ሓሙስ 31 ሓምለ
ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ መርምሩ።—ኤፌ. 5:10።
ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ “ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ” ኸነስተውዕል እሞ ምስኡ ተሰማሚዕና ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። (ኤፌ. 5:17) ንዅነታትና ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነለሊ ኸለና፡ ኣምላኽ ኣብቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ኢና ኽንፈልጥ እንጽዕር ዘለና። ድሕሪኡ፡ ስርዓታቱ እንተ ተግቢርናዮ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል። እቲ “እኩይ” ተባሂሉ ዘሎ ጸላኢና ሰይጣን ብዓለማዊ ንጥፈታት ክንተሓዝ እሞ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ግዜ ኽንስእን እዩ ዚደልየና። (1 ዮሃ. 5:19) ሓደ ክርስትያን ንስጋዊ ጥሪት፡ ንዓለማዊ ትምህርቲ፡ ወይ ንስራሕ ካብቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ብቐሊሉ ኬቐድም ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ገይሩ፡ እዚ ብናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ይጽሎ ኸም ዘሎ እዩ ዚሕብር። ልክዕ እዩ፡ እዚ ነገራት እዚ ጌጋ ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኺሕዝ የብሉን። w24.03 24 ¶16-17
ዓርቢ 1 ነሓሰ
ሽግር ጻድቕ ብዙሕ እዩ፣ የሆዋ ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።—መዝ. 34:19።
ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ንዚርከብ ክልተ ኣገዳሲ ነጥቢ እሞ ኣስተብህሉ፦ (1) ጻድቃን ጸገማት የጋጥሞም እዩ። (2) የሆዋ ኻብ ፈተናታትና የናግፈና እዩ። ብኸመይ እዩ የሆዋ ዜናግፈና፧ ሓደ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዘሎና ህይወት፡ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ትጽቢት ኪህልወና ብምሕጋዝ እዩ። የሆዋ ንዕኡ ኸነገልግሎ ኸለና ሓጐስ ከም እንረክብ እኳ ቓል እንተ ኣተወልና፡ ሕጂ ጭንቀት ኣልቦ ህይወት ከም እንመርሕ ውሕስነት ኣይኣተወልናን። (ኢሳ. 66:14) የግዳስ፡ ኣብ መጻኢ፡ ማለት ኣብቲ ንዘለኣለም ክንሕጐሰሉ ዚደልየና ህይወት ከነተኵር እዩ ዚምሕጸነና። (2 ቈረ. 4:16-18) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ መዓልቲ መዓልቲ ኸነገልግሎ ይሕግዘና እዩ። (ድጕ. 3:22-24) ካብቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩን ኣብዚ ግዜና ዘለዉን እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ እንታይ ኢና እንምሃር፧ ዘይተጸበናዮ ጸገማት ኬጓንፈና ይኽእል እዩ። ናብ የሆዋ እንተ ተጸጊዕና ግና፡ ንሱ ብርግጽ ኪድግፈና እዩ።—መዝ. 55:22። w23.04 14-15 ¶3-4
ቀዳም 2 ነሓሰ
ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ይገዝኣዮም።—ሮሜ 13:1።
ካብቲ ዮሴፍን ማርያምን ዝሓደግዎ ኣብነት ክንምሃር ንኽእል ኢና። ንሳቶም ተኣዛዝነት ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እኳ ንሰበ ስልጣን ተኣዚዞም እዮም። (ሉቃ. 2:1-6) ማርያም ዳርጋ ናይ ትሽዓተ ወርሒ ጥንሲ ኣብ ዝነበራ እዋን፡ ንሳን ዮሴፍን ናይ ተኣዛዝነት ፈተና ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ። እቲ ገዛኢ ሃጸያዊት ሮሜ ዝነበረ ኣውጉስጦስ፡ ቈጸራ ህዝቢ ኺግበር ትእዛዝ ኣውጽአ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዮሴፍን ማርያምን ናብ ቤት-ልሄም ኪጓዓዙ ነበሮም። እቲ ጕዕዞ፡ ኣኽራን ኣብ ዝበዝሖ መገዲ ኽሳብ 150 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ምናዳ ንማርያም ኣጸጊምዋ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ጥዕናኣን ብዛዕባ ጥዕና እቲ ሕጻንን እውን ተጨኒቖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ‘ጻዕሪ ሕርሲ እንተ ሓዛኸ፧’ ዚብል ሕቶ መጺእዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ማሕጸና ናይ መጻኢ መሲሕ እያ ጾይራ ነይራ። እሞኸ ነዚ ኸም መመኽነይታ ብምቕራብ፡ ነቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ትእዛዝ ዕሽሽ ኢሎምዎዶ፧ ዮሴፍን ማርያምን በቲ ዘተሓሳሰቦም ጕዳይ ኣመኽንዮም ነቲ ዝወጸ ሕጊ ኻብ ምሕላው ድሕር ኣይበሉን። የሆዋ ድማ ስለቲ ተኣዛዝነቶም ባረኾም። ማርያም ናብ ቤት-ልሄም ብደሓን በጽሐት፡ ምሉእ ጥዕና ዘለዎ ሕጻን ወለደት፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም እውን ኣበርክቶ ገበረት።—ሚክ. 5:2። w23.10 8 ¶9፣ 9 ¶11-12