ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr19 ጥቅምቲ ገጽ 1-8
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 7-13 ጥቅምቲ
  • “ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት”
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • 14-20 ጥቅምቲ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • w08 15/11 21 ¶9
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • 21-27 ጥቅምቲ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • 28 ጥቅምቲ–3 ሕዳር
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2019
mwbr19 ጥቅምቲ ገጽ 1-8

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

7-13 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ያእቆብ 3-5

“ጥበብ ኣምላኽ ኣርኢ”

(ያእቆብ 3:17) እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድሚ ዅሉ ንጽህቲ እያ፣ ደሓር፡ ሰላማዊት፡ ልዝብቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፡ ዘይተዳሉ፡ ዘይግብዝቲ እያ።

cl 221-222 ¶9-10

ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓየላዶ ኣሎኻ፧

“ቅድም ንጽህቲ እያ።” ንጹህ ክበሃል ከሎ ብግዳም ጥራይ ዘይኰነስ ብውሽጢ እውን ንጹህን ዘይረኸሰን ምዃን ማለት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንጥበብ ምስ ልቢ እዩ ዘተሓሕዛ፡ ሰማያዊት ጥበብ ግን ናብቲ ብእኩይ ሓሳባትን ባህግታትን ድራኸታትን ዝረኸሰ ልቢ ኽትኣቱ ኣይትኽእልን እያ። (ምሳሌ 2:10፣ ማቴዎስ 15:19, 20) ይኹን እምበር፡ ዘይፍጹማት ሰባት ክበጽሕዎ ብዝኽእሉ መጠን ልብና ንጹህ እንተደኣ ዀይኑ ‘ካብ እከይ ንርሕቕ ሰናይ ከኣ ንገብር።’ (መዝሙር 37:27፣ ምሳሌ 3:7) ስለዚ ንጽህና ኻብቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት ጥበብ መጀመርታ ምስራዓስ ብቑዕዶ ኸይኰነ፧ ከመይሲ ብስነ-ምግባር ይኹን ብመንፈስ ንጹሃት እንተደኣ ዘይኴንና ነተን ካልኦት ባህርያት ናይ ላዕሊ ጥበብ ከመይ ገይርና ኢና ብሓቂ ኸነንጸባርቐን እንኽእል፧

“ሰላማዊት።” ሰማያዊት ጥበብ ነታ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዝዀነት ሰላም ክንስዕብ እያ እትድርኸና። (ገላትያ 5:22) ነቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዘሕብሮም “ማእሰር ሰላም” ዘፍርስ ነገር ከይንገብር ንጽዕር ኢና። (ኤፌሶን 4:3) ሰላም ዝኸልእ ነገር ከጋጥመና ኸሎ እውን ቀልጢፍና ኸነዐርዮ ንጽዕር ኢና። እዚ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ” ይብለና። (2 ቈረንቶስ 13:11) ስለዚ ብሰላም ክንነብር እንተደኣ ጽዒርና ኣምላኽ ሰላም ምሳና ክኸውን እዩ። እቲ ምስ ኣሕዋትና እንገብሮ ርክብ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ይጸልዎ እዩ። ገበርቲ ሰላም ምዃንና ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ ሓደ ኣብነት ንርአ።

(ያእቆብ 3:17) እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድሚ ዅሉ ንጽህቲ እያ፣ ደሓር፡ ሰላማዊት፡ ልዝብቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፡ ዘይተዳሉ፡ ዘይግብዝቲ እያ።

cl 223 ¶12

ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓየላዶ ኣሎኻ፧

“ልእምቲ።” ልኡም ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ምሁራት ከም ዝብልዎ እታ ኣብ ያእቆብ 3:17 “ልእምቲ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ንኽትትርጕማ ኣጸጋሚት እያ። ተርጐምቲ “ለዋህ፡” “ጸዋር፡” “ሓላዪት፡” ዝብል ቃላት እዮም ዝጥቀሙ። ቃል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ ግን “ልዝብቲ” ማለት እያ። ነዛ ባህሪ እዚኣ ኣብ ህይወትና ኸም እንዓየላ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ ንኽእል፧

cl 224-225 ¶14-15

ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓየላዶ ኣሎኻ፧

“ሰማዕ።” እታ “ሰማዕ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ብጀካ ኣብ ያእቆብ 3:17 ኣብ ካልእ ኣይትርከብን እያ። ሓደ ምሁር ብዝበሎ መሰረት እዛ ቓል እዚኣ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወተሃደራዊ ስርዓት እያ እትዝውተር።” “ብቐሊሉ ኽኣምን ዝኽእል” ከምኡውን “ሕራይ በሃሊ” ዝብል ትርጕም እዩ ዘለዋ። በታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ዝምራሕ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝብሎ ቐልጢፉ እዩ ዝእዘዞ። ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ብምውሳን ምስ ውሳኔኡ ንዝጋጮ ዝዀነ ይኹን ጭብጥታት ኣይቅበልን ዝብል ኣይኰነን። ግጉይ ኣቕዋም ከም ዝሓዘ ወይ ከኣ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ኸም ዝበጽሐ ዘእምን ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ እንተደኣ ቐሪቡሉ ንኽቕየር ድሉው እዩ። ኻልኦት ከምዚ ዓይነት ሰብ ከም ዝዀንካ ገይሮም ድዮም ዝፈልጡኻ፧

“ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት”

“ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት።” ምሕረት ቀንዲ ኽፍሊ ናይ ላዕሊ ጥበብ እያ፡ ከመይሲ እዛ ጥበብ እዚኣ ‘ምሕረት ዝመልኤት’ ተባሂላ ኣላ። “ምሕረትን” “ጽቡቕ ፍረን” ሓቢረን ተጠቒሰን ምህላወን ነስተብህለለን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሕረት ነታ ብዙሕ ሕያውነታዊ ግብርታት እተፍሪ ንኻልኦት ዓሚቝ ተገዳስነት ናይ ምርኣይ ባህሪ እተንጸባርቕ ድንጋጽ እተመልክት ብምዃና ሓቢረን ምጥቃሰን ብቑዕ እዩ። ሓደ ናይ መወከሲ መጽሓፍ ንምሕረት “ሓደ ሰብ ሕማቕ ኵነታት ከጋጥሞ ኸሎ ሓዚንካ ሓደ ነገር ክትገብረሉ ምፍታን” ብምባል ይገልጻ። ስለዚ ኸኣ ጥበብ ኣምላኽ ኣብ ፍልጠት ጥራይ እተሓጽረት ርሕራሐ ዘይብላ ባህሪ ኣይኰነትን። ኣብ ክንድኡስ ብስምዒት ካልኦት እትግደስ ሓላይትን ደንጋጺትን ባህሪ እያ። ንሕናኸ ምሕረት ዝመልኣና ምዃንና ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

(ያእቆብ 3:17) እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድሚ ዅሉ ንጽህቲ እያ፣ ደሓር፡ ሰላማዊት፡ ልዝብቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፡ ዘይተዳሉ፡ ዘይግብዝቲ እያ።

cl 226-227 ¶18-19

ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓየላዶ ኣሎኻ፧

“ሻርነት ዘይብላ።” ጥበብ ኣምላኽ ንዓሌታዊ ጽልኢ ይኹን ሃገራዊ ዅርዓት ቦታ ኣይትህቦን እያ። ብኸምዚኣ ዝኣመሰለት ጥበብ ንምራሕ እንተደኣ ዄንና፡ ካብ ልብና ዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ንኽንምሕዎ ኽንጽዕር ኢና። (ያእቆብ 2:9) ንሰባት ደረጃ ትምህርቶም፡ ቍጠባዊ ዅነታቶም፡ ወይ ከኣ ናይ ጕባኤ ሓላፍነቶም ብምርኣይ ካብ ካልኦት ክብ ኣቢልና ኣይንርእዮምን ኢና። ወይ ከኣ ካልኦት ክሳዕ ክንደይ ትሕት ዝበሉ ይኹኑ ብዘየገድስ ኣይነነኣእሶምን ኢና። የሆዋ ፍቕሩ ኻብ ኣርኣዮም፡ ንሕናውን ፍቕርና ኸነርእዮም ይግብኣና።

“ግብዝና ዘይብላ።” እታ “ግብዝና” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ንሓደ “ተዋሳኣይ” ከተመልክት ትኽእል እያ። ኣብ ግዜ ጥንቲ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ተዋሳእቲ ዓበይቲ ማስኬራ ይገብሩ ነበሩ። ስለዚ እታ “ግብዝ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ኣምሰሉ” ዝብል ትርጕም እዩ ዘለዋ። እዛ ግብዝና ዘይብላ ጥበብ ኣምላኽ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣሕዋትና ኽህልወና ዘለዎ ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባኦም እንታይ ክስምዓና ከም ዘለዎ እውን ጽልዋ ኽትገብረልና ኣለዋ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ያእቆብ 4:5) ወይስ ቅዱስ ጽሑፍ፡ “እቲ ኣባና ዝሓደረ መንፈስ ብቕንኢ ሃረር ይብል ኣሎ” ዚብል ንኸንቱዶ ይመስለኩም፧

w08 15/11 20 ¶6

ካብ መልእኽትታት ያእቆብን ጴጥሮስን ዚጐልሕ ነጥብታት

4:5—ያእቆብ ኣብዚ ኣየናይ ጥቕሲ እዩ ዚጠቅስ ዘሎ፧ ያእቆብ ሓንቲ ፍልይቲ ጥቕሲ ኣይኰነን ዚጠቅስ ዘሎ። ኰይኑ ግን፡ እዘን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፈን ቃላት፡ ኣብቲ ኸም ዘፍጥረት 6:5፣ 8:21፣ ምሳሌ 21:10፣ ከምኡውን ገላትያ 5:17 ኣብ ዝኣመሰላ ጥቕስታት ዚርከብ ሓፈሻዊ ሓሳባት እተመርኰሳ ኪዀና ይኽእላ እየን።

(ያእቆብ 4:11, 12) ኣሕዋተየ፡ ደጊም ንሓድሕድኩም ኣይትነቓቐፉ። እቲ ንሓዉ ዚነቕፎ ወይ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ፡ ንሕጊ ይነቕፎ፡ ኣብ ሕጊ እውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ከኣ፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። 12 ኬድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ጥራይ እዩ ዘሎ። ንስኻ ኣብ ብጻይካ እትፈርድ ግና መን ኢኻ፧

w97 15/11 20-21 ¶8

እምነት ዕጉሳትን ጸሎት ዘዘውትሩን ትገብረና

ንሓደ ኣማኒ ብጻይ ምሕማይ ሓጢኣት ኢዩ። (ያእቆብ 4:11, 12) ገሊኣቶም ግን ምናልባት ብምኽንያት እቲ ርእሶም ናይ ምጽዳቕ ዝንባለ ወይ ከኣ ንኻልኦት ብምንኣስ ገዛእ ርእሶም ልዕል ከብሉ ስለ ዝደልዩ ክኸውን ይኽእል ንክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ክነቕፉ ይርከቡ። (መዝሙር 50:20፣ ምሳሌ 3:29) እታ ‘ምሕማይ’ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ጽልኢ እተመልክት ክትከውን ከላ እተጋነነ ወይ ከኣ ናይ ሓሶት ክሲ ምኽሳስ ዝብል ሓሳብ ድማ ኢዩ ዘለዋ። እዚ ድማ ንሓደ ሓው ብዝጐድእ መገዲ ከም ምፍራድ ኢዩ ዝቝጸር። እዚ ግብሪ እዚ ምስቲ ‘ንሕጊ [ኣምላኽ] ምሕማይን ምፍራድን’ ማዕረ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ‘ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍረሱ፡’ ብናይ ገዛእ ርእሶም መዐቀኒታት ከኣ ፈረዱ። (ማርቆስ 7:1-13) ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ነቲ የሆዋ ዘይኰነኖ ሓው ንዅንን እንተድኣ ዄንና፡ ‘ንሕጊ ኣምላኽ ንፈርድ፡’ ከምኡውን ብሓጢኣት ተመሊእና ሕጊ ኣምላኽ ዘይብቑዕ ኢዩ ደኸይኰንና እንብል ዘሎና፧—ሮሜ 13:8-10።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ያእቆብ 3:1-18) ኣሕዋተየ፡ ዝገደደ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ መብዛሕትኹም መምህራን ኣይትኹኑ። 2 ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና። ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ሰብነቱ ኺለጕም ዚኽእል ፍጹም ሰብ እዩ። 3 ምእንቲ ኺእዘዙና ኢልና፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ ልጓም እንተ ጌርና፡ ንብዘሎ ኣካላቶም ብእኡ ንኣልዮ ኢና። 4 እንሆ፡ መራኽብ እውን ክንድዚ ዓበይትን ብብርቱዕ ንፋስ ዚድፍኣን ክነሰንሲ፡ እቲ መዘወር መርከብ ዝሓዘ ሰብ ናብ ዝደለዮ፡ ብኣዝዩ ንእሽቶ መእለይ መርከብ እየን ዚእለያ። 5 ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ፡ ግናኸ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ! 6 ልሳን እውን ሓዊ እያ። ልሳን ኣብ መንጎ ኣካላትና ዘላ ናይ ዓመጻ ዓለም እያ፣ ከመይሲ፡ ንብዘሎ ሰብነትና ተርክሶን ንብምሉኡ ኣነባብራና ተንድዶን እያ፡ ብገሃነም እውን እትነድድ እያ። 7 ኵሉ ዓይነት ኣራዊትን ኣዕዋፍን ለመምትን እንስሳ ባሕርን ብሰብ ይግራሕ እዩ፡ ተገሪሑ እውን ኣሎ። 8 ንልሳን ኪገርሓ ዝኸኣለ ግና ሓደ ሰብ እኳ የልቦን። ንሳ ዘይትዓርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ። 9 ብእኣ ጌርና ነቲ ኣቦ ዝዀነ የሆዋ ንውድሶ፣ ብእኣ ጌርና እውን ነቶም “ብምስሊ ኣምላኽ” ዝዀኑ ሰባት ንረግም። 10 ካብ ሓደ ኣፍ፡ በረኸትን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። 11 ዓይኒ ማይዶ ኻብ ሓደ ጕድጓድ ጥዑምን መሪርን ማይ ይፍልፍል እዩ፧ 12 ኣሕዋተየ፡ ኦም በለስዶ ኣውልዕ፡ ወይስ ተኽሊ ወይኒዶ በለስ ክትፈሪ ትኽእል እያ፧ ካብ ዓይኒ ማይ ጨው እውን ጥዑም ማይ ኣይፍልፍልን እዩ። 13 ኣብ መንጎኹምከ ጥበበኛን ኣእምሮኛን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣካይዳኡ፡ በቲ ኻብ ጥበብ ዚርከብ ልእመት ገይሩ ግብሩ የርኢ። 14 መሪር ቅንእን ንግርምናን ኣብ ልብኹም እንተ ኣልዩኩም ግና፡ ኣይትመክሑ፡ ንሓቂ እውን ኣይትሓስውዋ። 15 እዛ ጥበብ እዚኣስ ምድራዊትን ስጋዊትን ጋኔናዊትን እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። 16 ከመይሲ፡ ኣብቲ ቕንእን ንግርምናን ዘለዎ፡ ኣብኡ ህውከትን ኵሉ ኽፍኣትን ኣሎ። 17 እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድሚ ዅሉ ንጽህቲ እያ፣ ደሓር፡ ሰላማዊት፡ ልዝብቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፡ ዘይተዳሉ፡ ዘይግብዝቲ እያ። 18 ፍረ ጽድቂ እውን ምእንቲ እቶም ሰላም ዚገብሩ ብሰላም ይዝራእ እዩ።

14-20 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ጴጥሮስ 1-2

“ቅዱሳት ኩኑ”

(1 ጴጥሮስ 1:14, 15) ከም እዙዛት ውሉዳት፡ በቲ ኣቐዲምኩም ብድንቍርናኹም ዝነበረኩም ትምኒት ደጊም ኣይትቀረጹ፣ 15 የግዳስ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም እውን ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ፣

w17.02 9 ¶5

በጃ—“ፍጹም ውህበት” ኣቦ

ንስም የሆዋ ኸም እንፈትዎ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ብኣካይዳና ኢና ኸነርኢ እንኽእል። የሆዋ ቕዱሳት ክንከውን እዩ ዚደልየና። (1 ጴጥሮስ 1:15, 16 ኣንብብ።) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ኸኣ፡ ንየሆዋ ጥራይ ከነምልኾን ብምሉእ ልብና ንዕኡ ኽንእዘዞን ኣሎና ማለት እዩ። መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ እውን፡ ብጽድቃዊ ስርዓታቱን ሕግታቱን ክንመላለስ ጻዕሪ ንገብር ኢና። ግብርታት ጽድቂ እናገበርና ብርሃንና ብምብራህ፡ ንስም የሆዋ ኽብሪ ነምጽኣሉ ኢና። (ማቴ. 5:14-16) ከም ቅዱሳት ህዝቢ መጠን ከኣ፡ ብኣነባብራና ሕግታት የሆዋ ሰናይን ቅኑዕን ምዃኑ፡ ክስታት ሰይጣን ድማ ሓሶት ምዃኑ ነርኢ ኢና። ክንጋገ ኸለና፡ ካብ ልብና ተነሲሕና ነቲ ንየሆዋ ዜሕስር ተግባራት ምግባር ንሓድጎ ኢና።—መዝ. 79:9።

(1 ጴጥሮስ 1:16) ከመይሲ፡ “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ።

lvs 77 ¶6

መዘናግዒ ብኸመይ ትመርጽ፧

የሆዋ፡ “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ ኣዚዙና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:14-16፣ 2 ጴጥሮስ 3:11) የሆዋ ንኣምልኾና ዚቕበሎ፡ ቅዱስ ወይ ንጹህ እንተ ዀይኑ ጥራይ እዩ። (ዘዳግም 15:21) ንሱ ዚጸልኦ ነገራት እናገበርና፡ ንኣብነት፡ ብዕሉግ ተግባራት፡ ዓመጻ፡ ወይ ኣጋንንታዊ ተግባራት እናገበርና፡ ኣምልኾና ንጹህ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ሮሜ 6:12-14፣ 8:13) በዚ ነገራት እዚ ንዘናጋዕ እንተ ዄንና ኸኣ፡ የሆዋ ይጕሂ እዩ። እዚ ንኣምልኾና ኣብ ቅድሚኡ ርኹስን ዘይቅቡልን ኪገብሮ፡ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ እውን ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(1 ጴጥሮስ 1:10-12) እቶም ብዛዕባ እቲ ንዓኻትኩም ዝዀነ ጸጋ እተነበዩ ነብያት፡ ብዛዕባ እዚ ድሕነት እዚ ኣጸቢቖም ደልዮምን መርሚሮምን እዮም። 11 እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ብዛዕባ መከራ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ኣቐዲሙ ኺምስክር ከሎ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ነየናይ እዋን ወይ ንኸመይ ዝበለ እዋን ከም ዜመልክት ብቐጻሊ መርሚሮም እዮም። 12 ንዓኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም የገልግሉ ኸም ዘይነበሩ ተገሊጹሎም እዩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ በቶም ካብ ሰማይ ብእተላእከ መንፈስ ቅዱስ ዘበሰሩኹም ኣቢሉ ሕጂ ንዓኻትኩም እተነግረኩም እዩ። መላእኽቲ ድማ ናብዚ ኺጥምቱ ይምነዩ ኣለዉ።

w08 15/11 21 ¶9

ካብ መልእኽትታት ያእቆብን ጴጥሮስን ዚጐልሕ ነጥብታት

1:10-12። መላእኽቲ ነቲ ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት ብዛዕባ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ዝጸሓፍዎ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቅታት ኪምርምርዎን ኪርድእዎን ብሂጎም እዮም። እዚ ነገራት እዚ ዝነጸረ ግን የሆዋ ምስታ ጉባኤ ርክብ ኪገብር ምስ ጀመረ ጥራይ እዩ። (ኤፌ. 3:10) ንሕናኸ ኣብነት እዞም መላእኽቲ ብምስዓብ፡ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ክንምርምርዶ ኣይግብኣናን፧—1 ቈረ. 2:10።

(1 ጴጥሮስ 2:25) ከመይሲ፡ ከም ብራርያ ኣባጊዕ ኢኹም ዝነበርኩም፣ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳን ሓላውን ነፍሳትኩም ተመሊስኩም ኣለኹም።

it-2 565 ¶3

ሓላዊ

ልዑል ሓላዊ። ቀዳማይ ጴጥሮስ 2:25 ብዛዕባ እቶም “ከም ብራርያ ኣባጊዕ” ኽትገልጽ ከላ ኻብ ኢሳይያስ 53:6 ጠቒሳ ኽትከውን ኣለዋ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ጴጥሮስ፡ “ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳን ሓላውን ነፍሳትኩም ተመሊስኩም ኣለኹም” ኢሉ ኣሎ። እቶም ጴጥሮስ ዝጸሓፈሎም ካብ ክርስቶስ የሱስ ብራርያ ዀይኖም ስለ ዘይጠፍኡ፡ የግዳስ፡ ብእኡ ኣቢሎም ናብቲ ዓብዪ ጓሳ ህዝቡ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ስለ ተመልሱ፡ እቲ ሓላዊ ተባሂሉ ዘሎ ንየሆዋ ኣምላኽ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። (መዝ. 23:1፣ 80:1፣ ኤር. 23:3፣ ህዝ. 34:12) የሆዋ ሓላዊ፡ ማለት ዚምርምርን ዚዕዘብን እዩ። (መዝ. 17:3) እቲ መርመራ (ግሪኽኛ፡ ኤፒስኮፐ) ምስ ኣሉታዊ ፍርዱ ኺተሓሓዝ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ልዕሊ እታ ‘እትምርመረሉ [ግሪኽኛ፡ ኤፒስኮፐስ]’ እዋን ዘይፈለጠት የሩሳሌም ከቢድ ፍርዲ እዩ ወሪዱ። (ሉቃ. 19:44) ወይ ድማ ኣወንታዊ ነገርን ጥቕምን ኬምጽእ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣብቶም ብመዓልቲ “መርመራ [ግሪኽኛ፡ ኤፒስኮፐስ]” ንኣምላኽ ዜመጕስዎ ዘበሉ ኣወንታዊ ነገር እዩ ኣምጺኡ።—1 ጴጥ. 2:12።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(1 ጴጥሮስ 1:1-16) ካብቲ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ጴጥሮስ፡ ናብቶም ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢቲንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ እተሰድዱ ሕሩያት፡ 2 ማለት ናብቶም እዙዛትን ብደም የሱስ ክርስቶስ እተነጽጉን ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብቕድስና መንፈስ ከምቲ ኣቦና ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝፈለጦ ፍልጠት እተሓርዩ ሕሩያት፦ ጸጋን ሰላምን ይብዛሓልኩም። 3 ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይወደስ፣ ከምቲ ዓብዪ ምሕረቱስ በቲ የሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ዝረኸቦ ትንሳኤ፡ ንህያው ተስፋ ኸም ብሓድሽ ወሊዱና እዩ፣ 4 ናብ ዘይሓልፍን ዘይረኸሰን ዘይጽምሉን ርስቲ ድማ እዩ ዝወለደና። እዚ ኸኣ ኣብ ሰማያት ተዓቚሩልኩም ኣሎ፣ 5 ንስኻትኩም ድማ ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ እዋን ኪግለጽ እተዳለወ ድሕነት ትሕለዉ ኣለኹም። 6 ንቝሩብ ግዜ ብእተፈላለየ ፈተናታት ክትጕህዩ እኳ እንተ ኣሎኩም፡ በዚ ባህ ይብለኩም ኣሎ። 7 እዚ እውን እቲ ኻብቲ ብሓዊ እተፈተነ ኽነሱ ጠፋኢ ዝዀነ ወርቂ ኣዝዩ ዚኸብር ፍቱን እምነትኩም፡ ብግልጸት የሱስ ክርስቶስ ንውዳሰን ክብርን ግርማን ምእንቲ ኪኸውን እዩ። 8 ንዕኡ ኸቶ እኳ እንተ ዘይረኣኹምዎ፡ ተፍቅርዎ ኢኹም። ሕጂ ትርእይዎ እኳ እንተ ዘየለኹም፡ ብእኡ ትኣምኑ ኢኹም፡ ብዘይግለጽን ክቡርን ሓጐስ ድማ ባህ ይብለኩም እዩ፣ 9 ምኽንያቱ፡ መወዳእታ እምነትኩም፡ ማለት ድሕነትኩም ትረኽቡ ኢኹም። 10 እቶም ብዛዕባ እቲ ንዓኻትኩም ዝዀነ ጸጋ እተነበዩ ነብያት፡ ብዛዕባ እዚ ድሕነት እዚ ኣጸቢቖም ደልዮምን መርሚሮምን እዮም። 11 እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ብዛዕባ መከራ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ኣቐዲሙ ኺምስክር ከሎ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ነየናይ እዋን ወይ ንኸመይ ዝበለ እዋን ከም ዜመልክት ብቐጻሊ መርሚሮም እዮም። 12 ንዓኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም የገልግሉ ኸም ዘይነበሩ ተገሊጹሎም እዩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ በቶም ካብ ሰማይ ብእተላእከ መንፈስ ቅዱስ ዘበሰሩኹም ኣቢሉ ሕጂ ንዓኻትኩም እተነግረኩም እዩ። መላእኽቲ ድማ ናብዚ ኺጥምቱ ይምነዩ ኣለዉ። 13 ስለዚ፡ ብኣእምሮኹም ንተግባር ተዓጠቑ፡ ቀልብኹም ኣጸቢቕኩም ሓልዉ፡ ኣብቲ ብግልጸት የሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ጸጋ ተስፋ ግበሩ። 14 ከም እዙዛት ውሉዳት፡ በቲ ኣቐዲምኩም ብድንቍርናኹም ዝነበረኩም ትምኒት ደጊም ኣይትቀረጹ፣ 15 የግዳስ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም እውን ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ፣ 16 ከመይሲ፡ “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ።

21-27 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ጴጥሮስ 3-5

“መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ ኣሎ”

(1 ጴጥሮስ 4:7) ግናኸ፡ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ ኣሎ። እምበኣር፡ ለብሙ፡ ንጸሎት እውን ንቕሑ።

w13 15/11 3 ¶1

‘ንጸሎት ንቕሑ’

ለይቲ ዚሕሉ ዝነበረ ሰብ፡ “ቅድሚ ወጋሕታ ኣብ ዘሎ እዋን ነቒሕካ ምሕላው ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ” በለ። ለይቲ ነቒሖም ዚሕልዉ ሰባት፡ ምስዚ ሓሳብ እዚ ይሰማምዑ እዮም። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ኣብቲ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ዚርከበሉ እዋን ስለ ዘለዉ፡ ተመሳሳሊ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። (ሮሜ 13:12) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ብመንፈሳዊ መዳይ ክንድቅስሲ ኽሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ዀን እዩ! ስለዚ፡ ‘ክንልብምን’ ነቲ ‘ንጸሎት ንቕሑ’ ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ኸነቕልበሉን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።—1 ጴጥ. 4:7።

(1 ጴጥሮስ 4:8) ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም።

w99 15/4 22 ¶3

ንዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ድኻም እነለልየሉን እነሰንፈሉን መገዲ

ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ፍቕራዊ ማዕዳ ኣጸቢቕካ ዘክሮ፦ “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ። ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም።” (1 ጴጥሮስ 4:7, 8) ናይ ካልኦት ሰባትን ናይ ገዛእ ርእስናን ሰብኣዊ ዘይፍጽምና፡ ናብ ኣልባብናን ኣእምሮናን ሰሊኹ ብምእታው መዐንቀፊ ክዀነና ምፍቃድ ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ። ሰይጣን ነዚ ሰብኣዊ ድኻም እዚ ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ዝፈልጦ። ሓደ ካብቲ ጐራሕ ሜላታቱ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር፡ በቲ ኣብ ንሓድሕድና ዘሎና ዓሚቝ ፍቕሪ ገይርና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ንምሽፋን ቅልጡፋት ክንከውን ኣሎና፡ ‘ንድያብሎስ ስፍራ ክንህቦ’ የብልናን።—ኤፌሶን 4:25-27።

(1 ጴጥሮስ 4:9) ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ብግሽነት ተቓባበሉ።

w18.03 14-15 ¶2-3

ጋሻ ምቕባል—ደስ ዜብልን ኣድላይን ተግባር!

ጴጥሮስ ንኣሕዋቱ፡ ነቲ ዅነታት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ፡ “ንሓድሕድኩም ብግሽነት ተቓባበሉ” ኢሉ ምዒድዎም ነይሩ እዩ። (1 ጴጥ. 4:9) እታ “ምቕባል ኣጋይሽ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ፡ “ንዘይትፈልጦ ሰብ ምፍታው ወይ ምልዋህ” ዚብል ሓሳብ እዩ ዘለዋ። ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ነቶም ክርስትያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ‘ንሓድሕዶም’ ማለት ነቶም ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎም ዝነበሩ ሰባት እዩ ብግሽነት ኪቀባበሉ ምዒድዎም ነይሩ። ከምኡ ምግባሮም ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል ነይሩ፧

እዚ ንሓድሕዶም የቀራርቦም ነይሩ እዩ። ንስኻኸ ከምኡዶ ይስምዓካ እዩ፧ ንኣብነት፡ ናብ እንዳ ኻልእ ሰብ ተዓዲምካዶ ትፈልጥ፧ ኣብኡኸ ባህ ዜብል ግዜዶ ኣሕሊፍካ፧ ንደቂ ጉባኤኻ ናብ ቤትካ ምስ ዓደምካ፡ ርክብኩም ብዝያዳዶ ኣይደልደለን፧ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ናብ ቤትና ብምዕዳም፡ ካብ ካልእ እዋናት ብዝበለጸ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦም ንኽእል ኢና። ብግዜ ጴጥሮስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኵነታት እናኸፍአ ብዝኸደ መጠን ንሓድሕዶም ኪቀራረቡ ነይርዎም እዩ። ብተመሳሳሊ እውን፡ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚነብሩ ክርስትያናት ከምኡ ኺገብሩ ኣለዎም።—2 ጢሞ. 3:1።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(1 ጴጥሮስ 3:19, 20) ከምኡ ኢሉ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተኣስሩ መናፍስቲ ሰቢኹሎም። 20 ንሳቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ፡ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ኺጽበ ኸሎ፡ እታ ሒደት ሰባት፡ ማለት ሸሞንተ ነፍሲ ብማይ ዝደሓናላ መርከብ ከኣ ክትስራሕ ከላ፡ ዘይተኣዘዙ እዮም።

w13 15/6 23

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ “ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም” ይብል። (1 ጴጥ. 3:19) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

▪ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዞም መናፍስቲ እዚኦም፡ “እቶም ቀደም ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ብትዕግስቲ ኺጽበ ኸሎ፡ . . . ዘይተኣዘዙ እዮም” ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ። (1 ጴጥ. 3:20) ጴጥሮስ ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ነቶም ንሰይጣን ኣብ ዕልወቱ ዝሓበርዎ መንፈሳውያን ፍጡራት የመልክት ከም ዝነበረ ንጹር እዩ። ይሁዳ ኸኣ፡ “[ኣምላኽ] ነቶም መንበሪኦም ዝሓደጉ እምበር፡ ቦታኦም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ንፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ኣሲሩ ዓቚርዎም ኣሎ” በለ።—ይሁ. 6።

መንፈሳውያን ፍጡራት ብመዓልትታት ኖህ ዘይተኣዘዙ ብኸመይ እዮም፧ እዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኦም፡ ቅድሚ ማይ ኣይሂ፡ ስጋ ሰብ ለበሱ። ኣምላኽ ከምኡ ኺገብሩ ዕላማኡ ኣይነበሮን። (ዘፍ. 6:2, 4) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ እዞም መላእኽቲ እዚኦም ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም ዘይባህርያዊ ነገር ይገብሩ ነበሩ። ኣምላኽ ንመንፈሳውያን ፍጡራት ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ኪፍጽሙ ኢሉ ኣይፈጠሮምን። (ዘፍ. 5:2) እዞም እኩያትን ዘይእዙዛትን መላእኽቲ እዚኦም፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ኺጠፍኡ እዮም። ንግዜኡ ግና፡ ከምቲ ይሁዳ ዝገለጾ፡ “ኣብ ድቕድቕ ጸልማት፡” ማለት ኣብ መንፈሳዊ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዘለዉ።

የሱስ ነዞም ‘ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ መናፍስቲ’ መዓስን ብኸመይን እዩ ሰቢኹሎም፧ ጴጥሮስ ከም ዝገለጾ፡ የሱስ ‘ብመንፈስ ህያው ምስ ኰነ’ እዩ ሰቢኹሎም። (1 ጴጥ. 3:18, 19) ጴጥሮስ፡ “ሰበኸሎም” ብምባል፡ ሕሉፍ ግዜ ምጥቃሙ ኸኣ፡ እቲ ስብከት፡ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ቕድሚ ምጽሓፉ ኸም እተፈጸመ ይሕብር። ስለዚ፡ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ገለ ግዜያት ጸኒሑ፡ ነዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኦም ብዛዕባ እቲ ዚግብኦም ፍርዲ ኣዊጁሎም ኪኸውን ኣለዎ። እምበኣር፡ ኵነኔ ደኣ እምበር ተስፋ ኣይኰነን ሰቢኹሎም። (ዮና. 1:1, 2) ንሱ ኽሳዕ ሞት እሙን ኰይኑ፡ ካብ ሞት ከኣ ተንሲኡ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ድያብሎስ ኣብኡ ሓንቲ ስልጣን ከም ዘይብሉ ስለ ዘርኣየ፡ የሱስ ፍርዲ ዅነኔ ንኺእውጅ መሰረት ነበሮ።—ዮሃ. 14:30፣ 16:8-11።

የሱስ ኣብ ዚመጽእ ግዜ ንሰይጣንን ነቶም መላእኽቲ እቲኦምን ኣሲሩ፡ ኣብ መዓሙቝ ኪድርብዮም እዩ። (ሉቃ. 8:30, 31፣ ራእ. 20:1-3) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ እዞም ዘይእዙዛት መናፍስቲ እዚኦም፡ ኣብ ዓሚቝ መንፈሳዊ ጸልማት እዮም ዘለዉ፡ ብርግጽ ድማ ኪጠፍኡ እዮም።—ራእ. 20:7-10።

(1 ጴጥሮስ 4:6) ስለዚ እዩ ንምዉታት እውን ብስራት እተነግሮም፣ እዚ ኸኣ ብኣረኣእያ ሰብ ብስጋ እኳ እንተ ተፈርዱ፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ምስ መንፈስ ተሰማሚዖም ምእንቲ ኺነብሩ እዩ።

w08 15/11 21 ¶7

ካብ መልእኽትታት ያእቆብን ጴጥሮስን ዚጐልሕ ነጥብታት

4:6—እቶም ‘ብስራት እተነግሮም ምዉታት’ መን እዮም ነይሮም፧ እዚኣቶም እቶም ‘ብበደሎምን ብኣበሳኦምን ምውታት ዝነበሩ፡’ ወይ እውን ቅድሚ ብስራት ምስማዖም ብመንፈስ ምውታት ዝነበሩ እዮም። (ኤፌ. 2:1) ነቲ ብስራት ድሕሪ ምእማኖም ግን ብመንፈስ “ህያዋን” ኰኑ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(1 ጴጥሮስ 3:8-22) ኣብ መወዳእታ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሓሳቦም፡ እትደናገጹ፡ ሕውነታዊት ፍቕሪ ዘላትኩም፡ ርሕሩሓት፡ ትሑታት ኩኑ። 9 ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ፡ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። ኣብ ክንዳኡስ፡ በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ባርኹ። 10 ከመይሲ፡ “እቲ ህይወት ዚፈቱን ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደልን፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩ እውን ምትላል ካብ ምዝራብ ይሓሉ። 11 ካብ ክፉእ ይርሓቕ፡ ሰናይ ድማ ይግበር፣ ንሰላም ይድለያ፡ ይስዓባ እውን። 12 ምኽንያቱ፡ ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ እውን ንምህለላኦም ይሰምዓ እየን፣ ገጽ የሆዋ ግና ኣንጻር እቶም ክፉእ ዚገብሩ እዩ።” 13 ንሰናይ ቀናኣት እንተ ዄንኩም፡ መን እዩ ዚጐድኣኩም፧ 14 ግናኸ፡ ስለ ጽድቂ መከራ እኳ እንተ ጸገብኩም፡ ሕጉሳት ኢኹም። ነቲ ንሳቶም ዚፈርህዎ ግና ኣይትፍርህዎ፡ ኣይትረበሹ እውን። 15 የግዳስ፡ ንክርስቶስ ከም ጐይታ ብልብኹም ቀድስዎ፣ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያት ንዚሓትተኩም ዘበለ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፣ ነዚ ግና ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን ግበርዎ። 16 ኣብቲ እትንቀፍዎ ዘበለ፡ እቶም ዚነቕፉኹም በቲ ኸም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘሎኩም ሰናይ ኣካይዳ ምእንቲ ኺሓፍሩስ፡ ሰናይ ሕልና ይሃሉኹም። 17 ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደልይዎስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩም፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ ኽትጸግቡ ይሓይሽ። 18 ምኽንያቱ፡ ክርስቶስ እውን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺመርሓኩም ኢሉ፡ ስለ ሓጢኣት ሓንሳእ ንሓዋሩ ሞይቱ እዩ፣ ማለት ጻድቕ ስለ ዓመጽቲ ሞይቱ እዩ። ብስጋ ሞይቱ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰይኑ። 19 ከምኡ ኢሉ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተኣስሩ መናፍስቲ ሰቢኹሎም። 20 ንሳቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ፡ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ኺጽበ ኸሎ፡ እታ ሒደት ሰባት፡ ማለት ሸሞንተ ነፍሲ ብማይ ዝደሓናላ መርከብ ከኣ ክትስራሕ ከላ፡ ዘይተኣዘዙ እዮም። 21 እቲ ነዚ ዚመስል ጥምቀት ድማ ሕጂ የድሕነኩም ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ርስሓት ስጋ ብምውጋድ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ሰናይ ሕልና ብምልማን፡ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ እዩ። 22 ንሱ ናብ ሰማይ ከይዱ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፣ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ድማ ይግዝእዎ ኣለዉ።

28 ጥቅምቲ–3 ሕዳር

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ጴጥሮስ 1-3

‘ነቲ መዓልቲ የሆዋ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን ብሓሳብኩም ኣቀላጥፍዎ’

(2 ጴጥሮስ 3:9, 10) የሆዋስ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኦም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ። 10 መዓልቲ የሆዋ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፣ ብእኣ ሰማያት ድዋዕዋዕ እናበለ ኺሓልፍ፡ ባእታታት ከኣ ብረስኒ ኺጠፍእ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን እውን ኪቕላዕ እዩ።

w06 15/12 27 ¶11

የሆዋ ‘ፍትሒ ኼውጽእ እዩ’

እቲ የሆዋ “ቐልጢፉ” ፍትሒ ኸም ዜውጽእ የሱስ እተዛረቦ መረጋገጺ ግን ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዚግባእ፧ የሆዋ ኸም ‘ዚጽመም’ ቃል ኣምላኽ ዚሕብረና እኳ እንተ ዀነ፡ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ግን ቀልጢፉ ፍትሒ ይገብር እዩ። (ሉቃስ 18:7, 8፣ 2 ጴጥሮስ 3:9, 10) ብዘመን ኖህ ማይ ኣይሂ ምስ መጸ፡ እቶም እኩያት ቀልጢፎም እዮም ጠፊኦም። ብተመሳሳሊ፡ ብዘመን ሎጥ ካብ ሰማይ ሓዊ ምስ ዘነመ፡ እቶም እኩያት ጸኒቶም እዮም። የሱስ “በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ” በለ። (ሉቃስ 17:27-30) ብሕጂ እውን ነቶም እኩያት “ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም።” (1 ተሰሎንቄ 5:2, 3) የሆዋ ነታ ናይ ሰይጣን ዓለም ካብቲ ፍትሒ ዚሓቶ ንላዕሊ ሓንቲ መዓልቲ ኽትጸንሕ ከም ዘይፈቕደላ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።

(2 ጴጥሮስ 3:11, 12) እዚ ዅሉ በዚ ኸምዚ ዚጠፍእ ካብ ኰነ፡ ብቕዱስ ኣነባብራን በቲ ንኣምላኽ ብዘሎኩም ተወፋይነት ዚርአ ግብርታትን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ ኸም ዚግብኣኩም ሕሰቡ! 12 ሰማያት ብሓዊ ኣብ ዚጠፍኣሉ፡ ባእታታት ከኣ ብረስኒ ኣብ ዚመከሉ ግዜ፡ ነቲ መዓልቲ የሆዋ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን ተጸበይዎ፡ ብሓሳብኩም እውን ኣቐልጥፍዎ።

w06 15/12 19 ¶18

“እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ”

ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነታ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ” ከነቐልጥፋ ምምዓዱ ዜገርም ኣይኰነን! ከመይ ጌርና ኸምዚ ኽንገብር ንኽእል፧ ሓደ መገዲ “ብቕዱስ ንብረትን [“ሕይወትን፡” ትርጕም 1990] ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ብምምልላስ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:11, 12) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ትሑዝ ምዃን፡ ንምምጻእ “መዓልቲ የሆዋ” ብሃንቀውታ ንኽንጽበያ ይሕግዘና። “እናኣቐልጠፍኩም” ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ መዓልቲ የሆዋ ኽሳዕ እትመጽእ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ኸነቐልጥፎ ንኽእል ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ኽንጽበያ ኸለና፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዕዙዛት እንተ ዄንና፡ ግዜ ቐልጢፉ ዚሓልፍ እዩ ዚመስለና።—1 ቈረንቶስ 15:58።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(2 ጴጥሮስ 1:19) ስለዚ፡ ኣጸቢቑ እተረጋገጸ ትንቢታዊ ቓል ኣሎና፣ ንስኻትኩም እውን መዓልቲ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕ እውን ክሳዕ ዚወጽእ፡ ከምቲ ኣብ ጸልማት ቦታ ንዘሎ መብራህቲ ጌርኩም ኣብ ልብኹም ተቕልቡሉ ብምህላውኩም ጽቡቕ ትገብሩ ኣለኹም።

w08 15/11 22 ¶2

ካብ መልእኽትታት ያእቆብን ጴጥሮስን ዚጐልሕ ነጥብታት

1:19—“ኰዀብ ጽባሕ” መን እዩ፧ መዓስ እዩ ዚወጽእ፧ እዚ ኸም እተፈጸመኸ ኸመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧ “ኰዀብ ጽባሕ፡” እቲ ስልጣን መንግስቲ ዝሓዘ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ራእ. 22:16) የሱስ፡ ብ1914 መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት፡ ወጋሕታ ሓድሽ መዓልቲ ኣበሰረ። ምልዋጥ ትርኢት የሱስ፡ ንመንግስታዊ ሓይሉን ክብሩን ኣቐዲሙ ብምንጽብራቕ፡ እቲ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ ኣዝዩ ዝጸንዐ ምዃኑ ኣረጋገጸ። ነዚ ቓል እዚ ምስ እነስተብህለሉ ድማ ንልብና ኣብሪሁ፡ እቲ ኰዀብ ጽባሕ ከም ዝወጸ የፍልጠና።

(2 ጴጥሮስ 2:4) ኣምላኽ ነቶም ዝሓጥኡ መላእኽቲ እኳ ኣይነሓፎምን፣ የግዳስ፡ ናብ ጦርጦስ ደርብዩ፡ ንፍርዲ ኺዕቈሩ ብመቝሕ ድቕድቕ ጸልማት ኣሲርዎም እዩ።

w08 15/11 22 ¶3

ካብ መልእኽትታት ያእቆብን ጴጥሮስን ዚጐልሕ ነጥብታት

2:4—“ገሃነም” እንታይ እዩ፧ እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲኸ መዓስ እዮም ናብኡ እተደርበዩ፧ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ፡ እታ “ገሃነም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ “ጦርጦስ” እያ እትብል። ጦርጦስ ሰብ ዘይኰነስ፡ መንፈሳውያን ፍጥረታት ጥራይ ዝተሓዙሉ ኸም ቤት ማእሰርቲ ዝዀነ ዅነታት እዩ። ነቲ ብሩህ ዕላማታት ኣምላኽ ብዚምልከት ጸልማት ዝዀነ ዅነታት ኣእምሮ እዩ። እቶም ኣብ ጦርጦስ ዘለዉ ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ዝበሃል የብሎምን። ኣምላኽ፡ ነቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ናብ ጦርጦስ ዝደርበዮም ብግዜ ኖህ እዩ፡ ክሳዕ ዚጠፍኡ ኸኣ ኣብኡ ኺጸንሑ እዮም።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(2 ጴጥሮስ 1:1-15) ካብቲ ባርያን ሃዋርያን የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ናብቶም ብጽድቂ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት ዝረኸቡ፦ 2 ብልክዕ ፍልጠት ኣምላኽን ጐይታና የሱስን፡ ጸጋን ሰላምን ይብዛሓልኩም። 3 ከመይሲ፡ ብልክዕ ፍልጠት እቲ ብኽብርን ብሕያውነትን ዝጸውዓና ኣቢሉ፡ መለኮታዊ ሓይሉ ዅሉ እቲ ንህይወትን ንኣምላኽ ንዘሎና ተወፋይነትን ዚኸውን ነገራት ሂቡና እዩ። 4 በዚ ድማ ነታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ሂቡና እዩ። እዚ ዝገበረ ኸኣ፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ብዘሎ ኽፉእ ትምኒት ዚመጽእ ብልሽውና ኣምሊጥኩም፡ ተኻፈልቲ እቲ መለኮታዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ እዩ። 5 ስለዚ፡ ብዅሉ ትግሃት እናተጋደልኩም ኣብ እምነትኩም ሕያውነት ወስኹ፡ ኣብ ሕያውነት ከኣ ፍልጠት፡ 6 ኣብ ፍልጠት ድማ ርእሰ ግትኣት፡ ኣብ ርእሰ ግትኣት ከኣ ተጻዋርነት፡ ኣብ ተጻዋርነት ድማ ንኣምላኽ ዘሎኩም ተወፋይነት፡ 7 ኣብቲ ንኣምላኽ ዘሎኩም ተወፋይነት ከኣ ሕውነታዊት ፍቕሪ፡ ኣብ ሕውነታዊት ፍቕሪ እውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። 8 እዚ ነገራት እዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናበዝሐ እውን እንተ ኸይዱ፡ ብዛዕባ እቲ ልክዕ ፍልጠት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘይንጡፋት ወይ ዘይፈርዩ ኽትኰኑ ኣይሓድገኩምን እዩ። 9 እቲ እዚ ነገር እዚ ዘይብሉስ፡ ብርሃን ከይርኢ ዚዕመት ዕዉርን ካብ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምንጻሁ ዝረስዐን እዩ። 10 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ንጽውዓኹምን ንሕርያኹምን ኣጽኒዕኩም ክትሕዝዎ ኣዚኹም ትግሁ፣ እዚ ትገብሩ እንተ ዄንኩምሲ፡ ከቶ ኣይክትወድቁን ኢኹም። 11 እኳ ደኣስ፡ በዚ ኸምዚ ናብታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ መእተዊ ብኽብሪ ኺውሃበኩም እዩ። 12 ስለዚ፡ ነዚ ትፈልጥዎ እኳ እንተ ዀንኩም፡ ኣብታ ኣባኻትኩም ዘላ ሓቂ እውን ብጽኑዕ ሰሪትኩም እኳ እንተ ኣለኹም፡ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዅሉ ሳዕ ከዘክረኩም ሓሲበ ኣለኹ። 13 ኣብዚ ድንኳን እዚ ኽሳዕ ዘለኹ፡ ብመዘኻኸሪታት ከነቓቕሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣየኒ ኣሎ። 14 ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘነጸረለይ ከኣ፡ እዚ እናገበርኩ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ድንኳነይ ከም ዚቕንጠጥ እፈልጥ እየ። 15 ድሕሪ ምኻደይ፡ ነዚ ነገራት እዚ ኽትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ ድማ፡ ኵሉ ሳዕ ክጽዕር እየ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ