ደቀ መዛሙርቲ ኽትገብር ጽዓር
1. ሰባት ምእንቲ ኺድሕኑ እንታይ እዩ ዜድሊ፧
1 ጸብጻብ ኣገልግሎት ዓመት 2014፡ ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ዘለዎም ቅንኣትን ቈራጽነትን ዜጕልሕ እዩ። (ማቴ. 24:14) ፍሉይ ወፈራታት ብምግባር ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ትራክትታትን ወረቓቕቲ ዕድመን ብምዕዳል፡ ብጋህዲ ብዚግበር ምስክርነትን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንብዙሓት ሰባት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነብጽሓሎም ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ውልቀ ሰባት ኪድሕኑ እንተ ተደልዩ ግና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምእንቲ ኪዀኑ ኽንሕግዞም ይግባእ።—1 ጢሞ. 2:4።
2. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ወትሩ ምእንቲ ኽንዳሎ፡ ንርእስና እንታይ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና፧
2 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ተዳሎ፦ ሓደ ሰብ ተገዳስነት ምስ ዜርኢ፡ ኣድራሻኡ ብምውሳድ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትጅምረሉ ቐልጢፍካ ትምለሶ ዲኻ፧ ኣብ ናይ መጀመርታ ምብጻሕካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ዝፈተንካሉ ግዜ መዓስ እዩ፧ ነቶም መጽሔታት እተበጻጽሓሎም ሰባት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓሎም ከም እትኽእል ዝሓበርካሉ መዓልቲ መዓስ እዩ፧ ነተን መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧ ዘርእስተን ቪድዮታትን ንመሳርሕትኻ፡ ንመማህርትኻ፡ ንጐረባብትኻ፡ ንኣዝማድካ፡ ከምኡ እውን ንኻልኦት እትፈልጦም ሰባት ኣርኢኻዮምዶ ትፈልጥ፧ መርኣዪ ጽሑፋት ክትጥቀም ከለኻ፡ ነቶም ሕታም መጽናዕቲ ዚወስዱ ሰባት፡ እቲ ሕታም እቲ ናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረሎም ንዚደልዩ ሰባት ከም እተዳለወ ትሕብሮም ዲኻ፧
3. ሓቂ ብውጽኢታዊ መገዲ ምእንቲ ኽንምህር እንታይ የድሊ፧
3 ካብ የሆዋን ካብ የሱስን ሓገዝ ርኸብ፦ የሱስ ነቲ “ደቀ መዘሙርቲ ግበሩ” ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ፡ “ኪዱ” ብእትብል ቃል ምጅማሩ፡ ክንጽዕርን ተበግሶ ኽንወስድን ከም ዘሎና እዩ ዚሕብር ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ንበይንና ኣይገደፈናን፣ ኣብ ክንዳኡስ ንሱ እውን ምሳና ኸም ዚኸውን ቃል ኣትዩልና እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ብዘይካዚ፡ የሆዋ እውን መንፈስ ቅዱስን ንሰባት ሓቂ ንኽንምህሮም ዚሕግዘና ናውትን ስልጠናን ሂቡና እዩ። (ዘካ. 4:6፣ 2 ቈረ. 4:7) ስለዚ፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ምእንቲ ኽንካፈል፡ ‘ድሌትን ንኽንገብር ዓቕምን’ ኪውሃበና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።—ፊል. 2:13።
4. ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ከነተኵር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብዙሕ ሓጐስ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሓደ ሰብ ሓቂ ኽንምህሮ ኸለናን ኣብታ “ናብ ህይወት እትመርሕ ኣፍ ደገ” ምስና ሓቢሩ ንኺጐዓዝ ኽንሕግዞ ኸለናን ሓጐስና ይውስኽ እዩ። (ማቴ. 7:14፣ 1 ተሰ. 2:19, 20) ብዝያዳ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ምስ እነተኵር፡ ነቲ ‘ዅሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይደሊ’ የሆዋ ነሐጕሶ ኢና።—2 ጴጥ. 3:9።