ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 ጥሪ ገጽ 11
  • ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ተምሃር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ተምሃር
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ግበር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፡ ጥበብ ከኣ ድለ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ኣቱም ወለዲ—ደቅኹም ንኣምላኽ ብኸመይ ኬሐጕስዎ ኸም ዚኽእሉ ምሃርዎም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 ጥሪ ገጽ 11
“ብተጻዋርነት ጕየ—መኣዛታት ዘለዎ ምግቢ ተመገብ” ኣብ ቪድዮ እተመስረተ ምሳሌታት። ረበቃ ምርምር ንምግባር ነታ “ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ (መበቈል ህይወት—ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት) ዘርእስታ ብሮሹር ትጥቀም።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ተምሃር

ኣብ እንገብሮ ዘበለ ዅሉ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ንደሊ ኢና። (ምሳ 27:11) እዚ ኸኣ፡ ንጹር መምርሒ ወይ ትእዛዝ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ዜንጸባርቕ ውሳነ ምግባር ማለት እዩ። ከምዚ ንምግባር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር። ወትሩ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ምስ የሆዋ ግዜ ንሓልፍ ከም ዘለና ጌርና ኽንሓስቦ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንሰባት ዝሓዘሉ መገዲ ብምዕዛብን ብዛዕባ እቶም ኣብነት ዝዀኑ ወይ መለበሚ ዝዀኑ ኽንምርምር ከለናን ብዛዕባ መገድታቱ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ውሳነ ኽንገብር ከለና፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተምሃርናዮ ጠቓሚ ትምህርትታትን ስርዓታትን የዘኻኽረና እዩ።—ዮሃ 14:26።

ምርምር ግበር። ውሳነ ዜድልዮ ጕዳይ ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኒ ጕዳይ እንታይ ከም ዚስምዖ ንምርዳእ፡ ኣየናይ ጥቕስታት ወይ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧’ ምስ ኵነታትካ ዚሰማማዕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን፡ ብጸሎት ሓገዝ የሆዋ ድለ ኸምኡ እውን ብቛንቋኻ ኣብ ዚርከብ ቲኦክራስያዊ ናውቲ ምርምር ግበር።—መዝ 25:4።

ነታ ብተጻዋርነት ጕየ—መኣዛታት ዘለዎ ምግቢ ተመገብ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብታ ቪድዮ እተራእየት መንእሰይ ሓብቲ እንታይ ጸቕጥታት እዩ ኣጋጢምዋ፧

  • ተመሳሳሊ ጸቕጢ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ናውቲ ምርምር ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

  • ጽቡቕ ውሳነ ንምውሳን፡ ምርምርን ብሕታዊ መጽናዕቲ ምግባርን ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧—እብ 5:13, 14

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ