ረቡዕ 29 ጥቅምቲ
ነፍሰየ፡ ንየሆዋ ወድስዮ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉ እውን፡ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይወድስ።—መዝ. 103:1።
እሙናት ሰባት በቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ንስሙ ብምሉእ ልቦም ይውድስዎ እዮም። ንጉስ ዳዊት፡ ንስም የሆዋ ምውዳስ፡ ንየሆዋ ንባዕሉ ምውዳስ ማለት ከም ዝዀነ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ስም የሆዋ መጸውዒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ እቲ ጽቡቕ ባህርያቱን ዜደንቕ ተግባራቱን እዩ ዜዘኻኽረና። ዳዊት ንስም ኣቦኡ ኪቕድሶ ወይ ኪውድሶ ይደሊ ነይሩ እዩ። “ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉ . . . ነቲ ቕዱስ ስሙ ይወድስ” ኪብል ከሎ፡ ብምሉእ ልቡ እዩ ንየሆዋ ኺውድሶ ዚደሊ ነይሩ። ብተመሳሳሊ፡ ሌዋውያን ንየሆዋ ኣብ ምውዳስ መሪሕ ግደ እዩ ነይርዎም። ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ዚግብኦ ውዳሰ፡ ብቓላት ምሉእ ብምሉእ ኪግለጽ ከም ዘይከኣል ብትሕትና ተኣሚኖም እዮም። (ነህ. 9:5) እዚ ብትሕትና ዝቐረበ ልባዊ ውዳሰ ንልቢ የሆዋ ኸም ዘሐጐሶ ኣየጠራጥርን እዩ። w24.02 9 ¶6
ሓሙስ 30 ጥቅምቲ
በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ።—ፊል. 3:16።
ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝዀነ ሸቶ ኽትወቅዕ ብዘይምኽኣልካ፡ የሆዋ ኣትሒቱ ኣይርእየካን እዩ። (2 ቈረ. 8:12) ንዕንቅፋት ከም ትምህርቲ ጌርካ ርኣዮ። ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝበጻሕካዮ ኣይትረስዓዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ ግብርኹም . . . ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን” ይብለና። (እብ. 6:10) ንስኻ እውን ንግብርኻ ኽትርስዖ የብልካን። ብዛዕባ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝዓመምካዮ ሕሰብ፦ ምስ የሆዋ ዕርክነት ኣማዕቢልካ፡ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ነጊርካ፡ ወይ እውን ናብ ጥምቀት በጺሕካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ናብ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ዕቤት ዝገበርካን ሸቶታትካ ዝወቓዕካን፡ ናብዚ ናይ ሕጂ ሸቶኻ እውን ክትግስግስ ትኽእል ኢኻ። ብሓገዝ የሆዋ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ትኽእል ኢኻ። ናብ መንፈሳዊ ሸቶኻ ኽትግስግስ ከለኻ፡ በቲ ኣብቲ ጕዕዞ ኻብ የሆዋ ዝረኸብካዮ ሓገዝን በረኸትን ተሓጐስ። (2 ቈረ. 4:7) እንተ ዘይተሓሊልካ ኸኣ፡ ዝዓበየ በረኸት ክትረክብ ኢኻ።—ገላ. 6:9። w23.05 31 ¶16-18
ዓርቢ 31 ጥቅምቲ
ንስኻትኩም ንዓይ ስለ ዝፈቶኹምንን ወኪል ኣምላኽ ኰይነ ኸም ዝመጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን፡ ኣቦ ባዕሉ ይፈትወኩም እዩ።—ዮሃ. 16:27።
የሆዋ ነቶም ዚፈትዎም ስምረቱ ይገልጸሎም እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ፡ ንየሱስ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ማቴ. 3:17፣ 17:5) ንስኻኸ የሆዋ ስምረቱ ኺገልጸልካ ምደለኻዶ፧ የሆዋ ኻብ ሰማይ ኣይዛረበናን እዩ፣ ብቓሉ ኣቢሉ ግና ይዛረበና እዩ። ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ቃላት የሱስ ከነንብብ ከለና፡ ከም ዚሰምረና “ኽንሰምዕ” ንኽእል ኢና። የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ዘይፍጹማት ክነሶም እሙናት ዝዀኑ ሰዓብቱ ስምረቱ ኸም ዝገለጸሎም ከነንብብ ከለና፡ የሆዋ ኸምኡ ኸም ዝበለና ጌርና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 15:9, 15) መከራ እንተ ኣጋጢሙና፡ ስምረት ኣምላኽ ስኢንና ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን ኣብኡ ዘሎና እምነትን ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኸነርኢ እዩ ኣጋጣሚ ዚኸፍተልና።—ያእ. 1:12። w24.03 28 ¶10-11