ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/6 ገጽ 12-17
  • ክርስትያናት ክዕቅብዎ ዘይብሎም ምስጢር!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክርስትያናት ክዕቅብዎ ዘይብሎም ምስጢር!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ “ቅዱስ ምስጢር” ተፈልጠ
  • እቲ እተገልጸ ምስጢር ንኻልኦት ክንገር ኣለዎ!
  • ኣብ ምንጋጋ ሰይጣን ዓንቃሪቦ ምግባር
  • ከም ሎሚ ገይሩ ተጋሂዱ ኣይፈልጥን!
  • ንኻልኦት ክትነግሮም እትኽእል ምስጢር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2018
  • “ኣብ ቅዱስ ምስጢር ዘሎ ጥበብ ኣምላኽ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ዜሐጕስ ምስጢር
    ንደቅኻ ምሃሮም
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/6 ገጽ 12-17

ክርስትያናት ክዕቅብዎ ዘይብሎም ምስጢር!

“ንዓለም ብግሁድ እዛረባ: . . . ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን።”​—⁠ዮሃንስ 18:⁠20

1, 2. ከምቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ ትርጕም ናይታ ሚ·ስተ ʹሪ ·ዮን እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እንታይ ኢዩ፧

እታ ሚ·ስተ ʹሪ ·ዮን እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኣብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም 25 ግዜ “ቅዱስ ምስጢር:” 3 ግዜ ኸኣ “ምስጢር” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ሓደ ቅዱስ ዝዀነ ምስጢር ብሓቂ ኣገዳሲ ክኸውን ኣለዎ! ዝዀነ ይኹን ናይ ከምዚ ዓይነት ምስጢር ፍልጠት ንምርካብ መሰል ዘለዎ ሰብ: ምስቲ ናይ ኣድማስ ልዑል ኣምላኽ ሓቢሩ ምስጢር ክካፈል ብቑዕ ኰይኑ ስለ እተቘጽረ ኣዝዩ ክብሪ ከም እተዋህቦ ክስምዖ ኣለዎ።

2 ብቫይን እተዳለወ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ እታ “ቅዱስ ምስጢር” እትብል ትርጕም ካብታ “ምስጢር” እትብል ቃል ዝያዳ ከም እትሰማማዕ የረጋግጽ። እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ሚ·ስተ ʹሪ ·ዮን ከምዚ ዝስዕብ ትብል:⁠- “ኣብ [ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ] (ከምቲ እታ ሚስትሪ እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል እተመልክቶ) ምስጢር ዘይኰነስ: ነቲ ብመለኮታዊ ምግላጽ ጥራይ ክፍለጥ ዝኽእል: በቲ ኣምላኽ ዝደለዮ ኣገባብን ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ እዋንን ጥራይ ዝፍለጥ: እቶም መንፈስ ቅዱሱ ዘብርሃሎም ጥራይ ድማ ዝፈልጥዎ ካብ ባህርያዊ ናይ ወድሰብ ምርዳእ ንላዕሊ ዝዀነ ምስጢር ኢያ እተመልክት። በቲ ልሙድ ትርጕማ ምስጢር እተዓቀበ ፍልጠት ማለት ኢያ፣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትውዕል ከላ ግን እተገልጸ ሓቂ ማለት እያ። ስለዚ እምበኣር ብፍላይ ምስዛ ቃል እዚኣ ዝዛመዳ መግለጺታት ‘ተፈልጠ:’ ‘ተጋህደ:’ ‘ተገልጸ:’ ‘ተሰብከ:’ ‘ተረድአ:’ ‘ተዘርግሐ’ ዝብላ ኢየን።”

3. እታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ካብ ገሊአን ናይ ምስጢር ሃይማኖታዊ ጕጅለታት ፍልይቲ ዝነበረት ብኸ​­መይ ኢያ፧

3 እዚ መግለጺ እዚ: ነቲ ኣብ መንጎ እተን ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝዓንበባ ናይ ምስጢር ሃይማኖታውያን ጕጅለታትን እታ ሓዳስ እተመስረተት ክርስትያናዊት ጉባኤን ዝነበረ ፍልልይ ዘጕልሕ ኢዩ። እቶም ኣብ ናይ ምስጢር እምነታት ኣባላት ዝዀኑ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ንኻልኦት ከይነግሩ ብናይ ምስጢር ማሕላ ክቕየዱ ከለዉ: ክርስትያናት ግን ፈጺሞም ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ቀይዲ ኣይኰኑን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ “ናይ ኣምላኽ . . . [“ቅዱስ:” NW ] ምስጢር ጥበብ” ‘ሕቡእ ጥበብ’ ኢሉ ብምጽዋዕ ተዛሪብሉ ኣሎ። ሕቡእ ኰይኑ ዘሎ “ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢዩ። ካብቶም ኣብ ህዝቢ ምእንቲ ክቐልዕዎ ብመንፈስ ኣምላኽ እተገልጸሎም ክርስትያናት ግን ኣይትሓብአን።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:⁠7⁠-​12፣ ምስ ምሳሌ 1:⁠20 ኣነጻጽሮ።

እቲ “ቅዱስ ምስጢር” ተፈልጠ

4. እቲ “ቅዱስ ምስጢር” ኣብ መን ኢዩ ዘተኵር: ብኸመይከ፧

4 እቲ ናይ የሆዋ “ቅዱስ ምስጢር” ኣብ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዘተኵር። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ “ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ: [የሆዋ] ነቲ [“ቅዱስ:” NW ] ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና: ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ: ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ: ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።” (ኤፌሶን 1:⁠9, 10) ጳውሎስ ኣድላይነት ‘ፍልጠት እቲ [“ቅዱስ:” NW ] ምስጢር ኣምላኽ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ’ ክዛረብ ከሎ እቲ ቅዱስ ምስጢር እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 2:⁠2

5. ኣብቲ “ቅዱስ ምስጢር” ተጠቓሊሉ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧

5 ይኹን እምበር: እቲ “ቅዱስ ምስጢር” ብዙሕ መዳያት ዘለዎ ምስጢር ስለ ዝዀነ ካብኡ ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ። እቲ ቅዱስ ምስጢር የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ወይ መሲሕ ምዃኑ ምፍላጥ ጥራይ ኣይኰነን፣ ነቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ክገብሮ እተመደበሉ ግደ ዘጠቓልል ኢዩ። ከምቲ የሱስ ባዕሉ ንደቀ መዛሙርቱ “ምፍላጥ [“ቅዱስ: NW ] ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተውሂቡ አሎ: ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን” ብምባል ክነግሮም ከሎ ኣነጺሩ ዝገለጻ ነታ ሰማያዊት ምምሕዳር ዝዀነት መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ: ዘጠቓልል ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 13:⁠11 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

6. (ሀ) እቲ “ቅዱስ ምስጢር” “ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ” ክበሃል ቅኑዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብኸመይከ ኢዩ በብግዜኡ እተገልጸ፧

6 ካብቲ መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ናይ መሲሓዊት መንግስቲ መሰረት ንምድላው ዝምልከት ዕላማ ኣምላኽ እተጠቕሰሉ ክሳዕ ‘እቲ [“ቅዱስ:” NW ] ምስጢር ኣምላኽ ዝፍጸመሉ’ ብዙሕ ግዜ ክሓልፍ ነበሮ። (ራእይ 10:⁠7፣ ዘፍጥረት 3:⁠15) ከምቲ ራእይ 10:⁠7 ምስ 11:⁠15 ብምንጽጻር ክረጋገጽ ዝከኣል: እታ መንግስቲ ክትምስረት ከላ ኢዩ ኣብ መፈጸምትኡ ዝበጽሕ። ካብቲ ኣብ ኤደን መጀመርታ ናይታ መንግስቲ ተስፋ እተዋህበሉ ግዜ ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ምሻም ናይቲ ንጉስ እተፈጸመሉ ግዜ 4,000 ዓመታት ሓለፈ። ቅድሚ እታ መንግስቲ ብ1914 ኣብ ሰማይ ምቛማ ኸኣ 1,885 ዓመታት ሓለፈ። ስለዚ እምበኣር: እቲ “ቅዱስ ምስጢር” ኣብ ውሽጢ ዳርጋ 6,000 ዝኸውን ዓመታት በብግዜኡ ክግለጽ ጸኒሑ ኢዩ። (ገጽ 16 ርአ።) ጳውሎስ ብዛዕባ ‘ምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸን እተነግረን [“ቅዱስ:” NW ] ምስጢር’ ምዝራቡ ብርግጽ ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ሮሜ 16:⁠25⁠-​27፣ ኤፌሶን 3:⁠4⁠-​11

7. ኣብቲ ክፍሊ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ምሉእ ምትእምማን ክህልወና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

7 የሆዋ ምስቶም ድሩት ዕድመ ዘለዎም ደቅሰብ ­ክነጻጸር ከሎ ንምስጢራቱ ቅድሚ እዋኑ ክገልጽ ግዜ ዘገድዶ ኰይኑ ኣይስምዖን ኢዩ። እዚ ሓቂ እዚ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ሕጂ ከዕግበና ብዝኽእል መገዲ እንተድኣ ዘይተገሊጹ ትዕግስትና ከይነጥፍእ ክሕግዘና ይግብኦ። ዓቕምኻ ናይ ምፍላጥ ባህሪ: ነቲ ንክርስትያን ስድራቤት ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ መግቢ ንኽህብ እተመዘዘ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ: ብድርቅና ተላዒሉ ከይቅድምን ነቲ ገና ዘይበርሀ ነገራት ከኣ ተሃዊኹ ብግምት ከይገልጽን ይኽልክሎ። እቲ ክፍሊ ባርያ ነቲ ዝህቦ ትምህርቲ ብዘይሕቶ ከም ሓቂ ገይርካ ክትቅበሎ ዝብል ዝንባለ ከርሕቕ ይጽዕር ኢዩ። ንምሳሌ 4:⁠18 ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ሕጂ ንዅሉ ሕቶታት ክምልሰሉ ከም ዘይክእል ብትሕትና ኢዩ ዝእመን። እንተዀነ ግን የሆዋ ኣብቲ ባዕሉ ዝመደቦ ግዜን በቲ ዝደልዮ መገድን ገይሩ ነቲ ምስ ዕላማታቱ እተተሓሓዘ ምስጢራት ብቐጻሊ ክገልጾ ምዃኑ ምፍላጥናስ ኣየ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ነቲ ገላጽ ምስጢራት ብዘይምስትውዓል ክንቅድሞ ብምፍታን: ኣብቲ የሆዋ ዝገብሮ መደባት ዘይዕጉሳት ኣይንኹን። እቲ የሆዋ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዘሎ መትረብ ከምኡ ዘይገብር ምዃኑ ምፍላጥሲ ኣየ ክንደይ ዘተኣማምን ኰን ኢዩ! ክልቲኡ ማለት እሙንን ኣስተውዓልን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45፣ 1 ቈረንቶስ 4:⁠6

እቲ እተገልጸ ምስጢር ንኻልኦት ክንገር ኣለዎ!

8. እቲ “ቅዱስ ምስጢር” ከም ዝፍለጥ ክግበር ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

8 የሆዋ: ክርስትያናት ነቲ “ቅዱስ ምስጢር” ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ክሓብእዎ ኢሉ ኣይኰነን ገሊጹሎም። ምስቲ የሱስ ንሒደት ካህናት ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ሰዓብቱ ዝሰርዓሎም መምርሒ ብምስምማዕ ከም ዝፍለጥ ክግበር ኣለዎ:⁠- “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከአላን እዩ። መብራህቲ: ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ: ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር: ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።”​—⁠ማቴዎስ 5:⁠14⁠-​16፣ 28:⁠19, 20

9. ከምቲ ገሊኣቶም ዝብልዎ የሱስ ሰውራዊ ከም ዘይነበረ እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧

9 የሱስ ናይ ምስጢር ዕላማታት ንኽፍጽም ብሰዓብቱ ዝቘመ ስዉር ማሕበር ክምስርት ዝብል ሰውራዊ ሓሳብ ኣይነበሮን። ሮበርት ኤም. ግራንት ኣብታ አርሊ ክርስችያኒቲ አንድ ሶሳይቲ (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ: ነቲ ኣብ ካልኣይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበረ ተኸላኻሊ እምነት ዝዀነ ጁስቲን ማርቲር ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝገበሮ ምክልኻል ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ክርስትያናት ሰውራውያን ነይሮም እንተዝዀኑ ኣብ ዕላምኦም ምእንቲ ክበጽሑ ምተሓብኡ ነይሮም።” ግናኸ ክርስትያናት “ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ” ኰይኖም ከብቅዑስ ከመይ ገይሮም ኢዮም ‘ክሕብኡ’ ዝፍትኑ፧ ንመብራህቶም ኣብ ትሕቲ ከፈር ክሓብእዎ ኣይግብኦምን ኢዩ! እቲ መንግስቲ ብንጥፈታቶም ፈጺሙ ዘፍርሕ ኣይነበሮን። እዚ ጸሓፊ እዚ ቀጺሉ “ሰላምን ጽቡቕ ስርዓትን ንምፍጣር ቀንዲ ደገፍቲ ናይቲ ሃጸይ ኢዮም” ብምባል ይገልጾም።

10. ክርስትያናት ንመንነቶም ምስጢር ገይሮም ክሕዝዎ ዘይግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 የሱስ ንሰዓብቱ ናይ ሓንቲ ሃይማኖታዊት መናፍቕነት ኣባላት ብምዃን ንመንነቶም ከም ምስጢር ገይሮም ክዕቅብዎ ኣይደለዮምን። (ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠14፣ 28:⁠22) ሎሚ ብርሃንና ከም ዝበርህ ዘይምግባር ንኽልቲኦም ማለት ንየሱስን ነቲ ገላጽ ምስጢራት ዝዀነ ኣቡኡን ዘጕሂ ኢዩ: ንዓናውን ሓጐስ ኣየምጽኣልናን ኢዩ።

11, 12. (ሀ) የሆዋ ክርስትና ክፍለጥ ዝደሊ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ግቡእ ኣብነት ዝሰርዐ ብኸመይ ኢዩ፧

11 የሆዋ ‘ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይፈቱን’ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠9፣ ህዝቅኤል 18:⁠23፣ 33:⁠11፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠30) ናይቶም ነስሓ ዘርእዩ ሰባት መሰረት ሕድገት ሓጢኣት: ኣብ መስዋእታዊ በጅነት ናይቲ ‘ብእኡ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ’ ንሒደት ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ሰብ ርእሱ በጃ ዝሃበ የሱስ እምነት ምግባር ኢዩ። (ዮሃንስ 3:⁠16) ሰባት ኣብቲ ዝመጽእ ፍርዲ ከም ኣጣል ዘይኰነስ ከም ኣባጊዕ ንኽፍረዱ ዘብቅዖም ኣድለይቲ ስጕምትታት ንምወሳድ ክሕገዙ ኣዝዩ ተደላዪ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 25:⁠31⁠-​46

12 ናይ ሓቂ ክርስትና ክሕባእ የብሉን፣ ብዅሉ ዝከኣለሉ መገድታት ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ከም ዝፍለጥ ክግበር ኣለዎ። የሱስ ግቡእ ኣብነት ሰሪዑ ኢዩ። ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን በቲ ሊቀ ኻህናት ምስ ተሓተ “ኣነ ንዓለም ብግሁድ እዛረባ: ኵሉ ሳዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዚእከቡሉ ዘበለ: ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ: ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን” በለ። (ዮሃንስ 18:⁠19, 20) ብመሰረት እዚ ዝረኣናዮ እምበኣር: ኣየናይ ንኣምላኽ ዝፈርህ ሰብ ኢዩ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ክፍለጥ ኣለዎ ዝበሎ መልእኽቲ ምስጢር ገይሩ ክዕቅቦ ዝሓስብ፧ መንከ ኢዩ ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝመርሕ “መርሖ ፍልጠት” ክሓብኦ ዝደሊ፧ ከምኡ ምግባሩ: ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ግቡዛት ሃይማኖታውያን ኢዩ ዝገብሮ።​—⁠ሉቃስ 11:⁠52፣ ዮሃንስ 17:⁠3

13. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ክንሰብኽ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ሓደ እኳ ይኹን ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስጢር ገይርና ከም ዝሓዝኖዮ ኣምሲሉ ክዛረብ ዘይክእል ይግበሮ! እቲ መልእኽቲ ተቐባልነት ይርከብ ወይ ይነጸግ ብዘየገድስ ሰባት ከም እተሰብከ ክፈልጡ ኣለዎም። (ምስ ህዝቅኤል 2:⁠5፣ 33:⁠33 ኣረኣእዮ።) ስለዚ እምበኣር ንዅሎም ሰባት ኣብ ዝረኸብናዮም ዘበለ ነቲ መልእኽቲ ንምዝራብ ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ንጠቐመላ።

ኣብ ምንጋጋ ሰይጣን ዓንቃሪቦ ምግባር

14. ኣብ ኣምልኾና ጋህዲ ብዛዕባ ምዃን ክንወላወል ዘይግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ኣብ ብዙሓት ሃገራት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ማዕከናት ዜና ቀንዲ መዘራረቢ ነጥቢ ኰይኖም ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ንዝነበሩ ቀዳሞት ክርስትያናት ዘጋጠሞም: መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ብዛዕብኦም ጌጋ ዝዀነ ጸብጻብ ይህቡ ምስቶም ዘተሓታትቱ ሃይማኖታውያን ጕጅለታትን ናይ ምስጢር ማሕበራትን ከኣ ይሰርዕዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 28:⁠22) ኣብቲ ስብከት ብጋህዲ ምጽማድና ኣደዳ መጠቃዕቲ ይገብርና ደዀን ይኸውን፧ ብዘየድሊ ኣብ ዘከራኽር ጕዳይ ሃንደፍ ኢልና ምእታው ዘይጥበባውን ንምኽሪ የሱስ ዘይምሕላውን ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። (ምሳሌ 26:⁠17፣ ማቴዎስ 10:⁠16) ይኹን እምበር: እቲ ጠቓሚ ዝዀነ ናይ ስብከት መንግስትን ሰባት ኣነባብርኦም ከመሓይሹ ናይ ምሕጋዝን ዕዮ ክሕባእ ዘይብሉ ነገር ኢዩ። እዚ ኣብኡን ኣብታ ዝቘመት መንግስቱን ኣቓልቦ ብምግባር ልዕል ስለ ዘብሎ ንየሆዋ ዘኽብር ኢዩ። እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳን ክፍልታት ኣፍሪቃን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እተራእየ ዘሐጕስ ምላሽ ብኸፊሉ ብምኽንያት እቲ ሕጂ ኣብኡ ሓቂ ብጋህዲ ክትስበኽ ምኽኣላ ኢዩ።

15, 16. (ሀ) ጋህዲ ብምዃንናን ብምኽንያት መንፈሳዊ ብልጽግናናን እንታይ ዕላማታት ኢዩ ዝፍጸም: ግናኸ እዚ ከሻቕለናዶ ይግብኦ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ምንጋጋ ሰይጣን ዓንቃሪቦ ዘእቱ ስለምንታይ ኢዩ፧

15 እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጋህዲ ምስባኾም: እቲ ዘስተማቕርዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ገነት: ­ከምኡውን እቲ ብናይ ሰባት ወሰኽ ኰነ ብንብረት ዝረኽብዎ ዘለዉ ብልጽግና ከይተዘከረ ዝሓልፍ ኣይኰነን። እዚ ረቛሒታት እዚ ንቕኑዓት ሰባት ክስሕቦም ከሎ ንተጻረርቲ ግን ዝያዳ ንምጽራር ምኽንያት ይዀኖም ይኸውን። (2 ቈረንቶስ 2:⁠14⁠-​17) አረ ሕሉፍ ሓሊፉ እኳ ድኣ: ሓይልታት ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምጥቃዕ ንምልዕዓል ከገልግል ይኽእል ኢዩ።

16 እዝስ ንምሽቓል ምኽንያት ክኸውን ይግብኦዶ፧ ብመሰረት እቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 38 ዝርከብ ናይ የሆዋ ትንቢት: ከሻቕል ኣይግብኦን ኢዩ። እዚ ትንቢት እዚ ጎግ ማጎግ: መግለጺ ናይቲ እታ መንግስቲ ብ1914 ምስ ቈመት ናብ ከባቢ ምድሪ ብሕስረት እተደርበየ ሰይጣን ድያብሎስ: ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ከውርድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ይነግረና። (ራእይ 12:⁠7⁠-​9) የሆዋ ንጎግ ከምዚ ብምባል ይነግሮ:⁠- “ናብታ ዘይተዐርደት ሃገር ክድይብ: ናብቶም ሀዲኦም ብደሓን ዚነብሩ: ኵላቶም ብዘይ ቀጽሪ ዘለዉ: መሃርሃርን መዓጹን ዜብሎም ህዝቢ ሓደጋ ኽወድቆም እየ: ክትብል ኢኻ። ክትማርኽን ክትብዝብዝን: ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕጂ ሰብ ዚነብረሉ ዘሎ: ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ: ካብ ህዝብታት እተአከበ: ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዚነብር ዘሎ ህዝቢ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ።” (ህዝቅኤል 38:⁠11, 12) ይኹን እምበር: ቍጽሪ 4 ከም ዝነግረና ነዚ መጥቃዕቲ እዚ ከም ዝለዓዓል ዝገብሮ የሆዋ ስለ ዝዀነ ህዝቢ ኣምላኽ ክፈርሁ ኣየድልዮምን ኢዩ። ግናኸ ኣምላኽ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝወርድ ብምንህዳድ ዝትንስእ መጥቃዕቲ ዘፍቅዶ: አረ ሕሉፍ ሓሊፉውን ዘለዓዕሎስ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብ ቍጽሪ 23 እዚ ዝስዕብ ናይ የሆዋ መልሲ ነንብብ:⁠- “ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምዃነይ ክግሀድ: ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንሳቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።”

17. ነቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ጎግ መጥቃዕቲ ብኸመይ ኢና ክንምልከቶ ዘሎና፧

17 ስለዚ እምበኣር: ህዝቢ የሆዋ ናይ ጎግ መጥቃዕቲ ከይወርዶም ብራዕዲ ኣብ ክንዲ ዝነብሩ ነዚ ተወሳኺ ፍጻሜ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበይዎ። የሆዋ ንማሕበሩ ከም እትብልጽግን እትባረኽን ብምግባር ኣብ ምንጋጋ ሰይጣን ዓንቃሪቦ ከእቱ ንዕኡን ንወትሃደራዊ ሓይሉን ከኣ ንስዕረቶም ከለዓዕሎምሲ ኣየ ክንደይ ዘሕጕስ ኰን ኢዩ!

ከም ሎሚ ገይሩ ተጋሂዱ ኣይፈልጥን!

18. (ሀ) ብዙሓት ሰባት እንታይ ኢዮም ክግንዘቡ ክኢሎም ዘለዉ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ንስብከት እታ መንግስቲ ዝወሃብ ምላሽ ከም ብርቱዕ ድራኸ ኰይኑ ዘገልግል ብኸመይ ኢዩ፧

18 ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ መብዛሕትኦም ሰባት ልሙድ እኳ እንተዘይኰነ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ርእይቶኦም ብኣዝዩ ግሁድ ዝዀነ መገዲ ገይሮም ኢዮም ዝገልጽዎ ዘለዉ። ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ብዛዕባ እቲ ሽጋራ ምትካኽን ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሓሽሽን: ንፍኑው ኣተዓባብያ ቈልዓ ዝምልከት ኣርሒቕካ ዘይምርኣይ: እቲ ብዘይግቡእ ጾታዊ ርክብን ብዓመጽን እተዓብለለ ናይ መዘናግዒ ሕማቕ ሳዕቤናት: ከምኡውን ምትሕልላፍ ደም ዘስዕቦ ሓደጋታት ከጠንቅቑ ጸኒሖም ኢዮም። እቲ ናይ ፍልቀት ክልሰ⁠-​ሓሳባት ንሓድሕዱ ዘይሰማማዕ ምዃኑ እውን ሓቢሮም ኢዮም። ሎሚ ብዙሓት ሰባት “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቆም ኢዮም” ይብሉ ኣለዉ። ርእይቶታትና ብጋህዲ እንተዘይንገልጽ ነይርና: በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ምላሽ ኣይምሃቡን ነይሮም። ብኻልእ ኣዘራርባ “ሰይጣን ሓሳዊ ኢኻ: የሆዋ ግን ቅኑዕ ኢዩ” ናብ ምባል ገጾም ስጕምቲ ይወስዱ ስለ ዘለዉ ነዚ ዝህብዎ ሓሳባት ሸለል ኣይትበሎ። እዝስ ነቲ ቃል ሓቂ ብጋህዲ ብምዝራብ ብቐጻሊ ኣብነት ናይ የሱስ ክንስዕብ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ ድራኸ ኰን ኢዩ ዘሕድረልና!​—⁠ምሳሌ 27:⁠11

19, 20. (ሀ) ህዝቢ የሆዋ ብ1922 እንታይ ቈራጽነት ኢዮም ዝገለጹ: እዚ ቃላት እዚ ገናዶ ኣብዚ ግዜ እዚውን ይውዕል ኢዩ፧ (ለ) ነቲ ናይ የሆዋ “ቅዱስ ምስጢር” ብኸመይ ኢና ክንምልከቶ ዘሎና፧

19 ህዝቢ የሆዋ ነቲ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘለዎም ግዴታ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ክርድእዎ ጸኒሖም ኢዮም። ኣብ ሓደ ብ1922 እተኻየደ ኣቓልቦ እተገብረሉ ዓቢ ኣኼባ ሽዑ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነቶም ሰማዕቲ ኣለዓዓሎም:⁠- “ለባማት ኩኑ: ንቑሓት ኩኑ: ንጡፋት ኩኑ: ተባዓት ኩኑ። እሙናትን ሓቀኛታትን መሰኻኽር ጐይታ ኩኑ። ኵሉ ኣሰር ናይ ባቢሎን ክሳዕ ዝጠፍእ ኣብቲ ቃልሲ ንቕድሚት ገጽኩም ገስግሱ። ነቲ መልእኽቲ ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ኣውጅዎ። የሆዋ: ኣምላኽ ከም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይቶትን ከም ዝዀነ: ዓለም ክትፈልጥ ኣለዋ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ካብ ኵለን መዓልትታት ጸብለል ዝበለት መዓልቲ ኢያ። ርኣዩ እቲ ንጉስ ይገዝእ ኣሎ! ንስኻትኩም ድማ ብዛዕብኡ እትነግሩ ልኡኻት ኢኹም። ሃየ እምበኣር ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ: ኣውጁ: ኣውጁ።”

20 እዘን ቃላት እዚኣተን ብ1922 ኣገደስቲ ካብ ነበራ: ሕጂ ድሕሪ 75 ዓመታት ማለት ኣብዚ ክርስቶስ ከም ፈራድን ፈዳይ ሕነን ኰይኑ ዝግለጸሉ ግዜ ኣዝዩ ቀሪቡሉ ዘሎ እዋን ክሳዕ ክንደይ ኰን ዝያዳ ኣገደስቲ ኢየን! እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዘስተማቕርዎ ዘለዉ ናይታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ የሆዋን ናይ መንፈሳዊ ገነትን መልእኽቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ክዕቅብዎ ዘይኰነሎም “ቅዱስ ምስጢር” ኢዩ። ከምቲ የሱስ ባዕሉ ኣነጺሩ ዝገለጾ: ሰዓብቱ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘለኣለማዊ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ኣገዳሲ ቦታ: ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” መሰኻኽር ክዀኑ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8፣ ኤፌሶን 3:⁠8⁠-​12) ናይቲ ገላጽ ምስጢራት ዝዀነ ኣምላኽ: የሆዋ: ኣገልገልቲ ከም ምዃንና መጠን ነዚ ምስጢር እዚ ክንዕቅቦ ኣይግብኣናን ኢዩ!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

◻ እቲ “ቅዱስ ምስጢር” እንታይ ኢዩ፧

◻ ኣብ ኵሉ ክግለጽ ከም ዘለዎ ብኸመይ ንፈልጥ፧

◻ ጎግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቱ ከም ዘውርድ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ: ነዚኸ ብኸመይ ኢና ክንምልከቶ ዘሎና፧

◻ ነፍሲ ወከፍና እንታይ ንምግባር ኢና ክንውስን ዘሎና፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን]

“ቅዱስ ምስጢር” በብግዜኡ ተገልጸ

◻ ድሕሪ 4026 ቅ.ኣ.ዘ.:⁠- ኣምላኽ ንሰይጣን ዘጥፍእ ዘርኢ ከተንስእ ምዃኑ ይማባጻዕ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠15

◻ 1943 ቅ.ኣ.ዘ.:⁠- ናይ ኣብርሃም ቃል ኪዳን ተመስረተ: እቲ ቃል ኪዳን እቲ ድማ እቲ ዘርኢ ብኣብርሃም ኣቢሉ ከም ዝመጽእ ዝገልጽ መብጽዓ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 12:⁠1⁠-​7

◻ 1918 ቅ.ኣ.ዘ.:⁠- ይስሃቅ ከም ወራሲ ናይቲ ቃል ኪዳን ኰይኑ እተወልደሉ እዋን።​—⁠ዘፍጥረት 17:⁠19፣ 21:⁠1⁠-​5

◻ ከባቢ 1761 ቅ.ኣ.ዘ.:⁠- የሆዋ እቲ ዘርኢ ብያእቆብ ወዲ ይስሃቅ ኣቢሉ ከም ዝመጽእ የረጋግጽ።​—⁠ዘፍጥረት 28:⁠10⁠-​15

◻ 1711 ቅ.ኣ.ዘ.:⁠- ያእቆብ እቲ ዘርኢ ብወዱ ይሁዳ ኣቢሉ ከም ዝመጽእ ይሕብር።​—⁠ዘፍጥረት 49:⁠10

◻ 1070⁠-​1038 ቅ.ኣ.ዘ.:⁠- ንጉስ ዳዊት እቲ ዘርኢ ካብ መስመር ወለዶኡ ከም ዝመጽእ: ንዘለኣለም ከኣ ንጉስ ኰይኑ ክገዝእ ምዃኑ ይርዳእ።​—⁠2 ሳሙኤል 7:⁠13⁠-​16፣ መዝሙር 89:⁠35, 36

◻ 29⁠-​33 ከ.ኣ.ዘ.:⁠- የሱስ እቲ ዘርኢ: መሲሕ: ናይ ዝመጽእ ፈራዲ: ከምኡውን ንጉስ ክኸውን ከም እተሸመ ተፈልጠ።​—⁠ዮሃንስ 1:⁠17፣ 4:⁠25, 26፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠42, 43፣ 2 ቈረንቶስ 1:⁠20፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:⁠16

◻ የሱስ ምስኡ ኰይኖም ዝገዝኡን ዝፈረዱን ከም ዝህልዉ: እታ ሰማያዊት መንግስቲ ምድራውያን ተገዛእቲ ከም ዝህልውዋ: ኵሎም ሰዓብቱ ኸኣ ናይ መንግስቲ ሰበኽቲ ክዀኑ ከም ዘለዎም ይገልጽ።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠3⁠-​5፣ 6:⁠10፣ 28:⁠19, 20፣ ሉቃስ 10:⁠1⁠-​9፣ 12:⁠32፣ 22:⁠29, 30፣ ዮሃንስ 10:⁠16፣ 14:⁠2, 3

◻ የሱስ: ናይ ዓለም ፍጻመታት ከም ዘረጋገጾ እታ መንግስቲ ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ከም እትምስረት ይገልጽ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠3⁠-​22፣ ሉቃስ 21:⁠24

◻ 36 ከ.ኣ.ዘ.:⁠- ጴጥሮስ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባትውን ሓቢሮም ወረስቲ ናይታ መንግስቲ ከም ዝዀኑ ይርዳእ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠30⁠-​48

◻ 55 ከ.ኣ.ዘ.:⁠- ጳውሎስ እቶም ወረስቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ ግዜ ህላወ ክርስቶስ ናብ ዘይመውትን ዘይሓልፍን ህይወት ከም ዝትንስኡ ይገልጽ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠51⁠-​54

◻ 96 ከ.ኣ.ዘ.:⁠- የሱስ ድሮ ኣብ ልዕሊ እቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ እናገዝአ ኸሎ: እቲ ናይ መወዳእታ ቍጽሮም 144,000 ከም ዝኸውን ይገልጽ።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠32፣ ቈሎሴ 1:⁠13⁠-​20፣ ራእይ 1:⁠1፣ 14:⁠1⁠-​3

◻ 1879 ከ.ኣ.ዘ.:⁠- ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ 1914 ኣብቲ ምግላጽ ናይ ኣምላኽ “ቅዱስ ምስጢር” ዓቢ ትርጕም ዘለዋ ዓመት ምዃና ይሕብር።

◻ 1925 ከ.ኣ.ዘ.:⁠- ግምቢ ዘብዐኛ እታ መንግስቲ ኣብ 1914 ከም እተወልደት ይገልጽ፣ እቲ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዝምልከት “ቅዱስ ምስጢር” ኣብ ኵሉ ክግለጽ ኣለዎ።​—⁠ራእይ 12:⁠1⁠-⁠5, 10, 17

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከምቲ መራሒኦም የሱስ ብግልጺ መንግስቲ የሆዋ ይእውጁ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ