ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • es25 ገጽ 67-77
  • ሓምለ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓምለ
  • ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ሰሉስ 1 ሓምለ
  • ረቡዕ 2 ሓምለ
  • ሓሙስ 3 ሓምለ
  • ዓርቢ 4 ሓምለ
  • ቀዳም 5 ሓምለ
  • ሰንበት 6 ሓምለ
  • ሰኑይ 7 ሓምለ
  • ሰሉስ 8 ሓምለ
  • ረቡዕ 9 ሓምለ
  • ሓሙስ 10 ሓምለ
  • ዓርቢ 11 ሓምለ
  • ቀዳም 12 ሓምለ
  • ሰንበት 13 ሓምለ
  • ሰኑይ 14 ሓምለ
  • ሰሉስ 15 ሓምለ
  • ረቡዕ 16 ሓምለ
  • ሓሙስ 17 ሓምለ
  • ዓርቢ 18 ሓምለ
  • ቀዳም 19 ሓምለ
  • ሰንበት 20 ሓምለ
  • ሰኑይ 21 ሓምለ
  • ሰሉስ 22 ሓምለ
  • ረቡዕ 23 ሓምለ
  • ሓሙስ 24 ሓምለ
  • ዓርቢ 25 ሓምለ
  • ቀዳም 26 ሓምለ
  • ሰንበት 27 ሓምለ
  • ሰኑይ 28 ሓምለ
  • ሰሉስ 29 ሓምለ
  • ረቡዕ 30 ሓምለ
  • ሓሙስ 31 ሓምለ
ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2025
es25 ገጽ 67-77

ሓምለ

ሰሉስ 1 ሓምለ

ጽቡቕ እናገበረን . . . እናኣሕወየን ኣብታ ምድሪ [ዞረ]።—ግብ. 10:38።

ኵሉ እቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት፡ እንተላይ ኣብቲ ዝገበሮ ተኣምራት ንኣተሓሳስባን ንስምዒታትን ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቑ እዩ። (ዮሃ. 14:9) ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ የሱስን ኣቦኡን ኣጸቢቖም የፍቅሩና እዮም። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በቲ ተኣምራዊ ሓይሉ ገይሩ ጸገማት ንዘለዎም ሰባት ብምሕጋዝ፡ ንሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅር ኣርእዩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ክልተ ዕዉራት ናብኡ ጨርሑ። (ማቴ. 20:30-34) ሽዑ፡ የሱስ ‘ደንገጸሎም፡’ ድሕሪኡ እውን ኣሕወዮም። እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ደንጊጹሎም” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ግሲ ኣብ ውሽጥና ንዚስምዓና ሓያል ርሕራሐ ተመልክት። እዛ መግለጺት ፍቕሪ ዝዀነት ሓያል ርሕራሐ፡ ንጥሙያት ኪምግብ፡ ንድዉያት እውን ኬሕዊ ደሪኻቶ እያ። (ማቴ. 15:32፣ ማር. 1:41) እቲ ኣምላኽ “ርሕራሐ” ዝዀነ የሆዋን ወዱን ኣጸቢቖም ከም ዜፍቅሩናን ስቓይና ኸም ዜሳቕዮምን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 1:78፣ 1 ጴጥ. 5:7) ንዅሉ እቲ ንደቂ ሰብ ዜሳቕዮም ዘሎ ጸገማት ኬወግድዎ ኸም ዚደልዩ መሸም ዜጠራጥር ኣይኰነን! w23.04 3 ¶4-5

ረቡዕ 2 ሓምለ

ኣቱም ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡ ክፍኣት ጽልኡ። ንሱ ህይወት እሙናቱ ይሕሉ፣ ካብ ኢድ እኩያት የናግፎም።—መዝ. 97:10።

ንግጉይ ኣተሓሳስባን ነቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለምን ህቡብ ዝዀነ ሓሳባትን ምእንቲ ኸይንቃላዕ ግብራዊ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብምጽናዕን ከኣ፡ ንኣእምሮና ብጥዑይ ሓሳባት ክንመልኦ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣኼባታት ምእካብን ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍን እውን፡ ንኣተሓሳስባና ይሕልዎ እዩ። ከምዚ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንፍተን ከም ዘይሓድገና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (1 ቈረ. 10:12, 13) ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት ንየሆዋ እሙናት ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ነፍሲ ወከፍና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኽንጽሊ ኣሎና። የሆዋ፡ ‘ልብና ኣብ ቅድሚኡ ኸነፍስስ’ እዩ ዚደልየና። (መዝ. 62:8) ንየሆዋ ስለቲ ዅሉ ተግባራቱ ወድሶን ኣመስግኖን። ኣብ ኣገልግሎት ትብዓት ንምርካብ ከኣ፡ ሓገዙ ለምን። ንዜጋጥመካ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸገማት ንምጽዋር፡ ፈተናታት እውን ንምቅዋም ካብኡ ሓገዝ ለምን። ዝዀነ ይኹን ነገር ካብቲ ንየሆዋ ኣዘውቲርካ እተቕርበሉ ጸሎት ኪሓናዅለካ ኣይትፍቀድ። w23.05 7 ¶17-18

ሓሙስ 3 ሓምለ

ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ።—እብ. 10:24, 25።

ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እንእከብ ስለምንታይ ኢና፧ ብቐዳምነት ንየሆዋ ንምውዳስ ኢና እንእከብ። (መዝ. 26:12፣ 111:1) ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋናት ንሓድሕድና ንምትብባዕ ኢና እንእከብ። (1 ተሰ. 5:11) ኣእዳውና ኸነልዕልን ሓሳብ ክንህብን ከለና፡ ንኽልቲኡ እዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ ኣበርክቶ ንገብር ኢና። ሓሳብ ክንህብ ከለና ግና፡ ብድሆታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ሓሳብ ብዛዕባ ምሃብ ክንጭነቕ ንኽእል ኢና፡ ወይ ከኣ ተሳትፎ ንምግባር ብርቱዕ ድሌት እናሃለወና ኽነሱ፡ ከምቲ እንደልዮ ዕድል ኣይውሃበናን ይኸውን። እሞ ደኣ ነዚ ብድሆታት እዚ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሓድሕድና ንተባባዕ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። ካልኦት ተኣከብቲ በቲ እምነትና እንገልጸሉ ቐሊል ቃላት ኪተባብዑ ኸም ዚኽእሉ እንተ ኣስተውዒልና፡ ሓሳብ ንምሃብ እምብዛ ኣይንጭነቕን ኢና። ብዙሕ ዕድል እንተ ዘይረኺብና ኸኣ፡ በቲ ኻልኦት ሓሳብ ንምሃብ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ንሕጐስ ኢና።—1 ጴጥ. 3:8። w23.04 20 ¶1-3

ዓርቢ 4 ሓምለ

ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ይደይብ፣ ቤት . . . የሆዋ . . . ዳግም ይህነጽ።—እዝ. 1:3።

ኣዋጅ ወጸ! እቶም ኣብ ባቢሎን ንኣስታት 70 ዓመት ምሩኻት ኰይኖም ዝጸንሑ ኣይሁድ ናብ ዓዶም እስራኤል ኪምለሱ ተፈቕደሎም። (እዝ. 1:2-4) ነዚ መሸም የሆዋ ጥራይ እዩ ኺፍጽሞ ዚኽእል። ምኽንያቱ፡ ባቢሎን ንምሩኻታ ሓራ ኺወጹ እትፈቅድ ኣይነበረትን። (ኢሳ. 14:4, 17) ኰይኑ ግና፡ ባቢሎን ተገልበጠት፣ እቲ ሓድሽ ገዛኢ ድማ ንኣይሁድ፡ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ፈቐደሎም። ኵሎም ኣይሁዳውያን፡ ምናዳ ኸኣ ርእስታት ስድራ ቤት ውሳነ ኺገብሩ ነበሮም። ካብ ባቢሎን ንምውጻእ ወይ ኣብ ባቢሎን ንምጽናሕ፡ ውሳነ ኺገብሩ ነበሮም። እዚ ውሳነ እዚ ግና ቀሊል ኣይነበረን። ብዙሓት ኣይሁድ ብሰንኪ እርጋን፡ እቲ ጕዕዞ ኪኸብዶም ይኽእል ነይሩ እዩ። መብዛሕትኦም ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን እተወልዱ ብምንባሮም እውን ካልእ ዓዲ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ንእስራኤል ከም ዓዲ ኣቦታቶም ጥራይ ገይሮም እዮም ዚርእይዋ ነይሮም። ገሊኦም ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን ሃብቲ ኣጥርዮም ብምንባሮም ከኣ፡ ነቲ ምሹእ መንበሪኦም ወይ ስራሖም ሓዲጎም ናብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ምኻድ ከቢድዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። w23.05 14 ¶1-2

ቀዳም 5 ሓምለ

ድሉዋት ኩኑ።—ማቴ. 24:44።

ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ ተጻዋርነትን ርሕራሐን ፍቕርን ብቐጻሊ ኸነማዕብል መተባብዒ ተዋሂቡና ኣሎ። ንኣብነት፡ ሉቃስ 21:19፡ “ንህይወትኩም ብተጻዋርነትኩም ከተድሕንዋ ኢኹም” ትብል። ቈሎሴ 3:12፡ “ርሕራሐ . . . ልበሱ” ትብል። 1 ተሰሎንቄ 4:9, 10 ከኣ፡ “ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ኻብ ኣምላኽ ተማሂርኩም ኢኹም። . . . ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ ንምሕጸነኩም ኣለና” ትብል። እዚ ዅሉ ፍቕድታት እዚ፡ ነቶም ድሮ ተጻዋርነትን ርሕራሐን ፍቕርን ዘማዕበሉ ደቀ መዛሙርቲ እዩ ተጻሒፉሎም። ኰይኑ ግና፡ ብቐጻሊ እዚ ባህርያት ኬማዕብሉ ነይርዎም። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። ኣብዚ መዳይ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ባህርያት እዚ ብኸመይ ከም ዘማዕበሉ ርአ። ድሕሪኡ ነዞም ደቀ መዛሙርቲ እዚኦም ብኸመይ ክትመስሎም ከም እትኽእል፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ብኸመይ ድሉው ክትከውን ከም እትኽእል ርአ። እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ጀመረ ኸኣ፡ ብኸመይ ከም እትጻወር ፈሊጥካ ስለ እትጸንሕ ነቲ መከራ ኽትጻወሮ ኢኻ። w23.07 3 ¶4, 8

ሰንበት 6 ሓምለ

ጐደና ድማ ኣብኣ ኽትከውን፡ እወ፡ መገዲ ቕድስና . . . ኽትህሉ እያ።—ኢሳ. 35:8።

ካብቶም ቅቡኣት ንኹን ወይ ካብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” በቲ መንፈሳዊ ገነት ኣቢልና ናብቲ ኣብ መጻኢ ዚርከብ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ክንከይድ ከለና፡ ካብ “መገዲ ቕድስና” ኣይንውጻእ። (ዮሃ. 10:16) ካብ 1919 ድ.ክ. ንነጀው፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ካብታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ወጺኦም በዛ ምሳልያዊት መገዲ እዚኣ ይጕዓዙ ኣለዉ። የሆዋ፡ ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ኪወጹ ኸለዉ ኻብ መገዶም ዕንቅፋታት ኣወጊዱሎም እዩ። (ኢሳ. 57:14) ነቶም ኣብዚ ግዜና ብ“መገዲ ቕድስና” ዚጕዓዙ ደኣኸ፧ የሆዋ ኣብቲ ቕድሚ 1919 ዝነበረ ሓያሎ ዘመናት፡ ፍርሃት ኣምላኽ ብዘለዎም ሰባት ኣቢሉ፡ ካብ ዓባይ ባቢሎን ዚወጹሉ መገዲ ጸሪጉሎም እዩ። (ምስ ኢሳይያስ 40:3 ኣረኣኢ።) እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ከኣ፡ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ካብ ዓባይ ባቢሎን ምእንቲ ኺወጹን ናብቲ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ ዚምለሰሉ መንፈሳዊ ገነት ምእንቲ ኺኣትዉን ኣገዳሲ ናይ ምድላው ዕዮ፡ ማለት መገዲ ናይ ምጽራግ መንፈሳዊ ዕዮ ዓይዮም እዮም። w23.05 15-16 ¶8-9

ሰኑይ 7 ሓምለ

ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግልዎ። ናብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ።—መዝ. 100:2።

የሆዋ ብሓጐስን ብፍታውን ከነገልግሎ እዩ ዚደሊ። (2 ቈረ. 9:7) እሞ ደኣ ውሽጣዊ ድራኸ ኣብ ዘይህልወና እዋን ናብ መንፈሳዊ ሸቶና ንምብጻሕ ጻዕሪ ኽንገብር ይግብኣናዶ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ንሱ፡ “ንሰብነተይ ብጽኑዕ እግስጾን አግዝኦን ኣለኹ” ኢሉ እዩ። (1 ቈረ. 9:25-27፡ እ.ጽ.) ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ድሌት ኣብ ዘይነበሮ እዋን እኳ፡ ገዛእ ርእሱ ብምግዳድ ቅኑዕ ገይሩ እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ በቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ ኣገልግሎት ተሓጒሱዶ፧ እወ! ስለቲ ጻዕርታቱ እውን ዓስቢ ሂብዎ እዩ። (2 ጢሞ. 4:7, 8) ብተመሳሳሊ፡ ውሽጣዊ ድራኸ ኣብ ዘይህልወና እዋን፡ ሸቶና ንምውቃዕ እንገብሮ ጻዕሪ ንየሆዋ የሐጕሶ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ገሊኡ እዋን፡ ነቲ ንጥፈት እቲ ዘይንፈትዎ እኳ እንተ ዀንና፡ ንዕኡ ኻብ ዘሎና ፍቕሪ ተላዒልና ኸም እንገብሮ ይፈልጥ እዩ። ከምቲ የሆዋ ንጳውሎስ ዝባረኾ፡ ንጻዕርታትና እውን ኪባርኾ እዩ። (መዝ. 126:5) በረኸት የሆዋ ምስ ጠዓምና ኸኣ፡ ውሽጣዊ ድራኸ ኸነሕድር ንኽእል ንኸውን። w23.05 29 ¶9-10

ሰሉስ 8 ሓምለ

መዓልቲ የሆዋ [ኽትመጽእ እያ]።—1 ተሰ. 5:2።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም በታ መዓልቲ የሆዋ ዘይድሕኑ ሰባት ምስ ዚድቅሱ ሰባት ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ዝደቀሱ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኦም ዚኸውን ነገራት ወይ ብዛዕባ ምሕላፍ ግዜ ኣይፈልጡን እዮም። ነቲ ኣገዳሲ ምዕባለታት ስለ ዘየስተውዕልዎ እውን፡ ዋላ ሓንቲ ስጕምትታት ኣይወስዱን እዮም። ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ደቂሶም እዮም ዘለዉ። (ሮሜ 11:8) ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለናን እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸም ዚመጽእን ኣይኣምኑን እዮም። (2 ጴጥ. 3:3, 4) ይኹን እምበር፡ ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን፡ እቲ ኽንነቅሕ እተዋህበና ምኽሪ ኣዝዩ ህጹጽ እዩ ዚኸውን ዘሎ። (1 ተሰ. 5:6) ስለዚ፡ ክንሃድእን ክንረጋጋእን ኣሎና። ስለምንታይ፧ በዚ ናይዚ ግዜና ፖለቲካዊ ወይ ማሕበራዊ ጕዳያት ምእንቲ ኸይንጥለፍ ኢና ኸምኡ ኽንገብር ዘሎና። መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ብዝኸደት መጠን፡ ኣብዚ ጕዳያት እዚ ወገን ክንሕዝ ዚወርደና ጸቕጢ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እንታይ ኢልና ኸም እንምልስ ክንጭነቕ የብልናን። ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ፡ ህዱእን ርጉእን ኣእምሮ ኺህልወና፡ ጥበባዊ ውሳነ እውን ክንገብር ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 12:11, 12። w23.06 10 ¶6-7

ረቡዕ 9 ሓምለ

ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ በጃኻ ዘክረኒ፣ . . . ኣበርትዓኒ።—መሳ. 16:28።

ሲምሶን ዚብል ስም ክትሰምዕ ከለኻ፡ ናብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸልካ፧ መሸም ብዛዕባ ሓደ ዜደንቕ ብርታዐ ዘለዎ ሰብ ትሓስብ ትኸውን። ኣይተጋገኻን። እንተዀነ ግና፡ ሲምሶን ብዙሕ መከራ ዘስዓበሉ ሕማቕ ውሳነ ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብ ሓፈሻዊ ተኣማንነት ሲምሶን እዩ ኣተኲሩ። ነዚ ድማ ንጥቕምና ኢሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊርዎ ኣሎ። የሆዋ ብሲምሶን ገይሩ ነቶም ሕሩያት ህዝቡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንምድጋፍ መስተንክር ነገራት ዓሚሙ እዩ። ካብቲ ሲምሶን ዝሞተሉ እዋን ዘመናት ምስ ሓለፈ፡ የሆዋ ንሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈሱ ብምድራኽ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዜደንቕ እምነት ዘርኣዩ ሰባት ንሲምሶን ጠቐሶ። (እብ. 11:32-34) እቲ ሲምሶን ዝሓደጎ ኣብነት ኬተባብዓና ይኽእል እዩ። ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ ኣብ የሆዋ ተወኪሉ እዩ። ካብቲ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት መተባብዕን ካልእ ግብራዊ ትምህርትታትን ክንረክብ ንኽእል ኢና። w23.09 2 ¶1-2

ሓሙስ 10 ሓምለ

ልማኖኹም . . . ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ።—ፊል. 4:6።

ኣብ ልብና ዘሎ ዜተሓሳስበና ነገራት ብተደጋጋሚ ንየሆዋ ብምንጋር ተጻዋርነት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 5:17) ምናልባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ከቢድ ፈተና ኣየጋጠመካን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ክትበሳጮ ወይ እትገብሮ ኺሕርብተካ ኸሎ፡ ካብ የሆዋ መምርሒ ትደሊዶ፧ ሕጂ ኣብ መዓልታዊ ጸገማትካ ኣዘውቲርካ ኻብ ኣምላኽ መምርሒ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ኣብ መጻኢ ዝዓበየ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ ኸምኡ ምግባር ኪቐልለካ እዩ። ንሱ መዓስን ብኸመይን ከም ዚሕግዘካ ብልክዕ ከም ዚፈልጥ ከኣ ምትእምማን ከተጥሪ ኢኻ። (መዝ. 27:1, 3) ሎሚ ፈተናታት እንተ ተጻዊርና፡ ኣብ መጻኢ ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ንምጽዋር ዝያዳ ዓቕሚ ኺህልወና እዩ። (ሮሜ 5:3) ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ብዙሓት ኣሕዋት ሓደ ፈተና ተጻዊሮም ብዘሕለፉ መጠን፡ ነቲ ዚቕጽል ጸገም ኪጻወሩ ኸም ዝሓገዞም ይገልጹ እዮም። ተጻዋርነት ኣጽርይዎም እዩ፣ የሆዋ ኺረድኦም ድሉውን ፍቓደኛን ምዃኑ እውን እምነቶም ኣደልዲሉሎም እዩ። እምነት ብተራኣ ኸኣ ነቲ ዚቕጽል ፈተና ኺጻወሩ ሓጊዛቶም እያ።—ያእ. 1:2-4። w23.07 3 ¶7-8

ዓርቢ 11 ሓምለ

ክሓልየልካ እየ።—ዘፍ. 19:21።

የሆዋ ብትሕትናን ብርሕራሐን ተደሪኹ እዩ ሚዛናዊ ዚኸውን። ንኣብነት፡ ነቶም ኣብ ሶዶም ዝነበሩ እኩያት ሰባት ኬጥፍኦም ምስ ሓለነ፡ ትሕትናኡ ተራእያ እያ። ብመላእኽቱ ኣቢሉ ነቲ ጻድቕ ሎጥ ናብ ኣኽራን ኪሃድም መምርሒ ሃቦ። ሎጥ ግና ናብኡ ምኻድ ፈርሀ። ስለዚ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ናብታ ጾዓር እትብሃል ንጥፍኣት ተመዲባ ዝነበረት ንእሽቶ ኸተማ ኺሃድም ለመነ። የሆዋ ንሎጥ መምርሒኡ ብልክዕ ኪስዕብ ኬገድዶ ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ንሎጥ ከምቲ ልማኖኡ ፈቐደሉ፣ ንጾዓር እውን ነሓፋ። (ዘፍ. 19:18-22) ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት፡ የሆዋ ንነበርቲ ነነዌ ርሕራሐ ኣርኣዮም። እታ ኸተማን እቶም እኩያት ነበርታን ጥፍኣቶም ከም ዝቐረበ ንምሕባር፡ ንነብዪ ዮናስ ለኣኾ። ሰብ ነነዌ ምስ ተነስሑ ግና፡ የሆዋ ደንገጸሎም፡ ነታ ኸተማኦም እውን ነሓፋ።—ዮና. 3:1, 10፣ 4:10, 11። w23.07 21 ¶5

ቀዳም 12 ሓምለ

[ንዮኣስ] ቀተልዎ። . . . ኣብ መቓብር ነገስታት ግና ኣይቀበርዎን።—2 ዜና 24:25።

ካብ ዮኣስ እንታይ ንምሃር፧ ዮኣስ ከምታ ሰራውራ ኣዕሚቛ ዘይሰደደት፡ ኣብ ደጋፊ ጕንዲ ተጸጊዓ ዝቘመት ኦም እዩ ነይሩ። እቲ ጕንዲ፡ ማለት የሆያዳ ምስ ተኣልየ፡ ንፋስ ክሕደት ነፈሰ። ዮኣስ ድማ ወደቐ። እዚ ድማ ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት፡ ኣብቲ ክርስትያናት ብጾትና ዀኑ ኣባላት ስድራ ቤትና ዜሕድሩልና ጽቡቕ ጽልዋ ጥራይ ኪምርኰስ ከም ዘይብሉ ይምህረና። ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣዘውቲርና ብምጽናዕን ብምስትንታንን ብምጽላይን ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነትን ፍርሃትን ከነደልድል ኣሎና። (ኤር. 17:7, 8፣ ቈሎ. 2:6, 7) የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ነገር እምብዛ ብዙሕ ኣይኰነን። እቲ ኻባና ዚደልዮ ነገር ኣብ መክብብ 12:13 ብሕጽር ዝበለ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። እታ ጥቕሲ፡ “ብዘሎ ግዴታ ሰብ እዚ እዩ እሞ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱ እውን ሓልዎ” ትብል። ንኣምላኽ እንተ ፈሪህናዮ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥመና ፈተናታት ክንገጥመሉ ንኽእል ኢና፣ ጸኒዕና ድማ ክንቀውም ኢና። ዝዀነ ይኹን ነገር ድማ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ኣይኬበላሽዎን እዩ። w23.06 19 ¶17-19

ሰንበት 13 ሓምለ

እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ።—ራእ. 21:5።

እቲ ኣምላኽ ዝኣተወልና ውሕስነት፡ “እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ” ብዚብል ቃላት እዩ ዚጅምር። (ራእ. 21:5ሀ) እዚ ቓላት እዚ፡ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ የሆዋ ኣብቲ ራእያት እተዛረበሉ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ዚርከብ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ውሕስነት እዚ ሓደ መልኣኽ ወይ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ባዕሉ እዩ ኣትዩልና። እዚ ድማ እቲ ስዒቡ ዘሎ ቓላት እሙን ምዃኑ የጕልሓልና። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ “ኺሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ” እዩ። (ቲቶ. 1:2) እዚ ድማ ነቲ ኣብ ራእይ 21:5, 6 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ምሉእ ብምሉእ ዜተኣማምን እዩ ዚገብሮ። ነታ “እንሆ” እትብል ቃል እስከ ነተኵረላ። እታ “እንሆ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብተደጋጋሚ ተጠቒሳ ኣላ። እሞ ደኣ ነዛ ቓል እዚኣ ስዒቡ እንታይ እዩ ዘሎ፧ ኣምላኽ፡ “ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” እዩ ኢሉ። ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚግበር ለውጥታት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ተስፋ እዚ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ይፍጸም ከም ዘሎ ገይሩ እዩ ተዛሪቡ።—ኢሳ. 46:10። w23.11 3-4 ¶7-8

ሰኑይ 14 ሓምለ

ናብ ወጻኢ ኸይዱ እውን፡ ኣምሪሩ በኸየ።—ማቴ. 26:75።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ምስ ድኽመታቱ ይቃለስ ነይሩ እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ። የሱስ ከም ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ መከራ ኸም ዚጸግብን ከም ዚመውትን ምስ ተዛረበ፡ ጴጥሮስ ገንሖ። (ማር. 8:31-33) ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ብተደጋጋሚ መኖም ከም ዚዓቢ ይከራኸሩ ነበሩ። (ማር. 9:33, 34) ድሮ እታ የሱስ ዝሞተላ ለይቲ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ብታህዋኽ ተላዒሉ እዝኒ ሓደ ሰብኣይ ቈረጸ። (ዮሃ. 18:10) በታ ለይቲ እቲኣ ድማ፡ ሰለስተ ሳዕ ንየሱስ ከሓዶ። (ማር. 14:66-72) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣምሪሩ በኸየ። የሱስ በቲ ብጓሂ እተደቝሰ ሃዋርያኡ ተስፋ ኣይቈረጸን። ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ንጴጥሮስ፡ ፍቕሩ ኼረጋግጸሉ ኣጋጣሚ ሃቦ። ጓሳ ኣባጊዑ ዀይኑ ብትሕትና ኼገልግል ጻውዒት ኣቕረበሉ። (ዮሃ. 21:15-17) ጴጥሮስ ድማ ኣወንታዊ ምላሽ ሃበ። ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ነበረ፣ ካብቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ቐዳሞት ቅቡኣት እውን ኰነ። w23.09 22 ¶6-7

ሰሉስ 15 ሓምለ

ኣባጊዐይ ጓሲ።—ዮሃ. 21:16።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሽማግለታት፡ ‘ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ’ ኢሉ ተማሕጺንዎም ኣሎ። (1 ጴጥ. 5:1-4) ሽማግለ እንተ ዄንካ፡ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ከም እተፍቅሮም፡ ክትጓስዮም እውን ከም እትደሊ ንፈልጥ ኢና። እንተዀነ ግና፡ ብስራሕ ኣመና ትሑዝ ካብ ምዃንካ እተላዕለ ወይ ኣመና ስለ ዝደኸምካ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ኽትፍጽሞ ኣይትኽእልን ትኸውን። እሞ ደኣ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ዘተሓሳሰበካ ነገር ንየሆዋ ንገሮ። ጴጥሮስ፡ “ዜገልግል እንተ ዀይኑ እውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ጴጥ. 4:11) ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣብዚ ስርዓት እዚ ምሉእ ብምሉእ ኪፍታሕ ዘይክእል ጸገማት የጋጥሞም ይህሉ ይኸውን። እቲ “ሓለቓ ጓሳ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ግና፡ ካባኻ ንላዕሊ ኺሕግዞም ከም ዚኽእል ዘክር። ሎምን ኣብ ሓዳስ ዓለምን ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ንሽማግለታት፡ ንኣሕዋቶም ኬፍቅርዎም፡ ንኣሕዋቶም ኪጓስይዎም፡ “ኣርኣያ እውን ኪዀንዎም” ጥራይ እዩ ዚደሊ። w23.09 29-30 ¶13-14

ረቡዕ 16 ሓምለ

የሆዋ፡ ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።—1 ቈረ. 3:20።

ካብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ኽንርሕቕ ኣሎና። ብኣረኣእያ ሰብ ንርኢ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋን ንመለክዒታቱን ክንሓድጎ ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 3:19) “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ” መብዛሕትኡ ግዜ ንስጋዊ ትምኒት ዚስሕብ እዩ። ኣብ ጴርጋሞስን ትያቲራን ዚነብሩ ገሊኦም ክርስያናት በቲ ኣብተን ከተማታት ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦትን ምንዝርናን ተጸልዮም ነይሮም እዮም። እተን ጉባኤታት እቲአን ንምንዝርና ዕሽሽ ስለ ዝበላኦ ኸኣ፡ የሱስ ሓያል ምኽሪ ልኢኹለን እዩ። (ራእ. 2:14, 20) ሎሚ እውን ግጉይ ኣረኣእያታት ክንቅበል ጸቕጢ ይወርደና እዩ። ኣባላት ስድራ ቤትናን ፈለጥትናን ኬእምኑና ይጽዕሩ ይዀኑ፣ ካብ መትከልና ኽንለማለም እውን ይደፋፍኡና ይዀኑ። ንኣብነት፡ ትምኒትና እንተ ስዒብና ምንም ጌጋ ኸም ዘይብሉ፡ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ግዜ ዝሓለፎ ኸም ዝዀነ ይዛረቡ ይዀኑ። ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ዚህበና መምርሒ እኹል ከም ዘይኰነ ይስምዓና ይኸውን። ‘ክንየው እቲ ጽሑፍ ክንከይድ’ እውን ንፍተን ንኸውን።—1 ቈረ. 4:6። w23. 07 16 ¶10-11

ሓሙስ 17 ሓምለ

ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።—ምሳ. 17:17።

ማርያም ኣደ የሱስ ብርታዐ ኣድልይዋ ነበረ። ገና ኣይተመርዓወትን ነይራ፣ እንተዀነ ግና፡ ክትጠንስ ምዃና ተነግራ። ቅድሚኡ ውሉድ ኣዕብያ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ፣ እንተዀነ ግና፡ ነቲ ምስ ዓበየ መሲሕ ዚኸውን ወዲ ተኸናኺና ኸተዕብዮ ነበራ። ጾታዊ ርክብ ገይራ ዘይትፈልጥ ብምንባራ እውን፡ ነዚ ዅሉ ነቲ ሕጹያ ዝነበረ ዮሴፍ ብኸመይ ከም እትገልጸሉ ተጸጊማ ኽትከውን ኣለዋ። (ሉቃ. 1:26-33) እሞ ደኣ ማርያም ብኸመይ እያ ብርታዐ ዝረኸበት፧ ካብ ካልኦት ሓገዝ ደለየት። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ እተዋህባ ሓላፍነት ተወሳኺ ሓበሬታ ምእንቲ ኺህባ ንገብርኤል ሓተተቶ። (ሉቃ. 1:34) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ፡ ንዘመዳ ኤልሳቤጥ ንምብጻሕ ናብ “ከበሳ ይሁዳ” ከደት። ኤልሳቤጥ ንማርያም ነኣደታ፡ ብድራኸ መንፈስ የሆዋ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዘይተወልደ ወዲ ማርያም ዜተባብዕ ትንቢት ተነበየት። (ሉቃ. 1:39-45) ድሕርዚ ማርያም፡ “[የሆዋ] ብቕልጽሙ ሓያል ግብርታት ገይሩ” በለት። (ሉቃ. 1:46-51) እወ፡ የሆዋ ብገብርኤልን ብኤልሳቤጥን ኣቢሉ ንማርያም ኣበርትዓ። w23.10 14-15 ¶10-12

ዓርቢ 18 ሓምለ

መንግስቲ፡ ከምኡ ድማ ንኣምላኹን ንኣቦኡን ካህናት [ገበረና]።—ራእ. 1:6።

ቍጽሮም ውሱን ዝዀነ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኦም ኣለዉ፣ ንሳቶም ከኣ ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ኣለዎም። እዞም 144,000 ኣብ ሰማያት ምስ የሱስ ካህናት ኰይኖም እዮም ዜገልግሉ። (ራእ. 14:1) እታ ኣብቲ ማሕደር እትርከብ ቅድስቲ ነቲ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ምድሪ ብመንፈስ ምስ ተወልዱ ደቂ ኣምላኽ ዚዀኑሉ ዅነት እያ እተመልክት። (ሮሜ 8:15-17) እታ ኣብቲ ማሕደር እትርከብ ቅድስተ ቕዱሳን ከኣ ነቲ የሆዋ ዚነብረሉ ሰማይ እያ እተመልክት። እቲ ንቕድስቲ ኻብ ቅድስተ ቕዱሳን ዚፈሊ “መጋረጃ” ድማ፡ ነቲ የሱስ ከም ዓብዪ ሊቀ ኻህናት እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ መጠን ናብ ሰማይ ከይኣቱ ዚዓግቶ ዝነበረ ስጋኡ እዩ ዜመልክት። የሱስ ንስጋኡ ምእንቲ ደቂ ሰብ መስዋእቲ ኪኸውን ብምሃቡ፡ ንዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ ሰማያዊ ህይወት ኪኣትዉ መገዲ ኸፊቱሎም እዩ። ንሳቶም እውን ሰማያዊ ዓስቦም ንምርካብ፡ ስጋኦም ሓዲጎም ኪኸዱ ኣለዎም።—እብ. 10:19, 20፣ 1 ቈረ. 15:50። w23.10 28 ¶13

ቀዳም 19 ሓምለ

ብዛዕባ . . . ጊዴዎን፡ . . . ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ።—እብ. 11:32።

ጊዴዎን፡ ኤፍሬማውያን ምስ ነቐፍዎ፡ ልኡም ምላሽ እዩ ሂብዎም። (መሳ. 8:1-3) ብቝጥዓ ኣይመለሰሎምን። ነቲ ዘተሓሳሰቦም ነገር ብምስማዕ፡ ብሜላ እውን ነቲ ውጥረት ከም ዚበንን ብምግባር፡ ትሕትና ኣርእዩ እዩ። ጥበበኛታት ሽማግለታት እውን ነቐፌታ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ጽን ኢሎም ብምስማዕን ብልእመት ብምምላስን፡ ንጊዴዎን ኪመስልዎ ይኽእሉ እዮም። (ያእ. 3:13) በዚ ኸምዚ ድማ ንሰላም ጉባኤ ኣበርክቶ ይገብሩ። ጊዴዎን በቲ ኣብ ልዕሊ ሚድያን እተረኽበ ዓወት ክብሪ ምስ ተዋህቦ፡ ናብ የሆዋ ኸም ዚትኰር እዩ ገይሩ። (መሳ. 8:22, 23) እሞ ደኣ እተሸሙ ኣሕዋት ብኸመይ ንጊዴዎን ኪመስልዎ ይኽእሉ፧ ውዳሰ ንየሆዋ ኸም ዚውሃብ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 4:6, 7) ንኣብነት፡ ሓደ ሽማግለ ብናይ ምምሃር ክእለቱ እንተ ተናኢዱ፡ ናብ ምንጪ እቲ ትምህርቲ ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ወይ ናብቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚውሃብ ስልጠና ኸም ዚትኰር ኪገብር ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት ሓድሓደ ግዜ ናብ ርእሶም ዘየድሊ ቘላሕታ ይስሕቡ ኸይህልዉ ኺሓስቡሉ ኣለዎም። w23.06 4 ¶7-8

ሰንበት 20 ሓምለ

ሓሳባተይሲ ሓሳባትኩም ኣይኰነን።—ኢሳ. 55:8።

ብጸሎት ዝለመንናዮ እንተ ዘይተዋሂቡና፡ ገዛእ ርእስና ‘ብዛዕባ ቕኑዕ ነገር ድየ ዝጽሊ ዘለኹ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንዓና ዚሓይሽ እንታይ ምዃኑ እንፈልጥ ይመስለና እዩ። ኣብ ነዊሕ ግዜ ግና፡ እቲ እንልምኖ ዘለና ነገር ዘይጠቕመና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ሓደ ጸገም ንጽሊ እንተ ኣሊና፡ ነቲ ጸገም እቲ ዚኸውን ዝሓሸ ፍታሕ ኪህሉ ይኽእል እዩ። ገሊኡ ልማኖታትና ኸኣ ምስ ፍቓድ የሆዋ ዘይሰማማዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ዮሃ. 5:14) ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ውላዶም ኣብ ሓቂ ምእንቲ ኪቕጽል ናብ የሆዋ ዝጸለዩ ወለዲ እስከ ንሕሰብ። እዚ ግቡእ ልማኖ ይመስል ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንዋላ ሓዴና ብግዲ ኸም እነገልግሎ ኣይገብርን እዩ። ንሕና ዀንና ውሉዳትና ብናትና ምርጫ ኸነምልኾ እዩ ዚደሊ። (ዘዳ. 10:12, 13፣ 30:19, 20) ስለዚ፡ እቶም ወለዲ፡ ውሉዶም ንየሆዋ ምእንቲ ኼፍቅሮን ፈታዊኡ ምእንቲ ኪኸውንን፡ ንልቢ ውሉዶም ንምትንካይ ካብ የሆዋ ሓገዝ ኪልምኑ ይኽእሉ እዮም።—ምሳ. 22:6፣ ኤፌ. 6:4። w23.11 21 ¶5፣ 23 ¶12

ሰኑይ 21 ሓምለ

ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ።—1 ተሰ. 4:18።

ንኻልኦት ምጽንናዕ ኣገዳሲ መግለጺ ፍቕሪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ጽሑፍ ነታ ጳውሎስ “ተጸናንዑ” ንምባል እተጠቕመላ ቓል፡ “ሓደ ሰብ መሪር ፈተና ኼሕልፍ ከሎ፡ ከተተባብዖ ኢልካ ኣብ ጐድኑ ምዃን” ማለት ከም ዝዀነት ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ንሓደ ኣብ ጭንቂ ዘሎ ክርስትያን ብጻይና ኸነጸናንዖ ኸለና፡ ካብቲ ዝወደቐሉ ተንሲኡ ብመገዲ ህይወት ኪመላለስ ኢና እነተባብዖ ዘለና። ንሓውና ወይ ንሓብትና ኸነጸናንዕ ከለና ኸኣ፡ ፍቕርና ኢና እንገልጽ ዘለና። (2 ቈረ. 7:6, 7, 13) ርሕራሐን ምጽንናዕን ንሓድሕዱ ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። ብኸመይ፧ ርሕሩሕ ሰብ ንኻልኦት ንምጽንናዕን መከራኦም ንምፍኳስን ይለዓዓል እዩ። ስለዚ፡ መጀመርታ ርሕራሐ እዩ ዚስምዓና፣ ድሕሪኡ፡ ነጸናንዕ። ጳውሎስ ነቲ የሆዋ ዚስምዖ ርሕራሐ ምስቲ ኻብኡ እንረኽቦ ምጽንናዕ ብኸመይ ከም ዘተኣሳሰሮ እሞ ነስተብህል። ንየሆዋ፡ “ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ኢሉ እዩ ገሊጽዎ።—2 ቈረ. 1:3። w23.11 9-10 ¶8-10

ሰሉስ 22 ሓምለ

ብጸበባ እውን ንተሓጐስ።—ሮሜ 5:3።

ኵሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ጸበባ ኺጽበዩ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ንሰብ ተሰሎንቄ፡ “ምሳኻትኩም ከለና፡ ጸበባ ኸም ዚመጸና ኣቐዲምና ንነግረኩም ኔርና፣ ከምቲ እትፈልጥዎ ኸኣ፡ ከምኡ ዀይኑ” ኢልዎም እዩ። (1 ተሰ. 3:4) ንሰብ ቈረንቶስ ከኣ፡ “ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ . . . ዘጋጠመና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ . . . ከም ዝኸበደና፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይንደልን ኢና” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (2 ቈረ. 1:8፣ 11:23-27) ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት እውን ጸበባ ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:12) ብየሱስ ምስ ኣመንካን ንዕኡ ኽትስዕቦ ምስ ጀመርካን ፈተውትኻን ቤተ ሰብካን ተጻቢኦምኻ ይዀኑ። ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽትነብር ዝገበርካዮ ቘራጽነትከ ኣብ ስራሕ ጸገማት ፈጢሩልካዶ፧ (እብ. 13:18) ተስፋኻ ንኻልኦት ብምክፋልካኸ ኻብ መንግስቲ ተቓውሞ ኣጋጢሙካዶ፧ ዜጋጥመና ዓይነት ጸበባ እዚ ይኹን እቲ፡ ጳውሎስ ክንሕጐስ ከም ዘሎና እዩ ነጊሩና። w23.12 10-11 ¶9-10

ረቡዕ 23 ሓምለ

ብዙሕ ጭንቂ ኣምጺእኩምለይ።—ዘፍ. 34:30።

ያእቆብ ብዙሕ ጸገማት ኣሕሊፉ እዩ። ስምኦንን ሌዊን ዚብሃሉ ኽልተ ደቂ ያእቆብ ከኣ ኣብ ስድራ ቤቶም ውርደት፡ ኣብ ስም የሆዋ ኸኣ ወቐሳ ኣምጽኡ። ብዘይካዚ፡ ራሄል ካልኣይ ውላዳ ኽትወልድ ከላ ሞተት፣ በዚ ኸምዚ ድማ ያእቆብ፡ ዚፈትዋ ሰበይቱ ሰኣነ። ብሰንኪ ብርቱዕ ጥሜት ከኣ ኣብ እዋን እርጋኑ ናብ ግብጺ ኺግዕዝ ተገደደ። (ዘፍ. 35:16-19፣ 37:28፣ 45:9-11, 28) ያእቆብ ነዚ ዅሉ ጸገማት እናኣሕለፈ ኽነሱ፡ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንሱ ዘተስፈዎ ተስፋታትን ዘለዎ እምነት ኣየጥፍአን። የሆዋ እውን ብግዲኡ ንያእቆብ ሞገሱ ኣርኣዮ። ንኣብነት፡ ንያእቆብ ብስጋዊ መዳይ ባረኾ። ብዘይካዚ፡ ያእቆብ ምስቲ ሞይቱ ኢሉ ቐቢጽዎ ዝነበረ ወዱ ዮሴፍ ምስ ተራኸበ፡ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘመስገኖ እሞ ሕሰቦ! እቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንፈተናታቱ ኺሰግር ኣኺልዎ እዩ። (ዘፍ. 30:43፣ 32:9, 10፣ 46:28-30) ንሕና እውን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ናይ ቀረባ ዕርክነት ዓቂብና ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ዘይተጸበናዮ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ኽንሰግሮ ንኽእል ኢና። w23.04 15 ¶6-7

ሓሙስ 24 ሓምለ

የሆዋ ጓሳይየይ እዩ። ዚጐድለኒ የብለይን።—መዝ. 23:1።

መዝሙር 23 ነቲ ሓደ ዘማሪ ኣብ ፍቕርን ሓልዮትን የሆዋ ዘለዎ እምንቶ እትገልጽ መዝሙር እያ። እቲ ጸሓፊ እዛ መዝሙር እዚኣ ዝዀነ ዳዊት ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እቲ ጓሳዪኡ ዝዀነ የሆዋን ዘሎ ሓያል ፍቕሪ ገሊጽዎ ኣሎ። ዳዊት ኣብ መሪሕነት የሆዋ እዩ ተወኪሉ፣ ምሉእ ብምሉእ እውን ናብኡ እዩ ዚጽጋዕ ነይሩ። ፍቕሪ የሆዋ ኣብ ምሉእ ዕድሚኡ ኸም ዚስዕቦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ኽሳዕ ክንድዚ ኸም ዚተኣማመን ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ዳዊት፡ የሆዋ ዜድልዮ ዘበለ ዅሉ ስለ ዜማልኣሉ፡ ጽቡቕ ሓልዮት ከም እተገብረሉ እዩ ተሰሚዕዎ። ዕርክነትን ሞገስን የሆዋ ብምርካቡ እውን ባህ እዩ ኢልዎ። ስለዚ፡ ኣብ መጻኢ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ የሆዋ ዜድልዮ ዘበለ ዅሉ ኸም ዜማልኣሉ ርግጸኛ ዀይኑ ነበረ። እቲ ዳዊት ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ኻብ ጭንቀቱ ኣመና ይሕይል ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ውሽጣዊ ሓጐስን ዕግበትን ተሰምዖ።—መዝ. 16:11። w24.01 29 ¶12-13

ዓርቢ 25 ሓምለ

ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።—ማቴ. 28:20።

ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንነጀው፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚነብሩ ህዝቢ የሆዋ፡ ሰላምን ናጽነትን ብምርካቦም ነቲ ዕዮ ስብከት ይፍጽሙ ኣለዉ። እቲ ዕዮ እቲ ድማ ብዝያዳ እዩ ሰሲኑ። ሎሚ፡ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ካብ ክርስቶስ እዮም መምርሒ ዚጽበዩ። እቲ ንኣሕዋት ዚህብዎም መምርሒ፡ ነጸብራቕ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣረኣእያ ኪኸውን እዮም ዚደልዩ። ሓለውቲ ወረዳን ሽማግለታትን እውን ብግዲኦም ንጉባኤታት መምርሒ ይህቡ እዮም። ቅቡኣት ሽማግለታት ኣብ ‘የማናይ ኢድ’ ክርስቶስ እዮም ዘለዉ። (ራእ. 2:1) ልክዕ እዩ፡ እዞም ሽማግለታት እዚኦም ዘይፍጹማት እዮም፡ ጌጋታት እውን ይገብሩ እዮም። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ሙሴን እያሱን እውን ተጋግዮም እዮም፣ ሃዋርያት እውን ተጋግዮም እዮም። (ዘሁ. 20:12፣ እያ. 9:14, 15፣ ሮሜ 3:23) እንተዀነ ግና፡ ክርስቶስ ነቲ እሙን ባርያን ነቶም ቅቡኣት ሽማግለታትን ተጠንቂቑ ይመርሖም ኣሎ። ስለዚ፡ ነቲ በቶም ኪመርሑ ዝሸሞም ኣቢሉ ዚህበና መሪሕነት ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። w24.02 23-24 ¶13-14

ቀዳም 26 ሓምለ

ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ።—ኤፌ. 5:1።

ሎሚ፡ ኣብ ዘረባና ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዘሎና ሞሳን ፍቕርን ብምግላጽ፡ ንዕኡ ኸነሐጕሶ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣገልግሎት ቀንዲ ዕላማና፡ ንሰባት ናብ የሆዋ ምስሓብ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣቦና ኸም ናትና ዓይነት ኣረኣእያ ኺሕዙ ምሕጋዝ ምዃኑ ንዝክር ኢና። (ያእ. 4:8) መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዚገልጾ፡ ማለት ብዛዕባ ፍቕሩን ፍትሑን ጥበቡን ሓይሉን ካልእ ማራኺ ባህርያቱን ብኸመይ ከም ዚገልጽ ንሰባት ተሓጒስና ኢና እነርእዮም። ንዕኡ ኽንመስሎ ብምጽዓር እውን፡ ንየሆዋ ኽንውድሶን ከነሐጕሶን ንኽእል ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ኣብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ እተፈለና ኢና እንኸውን። ሰባት ነዚ ኼስተብህሉሉ እሞ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀንና ሕቶ ኺልዓሎም ይኽእል ይኸውን። (ማቴ. 5:14-16) ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ምሳታቶም ክንራኸብ ከለና፡ ስለምንታይ ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ ኸም እንስዕብ ክንገልጸሎም ንኽእል ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቅኑዓት ሰባት ናብ ኣምላኽ ይስሓቡ። ንየሆዋ በዚ መገድታት እዚ እንተ ወዲስናዮ፡ ንልቡ ባህ ነብሎ ኢና።—1 ጢሞ. 2:3, 4። w24.02 10 ¶7

ሰንበት 27 ሓምለ

ኬተባብዕን . . . ኪገንሕን . . . ኣለዎ።—ቲቶ. 1:9።

ብሱል ክርስትያን ሰብኣይ ንምዃን፡ ግብራዊ ኽእለታት ከተማዕብሉ ኣሎኩም። እዚ ድማ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነታት ንምስካም፡ ንርእስኹም ኰነ ንስድራ ቤትኩም ክትናብዩ ዚሕግዝ ዓለማዊ ስራሕ ንምሓዝ፡ ምስ ካልኦት ከኣ ጥዑይ ርክብ ንምምስራት ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ጽቡቕ ናይ ምንባብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት ኣማዕብሉ። መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ዜንብብን ብዛዕባኡ ዜስተንትንን ሰብ ሕጉስን ዕዉትን ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (መዝ. 1:1-3) መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኺፈልጥ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ብንጹር ኪሓስብ የኽእሎ። (ምሳ. 1:3, 4) ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትን ምኽርን ኪህቡ ዚኽእሉ ኽኢላታት ሰብኡት የድልይዎም እዮም። ጽቡቕ ናይ ምንባብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት እንተ ኣልዩኩም፡ እምነት ዜደልድል ኣስተምሃሪ መደረታትን ሓሳባትን ክትዳለዉ ትኽእሉ ኢኹም። እምነትኩም ንምህናጽን ንኻልኦት ንምትብባዕን ኪሕግዝ ዚኽእል፡ ጽቡቕ መዘኻኸሪታት እውን ክትምዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም። w23.12 26-27 ¶9-11

ሰኑይ 28 ሓምለ

ካብቲ ምስ ዓለም ሓድነት ዘለዎስ፡ እቲ ምሳኻትኩም ሓድነት ዘለዎ [ይዓቢ]።—1 ዮሃ. 4:4።

ፍርሂ ኺስመዓካ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ መጻኢ፡ ሰይጣን ምስ ኣልገሰ ዚገብረልካ ነገራት ኣስተንትን። ኣብ ናይ 2014 ኣኼባ ዞባ ኣብ ዝቐረበ ሓደ መርኣያ፡ ሓደ ኣቦ ንስድራ ቤቱ፡ ነቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ዘሎ ቓላት ኣብ ገነት እንታይ ኪብሃል ከም ዚከኣል ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ይገልጸሎም፦ “ኣብ ሓዳስ ዓለም ባህ ዜብል ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ኻልኦት፡ ፈተውቲ መንፈሳዊ መዛግብቲ፡ ዘይጅሃሩ፡ ትሑታት፡ ንኣምላኽ ዚውድሱ፡ ንወለዶም ዚእዘዙ፡ ዜመስግኑ፡ እሙናት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘለዎም፡ ዚሰማምዑ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ጽቡቕ ዚዛረቡ፡ ርእሶም ዚገትኡ፡ ልዙባት፡ ሰናይ ዚፈትዉ፡ ዘይጠልሙ፡ ልኡማት፡ ዓቃላት፡ ካብ ተድላ ምፍታውሲ ብዝያዳ ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ብኣምላኻዊ ተወፋይነት ዚድረኹ ኪዀኑ እዮም፣ ናብ እዚኣቶም ከኣ ኣዚኻ ቕረብ።” እሞ ደኣ ህይወት ኣብ ሓዳስ ዓለም ከመይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ምስ ስድራ ቤትካ ወይ ምስ ክርስትያናት ብጾትካ ትመያየጡሉዶ፧ w24.01 6 ¶13-14

ሰሉስ 29 ሓምለ

ዝሰመርኩኻ።—ሉቃ. 3:22።

የሆዋ ንህዝቡ ብደረጃ ጕጅለ ኸም ዚሰምሮም ምፍላጥና ብዙሕ እዩ ዜጸናንዓና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋስ ብህዝቡ ባህ ይብሎ እዩ” ይብል። (መዝ. 149:4) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ገሊኦም ተስፋ ኪቘርጹ ኸለዉ፡ ‘የሆዋ ንዓይ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ይሰምረኒ ድዩ፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት እተቓለሱሉ እዋናት ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 1:6-10፣ እዮ. 29:2, 4፣ መዝ. 51:11) ዘይፍጹማት ሰባት ስምረት የሆዋ ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ብኸመይ ኢና ስምረቱ እንረክብ፧ ብየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን ክንጥመቕን ኣሎና። (ዮሃ. 3:16) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ካብ ሓጢኣትና ኸም እተነሳሕናን ንኣምላኽ ፍቓዱ ኽንገብር ከም እተመባጻዕናሉን ኣብ ቅድሚ ሰባት ከነርኢ ንኽእል። (ግብ. 2:38፣ 3:19) የሆዋ ነዚ ስጕምትታት እዚ ብምውሳድ ምስኡ ርክብ ከነማዕብል ከለና ደስ እዩ ዚብሎ። ምስ መብጽዓ ወፈያና ተሰማሚዕና ንምምልላስ ዚከኣለና ኽሳዕ ዝገበርና፡ የሆዋ ይሰምረና እዩ፡ ከም ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ገይሩ እውን ይርእየና እዩ።—መዝ. 25:14። w24.03 26 ¶1-2

ረቡዕ 30 ሓምለ

ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና።—ግብ. 4:20።

ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ስብከትና ኽንሓድግ ኣብ ዚእዝዙና እዋን እኳ፡ ስብከትና ብዘይምሕዳግ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኽንመስሎም ንኽእል ኢና። የሆዋ ንኣገልግሎቱ ንምፍጻም ከም ዚሕግዘና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ትብዓትን ጥበብን ንምርካብ ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ጸገማትካ ንምጽዋር ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። መብዛሕትና ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ጸገማት፡ ሞት እንፈትዎ ሰብና፡ ናይ ስድራ ቤት ጸገማት፡ መስጐጕቲ፡ ወይ ካልእ ጸገማት ኣሎና። ከም ለበዳን ውግእን ዝኣመሰለ ነገራት ከኣ፡ ነዚ ጸገማትና የጋድዶ እዩ። ኣብዚ ዅነታት እዚ ልብኻ ናብ የሆዋ ኣፍስስ። ብዛዕባ እቲ ዅነታትካ ኸምቲ ንሓደ ናይ ቀረባ ዓርክኻ እትነግሮ ጌርካ ንገሮ። የሆዋ ኸም ‘ዜስልጠልካ’ እውን ርግጸኛ ኹን። (መዝ. 37:3, 5) ብጸሎት እንተ ጸኒዕና፡ ‘ኣብ ትሕቲ ጸበባ ኽንጻወር’ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:12) የሆዋ፡ ኣምለኽቱ እንታይ ከም ዜሕልፉ ይፈልጥ እዩ፣ “ኣውያቶም ይሰምዕ” እዩ።—መዝ. 145:18, 19። w23.05 5-6 ¶12-15

ሓሙስ 31 ሓምለ

ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ መርምሩ።—ኤፌ. 5:10።

ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ “ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ” ኸነስተውዕል እሞ ምስኡ ተሰማሚዕና ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። (ኤፌ. 5:17) ንዅነታትና ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነለሊ ኸለና፡ ኣምላኽ ኣብቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ኢና ኽንፈልጥ እንጽዕር ዘለና። ድሕሪኡ፡ ስርዓታቱ እንተ ተግቢርናዮ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል። እቲ “እኩይ” ተባሂሉ ዘሎ ጸላኢና ሰይጣን ብዓለማዊ ንጥፈታት ክንተሓዝ እሞ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ግዜ ኽንስእን እዩ ዚደልየና። (1 ዮሃ. 5:19) ሓደ ክርስትያን ንስጋዊ ጥሪት፡ ንዓለማዊ ትምህርቲ፡ ወይ ንስራሕ ካብቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ብቐሊሉ ኬቐድም ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ገይሩ፡ እዚ ብናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ይጽሎ ኸም ዘሎ እዩ ዚሕብር። ልክዕ እዩ፡ እዚ ነገራት እዚ ጌጋ ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኺሕዝ የብሉን። w24.03 24 ¶16-17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ