ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ሓምለ ገጽ 20-25
  • ካብ ነገስታት እስራኤል እንረኽቦ ኣገዳሲ ትምህርቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ነገስታት እስራኤል እንረኽቦ ኣገዳሲ ትምህርቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብ የሆዋ ነበረ
  • ካብ ሓጢኣቶም ተነሲሖም
  • ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ለጊቦም
  • ካብ ናይ ስንብታ ቓላት እሙናት ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • የሆዋ “ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ዘክር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ሓምለ ገጽ 20-25

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 30

መዝሙር 36 ንልብና ንሓልዎ

ካብ ነገስታት እስራኤል እንረኽቦ ኣገዳሲ ትምህርቲ

“ንስኻትኩም ከኣ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዜገልግሎን ዘየገልግሎን ዘሎ ፍልልይ ክትርእዩ ኢኹም።”—ሚል. 3:18።

ኣትኵሮ

የሆዋ ንነገስታት እስራኤል ብኸመይ ይርእዮም ከም ዝነበረን ሎሚ ኻብ ኣምለኽቱ እንታይ ከም ዚጽበን ንምፍላጥ።

1-2. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገሊኦም ነገስታት እስራኤል እንታይ ይገልጸልና፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነገስታት እስራኤል ኰይኖም ዝገዝኡ ልዕሊ 40 ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ።a ብዛዕባ እቲ ገሊኦም ዝገበርዎ ነገራት እውን ብግልጺ ተመዝጊቡ ኣሎ። ንኣብነት፡ እቶም ቅኑዓት ነገስታት እኳ፡ ኣብ ገሊኡ እዋን ክፉእ ነገራት ገይሮም እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንጉስ ዳዊት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። የሆዋ ብዛዕባኡ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ቅኑዕ ጥራይ ብምግባር ብምሉእ ልቡ ደድሕረይ ዝኸደ . . . ጊልያይ ዳዊት” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። (1 ነገ. 14:8) እንተዀነ ግና፡ ዳዊት ምስ ሰበይቲ እንዳ እማቱ መንዚሩን ንሰብኣያ ኣብ ውግእ ኣቕቲልዎን እዩ።—2 ሳሙ. 11:4, 14, 15።

2 በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ብዙሓት ክፉኣት ነገስታት እተወሰነ ጽቡቕ ነገራት ገይሮም እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሮብዓም ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ “ኽፉእ ገበረ።” (2 ዜና 12:14) እንተዀነ ግና፡ ነቲ እቶም ዓሰርተ ነገድ ካብ መንግስቱ ኣብ እተፈልዩሉ እዋን ምሳታቶም ከይዋጋእ ካብ ኣምላኽ እተዋህቦ መምርሒ ተኣዘዘ። ኣብ ከተማታቱ ዕርድታት ብምስራሕ እውን ንህዝቡ ጠቐሞም።—1 ነገ. 12:21-24፣ 2 ዜና 11:5-12።

3. እንታይ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ ዚብገስ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 እዚ ዝረኣናዮ ነጥብታት፡ ኣገዳሲ ሕቶ የበግስ እዩ። ነገስታት እስራኤል ጽቡቕን ክፉእን ይገብሩ እንተ ነይሮም፡ የሆዋ ብምንታይ መሰረት እዩ ንሓደ ንጉስ እሙን ወይ ዘይእሙን ገይሩ ዚርእዮ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ የሆዋ ኣባና እንታይ ኪርኢ ኸም ዚደሊ ኽንርዳእ ትሕግዘና እያ። ስለዚ፡ የሆዋ ንነገስታት እስራኤል ኪግምግሞም ከሎ፡ ኣብ ግምት ብዛዕባ ዘእተዎ ሰለስተ ረቛሒታት ክንመያየጥ ኢና፣ እዚ ድማ ኵነታት ልቦምን ንስሓኦምን ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምልጋቦምን እዩ።

ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብ የሆዋ ነበረ

4. ሓደ ኻብቲ ኣብ መንጎ እቶም እሙናት ነገስታትን ዘይእሙናት ነገስታትን ዝነበረ ፍልልይ እንታይ እዩ፧

4 እቶም ንየሆዋ ባህ ዘበልዎ ነገስታት፡ ብምሉእ ልቦም እዮም ዜምልኽዎ ነይሮም።b ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ብቕንዕና እተመላለሰ ንጉስ ዮሳፋጥ፡ “ንየሆዋ ብምሉእ ልቡ ዝደለዮ” ተባሂሉ ኣሎ። (2 ዜና 22:9) ብዛዕባ ንጉስ ዮስያስ እውን፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ጽሑፍ፡ “ብዅሉ ልቡ . . . ናብ የሆዋ እተመልሰ ንጉስ ቅድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን” ይብል። (2 ነገ. 23:25) ብዛዕባ እቲ ብግዜ እርጋኑ ኽፉእ ዝገበረ ሰሎሞን ግና፡ “ልቡ . . . ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ኣምላኹ ኣይነበረን” ዚብል ነንብብ። (1 ነገ. 11:4) ብዛዕባ እቲ ዘይእሙን ዝነበረ ኣብያም እውን፡ “ልቡ . . . ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ኣምላኹ ኣይነበረን” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ።—1 ነገ. 15:3።

5. ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ ምግልጋል እንታይ ማለት ምዃኑ ግለጽ።

5 እሞ ደኣ ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ ምግልጋል ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ብምሉእ ልቡ ዜገልግል ሰብ፡ ንማለቱ ኢሉ ኣይኰነን ንኣምላኽ ዜምልኾ። የግዳስ፡ ካብ ፍቕርን ተወፋይነትን ተላዒሉ እዩ ዜገልግሎ። ኣብ ምሉእ ህይወቱ እውን ነቲ ፍቕርን ተወፋይነትን ይዕቅቦ እዩ።

6. ከመይ ጌርና ኢና ወትሩ ብምሉእ ልቢ ኽንመላለስ እንኽእል፧ (ምሳሌ 4:23፣ ማቴዎስ 5:29, 30)

6 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ኣብነት እቶም እሙናት ነገስታት ብምስዓብ ወትሩ ብምሉእ ልቢ ኽንመላለስ እንኽእል፧ ካብ ሕማቕ ጽልዋታት ብምርሓቕ ኢና ኸምኡ እንገብር። ንኣብነት፡ ሕማቕ መዘናግዒ ንልብና ኪኸፍሎ ይኽእል እዩ። ሕማቕ ዕርክነትን ፍቕረ ንዋያዊ ኣተሓሳስባን እውን ከምኡ ኺገብር ይኽእል እዩ። ሓደ ነገር ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ የዳኽሞ ኸም ዘሎ እንተ ተፈሊጡና፡ ነቲ ነገር እቲ ብቕልጡፍ ከነወግዶ ኣሎና።—ምሳሌ 4:23፣ ማቴዎስ 5:29, 30 ኣንብብ።

7. ሕማቕ ጽልዋታት ከነርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ልብና ኪኽፈል ክንፈቅድ የብልናን። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዕዙዝ ተሳትፎ ብምግባርና፡ ካብ ሕማቕ ጽልዋታት ክንርሕቕ ከም ዘየድልየና ጌርና ገዛእ ርእስና ኸነዐሹ ንኽእል ኢና። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ኣብ ግዳም፡ ኣብ ብርቱዕ ቍርን ንፋስን ኣለኻ ንበል። ናብ ቤትካ ምስ ኣቶኻ፡ መሞቒ ትውልዕ። ነቲ ማዕጾ ብኽፉቱ እንተ ሓዲግካዮ ግና ብዙሕ ለውጢዶ መምጽአ፧ ኣይመምጽአን፣ የግዳስ እቲ ቘራሪ ንፋስ ብቕልጡፍ ነታ ቤት ምመልኣ። እሞ ደኣ እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ ካብቲ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ዜማምቝ መንፈሳዊ ምግቢ ምምጋብ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። የግዳስ፡ እቲ ናይ ዓለም ቈራሪ “ኣየር” ወይ ክፉእ ኣረኣእያ ናብ ልብና ምእንቲ ኸይኣቱ እሞ ንልብና ኸይከፍሎ፡ ንሕማቕ መዘናግዒ ብዚምልከት ማዕጾና ኽንዓጹ ኣሎና።—ኤፌ. 2:2።

ካብ ሓጢኣቶም ተነሲሖም

8-9. ንጉስ ዳዊትን ንጉስ ህዝቅያስን ንእተዋህቦም መግናሕቲ ብኸመይ ተቐቢሎምዎ፧ (ስእሊ ርአ።)

8 ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ ንጉስ ዳዊት ከቢድ ጌጋ ገይሩ እዩ። ነብዪ ናታን ንዳዊት ብዛዕባ ሓጢኣቱ ምስ ተዛረቦ ግና፡ ብትሕትና ተነስሐ። (2 ሳሙ. 12:13) ካብቲ ኣብ መዝሙር 51 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላቱ ድማ፡ ካብ ልቡ ኸም እተነስሐ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ንናታን ምእንቲ ኼታልሎ ወይ ካብ መቕጻዕቲ ምእንቲ ኼምልጥ ኢሉ፡ ከም እተጣዕሰ የምስል ኣይኰነን ነይሩ።—መዝ. 51:3, 4, 17፡ ልዕለ ጽሑፍ።

9 ንጉስ ህዝቅያስ እውን ንየሆዋ በዲልዎ እዩ። ነዚ ብዚምልከት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ህዝቅያስ ግና ልቡ ተዓበየ፣ . . . እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቍጥዓ ኣምጽአ።” (2 ዜና 32:25) ስለምንታይ እዩ ህዝቅያስ እተዓበየ፧ ምናልባት ብሃብቱ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣሶራውያን ዝረኸቦ ዓወት፡ ወይ ካብ ሕማሙ ብተኣምራዊ መገዲ ብምሕዋዩ፡ ጸብለል ዝበለ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ይኸውን። ሃብቱ ንባቢሎናውያን ኬርኢ ዘለዓዓሎ እውን ትዕቢት ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነብዪ ኢሳይያስ ገንሖ። (2 ነገ. 20:12-18) ይኹን እምበር፡ ህዝቅያስ እውን ከም ዳዊት፡ ብትሕትና ተነስሐ። (2 ዜና 32:26) ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ የሆዋ ኸም እሙን ንጉስ ገይሩ ረኣዮ፣ ስለዚ፡ ብዛዕባኡ፡ “ቅኑዕ ይገብር ነበረ” ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ።—2 ነገ. 18:3።

ስእልታት፦ 1. ንጉስ ዳዊት ብጣዕሳ ናብ ሰማይ እናጠመተ፡ ናታን ይዛረቦ። 2. ንጉስ ህዝቅያስ ብሓዘን ርእሱ ሒዙ ኸሎ፡ ኢሳይያስ ይዛረቦ።

ንጉስ ዳዊትን ንጉስ ህዝቅያስን ብዛዕባ ሓጢኣቶም ምስ ተዘርቦም፡ ብትሕትና ይንስሑ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)


10. ንጉስ ኣማስያ ንእተዋህቦ መአረምታ እንታይ ምላሽ እዩ ዝሃበ፧

10 ብኣንጻሩ ግና፡ ንጉስ ኣማስያ ቕኑዕ እኳ እንተ ገበረ፡ “ግናኸ፡ ብምሉእ ልቢ ኣይኰነን።” (2 ዜና 25:2) እንታይ ጌጋ እዩ ገይሩ፧ ብሓገዝ የሆዋ ንኤዶማውያን ምስ ሰዓሮም፡ ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቶም ሰገደ።c ነብዪ የሆዋ ምስ ተዛረቦ ኸኣ፡ ብንቕጽና ተደሪኹ ኺሰምዖ ኣይፈተወን።—2 ዜና 25:14-16።

11. ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 7:9, 11፡ ይቕረታ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

11 ካብዞም ኣብነታትን መለበሚታትን እንታይ ንምሃር፧ ካብ ሓጢኣትና ኽንንሳሕን ንዘይምድጋሙ ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብርን ኣሎና። ንኣሽቱ ኣብ ዚመስል ነገራት ወይ ኣብ ካልእ ነገራት ካብ ሽማግለታት ጉባኤ ምኽሪ እንተ ተዋሂቡና፡ ነዚ ብኸመይ ኢና ኽንቅበሎ ዚግባእ፧ የሆዋ ወይ ሽማግለታት ከም ዘየፍቅሩና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ነቶም ብቕንዕና እተመላለሱ ነገስታት እስራኤል እኳ ምኽርን መግናሕትን ኣድልይዎም እዩ። (እብ. 12:6) መአረምታ ኺውሃበና ኸሎ፡ (1) ብትሕትና ኽንቅበሎ፡ (2) ዜድሊ ለውጥታት ክንገብር፡ (3) ብምሉእ ልብና ንየሆዋ ምግልጋል ክንቅጽል ኣሎና። ካብ ሓጢኣትና እንተ ተነሲሕና፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለልና እዩ።—2 ቈረንቶስ 7:9, 11 ኣንብብ።

ስእልታት፦ 1. ሓደ መንእሰይ ሽማግለ ንሓደ ሓው ይዛረቦ፣ እቲ ሓው ድማ ኣልኮላዊ መስተ ንዘለዋ ጥርሙዝን ቍሩብ መስተ ንዘለዋ ብርጭቆን ይጥምት። 2. እቲ ሓው ብመጽሓፍ ቅዱስን በቲ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!” ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ ትምህርቲ 43ን ገይሩ ምርምር ይገብር። 3. እቲ መንእሰይ ሽማግለን እቲ ሓውን ኣብ በቤት እናኸዱ የገልግሉ።

መአረምታ ኺውሃበና ኸሎ፡ (1) ብትሕትና ኽንቅበሎ፡ (2) ዜድሊ ለውጥታት ክንገብር፡ (3) ብምሉእ ልብና ንየሆዋ ምግልጋል ክንቅጽል ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)f


ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ለጊቦም

12. ንእሙናት ነገስታት ካብ ካልኦት ፍሉያት ዚገብሮም እንታይ እዩ ነይሩ፧

12 እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እሙናት ዝዀኑ ነገስታት፡ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ለጊቦም እዮም። ንተገዛእቶም እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣተባቢዖምዎም እዮም። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ጌጋታት ይገብሩ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ጥራይ እዮም ዜምልኹ ነይሮም፡ ነታ ምድሪ ኻብ ኣምልኾ ጣኦት ንምጽራይ እውን ብዙሕ ተቓሊሶም እዮም።d

13. የሆዋ ንንጉስ ኣከኣብ ዘይእሙን ገይሩ ዝረኣዮ ስለምንታይ እዩ፧

13 እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ዘይእሙናት ዝዀኑ ነገስታት ደኣኸ፧ ኵሉ ተግባራቶም ክፉእ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። እቲ እኩይ ንጉስ ኣከኣብ እኳ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቅትለት ናቦት ዝነበሮ ኢድ ብእተወሰነ ትሕትናን ጣዕሳን ኣርእዩ እዩ። (1 ነገ. 21:27-29) ብዘይካዚ፡ ከተማታት ሰሪሑ፡ ንእስራኤል እውን ዓወታት ኣምጺኡ እዩ። (1 ነገ. 20:21, 29፣ 22:39) እንተዀነ ግና፡ ብሰበይቱ እናተጸልወ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ብምስፍሕፋሕ ዕሉል እዩ ነይሩ። ነዚ ተግባሩ እዚ ድማ ኣይተነስሓሉን።—1 ነገ. 21:25, 26።

14. (ሀ) የሆዋ ንንጉስ ሮብዓም ከም ዘይእሙን ገይሩ ዝረኣዮ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ዘይእሙናት ነገስታት እንታይ ሓባራዊ መለለዪ እዩ ነይርዎም፧

14 ብዛዕባ እቲ ሮብዓም ዚብሃል ካልእ ዘይእሙን ንጉስ እስከ ንርአ። ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ ብግዜ ንግስናኡ ብዙሕ ጽቡቕ ገይሩ እዩ። ንግስናኡ ምስ ጸንዐ ግና፡ ሕጊ የሆዋ ሓደገ፡ ደድሕሪ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እውን ሰዓበ። (2 ዜና 12:1) ድሕሪኡ፡ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ኣምልኾን ናይ ሓሶት ኣምልኾን ሓንከሰ። (1 ነገ. 14:21-24) ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝረሓቑ ነገስታት፡ ሮብዓምን ኣከኣብን ጥራይ ኣይነበሩን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ መብዛሕትኦም ዘይእሙናት ነገስታት ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ደጊፎም እዮም። እምበኣር፡ ሓደ ንጉስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ወይ ክፉእ ጌርካ ዚርኣየሉ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስዓቡ ወይ ዘይምስዓቡ እዩ።

15. ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምልጋብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ጕዳይ ኣምልኾ ኽሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት፡ እቶም ነገስታት ንህዝቢ ኣምላኽ ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ነይርዎም እዩ። ብተወሳኺ፡ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ናብ ካልእ ዓይነት ከቢድ ሓጢኣትን ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ይመርሕ እዩ። (ሆሴ. 4:1, 2) ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቶም ነገስታትን እቶም ተገዛእቶምን ንየሆዋ እተወፈዩ እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዝገበርዎ ተሳትፎ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዝሙት ተመሳሲሉ ኣሎ። (ኤር. 3:8, 9) ሓደ ሰብ እንተ ዘምዩ፡ ንመጻምድቱ ኣመና እዩ ዚጐድኣ። ብተመሳሳሊ፡ ርእሱ ዝወፈየ ኣገልጋሊ የሆዋ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እንተ ተሳቲፉ፡ ንየሆዋ ኣመና እዩ ዜጕህዮ።e—ዘዳ. 4:23, 24።

16. ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ንጻድቕ ካብ እኩይ ዚፈልዮ ነገር እንታይ እዩ፧

16 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ብቐዳምነት፡ ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኽንርሕቕ ኣሎና። ብተወሳኺ፡ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽንቀርብን ኣብኡ ንጡፋት ክንከውንን ኣሎና። ነብዪ ሚልክያስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ንቕኑዕ ሰብ ካብ ክፉእ ሰብ ዚፈልዮ እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዜገልግሎን ዘየገልግሎን ዘሎ ፍልልይ ክትርእዩ ኢኹም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ሚል. 3:18) ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ዋላ እውን ዘይፍጽምናና ዀነ ጌጋታትና፡ ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ከም እነቋርጽ ኪገብረና የብሉን። ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ምሕዳግ፡ ከቢድ ሓጢኣት እዩ።

17. ናይ መውስቦ ምርጫና ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

17 ዘይተመርዓኻ እንተ ዄንካ እሞ ሓዳር ክትገብር ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ሚልክያስ ንኣምላኽ ብዛዕባ ምግልጋል እተዛረቦ ቓላት ኣብ ምርጫኻ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእልሲ ኣስተብሂልካዶ፧ ሓደ ሰብ እተወሰነ ጽቡቕ ባህርያት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፣ እቲ ሰብ እቲ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘየገልግል እንተ ዀይኑ ግና፡ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸም ጻድቕ ጌርካ ይርአ ድዩ፧ (2 ቈረ. 6:14) ኣብ ሓዳር ኣወንታዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ጽልዋ የሕድር ድዩ፧ ብግዜ ሰሎሞን ዝነበራ ኣረማውያን ኣንስቲ እኮ እተወሰነ ጽቡቕ ባህርያት ነይርወን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣምለኽቲ የሆዋ ግና ኣይነበራን፣ በብቝሩብ ድማ ንልቢ ሰሎሞን ናብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣዘንቢለናኦ እየን።—1 ነገ. 11:1, 4።

18. ወለዲ ንደቆም እንታይ እዮም ኪምህርዎም ዚግባእ፧

18 ኣቱም ወለዲ፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ዛንታ ነገስታት ጌርኩም ኣብ ልቢ ደቅኹም ንኣምልኾ የሆዋ ቕንኣት ክትተኽሉ ትኽእሉ ኢኹም። የሆዋ ንሓደ ንጉስ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ገይሩ ዚርእዮ ዝነበረ፡ ብዓብይኡ ኣብቲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝገበሮ ደገፍ ዚምርኰስ ምንባሩ ኣረድእዎም። ከም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣኼባታትን ኣገልግሎት ወፍርን ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ነገራት ካብ ካልእ ንጥፈታት ንላዕሊ ቐዳምነት ኪውሃቦ ኸም ዚግባእ ብቓልን ብግብርን ምሃርዎም። (ማቴ. 6:33) እንተ ዘይኰይኑ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ከምዚ ብውርሲ ዚርከብ “ናይ ስድራ ቤት ሃይማኖት” ገይሮም ኪርእይዎ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኻልኣይ ቦታ ኺህብዎ ወይ ጠሪሶም ኪሓድግዎ እዮም።

19. ነቶም ንየሆዋ ምግልጋል ዝሓደጉ ሰባት እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ (“ናብ የሆዋ ኽትምለስ ትኽእል ኢኻ!” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

19 እሞ ደኣ ሓደ ሰብ ንየሆዋ ምግልጋል እንተ ሓዲግዎ፡ ኣኺልዎ ተስፋ የብሉን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። እቲ ሰብ እቲ ኺንሳሕን ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺምለስን ይኽእል እዩ። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ትሑት ኪኸውንን ካብ ሽማግለታት ጉባኤ ሓገዝ ኪቕበልን ኣለዎ። (ያእ. 5:14) እቲ ሞገስ የሆዋ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ኸኣ ዜጣዕስ ኣይኰነን!

ናብ የሆዋ ኽትምለስ ትኽእል ኢኻ!

ብዛዕባ እቲ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብዙሕ ክፉእ ገበረ” እተባህለሉ ንጉስ ምናሴ እሞ ሕሰብ። ንሱ “ብዙሕ ንጹህ ደም ኣፍሰሰ፡” ኣብ በበይኑ ዓይነት መናፍስትነት ተሳተፈ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፈ። (2 ነገ. 21:6, 16) ንህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ካብ “ኣህዛብ ዝኸፍአ ኺገብሩ የስሕቶም ነበረ።” (2 ነገ. 21:9፣ 2 ዜና 33:1-6) ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ተወስደ ግና፡ ተነስሐ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ይቕረታ ኺግበረሉ ሓንሳእ ልማኖ ኣቕሪቡ ማለት ጥራይ ኣይነበረን። ስለምንታይሲ፡ ንነዊሕ እዋን እዩ ብኸቢድ ሓጢኣት ተመላሊሱ። ስለዚ፡ ኣብ ግዜ ጭንቁ፡ ብቐጻሊ “ርእሱ ኣትሓተ፡” ናብ የሆዋ ድማ “ይጽሊ ነበረ።” እዚኸ እንታይ ኣፍረየሉ፧ የሆዋ ንምናሴ ሰምዖ፡ “ብዛዕባ እቲ ልማኖኡ [ኸኣ] ራሕርሓሉ።” ይቕረታ ብምግባር ከኣ ናብ የሩሳሌም ናብ ንግስናኡ መለሶ።—2 ዜና 33:12, 13።

እሞ ደኣ የሆዋ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ድሕሪ ምሕዳጎም ብሓቂ ኻብ ልቢ ንእተነስሑ ሰባት ብተመሳሳሊ ኺርሕርሓሎም ድዩ፧ እወ። ከመይሲ፡ ኣብ ኢሳይያስ 55:7፡ “እኩይ መገዱ፡ ክፉእ ከኣ ሓሳቡ ይሕደግ፣ ንሱ ብዙሕ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብቲ ዚምሕሮ የሆዋ፡ ናብ ኣምላኽና ይመለስ” ተባሂሉ ኣሎ። ስለዚ፡ ናብ የሆዋ ንምምላስ ዚከኣለካ ግበር!

20. ንእሙናት ነገስታት እንተ መሲልናዮም፡ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚርእየና፧

20 እሞ ደኣ ኻብ ነገስታት እስራኤል እንታይ ኢና ተማሂርና፧ ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ውፉያት እንተ ዄንና፡ ከምቶም እሙናት ነገስታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ካብ ጌጋታትና ንምሃር፡ ንነሳሕ፡ መአረምታ እውን ንግበር። ናብ ኣምልኾ እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምልጋብ ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ኣይንረስዕ። እወ፡ ናብ የሆዋ እንተ ለጊብና፡ ንሱ እውን ንነፍሲ ወከፍና ብቕንዕና ኸም እተመላለስና ገይሩ ኺርእየና እዩ።

ከመይ ጌርና ኢና . . .

  • ልብና ምሉእ ብምሉእ ናብ የሆዋ እንገብሮ፧

  • ከም እተነሳሕና እነርኢ፧

  • ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንለግብ፧

መዝሙር 45 ምስትንታን ልበይ

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ “ነገስታት እስራኤል” ዚብል መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ንዝገዝኡ ዅሎም ነገስታት፡ ማለት ነቶም ኣብታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይሁዳ ዝገዝኡ ነገስታት፡ ነቶም ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ዝገዝኡ ነገስታት፡ ወይ ነቶም ን12 ነገዳት ዝገዝኡ ነገስታት የመልክት።

b መግለጺ ቓላት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ንብምሉኡ ውሽጣዊ ስብእና፡ እንተላይ ንድሌትን ንሓሳባትን ንዝንባለን ንኣረኣእያን ንኽእለታትን ንውሽጣዊ ድራኸን ንሸቶታትን ንምግላጽ፡ “ልቢ” እትብል ቃል ይጥቀም እዩ።

c ብግዜ ጥንቲ፡ ኣረማውያን ነገስታት ንኣማልኽቲ እቶም እተሳዕሩ ህዝቢ ናይ ምምላኽ ልምዲ ዝነበሮም እዩ ዚመስል።

d ንጉስ ኣሳ ኸቢድ ጌጋታት ገይሩ እዩ። (2 ዜና 16:7, 10) እንተዀነ ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብጽቡቕ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ መጀመርታ መአረምታ ምቕባል እኳ እንተ ኣበየ፡ ደሓር ተነሲሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ እቲ ጽቡቑ ኻብቲ ጌጋታቱ ሚዛን ዚደፍእ ነይሩ እዩ። ኣሳ ንየሆዋ በይኑ ጥራይ እዩ ኣምሊኽዎ፡ ካብ መንግስቱ ድማ ጣኦታት ኬርሕቕ ጽዒሩ እዩ።—1 ነገ. 15:11-13፣ 2 ዜና 14:2-5።

e እተን ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከባ ቐዳሞት ክልተ ትእዛዛት፡ ብዘይካ ንየሆዋ፡ ንኻልእ ከይነምልኽ ዚኽልክላ እየን ነይረን።—ዘጸ. 20:1-6።

f መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ መንእሰይ ሽማግለ ንሓደ ሓው፡ ብዛዕባ ናይ መስተ ልማዱ ኸም ዘተሓሳሰቦ ይገልጸሉ። እቲ ሓው ነቲ ምኽሪ ብትሕትና ይቕበሎ፡ ዜድሊ ለውጥታት ይገብር፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል እውን ይቕጽል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ