ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ጥቅምቲ ገጽ 7
  • ንየሆዋ ብምሉእ ህይወትካ ወድሶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ብምሉእ ህይወትካ ወድሶ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ምሳሌ እቲ ታለንት ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • በቲ ዘሎካ ፍሉይ መሰላት ተሓጐስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ንኣምላኽ ከተገልግሎ ዝድርኸካ እንታይ ኢዩ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ከም እትሕጐስ ዚገብረካ እንታይ እዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ጥቅምቲ ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ንየሆዋ ብምሉእ ህይወትካ ወድሶ!

ህይወት ክቡር ውህበት እዩ። ነዚ ውህበት እዚ እንጥቀመሉ መገዲ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እነማስወሉ የርኢ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀንና፡ ንተውህቦናን ንኽእለትናን ነቲ ወሃብ ህይወትና ዝዀነ የሆዋ ንምኽባርን ንምውዳስን ክንጥቀመሉ ንጽዕር ኢና። (መዝ 36:9፣ ራእ 4:11) ምስናይዚ ግና፡ ኣብዛ እክይቲ ዓለም መዓልታዊ ዜጋጥመና ጭንቀት፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ብቐሊሉ ዕሽሽ ከም እንብሎ ኺገብረና ይኽእል እዩ። (ማር 4:18, 19) ነፍሲ ወከፍና ንርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና፦ ‘ንየሆዋ ብሓቂዶ ዝበለጸ እህቦ እየ፧ (ሆሴ 14:2) ዕዮይ ወይ ሞያይ ናበይ እዩ ዚመርሓኒ ዘሎ፧ እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ሸቶታት እዩ ዘሎኒ፧ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ኽዓዪ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’ ምምሕያሽ ዜድልዮ መዳያት ከም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልካ፡ ሓገዝ ክትረክብ ናብ የሆዋ ጸሊ፡ ዜድሊ ምትዕርራያት ከኣ ግበር። ንየሆዋ በብመዓልቱ ምስ እትውድሶ፡ ኣብ ህይወትካ ዕግበትን ሓጐስን ክትረክብ ኢኻ።—መዝ 61:8።

ኤድጋርዶ ፍራንኮ ኣብ መድረኽ ይደርፍ፣ ኤድጋርዶ ፍራንኮ ኣብ ኣገልግሎት

ንተውህቦኻ ንመን ኢኻ እትውፍዮ፧

ነታ ተውህቦኻ ንየሆዋ ንምግልጋል ተጠቐመሉ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ተውህቦኻ ንናይ ሰይጣን ዓለም ምውፋይ ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (1ዮሃ 2:17)

  • እቶም ንየሆዋ ዝበለጸ ዚህብዎ ሰባት እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

  • ንተውህቦኻን ንኽእለትካን ኣበየናይ መዳያት ቅዱስ ኣገልግሎት ኢኻ ኽትጥቀመሉ እትኽእል፧

ንኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን ርእይቶታት፦

  • ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ፡ ምናልባት እውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሓያሎ ዓመታት ንዝገበረ ኣስፋሒ ቓለ መጠይቕ ግበረሉ። ንየሆዋ ዝበለጸ ንኽህቦ እንታይ መስዋእቲ እዩ ኸፊሉ፧ የሆዋኸ ብኸመይ ባሪኽዎ፧

  • ቪድዮታት ኣብ ትሕቲ ዚርከበሉ ኽፋል፡ ቃለ መጠይቓትን ተመክሮታትን > በረኸት ቅዱስ ኣገልግሎት ርአ። ምሉእ ዕድሚኦም ኣብ እተፈላለየ መዳያት ቅዱስ ኣገልግሎት ዘሕለፉ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓጐሶም ኪገልጹ ኸለዉ ኽትርእዮምን ክትሰምዖምን ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ