ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኣብ ቅድሚ እቲ መንበር ፍርዲ ብኸመይ ክትቀውም ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
    • ኣብ ቅድሚ እቲ መንበር ፍርዲ ብኸመይ ክትቀውም ኢኻ፧

      “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ።”​—⁠ማቴዎስ 25:⁠31

      1-3. ንፍትሒ ዝምልከት ብሩህ ተስፋ ንኽህልወና እንታይ ምኽንያት ኢዩ ዘሎና፧

      ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳያት ዝነግር ጸብጻብ ክሰምዑ ከለዉ: ብምህንጣይ ‘ገበነኛዶ ወይስ ንጹህ፧’ ኢሎም ይሓቱ። ፈራዶን ኣባላት መጋባእያን ንጹሃት ንምዃን ይፍትኑ ይዀኑ: ይኹን እምበር: ዝበዝሕ ግዜ ፍትሒ ይሰፍን ድዩ፧ ኣብ ፍርዳዊ ጕዳይ ብዛዕባ ዘጋጥም ዘይፍትሓውነትን ኣድልዎን ሰሚዕካዶ ኣይትፈልጥን፧ ካብቲ ኣብ ሉቃስ 18:​1-8 ዝርከብ ናይ የሱስ ምሳሌ ከም እንርእዮ: ከምዚ ዝበለ ዘይፍትሓውነት ሓድሽ ነገር ኣይኰነን።

      2 ብዛዕባ ሰብኣዊ ፍትሒ ዝዀነ ይኹን ተመኵሮ ይሃልኻ ብዘየገድስ: ነቲ ናይ የሱስ መደምደምታ ኣስተብህለሉ:- “ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ፧ . . . ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም: እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧”

      3 እወ: የሆዋ ኣገልገልቱ ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ከም ዝረኽቡ ክገብር ኢዩ። ብፍላይ ሕጂ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ንነብር ስለ ዘሎና: የሱስ እውን እትው ኢዩ። የሆዋ እከይ ካብ ምድሪ ንምጽራግ ቀልጢፉ ነቲ ሓያል ወዱ ክጥቀመሉ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ 2 ተሰሎንቄ 1:​7, 8፣ ራእይ 19:​11-16) ካብቲ ሜብዛሕትኡ ግዜ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ተባሂሉ ዝጽዋዕ: ሓደ ካብቶም ኣብ መወዳእታ ዝሃቦም ምስላታቱ: ብዛዕባ ግደ የሱስ ዕምቝ ዝበለ ምርዳእ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

      4. ነቲ ግዜ ናይቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ብኸመይ ኢና እንርድኦ: እንተዀነ ግን: ሕጂ ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ ኣቓልቦ እንገብረሉ ስለምንታይ ኢና፧ (ምሳሌ 4:18)

      4 ንነዊሕ ግዜ ዝኣክል: ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ: የሱስ ብ1914 ንጉስ ኰይኑ ከም እተቐመጠ ዝገልጽን ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ነቶም ኣባጊዕ ምዃኖም ዘርኣዩ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት: ነቶም ኣጣል ከኣ ንሓዋሩ ንጥፍኣት: ይፈርዶም ከም ዘሎን ገይርና ኢና ተረዲእናዮ። ይኹን እምበር: ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ እንደገና ምርኣይ: ብዛዕባ ግዜ ናይቲ ምሳልያዊ ዛንታን እንታይ ከም ዝገልጽን: ናብ ሓደ እተኣረመ ምርዳእ ኢዩ ዘብጽሕ። እዚ ምጽራይ እዚ ንኣድላይነት ዕዮ ስብከትናን ንኣገዳስነት ሰባት ዝህብዎ መልስን ዘሐይል ኢዩ። መሰረት ዝዓመቘ ምርዳእ ናይቲ ምሳልያዊ ዛንታ ንምርኣይ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን: ክልቲኦም ከም ነገስታትን ፈራዶን መጠን: እንታይ ከም ዝገልጽ ንርአ።

      የሆዋ ከም ዝለዓለ ፈራዲ

      5, 6. ንየሆዋ ከም ንጉስን ፈራድን ገይርና ክንርእዮ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

      5 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓይሊ ብምርኣይ ኢዩ ንኣድማስ ዝገዝእ። መጀመርታን መወዳእታን ስለ ዘይብሉ: “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:17፣ መዝሙር 90:​2, 4፣ ራእይ 15:⁠3) ሕግታት ወይ ስርዓታት ከውጽእን ከተግብሮምን ስልጣን ኣለዎ። ይኹን እምበር: ስልጣኑ ፈራዲ ምዃን ዘጠቓልል ኢዩ። ኢሳይያስ 33:22 ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ፈራዲና: እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ: እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ: ንሱ ኼድሕነና እዩ።”

      6 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ንየሆዋ ከም ናይ ጉዳያትን ክርክራትን ፈራዲ ገይሮም ፈሊጦምዎ ኢዮም። ንኣብነት: ‘እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ’ ነቲ ንሶዶምን ጎሞራን ዝምልከት ናይ እከይ መርትዖታት ድሕሪ ምምዛኑ: እቶም ተቐማጦ ጥፍኣት ከም ዝግብኦም ፈሪዱን ነቲ ጽድቃዊ ፍርዲ እቲ ድማ ተግቢርዎን ኢዩ። (ዘፍጥረት 18:​20-33፣ እዮብ 34:​10-12) የሆዋ ኵሉ ግዜ ፍርድታቱ ክፍጽም ዝኽእል ጻድቕ ፈራዲ ምዃኑ ክንፈልጥስ ክሳዕ ክንደይ ከተኣማምነና ዘለዎ ኰን ኢዩ!

      7. ምስ እስራኤል ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ የሆዋ ከም ፈራዲ ኰይኑ ዝዓየየ ብኸመይ ኢዩ፧

      7 ኣብ ጥንታዊ እስራኤል: የሆዋ ሓድሓደ ግዜ ብቐጥታ ፍርዲ ሂቡ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ፍጹም ፈራዲ ንጉዳያት ይውስን ከም ዝነበረ ብምፍላጥካስ ኣይምተጸናናዕካንዶ፧ (ዘሌዋውያን 24:​10-16፣ ዘሁልቍ 15:​32-36፣ 27:​1-11) ከምኡውን ኣምላኽ: ንምፍራድ ከም መዐቀኒ ዝጠቕሙ ብምሉኦም ጽቡቓት ዝነበሩ “ናይ ፍርዲ ውሳኔታት” (ትሓዓ ) ሂቡ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 25:​18, 19፣ ነህምያ 9:13፣ መዝሙር 19:​9, 10፣ 119:​7, 75, 164፣ 147:​19, 20) ንሱ ‘ፈራድ ኵላ ምድሪ’ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ኵልና ንትንከፍ ኢና።​—⁠እብራውያን 12:⁠23

      8. ዳንኤል ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር ከመይ ዝበለ ራእይ ኢዩ ዝረኣየ፧

      8 ነዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት መግለጺ “ናይ ዓይኒ ምስክር” ኣሎና። ነብዪ ዳንኤል ንመንግስታት ወይ ሃጸያት ዝውክሉ ጨካናት ኣራዊት ዘለውዎ ራእይ ተቐበለ። (ዳንኤል 7:​1-8, 17) ንሱ ከምዚ ኢሉ ወሰኸ:- ‘ዝፋናት [ተዳለወ ትሓዓ ]: ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ ነበረ።’ (ዳንኤል 7:⁠9) ዳንኤል ዝፋናት ከም ዝረኣየ ‘ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ [የሆዋ] ድማ ከም እተቐመጠ ’ ኣስተብህል። ንገዛእ ርእስኻ ‘ኣብዚ ዳንኤል ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ንጉስ ምዃን ድዩ ዝምስክር ዘሎ፧’ ብምባል ሕተት።​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

      9. ኣብ ዝፋን ናይ ‘ምቕማጥ’ ሓደ ትርጉም እንታይ ኢዩ፧ ኣብነታት ሃብ።

      9 ልክዕ ኢዩ: ሓደ ሰብ ኣብ ዝፋን “ተቐመጠ” ዝብል ምስ እነንብብ: ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ዓይነት ኣዘራርባ ስለ ዝጥቀም: ንጉስ ከም ዝዀነ ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: “[ዚምሪ] ነጊሱ ኣብ ዝፋኑ ምስ ተቐመጠ . . . ።” (1 ነገስት 16:11፣ 2 ነገስት 10:30፣ 15:12፣ ኤርምያስ 33:17) ሓደ መሲሓዊ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “ኣብ ዝፋኑ ድማ ኪቕመጥን ኪገዝእን እዩ። ” ስለዚ: ‘ኣብ ዝፋን ምቕማጥ’ ማለት ንጉስ ምዃን ማለት ኢዩ። (ዘካርያስ 6:​12, 13) የሆዋ ኣብ ዝፋን ከም እተቐመጠ ንጉስ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። (1 ነገስት 22:19፣ ኢሳይያስ 6:1፣ ራእይ 4:​1-3) ንሱ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” እዩ። እንተዀነ ግን: ናይ ሉዓላውነቱ ሓድሽ መዳይ ከረጋግጽ ከሎ: ልክዕ ኣብ ዝፋኑ ከም ዝቕመጥ ዘሎ ሓድሽ ንጉስ: ነጊሱ ክበሃል ይከኣል ኢዩ።​—⁠1 ዜና መዋእል 16:​1, 31፣ ኢሳይያስ 52:7፣ ራእይ 11:​15-17፣ 15:3፣ 19:​1, 2, 6

      10. ናይ እስራኤላውያን ነገስታት ቀዳማይ ተግባር እንታይ ነበረ፧ መብርሂ ሃብ።

      10 ኣብዚ ግን ሓደ መሰረታዊ ነጥቢ ኣሎ:- ናይ ጥንታውያን ነገስታት ቀንዲ ተግባር ጉዳያት ምስማዕን ፍርድታት ምሃብን ኢዩ ነይሩ። (ምሳሌ 29:14) ክልተ ኣንስቲ ንሓደ ቈልዓ ውላድና ኢዩ ምስ በላ ዝነበረ ናይ ሰሎሞን ጥበባዊ ፍርዲ ዘክሮ። (1 ነገስት 3:​16-28፣ 2 ዜና መዋእል 9:⁠8) ሓደ ካብቶም መንግስታዊ ህንጻታቱ “መጋባእያ ዚወጸሉ ገበላ ዝፋን:” “ገበላ ፍርዲ” እውን ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ ኢዩ። (1 ነገስት 7:⁠7) የሩሳሌም ‘ዝፋናት ፍርዲ እተነብረላ’ ቦታ ተባሂላ ትግለጽ ነይራ ኢያ። (መዝሙር 122:⁠5) ብንጹር: ‘ኣብ ዝፋን ምቕማጥ’ ማለት ፍርዳዊ ስልጣን ምርኣይ ማለት እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 18:13፣ ምሳሌ 20:⁠8

      11, 12. (ሀ) ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ተጠቒሱ ዘሎ: ናይ የሆዋ ምቕማጥ እንታይ ትርጉም ኢዩ ነይርዎ፧ (ለ) የሆዋ ንኽፈርድ ከም እተቐመጠ ካልኦት ጥቕስታት ብኸመይ ኢዮም ዘረጋግጹ፧

      11 ሕጂ ናብቲ ዳንኤል ‘እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ተቐሚጡ ’ ዝረኣየሉ ትርኢት ንመለስ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ዳንኤል 7:10: ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “ፍርዲ ዀነ: መጻሕፍቲውን ተገንጸለ።” እወ: እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ብዛዕባ ግዝኣት ዓለም ከምኡውን እቲ ወዲ ሰብ ክገዝእ ብቑዕ ምዃኑ ፍርዲ ንምሃብ ኢዩ ዝቕመጥ ዝነበረ። (ዳንኤል 7:​13, 14) ድሕርዚ ‘እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ መጸ: ፍርዲ ድማ’ ነቶም ምስ ወዲ ሰብ ኰይኖም ክገዝኡ ብቑዓት ምዃኖም እተፈርዱ ‘ናይ ልዑል ቅዱሳን ተዋህበ’ ዝብል ነንብብ። (ዳንኤል 7:22 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብ መወዳእታ ‘ፍርዲ ይኸውን’ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ዓለም ድማ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ የውርድ።​—⁠ዳንኤል 7:26a

      12 ስለዚ: ዳንኤል ኣምላኽ ‘ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ’ ምርኣዩ: ፍርዲ ክህብ ይመጽእ ኣሎ ማለት ኢዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ዳዊት “[የሆዋ] [ፍርደይን ትሓዓ ] ነገረይን ወዳእካ እሞ: ጻድቕ ፈራዲ ዄንካ ኣብ ዝፋን ተቐመጥካ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 9:​4, 7) ዮኤል ድማ “ኣነ [የሆዋ] . . . ንዅሎም ህዝብታት ክፈርድሲ: ኣብኡ ክቕመጥ እየ እሞ: እቶም ህዝብታት ይበገሱ: ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከኣ ይውጽኡ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮኤል 3:12፣ ምስ ኢሳይያስ 16:⁠5 ኣነጻጽሮ።) ክልቲኦም የሱስን ጳውሎስን ኣብቲ ሰባት: ጉዳይ ንኽሰምዑን ፍርዲ ንኽህቡን ዝቕመጥሉ ናይ ፍርዲ ኵነታት ኢዮም ነይሮም።b​—⁠ዮሃንስ 19:​12-16፣ ግብሪ ሃዋርያት 23:3፣ 25:⁠6

      ናይ የሱስ ቦታ

      13, 14. (ሀ) የሱስ ንጉስ ከም ዝኸውን ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ መረጋገጺ ነበሮም፧ (ለ) የሱስ መዓስ ኢዩ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ: ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንነጀው ዝገዝአኸ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

      13 የሆዋ ክልቲኡ: ንጉስን ፈራድን ኢዩ። የሱስከ፧ እቲ ብዛዕባ ናይ የሱስ ምውላድ ዝኣወጀ መልኣኽ ከምዚ በለ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ: . . . መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።” (ሉቃስ 1:​32, 33) የሱስ ነቲ ናይ ዳዊት ንግስነት ነባሪ ወራሲ ክኸውን ነበሮ። (2 ሳሙኤል 7:​12-16) ዳዊት “[የሆዋ ትሓዓ ] ንጐይታይ [የሱስ]: ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም: ኣብ የማነይ ተቐመጥ: በሎ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ: ኣብ ማእከል ጸላእትኻ [እናሰዓርካ ኪድ ትሓዓ ]” ስለ ዝበለ: ካብ ሰማይ ኢዩ ክገዝእ።​—⁠መዝሙር 110:​1-4

      14 እዚ መዓስ ክኸውን ነበሮ፧ የሱስ ሰብ ከሎ ከም ንጉስ ኣይገዝአን። (ዮሃንስ 18:​33-37) ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ሞተ: ተንሲኡ ድማ ንሰማይ ዓረገ። እብራውያን 10:12 ከምዚ ትብል:- “ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ: . . . ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።” የሱስ እንታይ ስልጣን ነበሮ፧ ‘ኣምላኽ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ኣቐመጦ: ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ኣርኣሶ። ኣብ ልዕሊ እታ ማሕበር ድማ ርእሲ ገበሮ።’ (ኤፌሶን 1:​20-22) ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ንጉሳዊ ስልጣን ስለ ዝነበሮ: ጳውሎስ: የሆዋ “ካብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና: ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና” ኢሉ ክጽሕፍ ይኽእል ነይሩ ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 1:13፣ 3:⁠1

      15, 16. (ሀ) የሱስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኰነን እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) የሱስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክገዝእ ዝጀመረ መዓስ ኢዩ፧

      15 ይኹን እምበር: ኣብቲ ግዜ እቲ: የሱስ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ከም ንጉስን ፈራድን ኰይኑ ኣይዓየየን። ነቲ ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ዝዓየሉ ግዜ እናተጸበየ: ኣብ ጐድኒ ኣምላኽ ኢዩ ተቐሚጡ ነይሩ። ጳውሎስ ብዛዕባኡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፤ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮምሲ: ኣብ የማነይ ተቐመጥ: ዝበሎ፧”​—⁠እብራውያን 1:⁠13

      16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናይ የሱስ እዋን ምጽባይ ብ1914 ኣብቲ ዘይርአ ሰማያት ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኰነ: ከም እተወድአ ዝነግር ብዙሕ መርትዖ ጽሒፎም ኢዮም። ራእይ 11:​15, 18 ከምዚ ትብል:- “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን ኰይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ።” “ኣህዛብ ተቘጢዖም: ቍጥዓኻውን መጺኡ።” እወ: ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ህዝብታት ኣብ ንሓድሕዶም ቍጥዓኦም ገሊጾም ኢዮም። (ሉቃስ 21:24) እቲ ካብ 1914 ኣትሒዝና ዝረኣናዮ ውግኣት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ፌራ: ዋሕዲ መግቢ: ከምኡውን ካልእ ተመሳሳሊ ነገራት: የሱስ ሕጂ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ይገዝእ ከም ዘሎን መወዳእታ ዓለም ድማ ከም ዝቐረበን ዘረጋግጽ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:​3-14

      17. ክሳዕ ሕጂ ከመይ ዝበሉ መሰረታውያን ነጥብታት ኢና ኣረጋጊጽና ዘሎና፧

      17 ብሕጽር ዝበለ ድግማ:- ኣምላኽ ከም ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ከም ዝቕመጥ ክዝረብ ይከኣል ኢዩ: ይኹን እምበር ብኻልእ መገዲ ድማ ንኽፈርድ ኣብ ዝፋኑ ክቕመጥ ይኽእል ኢዩ። ብ33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ: ሕጂ ድማ ናይታ መንግስቲ ንጉስ ኰይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር: እዚ ሕጂ ከም ንጉስ ዝገዝእ ዘሎ የሱስ: ከም ፈራዲ ኰይኑኸ ይዓዪ ድዩ፧ እዚኸ: ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ: ንኣና ከገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

      18. የሱስ ፈራዲ እውን ከም ዝኸውን እንታይ መርትዖ ኢዩ ዘሎ፧

      18 እቲ ፈራዶ ንኽምዝዝ መሰል ዘለዎ የሆዋ: ንስርዓታቱ ከም ዝመልእ ፈራዲ መጠን ንየሱስ መረጾ። የሱስ ብዛዕባ እቶም ብመንፈስ ህያዋን ዝዀኑ ሰባት ክዛረብ ከሎ ነዚ ኣርኣዮ:- “ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር: ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ።” (ዮሃንስ 5:22) እንተዀነ ግን: ናይ ህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ስለ ዝዀነ: ናይ የሱስ ፍርዳዊ ግደ ክንዮ እቲ ዓይነት ምፍራድ እቲ ዝሓልፍ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:⁠1) ሓደ ግዜ ጳውሎስ “[ኣምላኽ] በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዅሉ እምነት እናሀበ ዝመደቦ ሰብኣይ [የሱስ] ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ [ኣሎ]” ብምባል ገለጸ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:31፣ መዝሙር 72:​2-7

      19. የሱስ ከም ፈራዲ መጠን ከም እተቐመጠ ምዝራብ ቅኑዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

      19 ስለዚ የሱስ ንፍሉይ ናይ ፍርዲ ዕማም ኣብ ዝፋን ክብሩ ተቐሚጡ ኣሎ ኢልና ክንድምድምስ ርግጽኛታት ዲና፧ እወ። የሱስ ነቶም ሃዋርያት “ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ: ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ: ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል [ክትፈርዱ ኢኹም]” በሎ። (ማቴዎስ 19:28 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሽሕ’ኳ የሱስ ሕጂ ናይታ መንግስቲ ንጉስ እንተዀነ: እቲ ኣብ ማቴዎስ 19:28 ተጠቒሱ ዘሎ ተወሳኺ ዕዮኡ: ኣብቲ ሽሕ ዓመት ንኽፈርድ ኣብ ዝፋን ምቕማጥ ከጠቓልል ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ንዅሎም ጻድቃንን ሓጥኣንን ደቅሰብ ክፈርድ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ናብ ሓደ ካብቶም ምስ ግዜናን ናብራናን ዝተሓሓዙ: ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታታት ኣቓልቦ ክንገብር ከሎና: ነዚ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ሓጋዚ ኢዩ።

      እቲ ምሳልያዊ ዛንታ እንታይ ኢዩ ዝብል፧

      20, 21. ሃዋርያት የሱስ ምስ ግዜና ዝዛመድ እንታይ ሕቶ ኢዮም ዝሓተቱ: እዚኸ ናብ ከመይ ዝበለ ሕቶ ይመርሕ፧

      20 የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረ ሓጺር እዋን: ደቀ መዛሙርቱ “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴዎስ 24:⁠3) የሱስ ‘መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ’ ኣብ ምድሪ ኣገደስቲ ምዕባለታት ክህሉ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። እቲ መወዳእታ እቲ: ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ዘሎ ሓጺር እዋን: ህዝብታት ‘ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደ⁠በና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።’​—⁠ማቴዎስ 24:​14, 29, 30

      21 እንተዀነ ግን: ኣብተን ሃገራት እቲኣተን ዘለዉ ህዝብታት ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ ብኸመይ ክሓልፍዎ ኢዮም፧ ካብቲ በዘን “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ” ዝብላ ቃላት ዝጅምር ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን እስከ ንርአ።​—⁠ማቴዎስ 25:​31, 32

      22, 23. እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ብ1914 ፍጻሜኡ ከም ዘይጀመረ ዝሕብሩ ነጥብታት እንታይ ኢዮም፧

      22 እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ከምቲ ንነዊሕ ግዜ እንርድኦ ዝነበርና: የሱስ ብ1914 ኣብ ንጉሳዊ ሓይሉ ምስ ተቐመጠ ዝውዕል ድዩ፧ ሓቂ ኢዩ: ማቴዎስ 25:34 ንየሱስ ከም ንጉስ ገይራ ትዛረበሉ ኢያ: ስለዚ እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ካብቲ የሱስ ብ1914 ንጉስ ዝዀነሉ ኣትሒዙ ዘሎ ግዜ ተፈጻምነት ከም ዝረክብ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ድሕርዚ ቀልጢፉ ከመይ ዝበለ ፍርዲ ኢዩ ክፍጽም፧ ናይ “ኵሎም ኣህዛብ” ፍርዲ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ: ናብቶም “ቤት ኣምላኽ ” ነቕውም ኢና ዝብሉ ኢዩ ቆላሕታኡ ዝገበረ። (1 ጴጥሮስ 4:17) ምስ ሚልክያስ 3:​1-3: ብምስምማዕ: የሱስ: ከም ልኡኽ የሆዋ መጠን: ነቶም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዝነበሩ ቅቡኣት ክርስትያናት ብፍርዳዊ መገዲ መርሚርዎም ኢዩ። ነቶም ብሓሶት “ቤት ኣምላኽ” ኢና ዝበሉ ህዝበ ክርስትያን ፍርዳዊ ውሳኔ ዝወሃበሉ ግዜ እውን ኢዩ ነይሩ።c (ራእይ 17:​1, 2፣ 18:​4-8) እንተዀነ ግን: ኣብቲ ግዜ እቲ ወይ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ: የሱስ ንህዝብታት ኵለን ሃገራት ኣብ መወዳእታ ከም ኣባጊዕን ኣጣልን መጠን ክፈርድ ኢሉ ከም እተቐመጠ ዝሕብር ነገር የሎን።

      23 ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ዘሎ ናይ የሱስ ዕዮ እንተድኣ መርሚርናዮ: ኣብ መወዳእታ ንዅሎም ኣህዛብ ክፈርዶም ኢና እንዕዘብ። እቲ ምሳልያዊ ዛንታ: ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝሞተ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንናይ ዘለኣለም ሞት ወይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝፍረድ: ከምዚ ዝበለ ምፍራድ ንብዙሕ ዓመታት ከም ዝቕጽል ኣይሕብርን ኢዩ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ዝሞቱ ሰባት ናብቲ ናይ ደቅሰብ ተራ መቓብር ኢዮም ከይዶም። (ራእይ 6:8፣ 20:13) እንተዀነ ግን: እቲ ምሳልያዊ ዛንታ: ነቲ የሱስ ኣብቲ ግዜ እቲ ብህይወቶም ንዝህልዉን ነቲ ፍርዳዊ ውሳኔኡ ዝጋጠምዎን ናይ “ኵሎም ኣህዛብ” ሰባት ዝፈርደሉ ግዜ ኢዩ ዝገልጽ።

      24. ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን መዓስ ክፍጸም ኢዩ፧

      24 ብኻልእ ኣበሃህላ: እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ነቲ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ዝመጸሉ መጻኢ ግዜ ዘመልክት ኢዩ። ነቶም ሽዑ ብህይወቶም ዝጸንሑ ሰባት ንኽፈርዶም ክቕመጥ ኢዩ። ፍርዱ ኣብቲ ንገዛእ ርእሶም ብኸመይ ከም ዘቕርቡዋ ክምስረት ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ “ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን . . . ዘሎ ምፍልላይ” ብግሁድ ክርአ ኢዩ። (ሚልክያስ 3:⁠18) እቲ ልክዕ ምእዋጅን ምፍጻምን ናይቲ ፍርዲ ኣብ ውሽጢ እተወሰነ ግዜ ክፍጸም ኢዩ። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ውልቀ-ሰባት ግሁድ ዝዀነ ነገራት እተመስረት ቅኑዕ ፍርዲ ክህብ ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 5:⁠10 እውን ርአ።

      25. ማቴዎስ 25:31 ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ምቕማጥ ክዛረብ ከሎ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ፧

      25 እዚ ማለት እምበኣር: እቲ ኣብ ማቴዎስ 25:​31 እተጠቕሰ: የሱስ ንኽፈርድ ኢሉ ‘ኣብ ዝፋን ክብሩ ምቕማጡ:’ ነቲ እዚ ሓያል ንጉስ እዚ ንኣህዛብ ፍርዲ ክእውጅን ክፍጽምን ኢሉ ዝቕመጠሉ መጻኢ ግዜ ዘመልክት ኢዩ። እወ: እቲ ኣብ ማቴዎስ 25:​31-33, 46 ዝርከብ ንየሱስ ዝምልከት ትርኢት: ምስቲ ከም ፈራዲ ኰይኑ ፍርዱ ንኽፍጽም እተቐመጠ: ስልጣን ሒዙ ዘሎ ንጉስ: ጥንታዊ ዝመዓልቱ: ዝገልጽ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ዝርከብ ትርኢት ዝነጻጸር ኢዩ።

      26. ከመይ ዝበለ ሓድሽ መግለጺ ናይቲ ምሳልያዊ ዛንታ ኢዩ ብሩህ ዝዀነ፧

      26 ነቲ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ከምዚ ገይርካ ምርድኡ: ነተን ኣባጊዕን ኣጣልን ፍርዲ ምሃብ: ንመጻኢ ግዜ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር። እዚ: ድሕሪ ምብራዕ ናይቲ ኣብ ማቴዎስ 24:​29, 30 ተጠቒሱ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” (ትሓዓ ) ከምኡውን ወዲ ሰብ ‘ብኽብሩ ምስ መጸ’ ክፍጸም ኢዩ። (ምስ ማርቆስ 13:​24-26 ኣነጻጽሮ።) ድሕርዚ: እዚ እኩይ ኣገባብ ብምሉኡ ኣብ መወዳእታኡ ምስ በጽሐ: የሱስ ፍርዲ ክህብን ክፍጽምን ክጋባእ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 5:30፣ 2 ተሰሎንቄ 1:​7-10

      27. ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ምሳልያዊ ዛንታ የሱስ ንምፍላጥ ክንግደሰሉ ዘሎና እንታይ ኢዩ፧

      27 እዚ ነቲ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ዝፍረዳሉ: ማለት ብዛዕባ እቲ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ዝፍጸመሉ ግዜ ዘሎና ምርዳእ ዘነጽር ኢዩ። እዚ ግን ነዞም ብስራት ናይታ መንግስቲ ብቕንኢ እንሰብኽ ዘሎና ሰባት ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፈና፧ (ማቴዎስ 24:14) ንዕዮና ትሑት ኣገዳስነት ከም ዝህልዎ ዝገብር ድዩ ወይስ ዓቢ ናይ ሓላፍነት ሰከም ዘምጽእ ኢዩ፧ ብኸመይ ከም እንትንከፍ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ንርአ።

      [እግረ-ጽሑፋት]

      a እታ ኣብ ዳንኤል 7:​10, 26 ዘላ “ፍርዲ” ዀነ እትብል ቃል: ኣብ እዝራ 7:​26 ከምኡውን ዳንኤል 4:37፣ 7:⁠22 እውን ትርከብ ኢያ።

      b ነቲ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ናብ ቤት ፍርዲ ምክሳሶም ኣመልኪቱ: ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም [ቃል ብቓሉ “ኮፍ ተብልዎምዶ”] ኢኹም፧”​—⁠1 ቈረንቶስ 6:⁠4

      c ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ራእይ​—⁠እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 56, 73, 235-45, 260 ርአ።

      ትዝክሮዶ፧

      ◻ የሆዋ ከም ንጉስን ፈራድን ኰይኑ ዝዓዪ ብኸመይ ኢዩ፧

      ◻ ‘ኣብ ዝፋን ምቕማጥ’ እንታይ ክልተ ትርጉም ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧

      ◻ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማቴዎስ 25:​31 ዘሎ ግዜ: ቅድም እንታይ ኢና ንብል ነይርና: ይኹን እምበር ንእተኣረመ ኣረኣእያ እንታይ መሰረት ኣሎ፧

      ◻ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 25:​31 ተሓቢሩ ዘሎ: ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዝቕመጥ መዓስ ኢዩ፧

  • እተን ኣባጊዕን ኣጣልን እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለወን፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
    • እተን ኣባጊዕን ኣጣልን እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለወን፧

      “ንሱ ኸኣ: ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን: ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም።”​—⁠ማቴዎስ 25:⁠32

      1, 2. ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ከገድሰና ዘለዎስ ስለምንታይ ኢዩ፧

      የሱስ ክርስቶስ ብርግጽ ኣብ ምድሪ እቲ ዝዓበየ መምህር ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 7:46) ሓደ ካብቲ ናይ ኣመሃህራ ኣገባቡ ድማ ምሳልያዊ ዛንታታት ወይ ምሳሌታት ምጥቃም ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 13:​34, 35) እዚኣቶም ቅልል ዝበሉ ኰይኖም ዓሚቝ መንፈሳውን ትንቢታውን ሓቅታት ኣብ ምምሕልላፍ ግን ሓያላት ኢዮም ነይሮም።

      2 ኣብቲ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ: የሱስ ንርእሱ ብፍሉይ ክእለት ዝዓየሉ ግዜ ሓቢሩ ኢዩ:- “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: . . .” (ማቴዎስ 25:31) የሱስ ነቲ “ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ ኢዩ፧” ዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝደምደመሉ ምሳሌ ስለ ዝዀነ: እዚ ንኣና ከገድሰና ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:⁠3) ይኹን እምበር: እዚ ንኣና እንታይ ማለት ኢዩ፧

      3. መጀመርታ ኣብቲ ዘረባኡ: የሱስ ድሕሪ እቲ ዓቢ ጸበባ ብኡንብኡ እንታይ ክርአ ከም ዝዀነ ኢዩ እተዛረበ፧

      3 የሱስ ድሕሪ ምብራዕ ናይ ዓቢ ጸበባ “ብኡንብኡ” ዘገርም ምዕባለታት​—⁠እንጽበዮ ምዕባለታት​—⁠ክህሉ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። ሽዑ “ትእምርቲ ወዲ ሰብ” ክርአ ኢዩ በለ። እዚ ብዓቢኡ ነቶም ‘ወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ዝርእይዎ’ “ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ” ዝትንክፍ ኢዩ። ወዲ ሰብ ብ“መላእኽቱ” ተሰንዩ ክመጽእ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:​21, 29-31)a ብዛዕባ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ዘመናውያን መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ምዕራፍ 25 ኢዮም ኣስፊሮምዎ ዘለዉ: እንተዀነ ግን: ብዛዕባ ብኽብሪ ምምጽኡን “ንዅሎም ኣህዛብ” ኣብ ምፍራድ ምትኳሩን ተወሳኺ ዝርዝር ብምሃብ ክፍሊ ናይቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 25:32

      ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ዘለዉ ተዋሳእቲ

      4. እቲ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ብዛዕባ የሱስ እንታይ መኽፈቲ ሓሳብ ኢዩ ዝህብ: መን ካልእከ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧

      4 የሱስ ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ:- “ወዲ ሰብ . . . ምስ መጸ” ብምባል ይጅምሮ። “ወዲ ሰብ” መን ምዃኑ ትፈልጦ ኢኻ። ጸሓፍቲ ወንጌል መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ መግለጺ እቲ: ኣብ የሱስ ኢዮም ዘውዕልዎ። የሱስ ባዕሉውን ብዛዕባ እቲ “ግዝኣትን ክብርን መንግስትን” ክቕበል ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ዝቐርብ “ወዲ ሰብ ዚመስል” ናይ ዳንኤል ራእይ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ብዘይጥርጥር ከምኡ ኢሉ ኢዩ። (ዳንኤል 7:​13, 14፣ ማቴዎስ 26:​63, 64፣ ማርቆስ 14:​61, 62) ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ የሱስ እቲ ቐንዲ እኳ እንተዀነ: በይኑ ጥራይ ግን ኣይኰነን። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዚ ዝርርብ እዚ: ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:​30, 31 ተጠቒሱ ዘሎ: ‘ወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ኪመጽእ ከሎ:’ መላእኽቱ ኣገዳሲ ተራ ክህልዎም ምዃኑ ተዛሪቡ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ድማ የሱስ ክፈርድ ኢሉ ‘ኣብ ዝፋን ክብሩ ክቕመጥ’ ከሎ መላእኽቲ ምስኡ ከም ዝህልዉ ኢዩ ዘርኢ። (ምስ ማቴዎስ 16:27 ኣነጻጽሮ።) ይኹን እምበር: እቲ ፈራድን መላእኽቱን ኣብ ሰማይ ኢዮም: ስለዚ ሰባትከ ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ተዘሪብሎም ድዩ፧

      5. ን‘ኣሕዋት’ የሱስ ከመይ ገይርና ኢና ከነለልዮም እንኽእል፧

      5 ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ ርእይ ምስ እነብሎ ክንፈልጦም ዘድልየና ሰለስተ ጕጅለታት ኢዩ ዝገልጽ። እቲ ወዲ ሰብ: ኣብ ርእሲ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን: ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን መንነት ንምልላይ ሓጋዚ ዝገብሮ ነቲ ሳልሳይ ጕጅለ ይውስኽ። የሱስ ነዚ ሳልሳይ ጕጅለ እዚ ከም መንፈሳውያን ኣሕዋቱ ገይሩ ይጽውዖ። (ማቴዎስ 25:​40, 45) የሱስ “ፍቓድ . . . ኣቦይ ዝገብር . . . ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ” ስለ ዝበለ: ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ክዀኑ ኣለዎም። (ማቴዎስ 12:50፣ ዮሃንሰ 20:17) ምስዚ ኣዝዩ ዝሰማማዕ ከኣ: ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ክፍሊ “ዘርኢ ኣብርሃም” ከምኡውን ውሉድ ኣምላኽ ዝዀኑ ክርስትያናት ጽሒፉ ኢዩ። የሱስ ነዚኣቶም “ኣሕዋተይ” ከምኡውን “ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኩም” ኢሉ ጸውዖም።​—⁠እብራውያን 2:​9–3:​1፣ ገላትያ 3:​26, 29

      6. እቶም “ናእሽቱ” ኣሕዋት የሱስ መን ኢዮም፧

      6 የሱስ ነቶም “ናእሽቱ” ኣሕዋቱ ዝጠቐሰ ስለምንታይ ኢዩ፧ እተን ቃላት እቲኣተን ነቲ ሃዋርያቱ ቅድም ክዛረብ ከሎ ዝሰምዕዎ ኢየን ዘቃልሓ። ነቲ ቅድሚ የሱስ ብሙማቱ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎ ዮሃንስ መጥምቕ: ምስቶም ሰማያዊ ህይወት ዝረኽቡ ከነጻጽሮ ከሎ: የሱስ ከምዚ በለ:- “ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ።” (ማቴዎስ 11:11) ገለ ካብቶም ናብ ሰማይ ዝኸዱ: ከም ሃዋርያት ዝኣመሰሉ ሰባት: ኣብታ ጉባኤ ኣውራታት ኢዮም ነይሮም: ካልኦት ከኣ ትሑታት: ይኹን እምበር: ኵላቶም መንፈሳውያን ኣሕዋት የሱስ ኢዮም። (ሉቃስ 16:10፣ 1 ቈረንቶስ 15:9፣ ኤፌሶን 3:8፣ እብራውያን 8:11) ስለዚ: ገለ ሰባት ኣብ ምድሪ ኣገዳስነት ዘይብሎም እኳ እንተ መሰሉ: ኣሕዋቱ ኢዮም ነይሮም: ስለዚ ድማ: ብሓደ ዓይኒ ክረኣዩ ኢዩ ነይርዎም።

      እቶም ኣባጊዕን ኣጣልን መን ኢዮም፧

      7, 8. የሱስ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕ እንታይ ኢዩ ዝበለ: ስለዚ ብዛዕባኦም እንታይ ኢልና ኢና ክንድምድም እንኽእል፧

      7 ብዛዕባ ናይተን ኣባጊዕ ፍርዲ ከምዚ ነንብብ:- “[የሱስ] ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም: ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት: ንዑ: እቲ ካብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ: ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ: ኣስቴኹምኒ። ገይሸ: ተቐበልኩምኒ። ዐሪቐ: ከደንኩምኒ። ሓሚመ: በጻሕኩምኒ። ተአሲረ: መጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ: ጐይታይ: መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕና⁠ካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኤናካ እሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፤ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ: ኢሉ ይመልሰሎም።”​—⁠ማቴዎስ 25:​34-40

      8 ብዘይጥርጥር: እቶም ኣብ ናይ ክብርን ስምረትን የማናይ ወገን የሱስ ክቕመጡ ብቑዓት ኰይኖም እተፈርዱ ኣባጊዕ ንጕጅለ ሰባት ዘመልክቱ ኢዮም። (ኤፌሶን 1:20፣ እብራውያን 1:⁠3) እንታይ ኢዮም ዝገበሩ: መዓስከ፧ የሱስ: መግቢ: ማይ: ክዳን: ብሕያውነትን ክብርን ልግስን ከም ዝሃብዎ: ሓሚሙ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ኸኣ ከም ዝሓገዝዎ ይዛረብ። እቶም ኣባጊዕ ከምዚ ዝበለ ነገር ንየሱስ ብብሕቱ ከም ዘይገበርሉ ምስ ተዛረቡ: ነቶም መንፈሳውያን ኣሕዋቱ: ናይ ቅቡኣት ክርስትያናት ተረፍ: ክድግፍዎም ከለዉ በዚ ድማ ንእኡ ከም ዝገበርሉ ሓበሮም።

      9. እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ነቲ ናይ ሽሕ ዓመት እዋን ዘየመልክት ስለምንታይ ኢዩ፧

      9 እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ነቲ ናይ ሽሕ ዓመት እዋን ዘመልክት ኣይኰነን: ከመይሲ ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ቅቡኣት ብጥሜት: ጽምኢ: ሕማም: ማእሰርቲ: ዝሳቐዩ ሰባት ኣይኪዀኑን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ኣብዚ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዘለዉ ብዙሓት ካብኣቶም: ከምዚ ዝበለ ተመኵሮ ኣሕሊፎም ኢዮም። ሰይጣን ካብቲ ናብ ምድሪ እተደርበየሉ ግዜ ኣትሒዙ: ኣብ ልዕሊኦም ጸርፍን ስቓይን ሞትን ብምምጻእ ነቶም ቅቡኣት ተረፍ ናይ ቝጥዓኡ ፍሉይ ዕላማ ገይርዎም ኢዩ።​—⁠ራእይ 12:⁠17

      10, 11. (ሀ) እቶም ኣባጊዕ ንነፍሲ ወከፍ ንኣሕዋት የሱስ ሰናይ ግብሪ ዝገብሩ ሰባት ዘጠቓለሉ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ምኽንያታዊ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ኣባጊዕ ብልክዕ ንመን ኢዮም ዝውክሉ፧

      10 የሱስ ንሓደ ካብዞም ኣሕዋቱ: ከም ንእሽቶ እንጌራ ወይ ጣሳ ማይ ዝኣመሰለ ንእሽቶ ሕያውነት ዝገብር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓደ ካብተን ኣባጊዕ ክኸውን ከም ዝበቅዕ ድዩ ዝዛረብ ዘሎ፧ ልክዕ ኢዩ: ከምዚ ዝበለ ሕያውነት ምሃብ ሰብኣዊ ሕያውነት ከንጸባርቕ ይኽእል ኢዩ: ብሓቂ ግን: ነቶም ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ዘለዉ ኣባጊዕ ካብዚ ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ። ንኣብነት: የሱስ ነቶም ንሓደ ካብቶም ኣሕዋቱ ግብሪ ሕያውነት ዝገብሩ ኢዚሀራውያን ወይ ኣቕሽሽቲ ኣይኰነን ዘመልክት ነይሩ። ብኣንጻሩ: የሱስ ነቶም ኣባጊዕ ክልተ ግዜ “ጻድቃን” እናበለ ጸውዖም። (ማቴዎስ 25:​37, 46) ስለዚ እቶም ኣባጊዕ ንንውሕ ዝበለ እዋን ንኣሕዋት ክርስቶስ ዝሕግዙ​—⁠ብንጥፈት ዝድግፉ​—⁠ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ ኣቃውማ ዘውህብ እምነት ዘርኣዩ ሰባት ክዀኑ ኣለዎም።

      11 ንብዙሕ ዘበናት: ከም ኣብርሃም ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሰባት ጻድቕ ኣቃውማ ኣስተማቒሮም ኢዮም። (ያእቆብ 2:​21-23) ኖህን ኣብርሃምን ካልኦት እሙናት ሰባትን: ምስቶም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ህይወት ኣብ ገነት ዝወርሱ “ካልኦት ኣባጊዕ” ኢዮም ዝጽብጸቡ። ኣብዚ ቐረባ እዋናት: ከም ካልኦት ኣባጊዕ ኰይኖም: ተወሰኽቲ ሚልዮናት ሰባት ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ሒዞም: ምስቶም ቅቡኣት ድማ “ሓደ መጓሰ” ኰኑ። (ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:⁠9) እዞም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ንኣሕዋት የሱስ ከም ኣምባሳደራት ናይታ መንግስቲ ስለ ዝርእይዎም​—⁠ቃል ብቓሉን ብመንፈሳዊ መገድን​—⁠ሓጊዞምዎም ኢዮም። የሱስ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣሕዋቱ ዝገብርሎም ንእኡ ከም ዝገበርሉ ኢዩ ዝርእዮ። ንህዝብታት ክፈርድ ኢሉ ክመጽእ ከሎ ብህይወቶም ዝጸንሑ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ከም ኣባጊዕ ክፍረዱ ኢዮም።

      12. እቶም ኣባጊዕ ንየሱስ ብኸመይ ሕያውነት ከም ዝገበርሉ ዝሓቱስ ስለምንታይ ኢዩ፧

      12 እዞም ካልኦት ኣባጊዕ ሕጂ ምስቶም ቅቡኣት ኰይኖም ነቲ ብስራት መንግስቲ ይሰብኩን ይሕግዝዎምን እንተድኣ ኣለዉ: ስለምንታይ ድኣ ኢዮም “መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧” ኢሎም ዝሓትዎ። (ማቴዎስ 25:37) ብዙሕ ምኽንያታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። እዚ ምሳልያዊ ዛንታ ኢዩ። የሱስ በዚ መገዲ እዚ ገይሩ ኣብ ኣሕዋቱ ዘለዎ ዓሚቝ ተገዳስነት የርኢ፣ ንእኦም እተሰምዖም ይስምዖ: ክሳቐዩ ኸለዉ ድማ ይሳቐ ኢዩ። የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ “ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል: እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበል” በለ። (ማቴዎስ 10:40) ኣብዚ ምሳሌ እዚ: የሱስ እቲ ንኣሕዋቱ እተገብረ (ጽቡቕ ወይ ክፉእ): ክሳዕ ሰማይ እውን ከም ዝበጽሕ፣ ልክዕ ኣብ ሰማይ ከሎ ንእኡ ከም እተገብረሉ ብምርኣይ: ነቲ መምርሒ ኣስፊሕዎ ኢዩ። ከምኡውን: የሱስ ኣብዚ: ንስምረት ይኹን ወይ ንኹነኔ: ፍርዲ ኣምላኽ ግቡእን ቅኑዕን ምዃኑ ብምንጻር: ንፍርዲ ዝምልከት ስርዓት የሆዋ ኢዩ ዘጕልሕ ዘሎ። እቶም ኣጣል ‘ርኢናካ ነይርና እንተ ንኸውን እኮ’ ዝብል መመኽነይታ ከቕርቡ ኣይክእሉን ኢዮም።

      13. እቶም ብኣጣል ዝተመሰሉ ሰባት ንየሱስ “ጐይታይ” ኢሎም ዝጽውዕዎስ ስለምንታይ ኢዮም፧

      13 እቲ ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ ተገሊጹ ዘሎ ፍርዲ መዓስ ከም ዝወሃብ ሓንሳእ ምስ ተረዳእና እቶም ኣጣል መን ምዃኖም ብሩህ ሓሳብ ንረክብ ኢና። ናይዚ ፍጻሜ ‘ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ: ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ኪመጽእ ኺርእይዎ ከለዉ’ ዝኸውን ኢዩ። (ማቴዎስ 24:​29, 30 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቶም ካብቲ ናይ ዓባይ ባቢሎን ጸበባ ዝደሓኑ እሞ: ንኣሕዋት እቲ ንጉስ ድማ ብንዕቀት ዝረኣይዎም ሰባት ሕጂ ካብ ዓቕሊ ጽበት እተላዕለ ነቲ ፈራዲ “ጐይታይ” ኢሎም ይጽውዕዎ።​—⁠ማቴዎስ 7:​22, 23፣ ምስ ራእይ 6:​15-17 ኣነጻጽሮ።

      14. የሱስ ነቶም ኣባጊዕን ኣጣልን ብምንታይ መሰረት ኢዩ ዝፈርዶም፧

      14 ይኹን እምበር: ፍርዲ የሱስ ኣብቲ በቶም ቀደም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝመላለሱ ዝነበሩን ኢዚሀራውያንን ወይ ካልኦትን ዝቐርብ ናይ ዓቕሊ ጽበት ጥርዓን ኣይክምስረትን ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:⁠8) ኣብ ክንድኡ: እቲ ፈራዲ ነቲ ናይ ልቢ ኵነታትን ነቲ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ “ኻብዞም ናእሽቱ [ኣሕዋቱ] ንሓደ” እውን ከይተረፈ ዝገበርሉን ክምርምሮ ኢዩ። ብርግጽ: ናይቶም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት ቝጽሪ ይጐድል ኢዩ ዘሎ። ይኹን እምበር: እቶም ቅቡኣት: ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ክሳዕ ዘቘሙ: መንፈሳዊ መግብን መምርሕን ምሃብ ድማ ክሳዕ ዝቐጸሉ: ተስፋ ዘለዎም ኣባጊዕ ከምቲ እቶም ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን እተኣከቡ ዓቢ ጭፍራ’ ዝገብርዎ: ነቶም ክፍሊ ባርያ ጽቡቕ ክገብርሎም ሓደ ኣጋጣሚ ኣለዎም።​—⁠ራእይ 7:​9, 14

      15. (ሀ) ብዙሓት ገዛእ ርእሶም ኣጣል ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ንሓደ ሰብ በጊዕ ወይ ጤል ኢዩ ምባል ከነርሕቕ ዘሎናስ ስለምንታይ ኢዩ፧

      15 ኣሕዋት ክርስቶስን እቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ከም ሓደ መጓሰ ኰይኖም ምስኣቶም ዝሓበሩ ካልኦት ኣባጊዕን ብኸመይ ኢዮም ዝርኣዩ፧ ብዙሓት ሰባት ብብሕቶም ነቶም ናይ ክርስቶስ ወኪላት ኣየጥቅዕዎምን ይዀኑ: እንተዀነ ግን: ነቶም ህዝቡ ፍቕራዊ ምንክብኻብ ኣይገብሩሎምን ኢዮም። ነዛ እክይቲ ዓለም ብምምራጽ: ኣጣል መሰል ሰባት: ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ይስምዕዎ ብዘየገደስ: ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ነጺጎምዎ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 2:​15-17) ርግጽ ኢዩ: ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ክህብ ተመዚዙ ዘሎ የሱስ ኢዩ። መን በጊዕ መን ጤል ክንውስን ናትና ኣይኰነን።​—⁠ማርቆስ 2:8፣ ሉቃስ 5:22፣ ዮሃንስ 2:​24, 25፣ ሮሜ 14:​10-12፣ 1 ቈረንቶስ 4:⁠5

      ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ እንታይ መጻኢ ኣለዎ፧

      16, 17. እቶም ኣባጊዕ እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለዎም፧

      16 የሱስ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት: ንዑ: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ” ብምባል ፍርዱ ሃበ። “ንዑ”​—⁠ኣየ ከመይ ዝበለ ምዉቝ ዕድመ ኰን ኢዩ! ናብ ምንታይ፧ ኣብ መወዳእታ ከም ዝገለጾ: ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት:- “ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት [ክኣትዉ] እዮም።”​—⁠ማቴዎስ 25:​34, 46

      17 ኣብቲ ናይ መክሊት ምሳልያዊ ዛንታ: የሱስ ካብቶም ኣብ ሰማይ ምስኡ ዝገዝኡ እንታይ ከም ዝድለ ኣርኣየ: ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ግን ካብቶም ተገዛእቲ ናይታ መንግስቲ እንታይ ከም ዝድለ ኢዩ ዘርኣየ። (ማቴዎስ 25:​14-23) ብሓጺሩ: እቶም ኣባጊዕ ንኣሕዋት የሱስ ብምሉእ ልቦም ስለ ዝድግፍዎም ኣብቲ ምድራዊ ግዝኣት ናይታ መንግስቲ ክወርሱ ኢዮም። ንሳቶም ህይወት ኣብ ገነታዊት ምድሪ​—⁠ኣምላኽ “ኻብ ምስራት ዓለም” ኣትሒዙ በጅነት ንዝረኽቡ ሰባት ዘዳለዎ ተስፋ​—⁠ከስተማቕሩ ኢዮም።​—⁠ሉቃስ 11:​50, 51

      18, 19. (ሀ) የሱስ ነቶም ኣጣል እንታይ ፍርዲ ክህቦም ኢዩ፧ (ለ) እቶም ኣጣል ናይ ዘለኣለም ስቓይ ከም ዘየጋጥሞም ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

      18 ኣብ ልዕሊ እቶም ኣጣል ዝወርድ ፍርዲ: ካብቲ ናይቶም ኣባጊዕ ከመይ ዝበለ ፍልልይ ዘለዎ ኰን ኢዩ! “ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፤ ኣቱም ርጉማት: ካባይ ርሐቑ: ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። ጠምየ ነበርኩ እሞ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ: ኣየስቴኹምንን። ገይሸ: ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ: ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ: ተአሲረ: ኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶም፤ ጐይታይ: መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ: ወይ ጸሚእካ ወይ ጌሽካ: ወይ ዐሪቕካ: ወይ ሐሚምካ: ወይ ተአሲርካ: ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፤ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ: ኢሉ ይመልሰሎም።”​—⁠ማቴዎስ 25:​41-45

      19 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: እዚ: ናይቶም ኣጣል መሰል ሰባት ዘይሞታ ነፍሳት: ኣብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ክሳቐያ ኢየን ማለት ክኸውን ከም ዘይክእል ይፈልጡ ኢዮም። ከመይሲ: ሰባት ዘይሞታ ነፍሳት ዘለዋኦም ዘይኰኑስ: ነፍሳት ኢዮም። (ዘፍጥረት 2:7፣ መክብብ 9:​5, 10፣ ህዝቅኤል 18:⁠4) እቲ ፈራዲ ነቶም ኣጣል “ናብ ናይ ዘለኣለም [ሓዊ ትሓዓ ]” ክፈርዶም ከሎ: ናብቲ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን እውን ናይ ሓዋሩ መወዳእታ ዝዀነ: ንመጻኢ ተስፋ ኣልቦ ዝዀነ ጥፍኣት ማለቱ ኢዩ። (ራእይ 20:​10, 14) ስለዚ: እቲ የሆዋ ዝወከሎ ፈራዲ ኣንጻር ዝዀነ ፍርድታት ኢዩ ዝህብ። ነቶም ኣባጊዕ “ንዑ:” ነቶም ኣጣል ድማ “ካባይ ርሐቑ” ይብሎም። እቶም ኣባጊዕ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ክወርሱ ኢዮም። እቶም ኣጣል ድማ “ናይ ዘለኣለም [ምቝራጽ ትሓዓ ]” ክቕበሉ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 25:46b

      እዚ ንኣና እንታይ ማለት ኢዩ፧

      20, 21. (ሀ) ክርስትያናት ክግበር ዘለዎ እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ ኢዩ ዘለዎም፧ (ለ) ሕጂ ከመይ ዝበለ ምፍልላይ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ፧ (ሐ) እቲ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ክፍጸም ምስ ጀመረ ናይ ሰባት ኵነታት እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

      20 እቶም የሱስ ብዛዕባ ትእምርቲ ህላዌኡን መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዝን ዝሃቦ መልሲ ዝሰምዑ: ኣርባዕተ ሃዋርያት: ክሓስብሉ ዝነበሮም ብዙሕ ነገራት ነይርዎም ኢዩ። ክነቕሑን ክጥንቀቑን የድልዮም ነበረ። (ማቴዎስ 24:42) ነቲ ኣብ ማርቆስ 13:10 እተጠቕሰ ዕዮ ስብከት እውን ክገብርዎ የድልዮም ነይሩ ኢዩ። ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዕዮ እቲ ብህርኩት መንፈስ ይሳተፉ ኣለዉ።

      21 እንተዀነ ግን: እዚ ነተን ናይቲ ምሳልያዊ ዛንታ ኣባጊዕን ኣጣልን ዝምልከት ተወሳኺ ምርዳእ ንኣና እንታይ ማለት ኢዩ፧ ልክዕ ኢዩ: ሰባት ድሮ ወገን ይሕዙ ኢዮም ዘለዉ። ገሊኦም ኣብታ ‘ናብ ጥፍኣት እትወስድ ርሕብቲ ደገ’ ኣለዉ: ካልኦት ድማ ኣብታ ‘ናብ ህይወት እትወስድ ጸባብ ደገ’ ክጸንሑ ይጽዕሩ ኣለዉ። (ማቴዎስ 7:​13, 14) ይኹን እምበር ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ተገሊጹ ዘሎ: የሱስ ነተን ኣባጊዕን ኣጣልን ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዝእውጀሉ ግዜ ጌና ብሕጂ ኢዩ። ወዲ ሰብ ክፈርድ ኢሉ ምስ መጸ: ብዙሓት ናይ ሓቂ ክርስትያናት​—⁠ህይወቶም ዝወፈዩ ኣባጊዕ ናይቲ “ዓቢ ጭፍራ”​—⁠ካብቲ ናይ “ዓቢ ጸበባ” መወዳእታ ክፋል ናብታ ሓዳስ ዓለም ንምስጋር ብቑዓት ንክዀኑ ክምድቦም ኢዩ። እቲ ተስፋ እቲ ሕጂ ምንጪ ናይ ሓጐስ ክኸውን ኣለዎ። (ራእይ 7:​9, 14 ትሓዓ ) በቲ ኻልእ ወገን ድማ: ካብ “ኵሎም ኣህዛብ” ዝዀኑ ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰባት ከም ተረርቲ ኣጣል ክዀኑ ኢዮም። “ናብ ናይ ዘለኣለም [ምቝራጽ ትሓዓ ] ኪኸዱ እዮም።” ንምድርስ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ!

      22, 23. ናይዚ ምሳልያዊ ዛንታ ፍጻሜ ጌና ንመጻኢ ካብ ኰነ: ዕዮ ስብከትና ሎሚ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

      22 ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ተገሊጹ ከም ዘሎ እቲ ፍርዲ ኣብ ቀረባ መጻኢ ዝፍጸም እኳ እንተዀነ: ሕጂ እውን ከይተረፈ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ይፍጸም ኢዩ ዘሎ። ንሕና ክርስትያናት ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰባት ምፍልላይ ዘስዕብ: ህይወት ኣድሕን ዝዀነ ዕዮ ምእዋጅ ናይቲ መልእኽቲ ተሳቲፍና ኣሎና። (ማቴዎስ 10:​32-39) ጳውሎስ “ስም [የሆዋ ትሓዓ ] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ። . . . ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ፧ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧” ብምባል ጸሓፈ። (ሮሜ 10:​13, 14) ህዝባዊ ኣገልግሎትና ስም ኣምላኽን ናይ ድሕነት መልእኽቱን ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ንዘለዉ ሰባት ይበጽሖም ኢዩ ዘሎ። እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ጌና ነዚ ዕዮ እዚ ይመርሕዎ ኢዮም ዘለዉ። ሕጂ ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ካልኦት ኣባጊዕ ሓቢሮምዎም ኢዮም። ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ሰባት ድማ ነቲ ብኣሕዋት የሱስ ዝእወጅ መልእኽቲ ይምልስሉ ኣለዉ።

      23 ካብ ቤት ናብ ቤት ወይ ንእግረ መገድና ክንሰብኽ ከሎና ብዙሓት ሰባት መልእኽትና ብግልጺ ይበጽሖም ኢዩ። ካልኦት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን እንታይ ከም እንውክልን ንሕና ብዘይንርድኦ መገዲ ይፈልጡ ይዀኑ። ግዜ ፍርዲ ምስ በጽሐ: የሱስ ነቲ ናይ ማሕበረሰብ ሓላፍነትን ናይ ስድራቤት ጽቡቕ ጠባይን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣብ ግምት ዘእትዎ፧ እዚ ኢዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና: ምግማት ድማ ፋይዳ የብሉን። (ምስ 1 ቈረንቶስ 7:14 ኣነጻጽሮ።) ሕጂ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ጸማም እዝኒ ይህቡ: የላግጹ: ወይ ድማ ኣብቲ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ግሁድ ምስጓግ ይካፈሉ ኣለዉ። ስለዚ: እዚ ግዜ እዚ ወሳኒ ኢዩ: ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ከምቶም የሱስ ኣጣል ኢሉ ዝፈርዶም እናዀኑ ይኸዱ ይህልዉ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 10:22፣ ዮሃንስ 15:20፣ 16:​2, 3፣ ሮሜ 2:​5, 6

      24. (ሀ) ውልቀሰባት ንዕዮ ስብከትና ብጽቡቕ ክቕበልዎ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እዚ መጽናዕቲ እዚ ብብሕትኻ ንኣገልግሎትካ እንታይ ኣረኣእያ ክህልወካ ኢዩ ሓጊዙካ፧

      24 ዘሐጕስ ግን: ብዙሓት ብጽቡቕ ይቕበሉ: ቃል ኣምላኽ የጽንዑ: ከምኡውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዀኑ ኣለዉ። ገሊኦም ሕጂ ጤል ዝመስሉ ሰባት ተለዊጦም ከም በጊዕ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ዘገድስ: እዞም ምላሽ ዝህቡን ነቶም ተረፍ ኣሕዋት ክርስቶስ ብንጥፈት ዝድግፉን ዘለዉ ሰባት: ኣብዚ ቐረባ መጻኢ: ፍርዲ ክህብ ኢሉ ኣብ ዝፋኑ ክቕመጥ ከሎ: ኣብ የማን የሱስ ቦታ ንምሓዝ መሰረት ዝዀኖም መረጋገጺ ሕጂ ይህቡ ኣለዉ። እዚኣቶም ሕጂ ይባረኹ ኣለዉ ንዝመጽእ ድማ ክባረኹ ኢዮም። ስለዚ: እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንዝያዳ ቅንኢ ዝመልኦ ንጥፈት ከለዓዕለና ኣለዎ። ከይደንጐና: ናይታ መንግስቲ ብስራት ንምእዋጅ ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኢዩ ድሌትና: በዚ ድማ ካልኦት ንኽምልሱ ኣጋጣሚ ንህብ። ድሕርዚ ናይ ኩነኔ ወይ ናይ ስምረት ፍርዲ ምሃብ ግደ የሱስ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 25:⁠46

      [እግረ-ጽሑፋት]

      a ናይ 15 ለካቲት 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16-21 ርአ።

      b እታ ኤል ኤቫንሄልዮ ደ ማቴዎ (ናይ ማቴዎስ ወንጌል) እትብሃል መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ዘለኣለማዊ ህይወት ዘየማትእ ህይወት ኢዩ፣ ናይዚ ኣንጻር ድማ ዘየማትእ መቕጻዕቲ ኢዩ። እታ ኣዮኒዮስ እትብል ናይ ግሪኽ ቅጽል ብቐንዱ ንዓይነት ድኣምበር: ንግዜ ኣይተመልክትን ኢያ። እቲ ዘየማትእ መቕጻዕቲ ዘለኣለማዊ ሞት ኢዩ።” ጡረታ ዝወጸ ፕሮፌሰር ክዋን ማቴዎስ (ጳጳሳዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትካል: ሮም) ከምኡውን ፕሮፌሶር ፌርናንዶ ካማቾ (ስነ-ሃይማኖታዊ ማእከል: ሰቪለ): ማድሪድ: ስፐይን: 1981

      ትዝክሮዶ፧

      ◻ ኣብ መንጎ ማቴዎስ 24:​29-31 ከምኡውን 25:​31-33 ዘሎ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ንመጻኢ ከም ዘመልክት ዘርኢ እንታይ ምምስሳል ኢዩ ዝርከብ፧ እዚኸ መዓስ ኢዩ፧

      ◻ እቶም “ናእሽቱ” ኣሕዋት የሱስ መን ኢዮም፧

      ◻ እቲ “ጻድቃን” ዝብል የሱስ እተጠቕመሉ መግለጺ: እዚኣቶም ንመን ከም ዝውክሉን ንመን ከም ዘይውክሉን ንኸነለሊ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

      ◻ እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ንመጻኢ ዝፍጸም እኳ እንተዀነ: ሕጂ ስብከትና ኣገዳስን ህጹጽን ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

      [ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

      ነቲ ምምስሳላት ኣስተብህለሉ

      ማቴዎስ 24:​29-31 ማቴዎስ 25:​31-33 ትሓዓ

      እቲ ዓቢ ጸበባ ድሕሪ ምጅማሩ: ወዲ ሰብ ይርአ

      ወዲ ሰብ ይመጽእ

      ብብዙሕ ግርማ ይመጽእ ብኽብሩ ይርአ

      ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ

      መላእኽቲ ምስኡ ይህልዉ መላእኽቲ ምስኡ ይርኣዩ

      ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ይርእይዎ ኵሎም ኣህዛብ ይእከቡ፤ ኣጣል ይፍረዱ

      ኣብ መወዳእታ (እቲ ዓቢ ጸበባ ይውዳእ)

      [ምንጪ ስእሊ]

      Garo Nolbandian

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ