ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 44-45
ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ይቕረ ኢሉሎም
ብፍላይ ሓደ ሰብ ደይመደይ ኢሉ ምስ ዚጐድኣና፡ ይቕረ ምባል ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ዮሴፍ ኣሕዋቱ ምስ በደልዎ ይቕረ ኺብለሎም ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧
ዮሴፍ ሕነ ኺፈዲ ኣብ ክንዲ ዚፍትን፡ ይቕረ ንምባል ኣጋጣሚ ደለየ።—መዝ 86:5፣ ሉቃ 17:3, 4
ቂም ብዘይ ምሓዝ፡ ባህርያት እቲ ብልግሲ ይቕረ ዚብል የሆዋ ኣንጸባረቐ።—ሚክ 7:18, 19
ይቕረ ብምባል ንየሆዋ ኽመስሎ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧