ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ጥቅምቲ ገጽ 7
  • ንቓል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣኽቢርካ እትርእዮ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንቓል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣኽቢርካ እትርእዮ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ነበሮም—ቍንጽል (ዊልያም ቲንደል)
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ዊልያም ቴንድል--ኣርሒቑ ዝርኢ ሰብኣይ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ዝበጽሓሉ መገድታት ክፍሊ ክልተ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
    ንቕሑ!—2020
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ጥቅምቲ ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ንቓል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣኽቢርካ እትርእዮ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓሳባትን ቃላትን እቲ ደራሲ እዚ ቕዱስ መጽሓፍ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝሓዘ እዩ። (2ጴጥ 1:20, 21) እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን በታ መንግስቱ ኣቢሉ ልዑላውነቱ ኸም ዜረጋግጽን ንዅሎም ደቂ ሰብ ዝሓሸ ግዜ ኼምጽእ ምዃኑን ተስፋ ይህብ እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንተፈታዊ ባህርያት እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ የንጸባርቕ እዩ።—መዝ 86:15።

ነፍሲ ወከፍና ንቓል የሆዋ ኣኽቢርና እንርእየሉ እተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ነዚ ኽቡር ውህበት እዚ፡ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብን ኣብ ህይወትና ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ልዑል ግምት ከም እንህቦ ነርኢ ዲና፧ እምበኣር፡ ከምቲ “ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ” ዝበለ ዘማሪ ኸም ዚስምዓና ብተግባርና ነርኢ።—መዝ 119:97።

ነታ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ነበሮም—ቍንጽል (ዊልያም ቲንደል) ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ዊልያም ቲንደል፣ ዊልያም ቲንደል ምስታ ሓታሚት ማኪናኡ፣ ናይ ቲንደል ቀዳማይ ሕታም ሓድሽ ኪዳን

    ዊልያም ቲንደል ንእተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝተርጐሞ ስለምንታይ እዩ፧

  • እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

  • ቅድሓት መጽሓፍ ቅዱስ ቲንደል ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብሕቡእ ዝኣተወ ብኸመይ እዩ፧

  • ነፍሲ ወከፍና ንቓል ኣምላኽ ከም እነኽብሮ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ንምስትንታን ዚኸውን፦ ቃል ኣምላኽ . . .

  • ከም መብራህትን ብርሃንን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧—መዝ 119:105

  • ከም ማይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧—ኤፌ 5:26

  • ከም ሰይፊ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧—ኤፌ 6:17

  • ከም መስትያት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧—ያእ 1:23-25

መዓልታዊ ቓል ኣምላኽ ኣንብብ

መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ነቲ ኣብ jw.org ዝወጸ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀመሉ ፈቲንካዶ፧ እቲ ብPDF እተዳለወ መደብ ኣብ jw.org ብቐጥታ ናብቲ ኸተንብቦ ዝደለኻ ምዕራፋት እዩ ዚወስደካ። ብቛንቋኻ ብድምጺ እተቐድሐ ዚርከብ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ እውን ካብ jw.org ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ