ሰሉስ 28 ጥቅምቲ
[የሆዋ] ርግኣት ግዜያትካ እዩ።—ኢሳ. 33:6።
እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እኳ እንተ ዀንና፡ ከም ሰብና ጸገማትን ሕማምን የጋጥመና እዩ። ካብቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጸልኡ ሰባት እውን ተቓውሞ ወይ መስጐጕቲ የጋጥመና እዩ። የሆዋ ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ዘይጋርደና እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ዚሕግዘና ግና ቃል ኣትዩልና ኣሎ። (ኢሳ. 41:10) ብሓገዙ ድማ ሓጐስና ኽንዕቅብ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ንዕኡ እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ሰላም ኣምላኽ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ነገር ከም ዚህበና ቓል ኣትዩ ኣሎ። (ፊል. 4:6, 7) እዚ ሰላም እዚ ነቲ ምስኡ ኻብ ዘሎና ርክብ ዚምንጭው ህድኣትን ቅሳነትን እዩ ዜመልክት። ብዘይካዚ ድማ፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ማለት ከኣ ካብቲ ኽንሓስቦ እንኽእል ንላዕሊ ዜደንቕ እዩ ማለት እዩ። ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ድሕሪ ምቕራብካ፡ ዜደንቕ ህድኣት ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ እቲ ስምዒት እቲ፡ “ሰላም ኣምላኽ” እዩ። w24.01 20 ¶2፣ 21 ¶4
ረቡዕ 29 ጥቅምቲ
ነፍሰየ፡ ንየሆዋ ወድስዮ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉ እውን፡ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይወድስ።—መዝ. 103:1።
እሙናት ሰባት በቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ንስሙ ብምሉእ ልቦም ይውድስዎ እዮም። ንጉስ ዳዊት፡ ንስም የሆዋ ምውዳስ፡ ንየሆዋ ንባዕሉ ምውዳስ ማለት ከም ዝዀነ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ስም የሆዋ መጸውዒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ እቲ ጽቡቕ ባህርያቱን ዜደንቕ ተግባራቱን እዩ ዜዘኻኽረና። ዳዊት ንስም ኣቦኡ ኪቕድሶ ወይ ኪውድሶ ይደሊ ነይሩ እዩ። “ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉ . . . ነቲ ቕዱስ ስሙ ይወድስ” ኪብል ከሎ፡ ብምሉእ ልቡ እዩ ንየሆዋ ኺውድሶ ዚደሊ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ሌዋውያን ንየሆዋ ኣብ ምውዳስ መሪሕ ግደ እዩ ነይርዎም። ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ዚግብኦ ውዳሰ፡ ብቓላት ምሉእ ብምሉእ ኪግለጽ ከም ዘይከኣል ብትሕትና ተኣሚኖም እዮም። (ነህ. 9:5) እዚ ብትሕትና ዝቐረበ ልባዊ ውዳሰ ንልቢ የሆዋ ኸም ዘሐጐሶ ኣየጠራጥርን እዩ። w24.02 9 ¶6
ሓሙስ 30 ጥቅምቲ
በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ።—ፊል. 3:16።
ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝዀነ ሸቶ ኽትወቅዕ ብዘይምኽኣልካ፡ የሆዋ ኣትሒቱ ኣይርእየካን እዩ። (2 ቈረ. 8:12) ንዕንቅፋት ከም ትምህርቲ ጌርካ ርኣዮ። ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝበጻሕካዮ ኣይትረስዓዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ ግብርኹም . . . ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን” ይብለና። (እብ. 6:10) ንስኻ እውን ንግብርኻ ኽትርስዖ የብልካን። ብዛዕባ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝዓመምካዮ ሕሰብ፦ ምስ የሆዋ ዕርክነት ኣማዕቢልካ፡ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ነጊርካ፡ ወይ እውን ናብ ጥምቀት በጺሕካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ናብ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ዕቤት ዝገበርካን ሸቶታትካ ዝወቓዕካን፡ ናብዚ ናይ ሕጂ ሸቶኻ እውን ክትግስግስ ትኽእል ኢኻ። ብሓገዝ የሆዋ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ትኽእል ኢኻ። ናብ መንፈሳዊ ሸቶኻ ኽትግስግስ ከለኻ፡ በቲ ኣብቲ ጕዕዞ ኻብ የሆዋ ዝረኸብካዮ ሓገዝን በረኸትን ተሓጐስ። (2 ቈረ. 4:7) እንተ ዘይተሓሊልካ ኸኣ፡ ዝዓበየ በረኸት ክትረክብ ኢኻ።—ገላ. 6:9። w23.05 31 ¶16-18