ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
መርሓባ!
እዚ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ንእተዳለወ ሕታማት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድላይ ዚሕግዝ ንዋት እዩ።
ሕታማት ንምርጋፍ፡ ኣብ jw.org ርአ።
  • ሎሚ

ሓሙስ 30 ጥቅምቲ

በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ።—ፊል. 3:16።

ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝዀነ ሸቶ ኽትወቅዕ ብዘይምኽኣልካ፡ የሆዋ ኣትሒቱ ኣይርእየካን እዩ። (2 ቈረ. 8:12) ንዕንቅፋት ከም ትምህርቲ ጌርካ ርኣዮ። ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝበጻሕካዮ ኣይትረስዓዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ ግብርኹም . . . ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን” ይብለና። (እብ. 6:10) ንስኻ እውን ንግብርኻ ኽትርስዖ የብልካን። ብዛዕባ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝዓመምካዮ ሕሰብ፦ ምስ የሆዋ ዕርክነት ኣማዕቢልካ፡ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ነጊርካ፡ ወይ እውን ናብ ጥምቀት በጺሕካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ናብ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ዕቤት ዝገበርካን ሸቶታትካ ዝወቓዕካን፡ ናብዚ ናይ ሕጂ ሸቶኻ እውን ክትግስግስ ትኽእል ኢኻ። ብሓገዝ የሆዋ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ትኽእል ኢኻ። ናብ መንፈሳዊ ሸቶኻ ኽትግስግስ ከለኻ፡ በቲ ኣብቲ ጕዕዞ ኻብ የሆዋ ዝረኸብካዮ ሓገዝን በረኸትን ተሓጐስ። (2 ቈረ. 4:7) እንተ ዘይተሓሊልካ ኸኣ፡ ዝዓበየ በረኸት ክትረክብ ኢኻ።—ገላ. 6:9። w23.05 31 ¶16-18

ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2025

ዓርቢ 31 ጥቅምቲ

ንስኻትኩም ንዓይ ስለ ዝፈቶኹምንን ወኪል ኣምላኽ ኰይነ ኸም ዝመጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን፡ ኣቦ ባዕሉ ይፈትወኩም እዩ።—ዮሃ. 16:27።

የሆዋ ነቶም ዚፈትዎም ስምረቱ ይገልጸሎም እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ፡ ንየሱስ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ማቴ. 3:17፣ 17:5) ንስኻኸ የሆዋ ስምረቱ ኺገልጸልካ ምደለኻዶ፧ የሆዋ ኻብ ሰማይ ኣይዛረበናን እዩ፣ ብቓሉ ኣቢሉ ግና ይዛረበና እዩ። ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ቃላት የሱስ ከነንብብ ከለና፡ ከም ዚሰምረና “ኽንሰምዕ” ንኽእል ኢና። የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ዘይፍጹማት ክነሶም እሙናት ዝዀኑ ሰዓብቱ ስምረቱ ኸም ዝገለጸሎም ከነንብብ ከለና፡ የሆዋ ኸምኡ ኸም ዝበለና ጌርና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 15:9, 15) መከራ እንተ ኣጋጢሙና፡ ስምረት ኣምላኽ ስኢንና ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን ኣብኡ ዘሎና እምነትን ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኸነርኢ እዩ ኣጋጣሚ ዚኸፍተልና።—ያእ. 1:12። w24.03 28 ¶10-11

ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2025

ቀዳም 1 ሕዳር

ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ውዳሰ ኣውጺእካ።—ማቴ. 21:16።

ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንደቅኻ፡ ምስ ዕድሚኦም ዚመጣጠን ሓሳብ ኪህቡ ኣዳልዎም። ሓድሓደ ግዜ፡ ከም ናይ ሓዳር ጸገማት ወይ ስነ ምግባራዊ ጕዳያት ዝኣመሰለ ረዚን ትምህርቲ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ይጽናዕ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ መጽናዕቲ እቲ እውን እንተ ዀነ፡ ቈልዓ ሓሳብ ኪህበሉ ዚኽእል ሓደ ወይ ክልተ ሕጡብ ጽሑፍ ኣይሰኣንን እዩ። ብተወሳኺ እውን ንደቅኻ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ኢዶም ዘልዓሉሉ ኣጋጣሚታት፡ ሓሳብ ኪህቡ ግድን ዕድል ከም ዘይውሃቦም ኣረድኣዮም። እዚ ነገር እዚ እንተ ገሊጽካሎም፡ ንዓታቶም ዘይኰነስ ንኻልኦት ዕድል ኪውሃቦም ከሎ በዚ ኣይኪጕህዩን እዮም። (1 ጢሞ. 6:18) ኵላትና ንየሆዋ ዜኽብርን ንክርስትያናት ብጾትና ዚሃንጽን ሓሳባት ክንዳሎ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 25:11) ሓድሓደ ግዜ፡ ሓጺር ብሕታዊ ተመክሮና ነካፍል እኳ እንተ ዀንና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እምብዛ ኻብ ምዝራብ ግና ክንቍጠብ ኣሎና። (ምሳ. 27:2፣ 2 ቈረ. 10:18) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ኣብ ህዝቡ ብሓፈሻን ኢና ኸነተኵር እንጽዕር።—ራእ. 4:11። w23.04 24-25 ¶17-18

ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2025
መርሓባ!
እዚ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ንእተዳለወ ሕታማት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድላይ ዚሕግዝ ንዋት እዩ።
ሕታማት ንምርጋፍ፡ ኣብ jw.org ርአ።
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ