ምኽሪ መጽናዕቲ
ነቲ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ዘውጻእካዮ መደብ ሓሉ
ብዙሕ ንጥፈታት ስለ ዘሎካ፡ ነቲ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ዘውጻእካዮ መደብ ምሕላው ይኸብደካዶ ኣሎ፧ (እያ. 1:8) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንሓደ ኻብዚ ሓሳባት እዚ ፈትኖ፦
መዓልታዊ መዘኻኸሪ ግበር። ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኻ፡ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜዘኻኽረካ ደወል ግበር።
ንመጽሓፍ ቅዱስካ ኣብ ርኡይ ቦታ ኣንብሮ። ብወረቐት ካብ እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብብ እንተ ዄንካ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስካ ብቐሊሉ ኣብ እትርእዮ ቦታ ኣንብሮ።—ዘዳ. 11:18።
ቅዳሓት ኣውድዮ ስማዕ። ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካ፡ ነዚ ቕዳሓት እዚ ስማዕ። ኣብ ናይ ለይቲ እብረ እትዓዪ ታራ ዝስማ ፈላሚትን ኣደን፡ “ኣብ ገዛይ እናዓየኹ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኣውድዮ ምስማዐይ፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ክቕጽሎ ሓጊዙኒ እዩ” ትብል።
ጽናዕ። ዘይተጸበኻዮ ዅነታት ንመደብካ እንተ ሓናዂልዎ፡ ቅድሚ ምድቃስካ እንተ ወሓደ ሒደት ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። ሒደት ንባብ እኳ ብዙሕ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ።—1 ጴጥ. 2:2።