ክርስትያናዊ ህይወት
ንቓል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣኽቢርካ እትርእዮ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓሳባትን ቃላትን እቲ ደራሲ እዚ ቕዱስ መጽሓፍ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝሓዘ እዩ። (2ጴጥ 1:20, 21) እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን በታ መንግስቱ ኣቢሉ ልዑላውነቱ ኸም ዜረጋግጽን ንዅሎም ደቂ ሰብ ዝሓሸ ግዜ ኼምጽእ ምዃኑን ተስፋ ይህብ እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንተፈታዊ ባህርያት እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ የንጸባርቕ እዩ።—መዝ 86:15።
ነፍሲ ወከፍና ንቓል የሆዋ ኣኽቢርና እንርእየሉ እተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ነዚ ኽቡር ውህበት እዚ፡ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብን ኣብ ህይወትና ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ልዑል ግምት ከም እንህቦ ነርኢ ዲና፧ እምበኣር፡ ከምቲ “ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ” ዝበለ ዘማሪ ኸም ዚስምዓና ብተግባርና ነርኢ።—መዝ 119:97።
ነታ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ነበሮም—ቍንጽል (ዊልያም ቲንደል) ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ዊልያም ቲንደል ንእተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝተርጐሞ ስለምንታይ እዩ፧
እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ቅድሓት መጽሓፍ ቅዱስ ቲንደል ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብሕቡእ ዝኣተወ ብኸመይ እዩ፧
ነፍሲ ወከፍና ንቓል ኣምላኽ ከም እነኽብሮ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧