ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኤርምያስ 35-38
ዔቤድ-ሜሌክ—ኣብነት ትብዓትን ለውሃትን
ዔቤድ-ሜሌክ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ጼዴቅያስ ብዓል ስልጣን እዩ ነይሩ፣ ኣምላኻዊ ባህርያት ድማ ኣርኣየ
ምእንቲ ኤርምያስ ኢሉ ትብዓት ዝመልኦ ቕልጡፍ ስጕምቲ ብምውሳድ ናብ ንጉስ ጼዴቅያስ ቀሪበ፡ ንኤርምያስ ድማ ካብቲ መዕቘር ማይ ኣውጽኦ
ንኤርምያስ ካብቲ መዕቘር ማይ ኪስሕብዎ ኸለዉ እቲ ገመድ ምእንቲ ኸይሕርሕሮ፡ ኣብ ትሕቲ ትሽትሹ ዚገብሮ ልስሉስ ኣጭርቕትን ክዳውንትን ብምሃብ ለውሃት ኣርኣየ