ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኤርምያስ 39-43
የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ይፈድዮ
ጼዴቅያስ ንባቢሎን ኢዱ ኺህብ ንእተዋህቦ መምርሒ የሆዋ ኣይተኣዘዘን
ደቂ ጼዴቅያስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ተሓርዱ። ድሕሪኡ፡ ንሱ እውን ዖረ፡ ብመቝሕ ነሓሲ ተኣስረ፡ ክሳዕ ዚመውት ድማ ኣብ ባቢሎን ተሓየረ
ዔቤድ-ሜሌክ ኣብ የሆዋ ተወከለ፡ ንነብዪ ኤርምያስ ድማ ሓልዮት ኣርኣየ
የሆዋ፡ ይሁዳ ኣብ እትጠፍኣሉ እዋን ንዔቤድ-ሜሌክ ከም ዜድሕኖ ቓል ኣተወ
ኤርምያስ፡ የሩሳሌም ቅድም ምጥፍኣ ንሓያሎ ዓመታት ብትብዓት ሰበኸ
የሆዋ ኣብ እዋን ከበባ የሩሳሌም ንኤርምያስ ኣዕቈቦ፡ ካብ ባቢሎናውያን ሓራ ኺወጽእ ድማ መሰናድዎ ገበረሉ