9-15 መጋቢት 2026
መዝሙር 45 ምስትንታን ልበይ
ኣብቲ ምስ ኣሉታዊ ስምዒት እትገብሮ ቓልሲ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ
“እዋይ ኣነ መከረኛ ሰብ!”—ሮሜ 7:24።
ኣትኵሮ
ኣሉታዊ ሓሳብን ስምዒትን ኪመጸና ኸሎ እንታይ ከም እንገብር።
1-2. ሓድሓደ ግዜ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ እዩ ዚስምዖ ዝነበረ፧ ከምቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝጸሓፎ ኺስምዓና ዚኽእልከ ስለምንታይ እዩ፧ (ሮሜ 7:21-24)
ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስ ክትሓስብ ከለኻ፡ እንታይ እዩ ናብ ኣእምሮኻ ዚመጸልካ፧ ተባዕ ሚስዮናዊ፡ ክኢላ መምህር፡ ወይ ጸሓፊ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓያሎ መልእኽትታት ከም ዝዀነ ዲኻ እትዝክር፧ እዚ መግለጺታት እዚ ጌጋ ኣይኰነን። ብዘይካዚ ግና፡ ከም ጓህን ጭንቀትን ዝኣመሰለ ስምዒታት እውን ነይርዎ እዩ። እወ፡ ከም መብዛሕትና፡ ሓድሓደ ግዜ ምስ ኣሉታዊ ስምዒት ይቃለስ ነይሩ እዩ።
2 ሮሜ 7:21-24 ኣንብብ። ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ ከምቲ ንመብዛሕትና ዚስምዓና ዓይነት ስምዒት ከም ዝነበሮ ገሊጹ ኣሎ። እሙን ክርስትያን እኳ እንተ ነበረ፡ ውሽጣዊ ቓልሲ ነይርዎ እዩ። እዚ ቓልሲ እዚ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ዝነበሮ ብርቱዕ ባህግን ኣብ መንጎ እቲ ግጉይ ትምኒታቱ ዜሕድረሉ ዝነበረ ድርኺትን እዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ውሽጣዊ ቓልሱ ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮ ነገራትን ብቐጻሊ ዜጋጥሞ ዝነበረ ጸገምን ምስ ኣሉታዊ ስምዒት ይቃለስ ነይሩ እዩ።
3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ (“መግለጺ ቓላት” እውን ርአ።)
3 ጳውሎስ ውሽጣዊ ቓልሲ እናሃለዎ ኽነሱ፡ ኣሉታዊ ስምዒቱa ንኣተሓሳስባኡ ኺዕብልሎ ኣይፈቐደን። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፦ ሓድሓደ ግዜ፡ ጳውሎስ “መከረኛ” ኸም ዝዀነ እተሰምዖ ስለምንታይ እዩ፧ ምስ ኣሉታዊ ስምዒቱ ተቓሊሱ ኺዕወት ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ኣብቲ ምስ ኣሉታዊ ስምዒት እንገብሮ ቓልሲ ኽንዕወት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ጳውሎስ ኣሉታዊ ስምዒት እተሰምዖ ስለምንታይ እዩ፧
4. ጳውሎስ ኣሉታዊ ስምዒት እተሰምዖ ስለምንታይ እዩ፧
4 ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮ ነገራት። ጳውሎስ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ፡ ሳውል ተባሂሉ ኣብ ዚፍለጠሉ ዝነበረ እዋን፡ ደሓር ዘጠዓሶ ነገራት ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ እሙን ዝነበረ እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ኣብ እተቐትለሉ ግዜ፡ ነቲ ተግባር እቲ ሰሚርዎ እዩ። (ግብ 7:58፣ 8:1) ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ኣብ ዝወረደ ብርቱዕ መስጐጕቲ እውን መሪሕ ግደ ነይርዎ እዩ።—ግብ 8:3፣ 26:9-11።
5. ጳውሎስ ብሕሉፍ ተግባራቱ ኸመይ ይስምዖ ነይሩ፧
5 ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያን ድሕሪ ምዃኑ፡ ሓድሓደ ግዜ ብሕሉፍ ተግባራቱ ይርበሽ ነይሩ እዩ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ብርቱዕ መስጐጕቲ ብምውራድ ዝገበሮ ተግባር ብዝያዳ ይርብሾ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ 55 ድ.ክ. ናብ ሰብ ቈረንቶስ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ ኣብ ዝለኣኸሉ እዋን፡ “ንጉባኤ ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጕክዋ፡ . . . ሃዋርያ ኽብሃል ብቑዕ ኣይኰንኩን” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 15:9) ድሕርዚ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ከኣ፡ ናብ ሰብ ኤፌሶን ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ “ካብ ኵሎም ቅዱሳት . . . ዝነኣስኩ” ኢሉ ንርእሱ ገሊጽዋ ኣሎ። (ኤፌ. 3:8) ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን ድማ፡ “ቀደም ተጻራፍን ሰጓጕን ነቓጽን ዝነበርኩ” ኢሉ ንርእሱ ገሊጽዋ ኣሎ። (1 ጢሞ. 1:13) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ጳውሎስ ናብ ሓንቲ ጉባኤ ኺበጽሕ ከሎ እሞ ምስቶም ንሱ ዝሰጐጎም ሰባት ወይ ምስ ቤተ ሰቦም ኪራኸብ ከሎ ሕማቕ ይስምዖ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።
6. እንታይ ካልእ ነገር እዩ ንጳውሎስ ጭንቂ ዀይንዎ ዝነበረ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)
6 ኣብ ስጋኡ እተዋህቦ እሾዅ። ጳውሎስ ንሓደ ዜጨንቖ ዝነበረ ነገር፡ “ኣብ ስጋይ እሾዅ ተዋሂቡኒ” ብዚብል ቃላት ገሊጽዎ ኣሎ። (2 ቈረ. 12:7) ጠንቂ እቲ ጭንቂ ዀይንዎ ዝነበረ ነገር እኳ እንተ ዘይጠቐሰ፡ እቲ እተጠቕመሉ ስእላዊ ቓላት ግና ኣካላዊ ጸገም፡ ስምዒታዊ ጸገም፡ ወይ ካልእ ነገር የሳቕዮ ኸም ዝነበረ ይሕብር።b
7. ዘይፍጽምና ኣብ ጳውሎስ እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧ (ሮሜ 7:18, 19)
7 ዘይፍጽምናኡ። ጳውሎስ ምስ ዘይፍጽምናኡ ተቓሊሱ እዩ። (ሮሜ 7:18, 19 ኣንብብ።) ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ይደሊ እኳ እንተ ነበረ፡ ዘይፍጽምናኡ ግና ዕንቅፋት ይዀኖ ነይሩ እዩ። ኣብ መንጎ ስጋዊ ዝንባለኡን ቅኑዕ ንምግባር ዘለዎ ድሌትን ቀጻሊ ቓልሲ ኸም ዘለዎ ተኣሚኑ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንምምሕያሽ ኣጸቢቑ ይጽዕር ነይሩ እዩ። (1 ቈረ. 9:27) ይኹን እምበር፡ እቲ ሕማቕ ጠባያት ኪቕልቀሎ ኸሎ፡ ኣመና ይበሳጮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።
ጳውሎስ ምስ ኣሉታዊ ስምዒት ተቓሊሱ እተዓወተ ብኸመይ እዩ፧
8. ጳውሎስ ዝጸሓፎ መልእኽትታት ብዛዕባ እቲ ንዘይፍጽምናኡ ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ይሕብረና፧
8 ጳውሎስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽትታት ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ንሱን ክርስትያናት ብጾቱን ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ምስ ሓጥእ ዝንባለታት ብኸመይ ተቓሊሶም ኪዕወቱ ኸም ዚኽእሉ የስተንትን ነይሩ እዩ። (ሮሜ 8:13፣ ገላ. 5:16, 17) ክርስትያናት ኬርሕቕዎ ብዛዕባ ዚግባእ ሕማቕ ጠባያትን ትምኒታትን ብዙሕ ሳዕ ይጠቅስ ነይሩ እዩ። (ገላ. 5:19-21, 26) እምበኣር፡ ጳውሎስ ብዛዕባ ድኽመቱ ኣስተንቲኑ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምኽሪ ኣናድዩ፡ ንዘይፍጽምናኡ ንምስናፍ ዜኽእል ስጕምትታት እውን ኣለልዩ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ንኻልኦት ዝሃቦም ምኽሪ ኸኣ ኣብ ህይወቱ ኸም ዝተግበሮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
9-10. ንጳውሎስ ምስ ኣሉታዊ ስምዒቱ ንምቅላስ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ኤፌሶን 1:7) (ስእሊ እውን ርአ።)
9 ሓድሓደ ግዜ፡ ጳውሎስ ይጕሂ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣወንታዊ ዀይኑ እዩ ዚመላለስ ነይሩ። ንኣብነት፡ መጋይሽቱ ጽቡቕ ወረ ሒዞምሉ ኺመጹ ኸለዉ፡ ይሕጐስ ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 7:6, 7) ምስ ክርስትያናት ብጾቱ ኻብ ዝነበሮ ምሕዝነት ከኣ ሓጐስ ይረክብ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 1:4) ሞገስ የሆዋ ኸም ዘለዎ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እወ፡ ጳውሎስ ንኣምላኽ፡ “ብንጹህ ሕልና” ኼገልግል ብምኽኣሉ ሕጉስ እዩ ነይሩ። (2 ጢሞ. 1:3) ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ብጐይታ ተሓጐሱ” ኢሉ እዩ ተማሕጺንዎም። (ፊል. 4:4) ኰታስ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኸም ዘየሕደረ፡ ካብ ቃላቱ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ኣሉታዊ ሓሳብ ኪመጾ ኸሎ፡ ኣወንታዊ ንምዃን ይጽዕር ነይሩ እዩ።
10 ጳውሎስ ምስ ኣሉታዊ ስምዒት ተቓሊሱ ኺዕወት ዝሓገዞ ኻልእ ነገር ድማ፡ እቲ በጃ ንዕኡ ኸም እተኸፍለሉ ይኣምን ስለ ዝነበረ እዩ። (ገላ. 2:20፣ ኤፌሶን 1:7 ኣንብብ።) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንሓጢኣቱ ኸም ዚሓድገሉ ጽኑዕ እምነት ነይርዎ እዩ። (ሮሜ 7:24, 25) ስለዚ፡ ሕሉፍ ጌጋታትን ዘይፍጽምናን እናሃለዎ ኽነሱ፡ ብታሕጓስ ንኣምላኽ ‘ኬገልግሎ’ ኽኢሉ እዩ።—እብ. 9:12-14።
ሓድሓደ ግዜ፡ ጳውሎስ ብሕሉፍ ተግባራቱ ይርበሽ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባ እቲ በጃ ብምስትንታን ግና ምስ ኣሉታዊ ስምዒቱ ተቓሊሱ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 9-10 ርአ)
11. ካብ ተመክሮ ጳውሎስ ምትብባዕ እንረክብ ስለምንታይ ኢና፧
11 ንሕና እውን ከም ጳውሎስ ኣብ ውሽጥና ቐጻሊ ቓልሲ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ሓሳባትና፡ ተግባራትና፡ ወይ ዘረባና ቓልሲ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ‘እዋይ ኣነ መከረኛ ሰብ!’ ንብል ንኸውን። ኣብ 20ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኤሊዛc ዝስማ ሓብቲ ብዛዕባ ብሕታዊ ቓልስታታ ኸምዚ ትብል፦ “ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዝነበሮ ዅነታት ምሕሳብ የተባብዓኒ እዩ። ከምኡ ዚስምዓኒ ኣነ በይነይ ከም ዘይኰንኩ ምፍላጠይ የጸናንዓኒ እዩ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ህዝቡ ዜሕልፍዎ ዘለዉ ኸም ዚፈልጥ እዩ ዜዘኻኽረኒ።” እሞ ደኣ ንሕና እውን ከም ጳውሎስ፡ ኣሉታዊ ስምዒት እናሃለወና ኽነሱ ንጹህ ሕልና ኺህልወናን ሓጐስ ክንረክብን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ምስ ኣሉታዊ ስምዒት ክንቃለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12. ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ኣብቲ ምስ ኣሉታዊ ስምዒት እንገብሮ ቓልሲ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
12 ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ይሃሉኻ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ እንተ ኣማዕቢልና፡ ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ብዝያዳ ኸነተኵር ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝበለ ልማድ ምስቲ ንኣካላዊ ጥዕናና ዚጠቅም ልማድ ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። ጽቡቕ ጌርና ኽንምገብ ከለና፡ ብስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክንገብር ከለና፡ እኹል ድቃስ እውን ክንረክብ ከለና፡ ጽቡቕ እዩ ዚስምዓና። ብተመሳሳሊ፡ ቃል ኣምላኽ ብስሩዕ ከነንብብ ከለና፡ ንኣኼባታት ክንዳሎን ኣብኡ ኽንእከብን ክንሳተፍን ከለና፡ ኣብ ኣገልግሎት እውን ክንሳተፍ ከለና፡ ጽቡቕ እዩ ዚስምዓና። ከምዚ ዝበለ ሃናጺ ንጥፈታት፡ ምስ ኣሉታዊ ሓሳባት ክንቃለስ ይሕግዘና እዩ።—ሮሜ 12:11, 12።
13-14. ገሊኦም እሙናት ክርስትያናት ካብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧
13 ንኣብነት፡ ጆን ገና ወዲ 39 ዓመት ከሎ፡ ዘይልሙድ ዓይነት መንሽሮ ኸም ዘለዎ ፈለጠ። ኣብ ፈለማ፡ ኣሉታዊ ስምዒት ቃልሲ ዀኖ። ኣብ ሰዊት ዕድሚኡ ስለ ዝሓመመ፡ ኣዝዩ ሰምበደ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ወዱ ገና ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኡ እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ምስ ኣሉታዊ ስምዒቱ ንምቅላስ እንታይ ሓጊዝዎ፧ “ዋላ እኳ ሓይለይ ዚጽንቀቕ እንተ ዀነ፡ ስድራ ቤትና ስሩዕ መንፈሳዊ መደብ ከም ዚህልዋ እገብር እየ” ብምባል ባዕሉ ይምልስ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ንእከብ፡ ሰሙናዊ ኣብ ኣገልግሎት ንካፈል፡ ኣጸጋሚ ኣብ ዚዀነሉ እዋን እውን እንተ ዀነ ኣምልኾ ስድራ ቤት ንገብር ኢና” ይብል። ብዛዕባ እቲ ዘሕለፎ ምልስ ኢሉ ኺሓስብ ከሎ ድማ፡ “እቲ ኣብ ፈለማ ዜጋጥመካ ስንባድ እናሃሰሰ ምስ ከደ፡ እቲ ዜጨንቐካ ሓሳባት በቲ የሆዋ ዚህቦ ብርታዐን ፍቕርን እዩ ዚትካእ። የሆዋ ኸምቲ ንዓይ ዝገበረለይ፡ ንዓኻትኩም እውን ብርታዐ ኺህበኩም እዩ” ይብል።
14 እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኤሊዛ ኸኣ፡ “ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብእተኣከብኩን ብሕታዊ መጽናዕቲ ብዝገበርኩን መጠን፡ የሆዋ ኸም ዚሰምዓንን ብሓቂ ኸም ዜፍቅረንን እየ ዝዝክር። እዚ እውን የሐጕሰኒ እዩ” ትብል። ኣብ ኣፍሪቃ ዜገልግል ኖላን ዚብሃል ሓላው ወረዳ ድማ ንዕኡን ነታ ዲያን ዝስማ ሰበይቱን እንታይ ከም ዝሓገዞም ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ዋላ እውን ሕማቕ ኪስምዓና ኸሎ፡ መንፈሳዊ ልማድና ኣይንሓድግን ኢና። የሆዋ ኸኣ ቅኑዕ ኣረኣእያ ምእንቲ ኽንሕዝ ወትሩ ይሕግዘና እዩ። የሆዋ ኸም ዚሕግዘናን ከም ዚባርኸናን ክንዝክር ንጽዕር ኢና፣ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እኳ እንተ ዘይፈለጥና፡ ብርግጽ ከም ዚሕግዘና ግና ንፈልጥ ኢና።”
15. ንኣሉታዊ ሓሳባት ንምስናፍ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ብምሳሌ ኣረድእ።
15 ኣሉታዊ ሓሳባት ንምስናፍ፡ ካብ መሰረታዊ ነገራት ንላዕሊ ኽንገብር የድልየና ይኸውን። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ቃንዛ ሕቘ ኣሎካ ንበል። መዓልቲ መዓልቲ ብእግርኻ ምዝዋር፡ ንቓንዛኻ የፍኵሰልካ ይኸውን። ጠንቂ እቲ ቓንዛ ምእንቲ ኽትፈልጥን ካብቲ ቓንዛ ምእንቲ ኽትገላገልን ግና፡ ምርምር ክትገብርን ንሓኪም ከተማኽርን የድልየካ ይኸውን። ብተደጋጋሚ ንዚቕልቀል ኣሉታዊ ስምዒት ንምውጋድ እውን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ምርምር ክንገብር፡ ምስ ብሱል ክርስትያን ከኣ ክንዛራረብ የድልየና ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል ካልእ ነገራት እውን ኣሎ።
16. ጠንቂ ኣሉታዊ ሓሳባትካ ንምልላይ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (መዝሙር 139:1-4, 23, 24)
16 ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ብውልቂ ዜድልየካ ነገራት ብጸሎት ገምግም። ንጉስ ዳዊት፡ የሆዋ ንዕኡ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ‘ዜጨንቖ ሓሳባቱ’ ንምፍላጥ ምእንቲ ኺሕግዞ ኢሉ ኻብ የሆዋ ሓገዝ ለመነ። (መዝሙር 139:1-4, 23, 24 ኣንብብ።) ንስኻ እውን ጠንቂ ኣሉታዊ ሓሳባትካ ምእንቲ ኸተለሊ፡ ብኸመይ ከም እተወግዶ እውን ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ክትልምን ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ፦ ‘ቀንዲ ጠንቂ እቲ ዜጨንቐኒ ሓሳባት እንታይ እዩ፧ ኣሉታዊ ሓሳባተይ ብምንታይ እዩ ዚልዓዓል፧ ኣሉታዊ ሓሳባት ኪመጸኒ ኸሎ፡ ብኡብኡ ኻብ ኣእምሮይ ኣብ ክንዲ ዘውጽኦ፡ ብዛዕባኡ እናሓሰብኩ አስተማስል ድየ፧’
17. ኣእምሮኻ ኣብ ሃናጺ ሓሳባት ምእንቲ ኼተኵር፡ እንታይ ንብሕታዊ መጽናዕቲ ዚኸውን ርእሰ ነገራት እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
17 ኣብቲ ዜድልየካ ነገራት ዘተኰረ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግበር። በብእዋኑ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ መጽናዕቲ ብምግባር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ በጃን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ሕድገት ሓጢኣትን ብምስትንታን ብዙሕ ተጠቒሙ እዩ። ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። በቲ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ በቲ ብቛንቋኻ ዚርከብ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ካልእ ጽሑፋት ጌርካ፡ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽን ብዛዕባ ይቕረታኡን ብዛዕባ እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ። ጠቓሚ ዓንቀጻት ምስ ረኸብካ ኸኣ፡ ነቲ ዓንቀጻት መዝግቦ። ዝርዝር እቲ ዓንቀጻት ብቐሊሉ ኽትርእዮ ኣብ እትኽእል ቦታ ለጥፎ። ሕማቕ ኪስምዓካ ኸሎ ድማ፡ ነቲ ዓንቀጻት ኣጽንዓዮ። ነቲ ዘንበብካዮ እውን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኸተውዕሎ ጽዓር።—ፊል. 4:8።
ብዛዕባ እቲ ንኣሉታዊ ሓሳባትካ ንምስናፍ ዚሕግዝ ርእሰ ነገራት ኣጽንዕ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)
18. ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ ምንታይ ርእሰ ነገራት እዮም መጽናዕቲ ገይሮም፧
18 እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኤሊዛ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ እዮብ እያ መጽናዕቲ ገይራ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ምስ እዮብ ዜመሳስለኒ ብዙሕ ነገራት ኣሎኒ። ንሱ ተደራራቢ ፈተና እዩ ኣሕሊፉ። ኰይኑ ግና፡ ኣመና ምስ ተደቝሰ፡ ናብ የሆዋ እዩ ቝሊሕ ኢሉ። ስለምንታይ ጸገማት የጋጥሞ ኸም ዘሎ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡ ናብ የሆዋ እዩ ተጸጊዑ።” (እዮ. 42:1-6) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ዲያን እውን ከምዚ ትብል፦ “ኣነን ሰብኣየይን በታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ጌርና መጽናዕቲ ንገብር ኣለና። የሆዋ ኸም ሰራሕ ካይላ ዀይኑ ይቐርጸና ምህላዉ ነመስግን ኢና። ኣብቲ ብጌጋታትና ዚስምዓና ጓሂ ኣብ ክንዲ እነተኵር፡ የሆዋ ይቐርጸና ኸም ዘሎ፡ ዝሓሽና ኽንከውን እውን ይጽዕረልና ኸም ዘሎ ኢና ኣብ ኣእምሮና እንስእል። እዚ ኸኣ ብዝያዳ ኽንቀርቦ የኽእለና።”—ኢሳ. 64:8።
ብዛዕባ መጻኢ ተኣማመን
19. ሓድሓደ ግዜ እንታይ እዩ ዚስምዓና፧ ግናኸ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
19 ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድን ብውልቂ ዚጠቕመና ጽቡቕ ብሕታዊ መጽናዕትን እናሃለወና ኽነሱ፡ ኣሉታዊ ሓሳባትናን ስምዒትናን ምሉእ ብምሉእ ከይጠፍእ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሕማቕ ስለ ዚስምዓና፡ ‘እዋይ ኣነ መከረኛ!’ ኽንብል ንኽእል ኢና። ብሓገዝ የሆዋ ግና፡ ነቲ ኣሉታዊ ስምዒት ክንንክዮ ንኽእል ኢና። ኣብ መብዛሕትኡ መዓልትታት ንጹህ ሕልና ኸም እንሕዝ፡ ብህይወትና ዀነ በቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት እውን ከም እንሕጐስ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
20. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧
20 እምበኣር፡ እቲ ሕሉፍ ተግባራትና፡ ጸገማትና፡ ወይ ዘይፍጽምናና ዚፈጥሮ ኣሉታዊ ስምዒት ምእንቲ ኸይቈጻጸረና ቘራጽነት ንግበር። ብሓገዝ የሆዋ፡ ንኣሉታዊ ስምዒትና ኽንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና። (መዝ. 143:10) ናብቲ ኣወንታዊ ሓሳባት ምሓዝ ቃልሲ ዘይኰነሉ እዋን ኣማዕዲና ኽንጥምት ንኽእል ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኻብ ድቃስና ኽንበራበር ከለና፡ ዋላ ሓንቲ ዜጨንቕ ሓሳባት ኣይኪህልወናን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ተሓጒስና ኸነገልግሎ ኢና!
መዝሙር 34 ብንጽህና ኽመላለስ እየ
a መግለጺ ቓላት፦ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ “ኣሉታዊ ስምዒት” ተባሂሉ ዘሎ ሓሓሊፉ ንዚስምዓና ጓህን ሕማቕ ስምዒትን የመልክት። ነቲ ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ዝዀነ ሕዱር ጭንቀት ኣየመልክትን እዩ።
b ጳውሎስ ናይ ምርኣይ ጸገም ከም ዝነበሮ ኣብ ጽሑፋቱ ተሓቢሩ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ደብዳበታት ንምጽሓፍን ኣገልግሎቱ ንምፍጻምን ይጽገም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ገላ. 4:15፣ 6:11) ወይ ድማ ገሊኦም ናይ ሓሶት መምህራን ብዛዕባ ዜስዕቡሉ ጭንቀት ይዛረብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 10:10፣ 11:5, 13) ጠንቂ እቲ ዘተሓሳሰቦ ነገር እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ጭንቂ ፈጢሩሉ ነይሩ እዩ።
c ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።