ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ጥሪ ገጽ 7
  • “ጳውሎስ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ጳውሎስ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን”
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዅልና ዚኸውን ምጽንናዕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ንዓና ንምግልጋል ይተግሁ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ገየሽቲ ተዓዘብቲ— ኣብ ሓቂ መተዓይይቲ
    ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ
  • ነተን መጓሰ ዚጓስዩ ሓለውቲ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ጥሪ ገጽ 7
ጳውሎስ ስለ እቶም ኪቕበልዎ ኢሎም ናብኡ እተጐዓዙ ንኣምላኽ የመስግን

ክርስትያናዊ ህይወት

“ጳውሎስ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን”

ኣብታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ ምምጻእ ጳውሎስ ተሰምዐ፡ እተወሰኑ ጕጅለ ኣሕዋት ከኣ ንዕኡ ኪቕበልዎ ኣስታት 64 ኪሎ ሜተር ተጓዕዙ። እታ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሮም ንጳውሎስ ዝተንከየቶ ብኸመይ እያ፧ “ምስ ረኣዮም ከኣ፡ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን።” (ግብ 28:15) ጳውሎስ ይበጽሐን ንዝነበረ ጉባኤታት የተባብዐን ነይሩ እዩ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ግና እሱር ስለ ዝነበረ ንሱ ባዕሉ ምትብባዕ የድልዮ ነበረ።—2ቈረ 13:10።

ሎሚ፡ ሓለውቲ ወረዳ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ንምትብባዕ ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ይጕዓዙ እዮም። ከም ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ድማ፡ ሓድሓደ እዋን ይደኽሙን ይጭነቑን ተስፋ ይቘረጹን እዮም። ሓላው ወረዳን ሰበይቱን ንጉባኤኹም ኣብ ዚቕጽል ኪበጽሕዋ ኸለዉ፡ ‘ንሓድሕድኩም ንምትብባዕ’ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧—ሮሜ 1:11, 12።

  • ሓደ ሓላው ወረዳ፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ይመርሕ

    ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ተኣከብ። እቲ ሓላው ወረዳ፡ ኣብታ ንሱ ዚበጽሓላ ፍልይቲ ሰሙን፡ ካብ ዚግበር ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀሙ ኢሎም እቶም ኣስፋሕቲ መስዋእቲ ምስ ዚኸፍሉ ይተባባዕ እዩ። (1ተሰ 1:2, 3፣ 2:20) ኣብታ ወርሒ እቲኣ ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን ጻዕሪ ግበር። ምስኡን ምስ ሰበይቱን ሓቢርካ ኽትዓዪ፡ ወይ ድማ ንሓዲኦም ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዕድሞም ትኽእልዶ፧ እቲ ሓላዊ ወረዳን ብዓልቲ ቤቱን ምስ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ፡ እንተላይ ምስ ሓደስትን ኣብ ኣገልግሎት ብቕዓት ከም ዘይብሎም ኰይኑ ምስ ዚስምዖምን ምዕያይ ባህ ይብሎም እዩ።

  • ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ንሓላው ወረዳን ንብዓልቲ ቤቱን ኣብ ቤቶም ይቕበልዎም

    ኣብ ቤትካ ተቐበሎም። መዕረፊ ወይ ምግቢ ኸተዳሉ ትኽእልዶ፧ ከምዚ ምግባርካ ነቲ ሓላው ወረዳን ንሰበይቱን ከም እተፍቅሮም ዜርኢ እዩ። ንሳቶም ከኣ ብዙሕ እተጋነነ ነገራት ኣይጽበዩን እዮም።—ሉቃ 10:38-42።

  • ሓደ ሓላው ወረዳ፡ ኣኼባ ሽማግለታት ይመርሕ

    ንዚህበካ መምርሕን ምኽርን ስምዓዮን ኣብ ግብሪ ኣውዕሎን። ሓላው ወረዳ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንታይ ምምሕያሽ ክንገብር ከም እንኽእል ብፍቕሪ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ሓድሓደ እዋን፡ ትርር ዝበለ ምኽሪ ይህብ ይኸውን። (1ቈረ 5:1-5) ተኣዘዝትን ተገዛእትን ምስ እንኸውን ድማ ይሕጐስ እዩ።—እብ 13:17።

  • ኣባላት ሓንቲ ጉባኤ ንሓላው ወረዳን ንብዓልቲ ቤቱን ሞሳኦም ይገልጹ

    ሞሳኻ ግለጸሎም። ንሓላው ወረዳን ንብዓልቲ ቤቱን እቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጠቐመካ ንገሮም። ነዚ ድማ ብቓልካ ወይ ብጽሑፍ ወይ ብካርድ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።—ቈሎ 3:15።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ