ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 መጋቢት ገጽ 13
  • ኵሉ መከራ ሓላፋይ እዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኵሉ መከራ ሓላፋይ እዩ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ኣብ መከራና ይድግፈና
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ዕጉስ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ንየሆዋ ብትዕግስቲ ተጸበዮ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ብትዕግስቲ ኽትጽበ ፍቓደኛ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 መጋቢት ገጽ 13
ስእልታት፦ “ኣብ እተኸፋፈለት ዓለም ዚነብሩ ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ” ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። 1. ጸለምቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ጥራይ እተኣከብሉ ዓብዪ ኣኼባ። 2. ጸለምትን ጸዓዱን ሽማግለታትን ኣንስቶምን ብሓባር እተሳእልዎ ስእሊ። 3. እተፈላለየ ዕድመን ዓሌትን ዘለወን ክልተ ኣሓት ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ይካፈላ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኵሉ መከራ ሓላፋይ እዩ

ፈተናታት ብፍላይ ነዊሕ ግዜ ምስ ዚጸንሕ፡ ብቐሊሉ ተስፋ ኬቝርጸና ይኽእል እዩ። ዳዊት እቲ ኻብ ንጉስ ሳኦል ዝመጾ ዝነበረ ፈተና፡ ኣብ መወዳእታ ኸም ዜብቅዕ፡ ከምቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ድማ ንሱ ንጉስ ከም ዚኸውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (1ሳሙ 16:13) እምነት ዳዊት ኪዕገስን ንየሆዋ ኺጽበዮን ሓጊዛቶ እያ።

ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኵነታትና ንምቕያር፡ ብልሓት፡ ፍልጠት ወይ ምምዝዛን ንጥቀም ንኸውን። (1ሳሙ 21:12-14፣ ምሳ 1:4) እንተዀነ ግና፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ዘበለ ዅሉ እኳ እንተ ገበርና፡ ገሊኡ ጸገማት ይቕጽል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ክንዕገስን ንየሆዋ ኽንጽበዮን ኣሎና። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ንሱ ንዅሉ መከራና ኼወግዶን ‘ንብዓት ካብ ኣዒንትና ኪደርዝን’ እዩ። (ራእ 21:4) እቲ እንረኽቦ ዕረፍቲ የሆዋ ጣልቃ ስለ ዝኣተወ ወይ ብኻልእ ምኽንያት፡ ሓደ ነገር ግና ርግጸኛታት ኢና፦ ኵሉ ፈተና ሓላፋይ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ፡ እተወሰነ መጸናንዒ ኺህበና ይኽእል እዩ።

ነታ ኣብ እተኸፋፈለት ዓለም ዚነብሩ ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ ደቡባዊ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎም፧

  • ትዕግስትን ፍቕርን ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

  • ኣብቲ “ዚሓይሽ” ነገር ብቐጻሊ ዘተኰሩ ብኸመይ እዮም፧—ፊል 1:10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ