ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
ቀንዲ ነጥብታት ብምሳሌ ብምብራህ
ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ሰማዕትና ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኪርድእዎ ኽንሕግዞም ኣሎና። ነዚ ብምሳሌ ብምብራህ ከኣ፡ ልቦም ክንትንክን ነቲ ትምህርቲ ብዝቐለለ መገዲ ኸነመሓላልፎን ንኽእል ኢና።
ንተመላሊስካ ምብጻሕ ወይ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዳሎ ኸለኻ፡ ነቲ ንስኻ ዝደለኻዮ ንኣሽቱ ነገራት ዘይኰነስ፡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ብምሳሌ ኣብርህ። ድሕሪኡ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት እተመስረተ ቐሊል ምሳሌታት ሕረ። (ማቴ 5:14-16፣ ማር 2:21፣ ሉቃ 14:7-11) ንድሕረ ባይታን ንንጥፈታትን ሰማዒኻ ኣብ ግምት ኣእቱ። (ሉቃ 5:2-11፣ ዮሃ 4:7-15) ንሱ እቲ ትምህርቲ ተረዲእዎ ኺሕጐስ ከሎ፡ ንስኻ እውን ክትሕጐስ ኢኻ።
ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቀንዲ ነጥብታት ብምሳሌ ብምብራህ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ተምሃሮ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኡ ሓገዝ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧
ኒታ ነቲ ኣብ ሮሜ 5:12 ዚርከብ ሓቂ ብምሳሌ ዘብርሃቶ ብኸመይ እያ፧
ጽቡቕ ምሳሌታት ልቢ ይትንኪ
ጽቡቕ ምሳሌታት ኣብ ሰማዕትና እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል፧
ኣብ ኣገልግሎትና ቪድዮታትን ውድብ የሆዋ ዘዳለወቶ ንዋት ትምህርትን ክንጥቀም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧