ሓሙስ 30 ጥቅምቲ
በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ።—ፊል. 3:16።
ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝዀነ ሸቶ ኽትወቅዕ ብዘይምኽኣልካ፡ የሆዋ ኣትሒቱ ኣይርእየካን እዩ። (2 ቈረ. 8:12) ንዕንቅፋት ከም ትምህርቲ ጌርካ ርኣዮ። ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝበጻሕካዮ ኣይትረስዓዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ ግብርኹም . . . ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን” ይብለና። (እብ. 6:10) ንስኻ እውን ንግብርኻ ኽትርስዖ የብልካን። ብዛዕባ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝዓመምካዮ ሕሰብ፦ ምስ የሆዋ ዕርክነት ኣማዕቢልካ፡ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ነጊርካ፡ ወይ እውን ናብ ጥምቀት በጺሕካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ናብ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ዕቤት ዝገበርካን ሸቶታትካ ዝወቓዕካን፡ ናብዚ ናይ ሕጂ ሸቶኻ እውን ክትግስግስ ትኽእል ኢኻ። ብሓገዝ የሆዋ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ትኽእል ኢኻ። ናብ መንፈሳዊ ሸቶኻ ኽትግስግስ ከለኻ፡ በቲ ኣብቲ ጕዕዞ ኻብ የሆዋ ዝረኸብካዮ ሓገዝን በረኸትን ተሓጐስ። (2 ቈረ. 4:7) እንተ ዘይተሓሊልካ ኸኣ፡ ዝዓበየ በረኸት ክትረክብ ኢኻ።—ገላ. 6:9። w23.05 31 ¶16-18
ዓርቢ 31 ጥቅምቲ
ንስኻትኩም ንዓይ ስለ ዝፈቶኹምንን ወኪል ኣምላኽ ኰይነ ኸም ዝመጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን፡ ኣቦ ባዕሉ ይፈትወኩም እዩ።—ዮሃ. 16:27።
የሆዋ ነቶም ዚፈትዎም ስምረቱ ይገልጸሎም እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ፡ ንየሱስ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ማቴ. 3:17፣ 17:5) ንስኻኸ የሆዋ ስምረቱ ኺገልጸልካ ምደለኻዶ፧ የሆዋ ኻብ ሰማይ ኣይዛረበናን እዩ፣ ብቓሉ ኣቢሉ ግና ይዛረበና እዩ። ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ቃላት የሱስ ከነንብብ ከለና፡ ከም ዚሰምረና “ኽንሰምዕ” ንኽእል ኢና። የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ዘይፍጹማት ክነሶም እሙናት ዝዀኑ ሰዓብቱ ስምረቱ ኸም ዝገለጸሎም ከነንብብ ከለና፡ የሆዋ ኸምኡ ኸም ዝበለና ጌርና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 15:9, 15) መከራ እንተ ኣጋጢሙና፡ ስምረት ኣምላኽ ስኢንና ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን ኣብኡ ዘሎና እምነትን ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኸነርኢ እዩ ኣጋጣሚ ዚኸፍተልና።—ያእ. 1:12። w24.03 28 ¶10-11
ቀዳም 1 ሕዳር
ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ውዳሰ ኣውጺእካ።—ማቴ. 21:16።
ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንደቅኻ፡ ምስ ዕድሚኦም ዚመጣጠን ሓሳብ ኪህቡ ኣዳልዎም። ሓድሓደ ግዜ፡ ከም ናይ ሓዳር ጸገማት ወይ ስነ ምግባራዊ ጕዳያት ዝኣመሰለ ረዚን ትምህርቲ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ይጽናዕ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ መጽናዕቲ እቲ እውን እንተ ዀነ፡ ቈልዓ ሓሳብ ኪህበሉ ዚኽእል ሓደ ወይ ክልተ ሕጡብ ጽሑፍ ኣይሰኣንን እዩ። ብተወሳኺ እውን ንደቅኻ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ኢዶም ዘልዓሉሉ ኣጋጣሚታት፡ ሓሳብ ኪህቡ ግድን ዕድል ከም ዘይውሃቦም ኣረድኣዮም። እዚ ነገር እዚ እንተ ገሊጽካሎም፡ ንዓታቶም ዘይኰነስ ንኻልኦት ዕድል ኪውሃቦም ከሎ በዚ ኣይኪጕህዩን እዮም። (1 ጢሞ. 6:18) ኵላትና ንየሆዋ ዜኽብርን ንክርስትያናት ብጾትና ዚሃንጽን ሓሳባት ክንዳሎ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 25:11) ሓድሓደ ግዜ፡ ሓጺር ብሕታዊ ተመክሮና ነካፍል እኳ እንተ ዀንና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እምብዛ ኻብ ምዝራብ ግና ክንቍጠብ ኣሎና። (ምሳ. 27:2፣ 2 ቈረ. 10:18) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ኣብ ህዝቡ ብሓፈሻን ኢና ኸነተኵር እንጽዕር።—ራእ. 4:11። w23.04 24-25 ¶17-18