕሲ ዚገልጽ ሕጡብ ጽሑፋት ኣርእዮ። (ኣብዛ እታው እዚኣ ዘሎ ሳጹን ርአ።) ነቲ ሓሳባት ልክዕ ከምቲ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትጥቀመሉ ኣገባብ ጌርካ ኣቕርቦ። እዚ ኻብ ሓሙሽተ ኽሳዕ ዓሰርተ ደቒቕ ጥራይ ብምውሳድ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕካ ኣብ ኣፍ ቤት ኪግበር ይከኣል እዩ።
◼ ካልእ ኣቀራርባ ድማ ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ እቲ ሰብ ሓሳባቱ ኸም ዚገልጽ ምግባር እዩ:-
ነቲ ብዓል ቤት ናብቲ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል እታ ገጽ ዘሎ ሕቶታት ከም ዜተኵር ብምግባር: “ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧” ኢልካ ሕተቶ። ኣብ ሓደ ኻብቲ ሕቶታት ተገዳስነት እንተደኣ ኣርእዩ: ናብቲ ኣብታ መጽሓፍ ዚርከብ ነታ ሕቶ ዚምልስ ሕጡብ ጽሑፋት ገንጽል። (ኣብዛ እታው እዚኣ ዘሎ ሳጹን ርአ።) ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት ሓቢርኩም ክትመያየጥሉ ኸለኹም: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ ኣለኻ ማለት እዩ።
◼ ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሓሳባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ንምርኣይ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ:-
ነተን ቀዳሞት ሰለስተ ምሉኣት ሓሳባት ኣንብብ: ብድሕሪኡ ምዕራፍ 3 ብምግንጻል ቍጽሪ 1-3 ተጠቒምካ መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዚግበር ኣርእዮ። ኣብ ቍጽሪ 3 ዘሎ ሕቶታት ንምምይያጥ ተመሊስካ ኽትመጽእ ቈጸራ ግበር።
◼ ተመሊስካ ንኽትመጽእ ቈጸራ ኽትገብረሉ እትኽእል መገዲ:-
ነታ ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ ምስ ወዳእኩም: ነቲ ምይይጥ ንምቕጻል ተመሊስካ ኽትመጽእ ምድላው ግበር። “ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ኣርእስቲ እንታይ ኢሉ ኸም ዚምህር ርኢና ኢና። ኣብ ዚመጽእ ከኣ ብዛዕባ [ነታ እትመያየጡላ ሕቶ ጠቒስካ] ኽንመያየጥ ንኽእል ኢና። ዚመጽእ ሰሙን ከምዚ ሕጂዶ ኽመጸካ፧” ኽትብል ትኽእል ኢኻ።
ናብ መዓልቲ የሆዋ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን: የሆዋ ብዚግባእ ንኽንዓዪ የዕጥቐና ኣሎ። (ማቴ. 28:19, 20፣ 2 ጢሞ. 3:17) ሃየ እምበኣር: ነዛ እተደንቕ ሓዳስ መሳርሒትና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ብዚግባእ ንጠቐመላ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ኣብ ገጽ 4-5 ዘሎ ጥቕስታት ዚኸውን መመያየጢ ሓሳባት
◻ ራእይ 21:4 (ገጽ 27-8 ቍ. 1-3)
◻ ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5, 6 (ገጽ 36 ቍ. 22)
◻ ዮሃንስ 5:28, 29 (ገጽ 72-3 ቍ. 17-19)
◻ መዝሙር 72:16 (ገጽ 34 ቍ. 19)
ኣብ ገጽ 6 ንዘሎ ሕቶታት ዚኸውን መልስታት
◻ ንምንታይ እዩ መከራ ዚወርደና፧ (ገጽ 108-9 ቍ. 6-8)
◻ ጭንቀትና ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ (ገጽ 184-5 ቍ. 1-3)
◻ ስድራቤትና ሓጐስ ዝመልኦ ኽንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ገጽ 142-3Adj. ቍ. 20)
◻ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ (ገጽ 58-9 ቍ. 5-6)
◻ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት እንረኽቦም እዋን ኪመጽእ ድዩ፧ (ገጽ 72-3 ቍ. 17-19)
◻ ኣምላኽ መብጽዓታቱ ኸም ዚፍጽም ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ (ገጽ 25 ቍ. 17)