ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ሚያዝያ ገጽ 20-25
  • ከቶ በይንና ኣይኰንናን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከቶ በይንና ኣይኰንናን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ይመርሓና
  • የሆዋ ዜድልየና ይህበና
  • የሆዋ የዕቍበና
  • የሆዋ የጸናንዓና
  • የሆዋ ወትሩ ይሕግዘና
  • የሆዋ “ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ዘክር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • የሆዋ “ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ካብ ምሃብ ዚርከብ ዝዓበየ ሓጐስ ኣስተማቕር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ሚያዝያ ገጽ 20-25

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 17

መዝሙር 99 ኣእላፋት ኣሕዋት

ከቶ በይንና ኣይኰንናን

“ክረድኣካ . . . እየ።”—ኢሳ. 41:10።

ኣትኵሮ

የሆዋ ንዓና ሓልዮቱ ዜርእየሉ ኣርባዕተ መገዲ።

1-2. (ሀ) ምስ ፈተናታት ክንቃለስ ከለና፡ በይንና ኣይኰንናን እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

ከቢድ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ብማዕበል ኣብ ዚናወጽ ባሕሪ ኸም ዘለና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ በይንና ኣይኰንናን። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ንቓልስታትና ይርእዮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ዚሕግዘና እውን ቃል ኣትዩልና ኣሎ። የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ፡ “ክረድኣካ . . . እየ” ዚብል መረጋገጺ ሂብዎም ኣሎ።—ኢሳ. 41:10።

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንዓና (1) ብምምራሕ፡ (2) ዜድልየና ብምሃብ፡ (3) ብምዕቋብ፡ (4) ብምጽንናዕ፡ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንመያየጥ ኢና። ዜጋጥመና ጸገማት ብዘየገድስ፡ ከቶ ኸም ዘይርስዓና መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። ፈጺሙ ኣይኪሓድገናን እዩ። ስለዚ፡ ከቶ በይንና ኣይኰንናን።

የሆዋ ይመርሓና

3-4. ብኸመይ እዩ የሆዋ ዚመርሓና፧ (መዝሙር 48:14)

3 መዝሙር 48:14 ኣንብብ። የሆዋ ገዛእ ርእስና ኽንመርሕ ኣይጽበየናን እዩ። እሞ ደኣ ሎሚ ንእሙናት ኣምለኽቱ ብኸመይ እዩ ዚመርሖም፧ ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዚገብረሉ መገዲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ። (መዝ. 119:105) በቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓሉ ኣቢሉ፡ ሕጂ ናብ ዝያዳ ሓጐስ፡ ኣብ መጻኢ ድማ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ውሳነታት ክንገብርን ባህርያት ከነማዕብልን ይሕግዘና እዩ።a ንኣብነት፡ ቅሬታ ኽንሓድግ፡ ኣብ ኵሉ ተግባርና ብቕንዕና ኽንመላለስ፡ ንሰባት እውን ካብ ልቢ ኣጸቢቕና ኸነፍቅር ይምህረና እዩ። (መዝ. 37:8፣ እብ. 13:18፣ 1 ጴጥ. 1:22) ነዚ ኣምላኻዊ ባህርያት እዚ ኸነንጸባርቕ ከለና፡ ዝሓሽና ወለድን ዝሓሽና ሰብ ሓዳርን ዝሓሽና ፈተውትን ኢና እንኸውን።

4 ብተወሳኺ፡ የሆዋ ኣብ ቃሉ፡ ዛንታ እቶም ከማና ፈተናታት ዘሕለፉን ከማና ዝስምዒቶምን ሰባት ኣስፊሩልና ኣሎ። (1 ቈረ. 10:13፣ ያእ. 5:17) ነዚ ናይ ሓቂ ዛንታታት ህይወት ከነንብብ ከለና፡ ካብኡ እንረኽቦ ትምህርቲ ድማ ኣብ ህይወትና ኽንትግብር ከለና፡ እንተ ወሓደ ብኽልተ መገዲ ንጥቀም ኢና። ቀዳማይ፡ በይንና ኸም ዘይኰንና ነስተውዕል ኢና፣ ካልኦት ተመሳሳሊ ዅነታት ኣሕሊፎም እዮም፡ ኪጻወርዎ እውን ክኢሎም እዮም። (1 ጴጥ. 5:9) ካልኣይ ከኣ፡ ንፈተናታትና ብኸመይ ከም እንጻወሮ ንምሃር ኢና።—ሮሜ 15:4።

5. የሆዋ ንዓና ብመገዲ ህይወት ንምምራሕ ንመን እዩ ዚጥቀም፧

5 የሆዋ ብክርስትያናት ብጾትና ኣቢሉ እውን ይመርሓና እዩ።b ንኣብነት፡ ሓለውቲ ወረዳ ንጉባኤታት ንምትብባዕ ብስሩዕ ይበጽሕወን እዮም። መደረታቶም ድማ ንእምነትና የደልድለልና፡ ነቲ ኽቡር ሓድነትና ኽንዕቅብ እውን ይሕግዘና እዩ። (ግብ. 15:40–16:5) ሽማግለታት ጉባኤ እውን ንነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ናይ ብሓቂ ይግደሱሉ እዮም። (1 ጴጥ. 5:2, 3) ወለዲ ድማ ንደቆም ብመንፈሳዊ መዳይ ይመርሕዎም እዮም፣ ናይ ምምዝዛን ክእለት ኬማዕብሉን ጽቡቕ ልማዳት ኬጥርዩን እውን ይሕግዝዎም እዮም። (ምሳ. 22:6) ብሱላት ክርስትያናት ኣሓት ከኣ ብዕድመ ንኣሽቱ ንዝዀና ኣሓት ሰናይ ኣብነት ይዀናአን፡ ግብራዊ ምኽሪ ይህባአን፡ ኣጸቢቐን እውን የተባብዓአን እየን።—ቲቶ. 2:3-5።

6. ካብ መምርሒ የሆዋ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

6 የሆዋ ዜድልየና መምርሒ ብምሃብ እጃሙ ገይሩ እዩ። እሞ ደኣ ነቲ ንሱ ዝገበረልና ኸም እነማስወሉ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧ ምሳሌ 3:5, 6፡ “ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ” ትብል። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ‘ንሱ ንመገድታትና ኬቕንዖ’ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ካብ ብዙሕ ነገራት ኪሰትረና፡ ዝያዳ ሓጐስ ከም እንረክብ እውን ኪገብረና እዩ። የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ብሕታዊ ምኽሪ ዚህበና ምዃኑስ ኣዚና ኸነመስግኖዶ ኣይግባእን፧—መዝ. 32:8።

የሆዋ ዜድልየና ይህበና

7. ገለ ኻብቲ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ዜማልኣሉ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ፊልጲ 4:19)

7 ፊልጲ 4:19 ኣንብብ። የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣብ ርእሲ ምምራሕ፡ ነቲ ምግብን ክዳንን መጽለልን ንምርካብ እንገብሮ ጻዕርታት እውን ይባርኾ እዩ። (ማቴ. 6:33፣ 2 ተሰ. 3:12) ብዛዕባ እቲ ብስጋዊ ዜድልየና ነገራት ምርካብ ዜተሓሳስበና እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ግና እምብዛ ኸይንጭነቕ የተባብዓና እዩ። (ማቴ. 6:25) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣቦና ዜድልየና ዘበለ የማልኣልና እዩ፣ ከቶ እውን ኣይጥንጥነናን እዩ። (ማቴ. 6:8፣ እብ. 13:5) ስለዚ፡ ነቲ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ዝኣተወልና ቓል ክንኣምኖ ንኽእል ኢና።

8. የሆዋ ንዳዊት እንታይ እዩ ገይሩሉ፧

8 የሆዋ ንዳዊት ብኸመይ ከም ዝሓገዞ እስከ ንርአ። ኣብቲ ዳዊት ካብ ሳኦል እናሃደመ ዚነብረሉ ዝነበረ ኣጸጋሚ ዓመታት፡ የሆዋ ንዕኡን ንሰቡን ብህይወት ንምንባር ዜድልዮም ዘበለ ኣማሊኡሎም እዩ። ዳዊት ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ነዊሕ ዓመታት ዝረኣዮ ሓልዮት የሆዋ ኸስተንትን ከሎ፡ “ጐበዝ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ኣሪገ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ጻድቕ ተሓዲጉ፡ ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 37:25) መሸም ኣብ ህይወትካ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንውፉያት ኣገልገልቱ ዜድልዮም ዘበለ ኼማልኣሎም ከሎ ርኢኻ ኢኻ።

9. ሎሚ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ፡ የሆዋ ንህዝቡ ዜድልዮም ዚህቦም ብኸመይ እዩ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

9 የሆዋ ንህዝቡ ኣብ እዋን ሓደጋ እውን ዜድልዮም የማልኣሎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ጥሜት ምስ ኰነ፡ ኣብ እተፈላለየ ዓድታት ዚነብሩ ክርስትያናት ነቶም እተሸገሩ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ንምሕጋዝ ረድኤት ለኣኹ። (ግብ. 11:27-30፣ ሮሜ 15:25, 26) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ተመሳሳሊ ናይ ልግሲ መንፈስ ኣለዎም። ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ፡ የሆዋ ንህዝቡ ስለ ዜለዓዕሎም፡ ከም ምግብን ማይን ክዳንን መድሃኒትን ዝኣመሰለ ዜድሊ ነገራት ይልግሱ እዮም። ጕጅለታት ህንጸት ድማ ጕድኣት ንዝወረዶ ኣባይትን ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ይጽግና እየን። ኣገልገልቲ የሆዋ ድማ ነቶም ኣባይቶም ወይ ሰቦም ዝሰኣኑ ክርስትያናት ብስምዒታዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ደገፎም ይህብዎም እዮም።c

ስእልታት፦ ድሕሪ እቲ ኣብ ማላዊ ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋ እተገብረ ስጋውን መንፈሳውን ደገፍ። 1. ሰፊሕ ቦታ ብማይ ኣዕለቕሊቑ። 2. ሓውና ገይጅ ፍሊግል ንኣሕዋትን ንኣሓትን ይዛረቦም። 3. ኣሕዋት ካብ ማኪና እኽሊ ዝመልአ ኸረጺታት የራግፉ።

የሆዋ ኣብ እዋን ሓደጋ ብኸመይ እዩ ዜጸናንዓና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)e


10-11. ካብ ተመክሮ ቦሪስ እንታይ ንምሃር፧

10 የሆዋ ዋላ እውን ነቶም ዘየምልኽዎ ሰባት፡ ዜድልዮም ዘበለ ብልግሲ ይህቦም እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ነቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት ሰናይ ንገብረሎም ኢና። (ገላ. 6:10) እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ምስክርነት ይኸውን እዩ። ንኣብነት፡ ተመክሮ ሓደ ቦሪስ ዚብሃል ኣብ ዩክረይን ዚነብር ርእሰ መምህራን እስከ ንርአ። ቦሪስ ናይ የሆዋ ምስክር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ተምሃሮኡ ግና ብለውሃት ይሕዞም፡ እምነቶም እውን የኽብረሎም ነይሩ እዩ። ኣብቲ ንሱ ዚነብረሉ ዝነበረ ኸባቢ ውግእ ምስ ኰነ፡ ናብቲ ዝሓሸ ኽፋል እታ ሃገር ኪሃድም ወሰነ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣሕዋትና ሓገዝዎ። ድሕርዚ፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተኣከበ። ብዛዕባ እቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ኺገልጽ ከሎ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ቈላሕታን ሓልዮትን እዮም ኣርእዮምኒ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ እየ ዘመስግኖም።”

11 ንሕና እውን ንእተሸገሩ ሰባት፡ ከም ናትና ዓይነት እምነት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ ፍቕርና ብምግላጽ፡ ነቲ መሓሪ ሰማያዊ ኣቦና ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 6:31, 36) ሰባት በቲ ፍቕርና ተለዓዒሎም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ተስፋ ንገብር ኢና። (1 ጴጥ. 2:12) እቲ ፍረ እዚ ይኹን እቲ ግና፡ ብምሃብ ዝያዳ ሓጐስ ንረክብ ኢና።—ግብ. 20:35።

የሆዋ የዕቍበና

12. የሆዋ ንህዝቡ ብደረጃ ጕጅለ እንታይ ዕቝባ ኸም ዚገብረሎም እዩ ቓል ኣትዩ ዘሎ፧ (መዝሙር 91:1, 2, 14)

12 መዝሙር 91:1, 2, 14 ኣንብብ። ሎሚ የሆዋ መንፈሳዊ ዕቝባ ኸም ዚገብረልና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። ንሰይጣን ከኣ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኼበላሽዎ ኸቶ ኣይፈቕደሉን እዩ። (ዮሃ. 17:15) እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ምስ ጀመረ ድማ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብስጋዊ መዳይ እውን ከም ዜዕቍቦም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ራእ. 7:9, 14።

13. የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዜዕቍበና ብኸመይ እዩ፧

13 የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እንታይ ዕቝባ እዩ ዚገብረልና፧ ብቕዱሳት ጽሑፋት ኣቢሉ ቕኑዕን ጌጋን ክንፈሊ ይሕግዘና እዩ። (እብ. 5:14) በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስርዓታት ክንመላለስ ከለና ኸኣ፡ ካብ መንፈሳዊ ዀነ ስጋዊ ጕድኣት ንስተር ኢና። (መዝ. 91:4) ብተወሳኺ፡ የሆዋ ብጉባኤ ኣቢሉ ዕቝባ ይገብረልና እዩ። (ኢሳ. 32:1, 2) በቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ብስርዓታቱ ዚመላለሱን ሰባት ስለ እንኽበብ፡ ምትብባዕ ንረክብ ኢና፣ ጐዳኢ ጽልዋታት ንምጽራር እውን ብርታዐ ንረክብ ኢና።—ምሳ. 13:20።

14. (ሀ) ኣምላኽ ካብ ኵሉ ፈተናታትና ዘየናግፈና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) መዝሙር 9:10 እንታይ እያ እተረጋግጸልና፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

14 ኣብ ሕሉፍ ግዜ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ኻብ ኣካላዊ ጕድኣት ዘዕቈበሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን ከምኡ ዚገብር ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ “ድንገት” ኪረኽበና ይኽእል እዩ። (መክ. 9:11፡ እ.ጽ.) ኣብ ርእሲ እዚ፡ የሆዋ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኺረጋገጽ ኢሉ፡ ኣገልገልቱ ኣደዳ መስጐጕቲ ኪዀኑን ኪሞቱን ፈቒዱ እዩ። (እዮ. 2:4-6፣ ማቴ. 23:34) ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ነገር የጋጥም እዩ። የሆዋ ንፈተናታትና ዘየወግዶ እኳ እንተ ዀነ፡ ንዜፍቅርዎ ዘበሉ ኸቶ ኸም ዘይሓድጎም ግና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።d—መዝ. 9:10።

የሆዋ የጸናንዓና

15. ካብ ጸሎትን ካብ ቃል ኣምላኽን ካብ ክርስትያናት ብጾትናን ከመይ ጌርና ኢና ምጽንናዕ እንረክብ፧ (2 ቈረንቶስ 1:3, 4)

15 ካልኣይ ቈረንቶስ 1:3, 4 ኣንብብ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓዘን፡ ጭንቀት፡ ወይ ውጥረት የጋጥመና እዩ። ምናልባት ሕጂ በይንኻ ኸም እተሓደግካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ዚገብር ጭንቂ ይህልወካ ይኸውን። እሞ ደኣ ንስምዒትካ ዚርድኣልካስ ኣሎዶ፧ የሆዋ ይርድኣልካ እዩ። ንሱ ንስቓይና ይርድኣልና ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ።” ብኸመይ፧ ብጸሎት ናብ የሆዋ እንተ ተማህሊልና፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ይህበና እዩ። (ፊል. 4:6, 7) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃል የሆዋ ኸነንብብ ከለና እውን ንጸናናዕ ኢና። እቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መግለጺ ፍቕርን ጥበብን ተስፋን ንመንፈስና ኼለዓዕሎ ይኽእል እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከኣ ጽቡቕ ምሕዝነትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምትብባዕን ስለ እንረክብ፡ ንጸናናዕ ኢና።

16. ካብ ተመክሮ ኔታንን ፕሪሲላን እንታይ ትምሃር፧

16 የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ብኸመይ ምጽንናዕን ምትብባዕን ከም ዚህብ ብኣብነት ንምርኣይ፡ ተመክሮ እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ኔታንን ፕሪሲላን እስከ ንርአ። ንሳቶም ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት፡ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልዩሉ ኣከባቢ ኺግዕዙ ወሰኑ። ኔታን ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “የሆዋ ንጻዕርታትና ኸም ዚባርኾ ንኣምን ኔርና” ይብል። ናብቲ ሓድሽ ምድቦም ምስ በጽሑ ግና፡ ዘይተጸበይዎ ናይ ጥዕናን ናይ ገንዘብን ጸገም ኣጋጠሞም። ስለዚ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ተገደዱ። ኣብኡ እውን ምስ ናይ ገንዘብ ጸገማት ይቃለሱ ነበሩ። ኔታን ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ ከምቲ ዝሓሰብናዮ ስለምንታይ ከም ዘይባረኸና እሓስብ ነይረ” ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ሕሉፍ ሓሊፈ፡ ገለ ጌጋ ገይረ እንተ ዀይነ ኽሓስብ ጀሚረ” ይብል። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኔታንን ፕሪሲላን ኣምላኽ ኣብ እዋን ጸገሞም ከም ዘይሓደጎም ተረድኡ። ኔታን ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ ኸምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “ኣብቲ ኣጸጋሚ ግዜያት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከም ለባም ፈታዊ ብምዃን፡ ምትብባዕን መምርሕን ሂቡና እዩ። ኣብ ፈተና ዘይኰነስ፡ ኣብቲ የሆዋ ነቲ ጸገማት ክንጻወር ዝሓገዘሉ መገዲ ምትኳር ድማ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ እምነትና ንዜጋጥመና ብድሆታት ብኸመይ ከም እንሰግሮ ኽንዳሎ ሓጊዙና እዩ።”

17. ሄልጋ ዝስማ ሓብቲ ብኸመይ እያ ተጸናኒዓ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

17 ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተወሳኺ ምጽንናዕ ኪህቡና ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ፧ ንኣብነት፡ እታ ኣብ ሃንጋሪ እትነብር ሄልጋ ዘሕለፈቶ እስከ ንርአ። ብሰንኪ እቲ ንሓያሎ ዓመታት ዘጋጠማ እተፈላለየ ጸገማት እትገብሮ ሓርቢትዋ፡ ዋጋ ዘይብላ ዀይኑ እውን ተሰሚዕዋ ነይሩ እዩ። ሕጂ ምልስ ኢላ ኽትሓስቦ ኸላ ግና፡ የሆዋ ብጉባኤ ገይሩ ብኸመይ ከም ዜጸናንዓ ኽትርኢ ኽኢላ እያ። ንሳ ኸምዚ ብምባል ትጽሕፍ፦ “ብሰንኪ ዓለማዊ ስራሐይን ንዝሓመመ ውሉደይ ዝገበርኩሉ ኽንክንን ካልእ ፈተናታትን ሓይለይ ኪጽንቀቕ ከሎ፡ የሆዋ ወትሩ ሓጊዙኒ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት፡ ነቲ ኸም ዜጸናንዓኒ ዝኣተዎ ቓል ዘይፈጸመሉ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ የላን። ካልኦት ብለውሃትን ብሓልዮትን ብሞሳን ተላዒሎም ብዚህብዎ ሓሳባት ኣቢሉ ብዙሕ ሳዕ ኣበርቲዑኒ እዩ። ልክዕ ኣብ ዜድልየኒ እዋን፡ ብዙሕ ሳዕ መልእኽቲ፡ ካርድ፡ ወይ ናእዳ ይመጸኒ እዩ።”

ስእልታት፦ ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ምጽንናዕ ይውሃቦ። 1. ቈልዑ ዝሰኣሉሉ ስእልታት ይርኢ። 2. ሓደ ሓው ተክስት ይልእከሉ። 3. ሰብኣይን ሰበይትን ኣስቤዛን ፒሳን የምጽኡሉ። 5. ሓንቲ ጓል ንገነት ዚገልጽ ስእሊ ኣንበሳ ትስእለሉ።

የሆዋ ንዓኻ፡ ንኻልኦት ንምጽንናዕ ብኸመይ ኪጥቀመልካ ይኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)


18. ከመይ ጌርና ኢና ንኻልኦት ሰባት ከነጸናንዕ እንኽእል፧

18 ንሕና እውን ንሰባት ብምጽንናዕ፡ ንኣምላኽና ናይ ምምሳል ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ብትዕግስቲ ኽንሰምዖም፡ ብቓላትና ኣቢልና ኸነጸናንዖም፡ ብግብራዊ መገድታት እውን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። (ምሳ. 3:27) መከራ ንዜሕልፉ ዘለዉ ዅሎም፡ እንተላይ ነቶም ንኣምላኽ ዘየገልገልዎ ሰባት፡ ከነጸናንዖም ንደሊ ኢና። ጐረባብትና ኺሓዝኑ፡ ኪሓምሙ፡ ወይ ኪጭነቑ ኸለዉ፡ ክንበጽሖም፡ ክንሰምዖም፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ዜተባብዕ መልእኽቲ ኸነካፍሎም ንደሊ ኢና። ነቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝዀነ የሆዋ ምስ እንመስሎ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ጥራይ ኣይኰንናን እንሕግዝ፣ የግዳስ፡ ንልቢ እቶም ዘይኣመንቲ ብምልስላስ፡ ንንጹህ ኣምልኾ ኪቕበሉ መገዲ ኽንከፍተሎም ንኽእል ኢና።—ማቴ. 5:16።

የሆዋ ወትሩ ይሕግዘና

19. የሆዋ እንታይ እዩ ዚገብረልና፧ ንሕናኸ ብኸመይ ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧

19 የሆዋ ንዅሎም እቶም ዜፍቅርዎ ሰባት ኣጸቢቑ ይሓልየሎም እዩ። ቃልሲ ኼጋጥመና ኸሎ ኣይሓድገናን እዩ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዚሓልየሉ፡ የሆዋ ድማ ንእሙናት ኣምለኽቱ ይሓልየሎም እዩ። ይመርሓና፡ ዜድልየና ይህበና፡ የዕቍበና፡ የጸናንዓና እዩ። ንኻልኦት ሰባት ኣብ እዋን ጸበባኦም ንድግፎምን ነተባብዖምን እንተ ዄንና፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኢና እንመስሎ። ጸገማትን ጓህን እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ የሆዋ ምሳና ኸም ዝዀነ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ስለምንታይሲ፡ “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ” ኢሉ ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (ኢሳ. 41:10) እዝስ ከመይ ዝበለ ጽኑዕ እምንቶ ዀን እዩ ዜሕድረልና! እምበኣር፡ ከቶ በይንና ኣይኰንናን።

ብኸመይ እዩ የሆዋ . . .

  • ዚመርሓና፧

  • ዜድልየና ዚህበና፧

  • ዜዕቍበናን ዜጸናንዓናን፧

መዝሙር 100 ተቐበልቲ ጋሻ ንኹን

a ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ግበር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b ኣብ ናይ ለካቲት 2024 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ወትሩ መሪሕነት የሆዋ ስዓብ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 11-14 ርአ።

c ናይ ቀረባ ግዜ ኣብነታት ንምርካብ፡ ኣብ jw.org፡ “disaster relief” ኢልካ ድለ።

d ኣብ ናይ ለካቲት 2017 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

e መግለጺ ስእሊ፦ ባህርያዊ ሓደጋ ድሕሪ ምግጣሙ፡ ኣብ ማላዊ ንዚነብሩ ኣሕዋት ስጋውን መንፈሳውን ደገፍ ተዋሂብዎም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ