ዓንቀጽ መጽናዕቲ 26
መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ
ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
“ነቲ ዅሉ ዚኽእል ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና።”—እዮ. 37:23።
ኣትኵሮ
ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ኣሚንና እንተ ተቐቢልና፡ ኣብ እንፈልጦ ነገራት እንተ ኣተኲርና፡ ኣብ የሆዋ እውን እንተ ተወኪልና፡ ስግኣት ኣይነሕድርን ኢና።
1. የሆዋ እንታይ ዓቕሚ እዩ ሂቡና፧ ስለምንታይከ፧
የሆዋ ኽንሓስብን ክንፈልጥን ክንርዳእን ክንልብምን ዓቕሚ ሂቡ እዩ ፈጢሩና። ስለምንታይ እዩ ነዚ ዓቕሚ ሂቡ ዝፈጠረና፧ ምኽንያቱ፡ ‘ፍልጠት ኣምላኽ ክንረክብ፡’ ብኣእምሮና ተጠቒምና እውን ከነገልግሎ ይደልየና እዩ።—ምሳ. 2:1-5፣ ሮሜ 12:1።
2. (ሀ) ኣብ ምንታይ መዳያት እዩ ዓቕምና ድሩት ዝዀነ፧ (እዮብ 37:23, 24) (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ብትሕትና ኣሚንና እንተ ተቐቢልና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
2 ሓድሽ ነገር ክንምሃር ተኽእሎ እኳ እንተ ኣሎና፡ ፍልጠትና ግና ደረት ኣለዎ። (እዮብ 37:23, 24 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ብዛዕባ እዮብ እስከ ንርአ። ንሱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘይፈልጥ ዜቃልዕ ሕቶታት እዩ ኣጋጢምዎ። እዚ ድማ ርእሱ ኼትሕት፡ ኣተሓሳስባኡ እውን ኪእርም ሓጊዝዎ እዩ። (እዮ. 42:3-6) ንሕና እውን ኵሉ ነገር ከም ዘይንፈልጥ ብትሕትና እንተ ተኣሚንና ኽንጥቀም ኢና። እዚ ትሕትና እዚ እንተ ኣልዩና፡ ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር ዜኽእል ብሓቂ ኽንፈልጦ ዜድልየና ዘበለ የሆዋ ኸም ዚገልጸልና ንኣምን ኢና።—ምሳ. 2:6።
ከምቲ እዮብ ዝገበሮ፡ ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ኣሚንና እንተ ተቐቢልና ንጥቀም ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ)
3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ገሊኡ ዘይንፈልጦ ነገራትን እዚ ብዛዕባ ዜስዕቦ ጸገማትን ክንመያየጥ ኢና። ገሊኡ ነገራት ዘይምፍላጥና ስለምንታይ ጽቡቕ ከም ዝዀነ እውን ክንምርምር ኢና። ብዛዕባ እዚ ነጥብታት እዚ ምምይያጥና ኸኣ፡ እቲ “ብፍልጠት ፍጹም” ዝዀነ የሆዋ፡ ብሓቂ ኽንፈልጦ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዚነግረና፡ እምነትና የደልድለልና እዩ።—እዮ. 37:16።
መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ኣይንፈልጥን ኢና
4. ብመሰረት ማቴዎስ 24:36፡ ሓደ ዘይንፈልጦ ነገር እንታይ እዩ፧
4 ማቴዎስ 24:36 ኣንብብ። መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ መዓስ ከም ዚመጽእ ኣይንፈልጥን ኢና። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ፡ “እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን” መዓስ ምዃና ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ።a ንሃዋርያቱ ኸኣ የሆዋ ንግዜያት “ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ” ኸም ዝመደቦ ሓቢርዎም እዩ። (ግብ. 1:6, 7) መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ መዓስ ከም ዚኸውን የሆዋ መዲቡ ኣሎ፣ ንሕና ግና እዚ ብልክዕ መዓስ ከም ዚኸውን ኣይንፈልጥን ኢና።
5. መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ዘይምፍላጥና ብኸመይ ይጸልወና፧
5 ስለዚ፡ ብመሰረት እዚ የሱስ ዝበሎ ነገር፡ ክሳዕ መወዳእታ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኽንጽበ ከም ዘሎና ኣይንፈልጥን ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ምናዳ ንመዓልቲ የሆዋ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኽንጽበ እንተ ጸኒሕና፡ ዓቕሊ ኸነጽብብ ወይ ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ነቲ ኻብ ኣባላት ቤተ ሰብና ወይ ካልኦት ሰባት ዚመጽእ ላግጺ ምጽዋሩ ይኸብደና ይኸውን። (2 ጴጥ. 3:3, 4) መወዳእታ ዚመጸሉ መዓልቲ እንተ ንፈልጥ ኔርና፡ ብዝያዳ ዓቕሊ እንገብርን ንዚመጸና ላግጺ ብዝያዳ እንጻወሮን ይመስለና ይኸውን።
6. መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ዘይምፍላጥና ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
6 ከም ሓቂ፡ የሆዋ መወዳእታ ብልክዕ መዓስ ከም ዚመጽእ ብዘይምግላጹ፡ ካብ ፍቕርን ካብቲ ኣብኡ ዘሎና እምነትን ተላዒልና ኸም እነገልግሎ ኸነርኢ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ። ንሓንቲ ዕለት እናሓሰብና ኣይኰንናን ንየሆዋ እነገልግሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ከምዚ ገሊኡ ፍርያት ዚወድቀሉ ዕለት ዘለዎ፡ እምነትና ኸምኡ የብላን። ስለዚ፡ ኣብታ “መዓልቲ የሆዋ” እትመጸላ ዕለት እምብዛ ኣብ ክንዲ ምትኳር፡ ኣብቲ እታ መዓልቲ እትዓምሞ ነገራት ኢና እነተኵር። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነት ነደልድል፡ ንዕኡ ባህ ንምባል እውን ዚከኣለና ንገብር ኢና።—2 ጴጥ. 3:11, 12።
7. እንታይ ኢና እንፈልጥ፧
7 እምበኣር፡ ኣብቲ እንፈልጦ ነገራት ከነተኵር ኣሎና። ካብ 1914 ኣትሒዙ፡ ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዝጀመረ ንፈልጥ ኢና። የሆዋ ናብታ ዓመት እቲኣ ዜመልክት ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ሽዑ ንነጀው ብዛዕባ ዚህሉ ዅነታት እውን ገሊጹልና እዩ። ስለዚ ድማ፡ “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ” ኸም ዘላ ንኣምን ኢና። (ጸፎ. 1:14) የሆዋ እንታይ ዕዮ ኽንዓዪ ኸም ዚደልየና፡ ማለት ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት “ብስራት መንግስቲ” ኽንነግሮም ከም ዚደልየና እውን ንፈልጥ ኢና። (ማቴ. 24:14) እዚ መልእኽቲ እዚ፡ ኣብ ኣስታት 240 ሃገራት ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ ይስበኽ ኣሎ። ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ ብትግሃት ንምስታፍ፡ “እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን” መዓስ ከም ዝዀነት ክንፈልጥ ኣየድልየናን እዩ።
የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር ኣይንፈልጥን ኢና
8. “ግብሪ እቲ . . . ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ተባሂሉ ዘሎ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ (መክብብ 11:5)
8 “ንግብሪ እቲ . . . ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ኵሉ ሳዕ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። (መክብብ 11:5 ኣንብብ።) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም እንታይ ከም ዚገብር፡ ወይ እንታይ ኪኸውን ከም ዚፈቅድ ኣይንፈልጥን ማለት እዩ። የሆዋ እንታይ ከም ዚፈቅድ፡ ወይ ብልክዕ እንታይ ከም ዚገብረልና፡ ርግጸኛታት ኴንና እንፈልጦ ነገር የብልናን። (መዝ. 37:5) ከምቲ ዕሸል ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ብኸመይ ከም ዚምዕብል ስነ ፍልጠተኛታት ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ዘይከኣሉ፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር እውን ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና።
9. የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር ብዘይምፍላጥና፡ እንታይ ጸገማት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧
9 የሆዋ እንታይ ከም ዚገብረልና ዘይምፍላጥና፡ ከም እንወላወል ኪገብረና ይኽእል እዩ። ምእንቲ ኣገልግሎት ኢልና መስዋእትታት ንምኽፋል ንሰግእ ንኸውን። ንኣብነት፡ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣብ ዜድልዩሉ ንምግልጋል ኢልና ህይወትና ንምቕላል፡ ወይ ናብኡ ንምግዓዝ ክንሰግእ ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ናብ ገሊኡ ቲኦክራስያዊ ሸቶታት እንተ ዘይተመጣጢርና፡ ኣብ ኣገልግሎትና ዓብዪ ፍረ እንተ ዘይርኢና፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክት እውን ዕንቅፋታት እንተ ኣጋጢሙና፡ ብሓቂ ሞገስ ኣምላኽ እንተ ኣልዩና ንሓስብ ንኸውን።
10. የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር ዘይምፍላጥና፡ እንታይ ኣገዳሲ ባህርያት ከነማዕብል እዩ ዚሕግዘና፧
10 የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር ዘይምፍላጥና፡ ከም ትሕትና ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ባህርያት ከነማዕብል ይሕግዘና እዩ። ሓሳባትን መገድታትን የሆዋ ኻብ ናትና ኸም ዚልዕል ክንፈልጥ የኽእለና እዩ። (ኢሳ. 55:8, 9) እዚ ድማ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንኣምኖ፡ ኣሳልጦ ንምርካብ እውን ናብኡ ብዝያዳ ኽንጽጋዕ የኽእለና። ኣብ ኣገልግሎት ወይ ኣብ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክት ጽቡቕ ፍረ ኽንረክብ ከለና፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ውዳሰ ንህቦ ኢና። (መዝ. 127:1፣ 1 ቈረ. 3:7) ገሊኡ ነገራት ከምቲ እተጸበናዮ እንተ ዘይኰይኑ ኸኣ፡ ንሱ ንዅሉ ነገራት ከም ዚቈጻጸሮ ኣይንርስዕን ኢና። (ኢሳ. 26:12) ንሕና እጃምና ንገብር፡ የሆዋ እጃሙ ኸም ዚገብር እውን ንኣምን ኢና። የሆዋ ኸምቲ ጥንቲ ዚገብሮ ዝነበረ ብተኣምራዊ መገዲ እኳ መምርሒ እንተ ዘይሃበና፡ ዜድልየና ዘበለ መምርሒ ኸም ዚህበና ግና ንተኣማመን ኢና።—ግብ. 16:6-10።
11. እንታይ ምፍላጥና እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧
11 የሆዋ ወትሩ ፈቃርን ፍትሓውን ጥበበኛን ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ነቲ ምእንታኡን ምእንቲ ክርስትያናት ብጾትናን ኢልና እንገብሮ ነገር ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ንፈልጥ ኢና። ነቶም ንዕኡ እሙናት ዝዀኑ ወትሩ ዓስቦም ከም ዚህቦም እውን ንፈልጥ ኢና።—እብ. 11:6።
ጽባሕ እንታይ ከም ዚኸውን ኣይንፈልጥን ኢና
12. ብመሰረት ያእቆብ 4:13, 14፡ እንታይ ኢና ዘይንፈልጥ፧
12 ያእቆብ 4:13, 14 ኣንብብ። ጽባሕ ህይወትና እንታይ ከም እትኸውን ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብዚ ስርዓት እዚ፡ ንዅላትና “ግዜን ኣጋጣምን” የጓንፈና እዩ። (መክ. 9:11) በዚ ምኽንያት እዚ እውን መደባትና ኺቀንዓና እንተ ዀይኑ፡ ወይ መደባትና ኽሳዕ ዚዛዘም ብህይወት ክንጸንሕ እንተ ዄንና ኣይንፈልጥን ኢና።
13. ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን ዘይምፍላጥና ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧
13 ህይወትና እንታይ ከም ዚኸውን ብልክዕ ዘይምፍላጥና ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ እንታይ ኪፍጠር ከም ዚኽእል የጨንቐና ይኸውን፡ እዚ ድማ ሓጐስ የስእነና እዩ። ብድንገት ዚመጽእ ሕማቕ ኣጋጣምን ዘይተጸበናዮ ነገራትን፡ ሓዘን ኰነ ብስጭት ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። ትጽቢታትና ኸይተፈጸመ ምስ ተረፈ ኸኣ፡ ክንጕህን ተስፋ ኽንቈርጽን ንኽእል ኢና።—ምሳ. 13:12።
14. ነባሪ ሓጐስና ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
14 ዜጓንፈና ዘበለ ጸገማት ክንጻወር ከለና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና እነገልግሎ ምእንቲ ጥቕምና ኢልና ዘይኰነስ፡ ካብ ፍቕሪ ተላዒልና ምዃንና ኢና እነርኢ። የሆዋ ኻብ ኵሉ ጸገማትና ኼዕቍበና ኽንጽበ ኸም ዘይብልና፡ ንህይወትና እውን ኣቐዲሙ ኸም ዘይወሰኖ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። ሓጐስና ኣብቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ፍልጠት ከም ዘይምርኰስ፡ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። የግዳስ፡ መምርሒኡ ኣብ ምድላይን ንዕኡ እዙዝ ኣብ ምዃንን እዩ ዚምርኰስ። (ኤር. 10:23) ውሳነታት ክንገብር ከለና ናብኡ ንጥምት እንተ ዄንና፡ “የሆዋ እንተ ፈቒድዎ፡ ክንነብርን እዚ ወይ እቲ ኽንገብርን ኢና” ንብል ከም ዘለና ኪቝጸር ይከኣል እዩ።—ያእ. 4:15።
መምርሒ የሆዋ እንተ ደሊናን ንዕኡ እዙዛት እንተ ዄንናን፡ ዜተኣማምን ዕቝባ ንረክብ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-15 ርአ)b
15. ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧
15 መዓልቲ እንታይ ሒዛ ኸም እትመጽእ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ የሆዋ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህበና ቓል ምእታዉ ግና ንፈልጥ ኢና። ንሱ ኺሕሱ ኸም ዘይክእል፡ ንዅሉ እቲ ቓሉ ኻብ ምፍጻም ኪዓግቶ ዚኽእል እውን ከም ዘየልቦ ንፈልጥ ኢና። (ቲቶ. 1:2) ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ፡ “ካብ መጀመርታ፡ መወዳእታኡ፡ ካብ ቀደም ከኣ፡ ገና ዘይተገብረ እነግር እየ” ኺብል ዚኽእል። ኣብ ሕሉፍ ከምቲ ዝበሎ ተፈጺሙ እዩ፣ ኣብ መጻኢ እውን ኪፍጸም እዩ። (ኢሳ. 46:10) ካብቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ኺዓግቶ ዚኽእል ዋላ ሓደ ኸም ዘየልቦ ንፈልጥ ኢና። (ሮሜ 8:35-39) ንዜጓንፈና ዝዀነ ይኹን ጸገም ክንጻወር ዜኽእለና ጥበብን ምጽንናዕን ሓይልን ይህበና እዩ። የሆዋ ኸም ዚሕግዘናን ከም ዚባርኸናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኤር. 17:7, 8።
የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚፈልጠና ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኣናን እዩ
16. ኣብ መዝሙር 139:1-6 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እንታይ ፍልጠት የሆዋ ኢና ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ዘይንኽእል፧
16 መዝሙር 139:1-6 ኣንብብ። ፈጣሪና ብኸመይ ከም እተገበርና ይፈልጥ እዩ፣ ብኣካላውን ብስምዒታውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ብኸመይ ከም እተቐረጽና ይፈልጥ እዩ። ወትሩ ብዛዕባና ይግደስ እዩ። ዘረባና ይፈልጥ፡ እንታይ ክንብል ከም ዝሓሰብና ይፈልጥ፡ እንታይ ከም ዝገበርና ይፈልጥ፡ ስለምንታይ ኸምኡ ኸም ዝገበርና እውን ይፈልጥ እዩ። ከምቲ ንጉስ ዳዊት ዝበሎ፡ የሆዋ ብሓልዮቱ ይኸብበና እዩ፣ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ እውን ይድግፈና እዩ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት፡ እቲ ንሰማይን ንምድርን ዝፈጠረ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ቘላሕታ ኺገብረልናስ ዜደንቕ ደይኰነን፧ ዳዊት፡ “እዚ ፍልጠት እዚ እምብዛ ዜገርም እዩ። ንምግንዛቡ እምብዛ ይበዝሓኒ እዩ” ኢሉ ኣሎ።—መዝ. 139:6፡ እ.ጽ.።
17. የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጠና ምቕባል ኬጸግመና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
17 ምናልባት፡ ብሰንኪ ኣተዓባብያና፡ ባህልና፡ ወይ ናይ ቀደም እምነታትና ንየሆዋ ኸም ሓደ ዚግደሰልና ፈቃር ኣቦ ጌርና ምርኣይ የጸግመና ይኸውን። ወይ ከኣ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርናዮ ጌጋታት እምብዛ ኽፉእ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ የሆዋ ኸቶ ኺፈልጠና ኸም ዘይደሊ፡ ካባና ኣመና ርሑቕ ከም ዝዀነ ንሓስብ ንኸውን። ንዳዊት እውን እንተ ዀነ፡ ሓድሓደ ግዜ ኸምዚ ዓይነት ስምዒት ይቕልቀሎ ነይሩ እዩ። (መዝ. 38:18, 21) ወይ ድማ ሓደ ሰብ ኣነባብራኡ ቐዪሩ በቲ ቕኑዕ መለክዒታት ኣምላኽ ንምምልላስ ኪጽዕር ከሎ፡ ‘ኣምላኽ ብሓቂ ዚርድኣለይ እንተ ዀይኑ፡ ንዓይ ባህ ዚብለኒ ኣነባብራ ኽሓድግ ስለምንታይ እዩ ዚደልየኒ፧’ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን።
18. የሆዋ ኻብቲ ንሕና ንርእስና እንፈልጣ ንላዕሊ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጠና ኣሚንና ምቕባልና ብኸመይ ይጠቕመና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
18 የሆዋ ኻብቲ ንሕና ንገዛእ ርእስና እንፈልጣ ንላዕሊ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጠና፡ ንዓና ዘይርኣየና ጽቡቕ ነገራት እውን ከም ዚርኢ ኣሚንና ኽንቅበል ንኽእል ኢና። ጕድለታትና ዚርኢ፡ ንስምዒታትና ዀነ ንተግባራትና እውን ዚርድኣልና እኳ እንተ ዀነ፡ የፍቅረና እዩ። (ሮሜ 7:15) የሆዋ ንዓቕምና ኸም ዚፈልጦ ኣጸቢቑ እንተ ተረዲኡና፡ ንዕኡ ብተኣማንነትን ብሓጐስን ንምግልጋል ዘሎና ምትእምማን ይውስኽ እዩ።
የሆዋ በቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚጽበየና ዘሎ ሓጐስ ገይሩ ነቲ ሎሚ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ክንጻወር ይሕግዘና (ሕጡብ ጽሑፍ 18-19 ርአ)c
19. ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ነገራት ኢና ብርግጽ እንፈልጥ፧
19 የሆዋ ፍቕሪ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ እዚ ኸቶ ኣይንጠራጠርን ኢና። (1 ዮሃ. 4:8) እቲ መለክዒታት ጽድቁ፡ ነቲ ንዓና ዘለዎ ፍቕርን ልባዊ ተገዳስነትን ከም ዜንጸባርቕ ንፈልጥ ኢና። ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ከም ዚደልየና እውን ንፈልጥ ኢና። ምእንቲ እዚ ኢሉ እውን በጃ ኣዳልዩልና እዩ። እቲ ውህበት በጃ ኸኣ፡ ዘይፍጽምና እናሃለወና ኽነሱ፡ ክንዕወት ከም እንኽእል የረጋግጸልና እዩ። (ሮሜ 7:24, 25) ብዘይካዚ እውን ሓደ እንፈልጦ ነገር ኣሎ፦ “ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓብን ኵሉ ይፈልጥን እዩ።” (1 ዮሃ. 3:19, 20) የሆዋ ብዛዕባና ዅሉ ነገር ይርኢ እዩ፣ ፍቓዱ ኽንገብር ከም እንኽእል እውን ይተኣማመነልና እዩ።
20. እንታይ እዩ እምብዛ ኸይንጭነቕ ዚሕግዘና፧
20 የሆዋ ብሓቂ ዜድልየና ዘበለ ዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ኣይሓብኣልናን። ነዚ ነገር እዚ ብትሕትና እንተ ተቐቢልናዮ፡ ብዛዕባ እቲ ኽንቈጻጸሮ ዘይንኽእል ነገራት እምብዛ ኣይንጭነቕን ኢና። ኣብቲ ብሓቂ ዜገድስ ነገራት እውን ነተኵር ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ነቲ “ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ” የሆዋ፡ ምሉእ ብምሉእ ከም እንኣምኖ ነርኢ ኢና። (እዮ. 36:4) ሕጂ ብዛዕባ ገሊኡ ነገራት ዘሎና ርድኢት ውሱን እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቲ ዓብዪ ኣምላኽና ብዛዕባኡ ዀነ ብዛዕባ ኻልእ ንዘለኣለም ሓድሽ ነገራት ክንምሃር ኢና።—መክ. 3:11።
መዝሙር 104 ኣምላኽ ዚህበና ውህበት መንፈስ ቅዱስ
b መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ኣቦን ወዱን ንግዜ ሓደጋ እትኸውን ሳንጣ የዳልዉ።
c መግለጺ ስእሊ፦ ጸገማት ዜጋጥሞ ዘሎ ሓው ናብቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚጽበዮ ሓጐስ ይጥምት።