ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ግንቦት ገጽ 5
  • ቀንዲ ነጥብታት ብምሳሌ ብምብራህ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቀንዲ ነጥብታት ብምሳሌ ብምብራህ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዚምህር ምሳሌታት
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ብጸሎት ሓገዝ የሆዋ ተቐበል
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ—ሕቶታት ሕተት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ግንቦት ገጽ 5
ኣደን ጓልን ነቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ሰብከት እናሰምዓ ናብ ኣዕዋፍን ናብ ዕምባባታትን ኣተኲረን ይጥምታ።

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ

ቀንዲ ነጥብታት ብምሳሌ ብምብራህ

ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ሰማዕትና ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኪርድእዎ ኽንሕግዞም ኣሎና። ነዚ ብምሳሌ ብምብራህ ከኣ፡ ልቦም ክንትንክን ነቲ ትምህርቲ ብዝቐለለ መገዲ ኸነመሓላልፎን ንኽእል ኢና።

ንተመላሊስካ ምብጻሕ ወይ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዳሎ ኸለኻ፡ ነቲ ንስኻ ዝደለኻዮ ንኣሽቱ ነገራት ዘይኰነስ፡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ብምሳሌ ኣብርህ። ድሕሪኡ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት እተመስረተ ቐሊል ምሳሌታት ሕረ። (ማቴ 5:14-16፣ ማር 2:21፣ ሉቃ 14:7-11) ንድሕረ ባይታን ንንጥፈታትን ሰማዒኻ ኣብ ግምት ኣእቱ። (ሉቃ 5:2-11፣ ዮሃ 4:7-15) ንሱ እቲ ትምህርቲ ተረዲእዎ ኺሕጐስ ከሎ፡ ንስኻ እውን ክትሕጐስ ኢኻ።

ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቀንዲ ነጥብታት ብምሳሌ ብምብራህ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቀንዲ ነጥብታት ብምሳሌ ብምብራህ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ጀድ ንኒታ ሕቶ ትሓትታ።

    ተምሃሮ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኡ ሓገዝ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቀንዲ ነጥብታት ብምሳሌ ብምብራህ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኒታ ንጀድ ብምሳሌ ተረድኣ።

    ኒታ ነቲ ኣብ ሮሜ 5:12 ዚርከብ ሓቂ ብምሳሌ ዘብርሃቶ ብኸመይ እያ፧

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቀንዲ ነጥብታት ብምሳሌ ብምብራህ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኒታ ንጀድ ቪድዮ ተርእያ።

    ጽቡቕ ምሳሌታት ልቢ ይትንኪ

    ጽቡቕ ምሳሌታት ኣብ ሰማዕትና እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል፧

  • ኣብ ኣገልግሎትና ቪድዮታትን ውድብ የሆዋ ዘዳለወቶ ንዋት ትምህርትን ክንጥቀም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ