ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 ግንቦት ገጽ 13
  • ብድምጺ ንእተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብድምጺ ንእተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቅዳሓት ኣውድዮ—ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ‘ዚስማዕን ዚርአን’ መደባት ዓብዪ ኣኼባ
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ነቲ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ዘውጻእካዮ መደብ ሓሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ወግዓዊ ወብ ሳይትና—እተፈልየ ቛንቛ ንዚዛረብ ሰብ ንምሕጋዝ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 ግንቦት ገጽ 13
ስእልታት፦ ብድምጺ ንእተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ስማዕ። 1. ሓደ ሓው ኣብ ግዳም ኰይኑ ብመስምዒ ገይሩ ኻብ ሞባይሉ ብድምጺ ንእተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰምዕ። 2. ኣደን ጓልን መሳርሒ ተጠቒመን ነቲ እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ይከታተላኦ። 3. ሓንቲ ሓብቲ ብህዝባዊ መጕዓዝያ እናኸደት ብመስምዒ ገይራ ኻብ ሞባይላ ነቲ ብድምጺ ንእተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ትሰምዕ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ብድምጺ ንእተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም እዩ። እዚ ድማ፡ ብእተኻእለ መጠን በብቝሩብ ብሓያሎ ቛንቛታት ይወጽእ ኣሎ። ጠቓሚ ዝገበሮ ሓደ ምኽንያት፡ ንነፍሲ ወከፍ ገጸ ባህርይ ናይ እተፈላለዩ ሰባት ድምጺ እዩ ዚጥቀም። ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ንምምሕልላፍ፡ ነቲ ቓላት ብግቡእ ብምጕላሕን ብስምዒትን እዩ ዚንበብ።

ገሊኦም ካብቲ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀሙ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ ነቲ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲሮም ዚሰምዕዎ ብዙሓት ሰባት ንቓል ኣምላኽ ብኣእምሮኦም ኪስእልዎ ስለ ዚሕግዞም ይፈትውዎ እዮም። ንነፍሲ ወከፍ ገጸ ባህርይ ዚኸውን ኣንባቢ ስለ ዚምደብ፡ ንፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቖም ይስእልዎ፡ ብዛዕባ እቲ እተጻሕፈ ድማ ንጹር ምርዳእ ይህልዎም። (ምሳ 4:5) ሓያሎ ኻልኦት ድማ ነቲ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚሰምዕሉ እዋን ካብ ጭንቀት የህድኦም እዩ።—መዝ 94:19።

ቃል ኣምላኽ ብዓውታ ኺንበብ ከሎ ምስማዕ፡ ኣብ ህይወት ሓያል ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። (2ዜና 34:19-21) ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ብእትርድኦ ቛንቛ ኺርከብ ዚከኣል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ነዚ ስሩዕ መንፈሳዊ ልማድካ ኽትገብሮ ትኽእልዶ፧

ነታ ፍርያት ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ—ቍንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦

ካብቲ ፍርያት ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሰጠካ እንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ