16-22 መጋቢት 2026
መዝሙር 20 ፍቑር ወድኻ ሂብካ
እቲ በጃ ስለምንታይ የድልየና፧
“ካብዚ ናብ ሞት ዚመርሕ ሰብነት እዝስ መን ኬናግፈኒ እዩ፧”—ሮሜ 7:24።
ኣትኵሮ
ካብቲ በጃ ብኸመይ ሕድገት ሓጢኣትን ሕውየትን ዕርቅን ከም እንረክብ።
1-2. ካብ ምንታይ ኢና ኽንናገፍ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧ (ሮሜ 7:22-24) (ስእሊ እውን ርአ።)
ሓደ ህንጻ ኸም ዝፈረሰ እሞ ሓደ ሰብ ከኣ ኣብኡ ኸም እተቓቐረ ጌርና እሞ ብኣእምሮና ንስኣል። እቲ ሰብ እቲ ብህይወት እኳ እንተ ኣሎ፡ ካብቲ ፍርስራስ ግና ኪወጽእ ኣይከኣለን። እታ ሓንቲ ኺገብራ ዚኽእል ነገር፡ ዚረድኦ ምእንቲ ኺረክብ ምእዋይ ጥራይ እዩ።
2 ነፍሲ ወከፍና ምስዚ ኣብ ዚመሳሰል ኵነታት ኢና ዘለና። ብኸመይ፧ ኣዳም ካብ ፈጣሪኡ ምስ ዓለወ፡ ሓጥእ ኰነ። ድሕርዚ፡ ንዘርኡ ሓጢኣት ኣውረሶም። በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ እተቓቐረ ሰብ፡ በቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ተቓቒሮም ኣለዉ። ዋላ ሓዴና ድማ ባዕልና ኻብ ሳዕቤናት ሓጢኣት ሓራ ኽንወጽእ ኣይንኽእልን ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ንሓጢኣትና ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሮሜ 7:22-24 ኣንብብ።) ካብቲ “ናብ ሞት ዚመርሕ ሰብነት” ምእንቲ ኺናገፍ እውን ለሚኑ ኣሎ። ስለምንታይሲ፡ በቲ ዝወረሶ ሓጢኣት እዩ ተቓቒሩ፣ እዚ ድማ ናብ ሞት እዩ ዚመርሕ። (ሮሜ 6:23) ናትና ዅነታት እውን ካብ ናቱ እተፈልየ ኣይኰነን። ካብዚ ጸገም እዚ ኽንናገፍ ኣሎና!
ከምቲ ኣብ ዝፈረሰ ህንጻ እተቓቐረ ሰብ ረዳኢ ዜድልዮ፡ ንሕና እውን ብዝወረስናዮ ሓጢኣት ተቓቒርና ስለ ዘለና፡ ካብኡ ዜናግፈና የድልየና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)
3. ሳላ እቲ በጃ ብኸመይ ኢና እንናገፍ፧
3 ጳውሎስ ብዛዕባ ሓጢኣት ኪጽሕፍ ከሎ፡ ነቲ ጸገም ጠቒሱ ጥራይ ኣይኰነን ዘረባኡ ዓጽዩ። “ካብዚ ናብ ሞት ዚመርሕ ሰብነት እዝስ መን ኬናግፈኒ እዩ፧” ዚብል ሕቶ ድሕሪ ምሕታት፡ “ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ይመስገን!” ዚብል መልሲ ሂቡ ኣሎ። (ሮሜ 7:25) ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ እዩ ዚዛረብ ነይሩ።a ሳላ እቲ በጃ እቲ ኸኣ፡ (1) ሓጢኣትና ኺሕደገልና፡ (2) ካብቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ክንሓዊ፡ (3) ምስ ፈጣሪና እውን ክንዕረቕ ንኽእል ኢና። ነዚ ነጥብታት እዚ እንተ መርሚርናዮ፡ ነቲ “ተስፋ ዚህብ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኺዓቢ እዩ። (ሮሜ 15:13) ነቲ ‘በጃ ዝኸፈለልና’ የሱስ ዘሎና ሞሳ እውን ኪዓዝዝ እዩ።—ቈሎ. 1:14።
ሳላ እቲ በጃ፡ ሕድገት ሓጢኣት ይርከብ
4-5. እቲ በጃ ንዅላትና ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ (መክብብ 7:20)
4 ሳላ እቲ በጃ ጥራይ ኢና ሕድገት ሓጢኣት ክንረክብ እንኽእል። ኵሉ ሰብ ዘይፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ብቓል ወይ ብግብሪ ይሓጥእ እዩ። (መክብብ 7:20 ኣንብብ።) ገሊኡ ሓጢኣት ከቢድ እዩ። ንኣብነት፡ ዝሙትን ቅትለትን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ብሞት ዜቕጽዕ እዩ ነይሩ። (ዘሌ. 20:10፣ ዘሁ. 35:30, 31) ይኹን እምበር፡ ክሳዕ ክንድቲ ኸቢድ ዘይኰነ ብዙሕ ሓጢኣት ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ እዚ እውን እንተ ዀነ፡ ምስ ሓጢኣት እዩ ዚጽብጸብ። ንኣብነት፡ ዳዊት እቲ ዘማሪ፡ “ብልሳነይ ምእንቲ ኸይሓጥእ፡ ንስጕምተይ ክሕሉ እየ” ኢሉ እዩ። (መዝ. 39:1) እወ፡ ሓድሓደ ግዜ ብዘረባና እኳ ኽንሓጥእ ንኽእል ኢና።—ያእ. 3:2።
5 ኣብ ሕሉፍ ብዛዕባ እተዛረብካዮ ዘረባን ብዛዕባ ዝገበርካዮ ተግባራትን እሞ ሕሰብ። ደሓር ዜጣዕሰካ ነገር ተዛሪብካዶ ትፈልጥ፧ ደሓር ዜጣዕሰካ ነገርከ ጌርካዶ ትፈልጥ፧ መልሲ እዚ ኽልቲኡ ሕቶታት እዚ፡ ‘እወ’ ዚብል ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “‘ሓጢኣት የብልናን’ እንተ ኢልና፡ ንርእስና ነስሕታ ኣለና፡ እታ ሓቂ እውን ኣባና የላን” ይብል።—1 ዮሃ. 1:8።
6-7. ብመሰረት እንታይ እዩ የሆዋ ንሓጢኣትና ዚሓድገልና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
6 የሆዋ ብመሰረት እቲ በጃ እዩ ሓጢኣትና ዚሓድገልና። (ኤፌ. 1:7) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ሓጢኣት እንተ ገበርና ወይ እንተ ዘይገበርና ዋላ ሓንቲ ኣይግድሶን ማለት ኣይኰነን። መሸም ክንሓጥእ ኣይደልየናን እዩ። (ኢሳ. 59:2) እንተዀነ ግና፡ ፍትሑ ፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ንሕድገት መሰረት ዚኸውን ነገር ኪህሉ ኣለዎ።
7 ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ እስራኤላውያን ካብ ሓጢኣቶም ምእንቲ ኺተዓረቑ፡ እንስሳታት ኪስውኡ ነይርዎም። (ዘሌ. 4:27-31፣ 17:11) እቲ መስዋእትታት እቲ፡ ነቲ የሱስ ዝኸፈሎ ብዙሕ በረኸት ዘምጽአ ዓብዪ መስዋእቲ ጽላሎት ዚኸውን እዩ ነይሩ። ሳላ እዚ መስዋእቲ እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ኺሓድገልና ዜኽእሎ ሕጋዊ መሰረት ይረክብ። ጳውሎስ፡ እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ እንታይ ጥቕሚ ኸም ዜምጽእ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ኣብ ቈረንቶስ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፈሎም ቃላት ከኣ፡ እዚ ተንጸባሪቑ ኣሎ። ነቲ ኣቐዲሞም ዚገብርዎ ዝነበሩ ኽፉእ ተግባራት ድሕሪ ምዝርዛር፡ “ግናኸ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም” በሎም።—1 ቈረ. 6:9-11።
መስዋእቲ እንስሳታት ነቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃን ካብኡ ዚርከብ በረኸትን ጽላሎቱ እዩ ነይሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 6-7 ርአ)
8. ነዚ ናይዚ ዓመት በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ክትዳሎ ኸለኻ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትሓስብ እትኽእል፧
8 ነዚ ናይዛ ዓመት በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ክትዳሎ ኸለኻ፡ የሆዋ ዚገብሮ ሕድገት ሓጢኣት ንዓኻ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ሕሰብ። ንኣብነት፡ ሓጢኣት እንተ ጌርካ እሞ እንተ ተነሲሕካ፡ ብናይ በደለኛነት ስምዒት ክትሳቐ የብልካን። ስለምንታይሲ፡ በጃ ተኸፊሉልካ እዩ። ነዚ ምቕባሉ እንተ ኸቢዱካኸ፧ ምናልባት፡ ‘የሆዋ ይቕረ ኺብል ከም ዚኽእል ይርድኣኒ እዩ፣ ኣነ ግና ንርእሰይ ይቕረ ኽብለላ ኣይከኣልኩን’ ትብል ትኸውን። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥቢ ኣይትረስዓዮ፦ ሓጢኣት ዚሓድግ፡ የሆዋ እዩ፣ ንወዱ ኸኣ ኪፈርድ ስልጣን ሂብዎ ኣሎ። መን ምሕረቱ ኸም ዚግብኦ ወይ ከም ዘይግብኦ ናይ ምውሳን ዕዮ ንዓኻ ዀነ ንዝዀነ ሰብ ኣይሃበን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ [የሆዋ] ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላሊስና፡ . . . ደም የሱስ ወዱ . . . ኻብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ” ይብለና። (1 ዮሃ. 1:6, 7) ነዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ማዕረ እቲ ኻልእ ትምህርትታት ክንተኣማመነሉ ንኽእል ኢና። የሆዋ ሳላ እቲ በጃ ምሕረቱ ኺዝርግሓልና ዜኽእሎ ሕጋዊ መሰረት ረኺቡ እዩ። ቃሉ ድማ ንዕኡ፡ “ንይቕረታ ድልዊ” ኢሉ እዩ ዚገልጾ።—መዝ. 86:5።
ሳላ እቲ በጃ፡ ሕውየት ይርከብ
9. ሓጢኣት ኪብሃል ከሎ ግጉይ ተግባራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንታይ እውን እዩ ዜጠቓልል፧ (መዝሙር 51:5ን እግረ ጽሑፍን)
9 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ሓጢኣት” እትብል ቃል ንግጉይ ተግባር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኽንጥነስ ከለና ዝወረስናዮ ዅነት እውን እያ እተመልክት። (መዝሙር 51:5ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።) ብሰንኪ እዚ ዝወረስናዮ ሓጢኣት እዚ፡ ክፉእ ሓሳባት ይመጸና እዩ፡ ግጉይ ተግባራት እውን ንገብር ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ ግና፡ ኣደዳ ሕማምን እርጋንን ሞትን ንኸውን ኢና። ስለዚ ድማ እዮም ጌጋ ዚብሃል ዘይገበሩ ሕጻናት ዚሓምሙን ዚሞቱን። በዚ ምኽንያት እዚ እውን እዮም እኩያትን ቅኑዓትን ኣደዳ መከራን ሞትን ዚዀኑ። ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ሓጢኣት ወሪሱ እዩ።
10. ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ እሞ ዘይፍጹማት ምስ ኰኑ፡ እዚ ነገር እዚ እንታይ ኣስዒቡሎም፧
10 ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ እሞ ዘይፍጹማት ምስ ኰኑ፡ እንታይ ከም ዝዀነ እሞ ንሕሰብ። እቲ ሓጢኣቶም ውሽጣዊ ነውጺ እዩ ፈጢሩሎም። ምስ ዓለዉ፡ ነቲ ‘ኣብ ልቦም እተጻሕፈ’ ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓሶም፡ ብኡብኡ እዮም ሳዕቤኑ ኺዓጽዱ ጀሚሮም። (ሮሜ 2:15) ሽዑ ገለ ነገር ከም እተለወጠ ተሰሚዕዎም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ገሊኡ ኽፋል ሰብነቶም ኪሽፍኑ፡ ከም ገበነኛታት እውን ካብ ፈጣሪኦም ኪሕብኡ ተደሪኾም። (ዘፍ. 3:7, 8) ንፈለማ ግዜ፡ ስምዒት በደለኛነትን ጭንቀትን ስግኣትን ስቓይን ሕፍረትን ኪስምዖም ጀሚሩ። እዚ ስምዒታት እዚ ድማ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞቶም እዩ ቐጺሉ።—ዘፍ. 3:16-19።
11. እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኣባና እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧
11 እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት፡ ኣባና ኸምቲ ኣብቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዘሕደሮ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ። ዘይፍጽምናና ንኣካላውን ንስምዒታውን ስቓይና ጠንቂ ዀይንዎ እዩ። ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ብዙሕ ክንስጕም ኣይንኽእልን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ ‘ንኸንቱ ተገዚእና ኢና።’ (ሮሜ 8:20) ብደረጃ ውልቀ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ እዚ ጽልዋ እዚ ሓዲሩ ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ ሰብ ንኣከባቢ ንምምሕዳር፡ ገበን ንምቍጽጻር፡ ድኽነት ንምውጋድ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ሰላም ንምርካብ ዚገብርዎ ጻዕርታት እሞ ሕሰብ። እተወሰነ ምምሕያሽ እኳ እንተ ተገብረ፡ እዚ ጻዕርታት እዚ ግና ከንቱ ዀይኑ እዩ። እሞ ደኣ እቲ በጃ ኻብቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ብኸመይ እዩ ዜድሕነና፧
12. እቲ በጃ እንታይ ተስፋ እዩ ዚህበና፧
12 እቲ በጃ፡ ‘ፍጥረት ንባዕሉ ኻብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ኸም ዚወጽእ’ ተስፋ ይህበና እዩ። (ሮሜ 8:21) ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ካብቲ በጃ ምሉእ ጥቕሚ ድሕሪ ምርካብና፡ ብኣካላዊ፡ ብኣእምሮኣዊ፡ ወይ ብስምዒታዊ ሕማም ኣይክንሳቐን ኢና። ስምዒት በደለኛነት፡ ጭንቀት፡ ስግኣት፡ ስቓይ፡ ወይ ሕፍረት እውን ኣይኪህሉን እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ “መስፍን ሰላም” እተባህለ በጃ ዝኸፈለልና የሱስ ክርስቶስ ገዛኢ ስለ ዚኸውን፡ ንምድሪ ንምምሕዳርን ብሰላም ንምንባርን እንገብሮ ጻዕሪ ኸንቱ ኣይኪኸውንን እዩ።—ኢሳ. 9:6, 7።
13. ነዚ ናይዚ ዓመት በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ክትዳሎ ኸለኻ፡ ብዛዕባ እንታይ ተወሳኺ ነገር ኢኻ ኽትሓስብ እትኽእል፧
13 ካብቲ ዝወረስካዮ ሓጢኣት ምስ ተናገፍካ፡ ህይወት ከመይ ከም ዚመስል እሞ ሕሰብ። ንግሆ ንግሆ ጽቡቕ እናተሰምዓካ ኻብ ድቃስካ ኽትበራበር፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ዀነ ብዛዕባ ሰብካ ድማ ‘ከይንጠሚ፡ ከይንሓምም፡ ወይ ከይንመውት’ ዚብል ስግኣት ከየሕደርካ ኽትነብር እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ‘ነታ ተስፋ እንተ ሒዝካያ፡ ከም መልህቕ ነፍሲ፡ ርግጽን ጽንዕትን’ ስለ እትዀነልካ፡ እተወሰነ ሰላም ትረክብ ኢኻ። (እብ. 6:18, 19) ከምቲ መልህቕ ንመርከብ ጸኒዓ ኽትቀውም ዜኽእላ፡ ክርስትያናዊ ተስፋኻ እውን ንእምነትካ ጸኒዓ ኽትቀውም የኽእላ፡ ንዚመጸካ ዘበለ ፈተናታት ክትጻወር እውን ይሕግዘካ እዩ። እወ፡ የሆዋ “ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (እብ. 11:6) ሳላ እቲ በጃ ጥራይ ኢኻ ሕጂ መጸናንዕን ናይ መጻኢ ተስፋን ክትረክብ እትኽእል።
ሳላ እቲ በጃ፡ ዕርቂ ይርከብ
14. ሓጢኣት ነቲ ምስ ፈጣሪና ዘሎና ርክብ ብኸመይ እዩ ጸልይዎ፧ ስለምንታይከ፧
14 ኣዳምን ሄዋንን ካብ ዚሓጥኡ ንደሓር፡ ደቂ ሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ኣለዉ። ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ምስ ፈጣሪኦም ተባቲኾም ከም ዘለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 8:7, 8፣ ቈሎ. 1:21) ስለምንታይ፧ የሆዋ ፍጹም መለክዒታት ስለ ዘለዎ፡ ንሓጢኣት ዕሽሽ ኢሉ ኺሓልፎ ኣይክእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ኺዛረብ ከሎ፡ “ኣዒንትኻ ኣዝየን ጽሩያት ካብ ምዃነን እተላዕለ፡ ክፍኣት ስቕ ኢለን ኣይርእያን እየን” ይብል። (ኣን. 1:13) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሓጢኣት ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ጋግ ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ጋግ እቲ እንተ ዘይተጸጊኑ፡ ንሕና እውን ምስ የሆዋ እንተ ዘይተዓሪቕና፡ ምስኡ ርክብ ክንምስርት ኣይንኽእልን ኢና። እምበኣር፡ ሳላ እቲ በጃ እዩ ዕርቂ ኺግበር ዚከኣል።
15. ሳላ እቲ በጃ፡ ደቂ ሰብ ምስ የሆዋ ኸም ብሓድሽ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧
15 የሱስ “ምእንቲ ሓጢኣትና ዜተዓርቕ መስዋእቲ” ኸም ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣሎ። (1 ዮሃ. 2:2) እሞ ደኣ ሳላ እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፡ ደቂ ሰብ ምስ የሆዋ ኸም ብሓድሽ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ሞት የሱስ ነቲ ፍጹም ዝዀነ ኣምላኽና ምስ ደቂ ሰብ ንምትዕራቕ ዜኽእል ፍትሓዊ መሰረት ኣንቢሩሉ እዩ። (ሮሜ 3:23-26) ነቶም ቅድሚ ሞት ክርስቶስ ብተኣማንነት ዘገልገልዎ እኳ፡ ጽድቂ ‘ኪቘጽረሎም’ ክኢሉ እዩ። (ዘፍ. 15:1, 6) ብኸመይ እዩ ኸምኡ ኺገብር ክኢሉ፧ ብመሰረት እቲ ኣብ መጻኢ ዚኽፈል በጃ እዩ። የሆዋ፡ ወዱ የሱስ በጃ ኸም ዚኸውን ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። (ኢሳ. 46:10) እምበኣር፡ ሳላ እቲ በጃ፡ ደቂ ሰብ ምስ ኣምላኽ ኪዕረቑሉ ዚኽእሉ መገዲ ተኸፊቱ ኺብሃል ይከኣል እዩ።
16. ነዚ ናይዚ ዓመት በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ክትዳሎ ኸለኻ፡ ብዛዕባ እንታይ ተወሳኺ ነገር ኢኻ ኽትሓስብ እትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
16 ምስ ኣምላኽ ምትዕራቕ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ እሞ ሕሰብ። ንኣብነት፡ ከምቲ የሱስ ዝመሃረና፡ ንየሆዋ “ኣቦና” ኢልካ ትጽውዖ ኢኻ። (ማቴ. 6:9) ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ “ፈታውየይ” ኢልካ እውን ትጽውዖ ትኸውን። ንየሆዋ “ኣቦ” ወይ “ፈታዊ” ኢልና ኽንጽውዖ ኸለና ግና፡ ብኣኽብሮትን ብትሕትናን ኪኸውን ይግባእ። ስለምንታይ፧ ገና ሓጥኣን ስለ ዝዀንና፡ ዚግብኣና ዀይኑ ኣይኰነን ንየሆዋ እንቐርቦ። ሳላ እቲ በጃ ጥራይ ኢና ምስ የሆዋ ርክብ ኪህልወና ኽኢሉ። የሆዋ ‘በቲ ኣብቲ ጕንዲ ስቅያት ዝፈሰሰ ደም የሱስ ገይሩ ሰላም ብምግባር፡ ኵሉ ምስ ርእሱ ንምትዕራቕ’ መገዲ ኸፊቱ ኣሎ። (ቈሎ. 1:19, 20) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ዋላ እውን ዘይፍጹማት ክነስና፡ ምስ የሆዋ ርክብ ኪህልወና ኽኢሉ እዩ።
ብሞት የሱስ ጥራይ እዩ ኣብ መንጎ የሆዋን ደቂ ሰብን ጽቡቕ ርክብ ንምምስራት ዜኽእል ሕጋዊ መሰረት ኪርከብ እተኻእለ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)
ኣብቲ በጃ፡ ምሕረት የሆዋ ይርአ
17. እቲ በጃ ንምሕረት የሆዋ ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧ (ኤፌሶን 2:4, 5)
17 እቲ በጃ፡ የሆዋ “ብምሕረት ሃብታም” ከም ዝዀነ የጕልሕ እዩ። “ብኣበሳና ምዉታት እኳ እንተ ነበርና፡ . . . [ኣምላኽ] ህያዋን ገይሩና እዩ።” (ኤፌሶን 2:4, 5 ኣንብብ።) “እቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ብዝወረስዎ ሓጢኣት ተቓቒሮም ከም ዘለዉ፡ ዜናግፎም እውን ከም ዜድልዮም ስለ ዚፈልጡ፡ ረድኤት ንምርካብ የእውዩ እዮም። (ግብ. 13:48) የሆዋ ኸኣ ንዕኡን ንወዱ የሱስን ምእንቲ ኺፈልጥዎም፡ ብመልእኽቲ መንግስቱ ኣቢሉ ንኣውያቶም ምላሽ ይህብ እዩ። (ዮሃ. 17:3) እወ፡ እቲ ሰይጣን ንኣዳምን ንሄዋንን ኣብ ሓጢኣት ከም ዚወድቁ ብምግባር ንዕላማ ኣምላኽ ንምፍሻል ዝሓሰቦ ሓሳብ ኣይተዓወተን።
18. ብዛዕባ እቲ በጃ ኸነስተንትን ከለና፡ እንታይ ጕዳይ እውን ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧
18 ካብቲ በጃ ብዛዕባ እንረኽቦ ጥቕምታት ከነስተንትን ከለና፡ ነቲ ዝዓበየ ጕዳይ ክንርስዖ የብልናን። እቲ በጃ ንጥቕምና ተባሂሉ ጥራይ ከም እተኸፍለ ጌርና ኣብ ክንዲ እንሓስብ፡ የሆዋ በቲ በጃ ኣቢሉ ነቲ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤደን ዘበገሶ ሕቶ ኸም ዚምልስ ክንዝክር ኣሎና። (ዘፍ. 3:1-5, 15) የሆዋ በቲ በጃ እቲ ኣቢሉ ንስሙ ይቕድሶ፡ ካብ ኵሉ ወቐሳ እውን ናጻ ይገብሮ እዩ። ንዓና ኸኣ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ስለ ዜድሕነና፡ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ምዃኑ የርኢ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሓጢኣት ዝወረስና ኽነስና፡ ኣብቲ ንሰይጣን ዚውሃብ መልሲ እጃም ምእንቲ ኺህልወና፡ ብጸጋኡ ፈቒዱልና ኣሎ። (ምሳ. 27:11) እሞ ደኣ ነቲ በጃ ዘሎካ ሞሳ ብኸመይ ኢኻ ኸተርኢ እትኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽንርኢ ኢና።
መዝሙር 19 ድራር ጐይታ
a መግለጺ ቓላት፦ በጃ ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ ኻብ ምርኮ ወይ ካብ ቀይዲ ሓራ ንምዃን ዚኽፈል ዋጋ የመልክት። እቲ መስዋእታዊ ሞት የሱስ ከኣ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ስለ ዜውጽኦም፡ በጃ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።