ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ይበልጽ
ነብዪ የሆዋ ንንጉስ ሳኦል ንጹር መምርሒታት ሂብዎ (1ሳሙ 15:3)
ሳኦል ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይተኣዘዞ፡ መመኽነይታ ኣቕሪቡ (1ሳሙ 15:13-15)
የሆዋ ንኣምልኾ ዘይእዙዛት ሰባት ኣይቅበሎን (1ሳሙ 15:22, 23፣ w07 15/6 26 ¶4፣ it-2 521 ¶2)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ካብ ውድብ የሆዋ ንዚመጽእ መምርሒታት ብቕልጡፍን ምሉእ ብምሉእን እእዘዝ ድየ፧’