23-29 መጋቢት 2026
መዝሙር 18 ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና
ነቲ በጃ ዘሎካ ሞሳ ብኸመይ ኢኻ እተርኢ፧
“እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ።”—2 ቈረ. 5:14።
ኣትኵሮ
ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከም እነርኢ።
1-2. እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ እንታይ ንምግባር እዩ ኺድርኸና ዚግባእ፧ ስለምንታይከ፧ (2 ቈረንቶስ 5:14, 15) (ስእሊ እውን ርአ።)
ካብ ሓደ ዝፈረሰ ህንጻ ብህይወት እንተ ትወጽእ፡ ነቲ ንህይወትካ ዘድሓነልካ ሰብ ሞሳኻ ኸተርኢዶ ኣይምተደረኽካን፧ ዋላ እውን ካብቲ መዓት ዝደሓኑ ኻልኦት እንተ ኣለዉ፡ ነቲ እተገብረልካ ነገር ብዘሎካ ልዑል ምስጋና ተደሪኽካ ሞሳኻ ብውልቂ ኽትገልጽ ምደለኻ።
2 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተገልጸ፡ ባዕልና ኻብቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ዜምጽኦ ሳዕቤናት ሓራ ኽንወጽእ ኣይንኽእልን ኢና። ሳላ እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ግና፡ (1) እቲ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ይሕደገልና እዩ፡ (2) ካብቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ንሓዊ ኢና፡ (3) ምስ ኣምላኽ ክንዕረቕ ንኽእል ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብታ የሆዋ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኺህልወና ይኽእል እዩ። እወ፡ እቲ በጃ ነቲ የሱስ ዘለዎ ፍቕሪ እዩ ዜጕልሕ። ንሱ ድማ ካብ ጥንቲ ገና ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ኸይመጸ ኣትሒዙ እዩ ንደቂ ሰብ ዚፈትዎም። (ምሳ. 8:30, 31) ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ ንፍቕሪ ክርስቶስ ሞሳና ንምግላጽ፡ ነቲ ንሱ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ እውን ወትሩ ንምምስጋን ክንድረኽ ኣሎና ማለት እዩ።
ካብ ዝፈረሰ ህንጻ ብህይወት እንተ ትወጽእ፡ ነቲ ዘድሓነካ ሰብ ሞሳኻ ኽትገልጽ ምደለኻ። ነቶም ካብ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ሓራ ዜውጽኡና የሆዋን የሱስን ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ዘይነማስዎም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)
3. ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ በጃ ሞሳኡ ዚገልጸሉ መገዲ ኻብ ናይ ካልእ እተፈልየ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
3 እሞ ደኣ እቲ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዝዀነ በጃ ንዓኻ ብኸመይ እዩ ዚድርኸካ፧ መልስኻ ኻብ ናይ ካልእ ሰብ ኪፍለ ይኽእል እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ሰለስተ ሰባት ናብ ሓደ ቦታ ኺጕዓዙ ሓሲቦም ንበል። ነፍሲ ወከፎም ካብ በበይኑ ኸተማ እዮም ዚነቕሉ። ናብቲ መዓልቦኦም ንምብጻሕ እውን ብበበይኑ መገዲ እዮም ዚጕዓዙ። ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ ናብቲ መዓልቦኻ ንምብጻሕ እትስዕቦ “መገዲ” ወይ ነቲ በጃ ዘሎካ ሞሳ እትገልጸሉ መገዲ፡ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ እዩ ዚምርኰስ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ሰለስተ ጕጅለታት ከነተኵር ኢና። ንሳቶም ከኣ (1) ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ (2) ጥሙቓት ክርስትያናት፡ (3) ካብ መጓሰኦም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ እዮም።
ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ
4. የሆዋ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዜስተብህለሎም ብኸመይ እዩ፧
4 መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ እንተ ኣሊኻ፡ ነዚ ነጥቢ እዚ ሕሰበሉ፦ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትፈልጥ ምድላይካ፡ ካብቶም የሆዋ ምስኡ ርክብ ኪምስርቱ ኢሉ ዝሰሓቦም ሰባት ከም ዝዀንካ እዩ ዚሕብር። (ዮሃ. 6:44፣ ግብ. 13:48) ‘የሆዋ ንልቢ ይምርምሮ እዩ።’ እዚ ማለት ድማ ነቲ ብዛዕባኡ ንምፍላጥ እትገብሮ ጻዕርታት የስተብህለሉ እዩ፣ ምስ መለክዒታቱ ተሰማሚዕካ ንምምልላስ ለውጥታት ክትገብር ከለኻ ኸኣ ይሕጐስ እዩ። (ምሳ. 17:3፣ 27:11) ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ክትምስርት እትኽእል ግና፡ ሳላ እቲ በጃ እዩ። (ሮሜ 5:10, 11) ነዚ ኣቕሊልካ ኣይትርኣዮ።
5. ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ፊልጲ 3:16 ዘሎ መምርሒ ኺትግብርዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
5 ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዄንካ፡ ነቲ በጃ ዘሎካ ሞሳ ብኸመይ ኢኻ ኽትገልጽ እትኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ፡ “በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ብምስዓብ እዩ። (ፊል. 3:16) ካልእ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ “በቲ ሒዝናዮ ዘለና ኣንፈት ንቐጽል” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። እምበኣር፡ ምስዚ ምኽሪ እዚ ብምስምማዕ፡ ዋላ ሓደ ነገር ካብቲ ኣብ መገዲ ህይወት እትገብሮ ዕቤት ኪዓግተካ ኣይተፍቅድ።—ማቴ. 7:14፣ ሉቃ. 9:62።
6. ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ለውጥታት ንምግባር እንተ ተጸጊሞም፡ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዚኽእሉ፧ (ዘዳግም 30:11-14) (ስእሊ እውን ርአ።)
6 ኣብ ቀረባ ግዜ ንእተምሃርካዮ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምቕባል እንተ ኸቢዱካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ትምህርቲ እቲ ምርምር ግበር፣ ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺርድኣካ ድማ ናብ የሆዋ ጸሊ። (መዝ. 86:11) ከምኡ ድሕሪ ምግባርካ ነቲ ትምህርቲ ኽትርድኦ እንተ ዘይክኢልካ፡ ንግዜኡ ነቲ ነገር ወዝፎ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣይተቋርጽ። በቲ ሓደ ሸነኽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዅንኖ ልምዲ ምሕዳግ እንተ ኸቢዱካኸ፧ የሆዋ እኮ ንዘይፍጹማት ሰባት፡ ዘይክእልዎ ነገር ኪገብሩ ኣይጽበዮምን እዩ። ስለዚ፡ ንስኻ እውን ብመለክዒታቱ ኽትመላለስ ትኽእል ኢኻ። (ዘዳግም 30:11-14 ኣንብብ።) የሆዋ ኸኣ ከም ዚሕግዘካ ቓል ኣትዩ ኣሎ። (ኢሳ. 41:10, 13፣ 1 ቈረ. 10:13) ስለዚ፡ ኣይትተሓለል። ኣብቲ ዘጋጠመካ ብድሆ ኣብ ክንዲ እተተኵር፡ ኣብ ኵሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት፡ እንተላይ ኣብቲ ንሱ ዘዳለዎ በጃ ኣተኵር። ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ‘ትእዛዛቱ ኸቢድ ከም ዘይኰነ’ ኸተስተውዕል ኢኻ።—1 ዮሃ. 5:3።a
የሆዋ ዘይከኣል ነገር ክንገብር ኣይሓትተናን እዩ። ብመለክዒታቱ ንምምልላስ ኪሕግዘና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)
7. ኣብ ሓቂ ይዓብዩ ዘለዉ ውሉዳት ብዛዕባ እንታይ እዮም ኬስተንትኑ ዚኽእሉ፧
7 ኣብ ሓቂ ዝዓበኹም ውሉዳት ዘበልኩምከ፧ ንስኻትኩም እውን ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኢኹም። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ወለድኹም ከኣ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሱ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኢኹም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ይብል። (ያእ. 4:8፣ 1 ዜና 28:9) ብተበግሶኹም ንየሆዋ እንተ ቐሪብኩምዎ፡ ንሱ እውን ይቐርበኩም እዩ። የሆዋ ንዓኻትኩም ከም ክፍሊ ሓደ ጕጅለ ገይሩ ኣይኰነን ዚርእየኩም። የግዳስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እዩ ናብኡ ዚስሕቦ፣ እንተላይ ነቶም ኣብ ሓቂ ዝዓበኹም፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እዩ ናብኡ ዚስሕበኩም። እሞ ደኣ ሳላ ምንታይ ኢኹም ምስ የሆዋ ብሕታዊ ዕርክነት ክትምስርቱ ኽኢልኩም፧ ሳላ እቲ በጃ ኢኹም፣ ነዚ ድማ ኣቕሊልኩም ክትርእይዎ የብልኩምን። (ሮሜ 5:1, 2) እምበኣር፡ ነዚ ናይዛ ዓመት በዓል ዝኽሪ ቕድሚ ምብዓልኩም፡ ሞት የሱስ ንዓኻትኩም ብውልቂ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣስተንትኑ። በቲ ሓሳብ እቲ ተደሪኽኩም ድማ ነቲ የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ዘዳለዎ በጃ ዘሎኩም ሞሳ ንምግላጽ ናብ ዚቕጽል መንፈሳዊ ሸቶኹም ገጽኩም ገስግሱ።b
ጥሙቓት ክርስትያናት
8. ጥሙቓት ክርስትያናት ኣብቲ በጃ እምነት ከም ዘለዎም ብኸመይ እዮም ኣርእዮም፧
8 ጥሙቕ ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ ኣብቲ በጃ ዘሎካ እምነት ብእተፈላለየ መገዲ ኣርኢኻ ኢኻ። ንኣብነት፡ ናብ የሆዋ ንምቕራብን ምስ መለክዒታቱ ተሰማሚዕካ ንምምልላስን ስጕምትታት ወሲድካ ኢኻ። ብዛዕባ እምነትካ ንሰባት ብምንጋር ከኣ፡ ነቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዝሃበና ትእዛዝ ተኣዚዝካ ኢኻ። ርእስኻ ንየሆዋ ብምውፋይ እውን ተጠሚቕካ ኢኻ። ምናልባት ከኣ ምእንቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብዝወሰድካዮ መትከል፡ ተቓውሞ ኣጋጢሙካ ይኸውን። (2 ጢሞ. 3:12) ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ተጻዋርነት፡ ንየሆዋ ፍቕሪ ኸም ዘሎካን ነቲ ብወዱ ኣቢሉ ዘዳለወልና በጃ ኸም እተማስወሉን እዩ ዜርኢ።—እብ. 12:2, 3።
9. ጥሙቓት ክርስትያናት ብዛዕባ እንታይ ሓደጋ እዮም ኪጥንቀቑ ዘለዎም፧
9 ጥሙቓት ክርስትያናት ዘበልና፡ ሓደ ኽንጥንቀቐሉ ዚግባእ ሓደጋ ኣሎ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ነቲ በጃ ኣቕሊልና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። እዚ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት እሞ ንሕሰብ። የሱስ ንዓታቶም ስለቲ ተጻዋርነቶም ንኢድዎም እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ግና፡ “ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ እሞ፡ እዚ ረኺበልካ ኣለኹ” ኢልዎም እዩ። (ራእ. 2:3, 4) ኣብዚ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ሓደ ክርስትያን ዜቕርቦ ኣምልኾ በብቝሩብ ብፍርቂ ልቢ ናብ ዚግበር ልማድ ኪቕየር ይኽእል እዩ። እቲ ክርስትያን እቲ ይጽሊ፡ ናብ ኣኼባታት ይኸይድ፡ ኣብ ኣገልግሎት እውን ይሳተፍ ይኸውን። ነዚ ግና ልማድ ኰይንዎ ደኣ እዩ ዚገብሮ እምበር፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኣይኰነን ዚገብሮ። እሞ ደኣ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኸም ቀደማ ሓያል እንተ ዘይኰይና እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
10. ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታትካ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ‘ኣጸቢቕካ ኽትሓስብን ኵለንትናኻ ኽትውፍን’ እትኽእል፧ (1 ጢሞቴዎስ 4:13, 15)
10 ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ምስ ክርስትያናዊ ንጥፈታቱ ብእተተሓሓዘ፡ “ኣጸቢቕካ ሕሰብ” ከምኡ ድማ “ኵለንትናኻ ወፊ” ዚብል ምኽሪ ሂብዎ ነይሩ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:13, 15 ኣንብብ።) ንስኻ እውን ምስዚ ምኽሪ እዚ ብምስምማዕ፡ ኣብ ኣምልኾኻ ‘ብመንፈስ ክትቃጸል’ ብዛዕባ እትኽእለሉ መገድታት ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። (ሮሜ 12:11) ንኣብነት፡ ንኣኼባታት ጽቡቕ ጌርካ ብምድላው፡ ኣብ ኣኼባ ብዝያዳ ኸተቕልብ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ብቐሊሉ ኸተስተንትነሉ ኣብ እትኽእል ጸጥታ ዝሰፈኖ እዋን ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባር፡ ካብ መጽናዕትኻ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ሓዊ ምእንቲ ኸይቅህም እትቝስቍሶ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት፡ እንተላይ ነቲ በጃ ዘሎካ ሞሳ ምእንቲ ኺጐሃሃር እውን፡ ነዚ ነጥብታት እዚ ኽትዓይየሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ቕድሚ በዓል ዝኽሪ ዘሎ ሰሙናት ከኣ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃንና ዝረኸብናዮ ፍሉይ በረኸት ኣስተንትን። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ ፈታው የሆዋ ኽትከውን ዜኽእለካ በጃ ዘሎካ ሞሳ ኺዓዝዝ እዩ።
11-12. ቅንኣትካ ንግዜኡ እንተ ነክዩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ስኢንካ ማለት ድዩ፧ ግለጽ። (ስእሊ እውን ርአ።)
11 ኣብ ገሊኡ እዋን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸምቲ እትብህጎ ዓይነት ቅንኣት እንተ ዘይተሰሚዑካ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ፡ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝሰኣንካ ጌርካ እውን ኣይትደምድም። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ኺገልጸሎም ከሎ፡ “ዋላ እኳ ኸይፈቶኹ እንተ ገይረዮ፡ እዚ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እዚ ብሕድሪ ተዋሂቡኒ እዩ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (1 ቈረ. 9:17) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧
12 ሓድሓደ ግዜ ጳውሎስ፡ ንምስባኽ ዝነበሮ ድሌት ይቕህም ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብቲ ህሞት እቲ ዚስምዖ ስምዒት ብዘየገድስ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ንምጽናዕ ቈሪጹ እዩ። ንስኻ እውን ተመሳሳሊ ዓይነት ቈራጽነት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እምበኣር፡ ውሽጣዊ ድራኸ ኣብ ዘይህልወካ እዋን እኳ፡ ቅኑዕ ንምግባር ቍረጽ። “ድሌትን ንምግባር ዓቕምን” ምእንቲ ኽትረክብ ጸሊ። (ፊል. 2:13) መንፈሳዊ ልማዳትካ ኣይተቋርጽ። ውዒሉ ሓዲሩ ተግባራትካ ንስምዒታትካ ኸም ዚጸልዎ፡ እታ ኣብ ልብኻ ዘላ ፍቕሪ እውን ከም እትጐሃሃር ተኣማመን።
ንግዜኡ ውሽጣዊ ድራኸኻ እኳ እንተ ነከየ፡ መንፈሳዊ ልማዳትካ ኣይተቋርጽ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ)
13. ‘ብእምነት እንተ ኣሊና፡’ ብቐጻሊ ርእስና ኽንፍትን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
13 ምስቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 13:5 ዚርከብ፡ “ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ፡ ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ” ዚብል ምኽሪ ብምስምማዕ፡ በብግዜኡ ገዛእ ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። እምበኣር፡ በብእዋኑ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት እህባ ድየ፧’ (ማቴ. 6:33) ‘ክፍኣት ከም ዝጸልእ ኣብ ናይ መዘናግዒ ምርጫይ ይርአ ድዩ፧’ (መዝ. 97:10) ‘ምስ ክርስትያናት ብጾተይ ኣብ ዘሎኒ ርክብ ሰላምን ሓድነትን ንምስፋን እጽዕር ድየ፧’ (ኤፌ. 4:2, 3) ምናዳ ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘሰናደዎ በጃ ነስተንትን ኢና። ስለዚ፡ እዚ በዓል እዚ ገዛእ ርእስና ኽንምርምር፡ ምእንቲ ርእስና ዘይኰነስ ምእንቲ ክርስቶስ ንነብር ከም ዘለና ኸኣ ከነርኢ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ።c
ዝጠፍኣ ኣባጊዕ
14. ገሊኦም ክርስትያናት ካብቲ መጓሰ ዚጠፍኡ ስለምንታይ እዮም፧
14 ገሊኦም ክርስትያናት ንኣዋርሕ ወይ ንዓመታት ብተኣማንነት ድሕሪ ምግልጋል፡ ካብ ጉባኤ ይጠፍኡ እዮም። ስለምንታይ፧ ገሊኦም “ጭንቀት ናብራ” ስለ ዚኸብዶም እዮም። (ሉቃ. 21:34) ገሊኦም ከኣ ክርስትያን ብጻዮም ብእተዛረቦ ዘረባ ወይ ብዝገበሮ ተግባር ስለ እተዓንቀፉ እዮም። (ያእ. 3:2) ገሊኦም ድማ ከቢድ ጌጋ ድሕሪ ምግባሮም፡ ሓገዝ ንምሕታት ስለ ዝፈርሁ እዮም። እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ካብቲ መጓሰ ዝጠፋእካ በጊዕ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ እቲ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዝዀነ በጃ ንዓኻ ብኸመይ ኪድርኸካ ይኽእል፧
15. የሆዋ ንዝጠፍኡ ኣባጊዕ ከም ዚሓልየሎም ብኸመይ እዩ ዜርኢ፧ (ህዝቅኤል 34:11, 12, 16)
15 የሆዋ ብዛዕባ እቶም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ እንታይ ከም ዚስምዖ እሞ ኣስተንትን። ኣይድርብዮምን እዩ። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ንጥፉኣት ኣባጊዕ የናድዮም እዩ። ይምግቦም እዩ፣ ናብኡ ኺምለሱ እውን ይሕግዞም እዩ። (ህዝቅኤል 34:11, 12, 16 ኣንብብ።) ንዓኻ እውን ከምኡ ይገብረልካ ደዀን ይህሉ፧ እወ! ስለምንታይሲ፡ ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተንብባ ምህላውካ፡ ልብኻ ጽድቂ ኸም ዚፈቱ እዩ ዚሕብር። ከምቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ንልብኻ ርእዩ ናብ ሓቂ ዝሰሓበካ ኸኣ፡ ሕጂ እውን መሊሱ ናብኡ ይስሕበካ ኣሎ።
16. ሓደ ጥፉእ በጊዕ ናብ የሆዋ ንምምላስ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
16 እታ ናብ የሆዋ ተመለስ ዘርእስታ ብሮሹር ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ዜተባብዕ ቃላት ሒዛ ኣላ፦ “ናብ የሆዋ ኽትምለስ ከለኻ፡ ንሱ ኸም ዚርከበልካ ኣይትጠራጠር። ንዚስምዓካ ጭንቀትን ቅሬታን ክትዋጽኣሉ፡ ነቲ ኻብ ንጹህ ሕልና ዚርከብ ናይ ኣእምሮን ናይ ልብን ሰላም ከኣ ክትረክብ ኪሕግዘካ እዩ። ከም ብሓድሽ ንየሆዋ ምስ ኣምለኽቱ ዄንካ ንምግልጋል ድማ ክትለዓዓል ኢኻ።” ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሽማግለታት ተሓጒሶም ከም ዚሕግዙኻ ኣይትረስዕ። “ካብ ንፋስ ከም መሕብኢ፡ ካብ ሃጽፊ ኸም መኸወሊ” ኪዀኑልካ እዮም። (ኢሳ. 32:2) እምበኣር፡ ካብቲ ነቲ በጃ ዘሎካ ሞሳ ተላዒልካ፡ ‘ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ የሆዋን “ነገር ንምቕናዕ” እንታይ ስጕምትታት እየ ኽወስድ ዝኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። (ኢሳ. 1:18፣ 1 ጴጥ. 2:25) ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽትእከብ ትኽእልዶ፧ ካብ ሽማግለ መንፈሳዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእልዶ፧ ከምኡ ምስ ገበርካ፡ ምናልባት እቲ ሽማግለ ንእተወሰነ እዋን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትገብር መሰናድዎ ይገብረልካ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቲ በጃ ዘሎካ ሞሳ ንምግላጽ ጻዕሪ ኽትገብር ከለኻ፡ የሆዋ ኸም ዚባርኸካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።
‘ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ የሆዋን “ነገር ንምቕናዕ” እንታይ ስጕምትታት እየ ኽወስድ ዝኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)
እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧
17-18. ነቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ቕድሚ በዓል ዝኽሪ ዘሎ ቕንያት ከመይ ጌርካ ኢኻ ብጥበብ ክትጥቀመሉ እትኽእል፧
17 “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእ” ኢሉ ነቲ በጃ ኸም ዘዳለዎ የሱስ ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃ. 3:16) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ በቲ በጃ ኣቢሉ እዩ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ዜድሕነና። ስለዚ፡ ነቲ በጃ ኣቕሊልና ኽንርእዮ የብልናን። (ሮሜ 3:23, 24፣ 2 ቈረ. 6:1) ኣብቲ ቕድሚ በዓል ዝኽሪ ዘሎ ቕንያት፡ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋን የሱስን ከነስተንትን ኣጋጣሚ ይኽፈተልና እዩ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ድማ ሞሳና ኽንገልጽ ትድርኸና እያ።
18 እሞ ደኣ ነቲ በጃ ዘሎካ ሞሳ ብኸመይ ኢኻ ኸተርኢ፧ መልስኻ ኻብ ናይ ካልእ ሰብ ኪፍለ ይኽእል እዩ። ምስቶም ‘ነቲ ምእንታኦም ዝሞተ እምበር፡ ደጊም ንርእሶም ዘይነብሩ’ ሚልዮናት ኣምለኽቲ የሆዋ ንምሕባር ክትጽዕር ከለኻ፡ የሆዋ ኸም ዚባርኸካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—2 ቈረ. 5:15።
መዝሙር 14 እቲ ሓድሽ ንጉስ ምድሪ ይወደስ
a መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ ዕቤት ምእንቲ ኽትገብር፡ ነቲ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ኣብ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ መመወዳእታ ትምህርቲ ዘሎ “ሸቶ” ዚብል ሳጹን ተጠቐመሉ።
b መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ዚሕግዝ ሓሳባት እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ ታሕሳስ 2017 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣቱም መንእሰያት፡ ‘ድሕነትኩም ፈጽሙ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
c ወትሩ መማሰዊ ንምዃን ዚሕግዝ ሓሳባት እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ሰነ 1995 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንኣምላኽ ከተገልግሎ ዝድርኸካ እንታይ ኢዩ?” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።