ኣብ ቅድሚ እቲ መንበር ፍርዲ ብኸመይ ክትቀውም ኢኻ፧
“ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ።”—ማቴዎስ 25:31
1-3. ንፍትሒ ዝምልከት ብሩህ ተስፋ ንኽህልወና እንታይ ምኽንያት ኢዩ ዘሎና፧
ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳያት ዝነግር ጸብጻብ ክሰምዑ ከለዉ: ብምህንጣይ ‘ገበነኛዶ ወይስ ንጹህ፧’ ኢሎም ይሓቱ። ፈራዶን ኣባላት መጋባእያን ንጹሃት ንምዃን ይፍትኑ ይዀኑ: ይኹን እምበር: ዝበዝሕ ግዜ ፍትሒ ይሰፍን ድዩ፧ ኣብ ፍርዳዊ ጕዳይ ብዛዕባ ዘጋጥም ዘይፍትሓውነትን ኣድልዎን ሰሚዕካዶ ኣይትፈልጥን፧ ካብቲ ኣብ ሉቃስ 18:1-8 ዝርከብ ናይ የሱስ ምሳሌ ከም እንርእዮ: ከምዚ ዝበለ ዘይፍትሓውነት ሓድሽ ነገር ኣይኰነን።
2 ብዛዕባ ሰብኣዊ ፍትሒ ዝዀነ ይኹን ተመኵሮ ይሃልኻ ብዘየገድስ: ነቲ ናይ የሱስ መደምደምታ ኣስተብህለሉ:- “ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ፧ . . . ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም: እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧”
3 እወ: የሆዋ ኣገልገልቱ ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ከም ዝረኽቡ ክገብር ኢዩ። ብፍላይ ሕጂ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ንነብር ስለ ዘሎና: የሱስ እውን እትው ኢዩ። የሆዋ እከይ ካብ ምድሪ ንምጽራግ ቀልጢፉ ነቲ ሓያል ወዱ ክጥቀመሉ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ 2 ተሰሎንቄ 1:7, 8፣ ራእይ 19:11-16) ካብቲ ሜብዛሕትኡ ግዜ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ተባሂሉ ዝጽዋዕ: ሓደ ካብቶም ኣብ መወዳእታ ዝሃቦም ምስላታቱ: ብዛዕባ ግደ የሱስ ዕምቝ ዝበለ ምርዳእ ክንረክብ ንኽእል ኢና።
4. ነቲ ግዜ ናይቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ብኸመይ ኢና እንርድኦ: እንተዀነ ግን: ሕጂ ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ ኣቓልቦ እንገብረሉ ስለምንታይ ኢና፧ (ምሳሌ 4:18)
4 ንነዊሕ ግዜ ዝኣክል: ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ: የሱስ ብ1914 ንጉስ ኰይኑ ከም እተቐመጠ ዝገልጽን ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ነቶም ኣባጊዕ ምዃኖም ዘርኣዩ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት: ነቶም ኣጣል ከኣ ንሓዋሩ ንጥፍኣት: ይፈርዶም ከም ዘሎን ገይርና ኢና ተረዲእናዮ። ይኹን እምበር: ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ እንደገና ምርኣይ: ብዛዕባ ግዜ ናይቲ ምሳልያዊ ዛንታን እንታይ ከም ዝገልጽን: ናብ ሓደ እተኣረመ ምርዳእ ኢዩ ዘብጽሕ። እዚ ምጽራይ እዚ ንኣድላይነት ዕዮ ስብከትናን ንኣገዳስነት ሰባት ዝህብዎ መልስን ዘሐይል ኢዩ። መሰረት ዝዓመቘ ምርዳእ ናይቲ ምሳልያዊ ዛንታ ንምርኣይ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን: ክልቲኦም ከም ነገስታትን ፈራዶን መጠን: እንታይ ከም ዝገልጽ ንርአ።
የሆዋ ከም ዝለዓለ ፈራዲ
5, 6. ንየሆዋ ከም ንጉስን ፈራድን ገይርና ክንርእዮ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
5 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓይሊ ብምርኣይ ኢዩ ንኣድማስ ዝገዝእ። መጀመርታን መወዳእታን ስለ ዘይብሉ: “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:17፣ መዝሙር 90:2, 4፣ ራእይ 15:3) ሕግታት ወይ ስርዓታት ከውጽእን ከተግብሮምን ስልጣን ኣለዎ። ይኹን እምበር: ስልጣኑ ፈራዲ ምዃን ዘጠቓልል ኢዩ። ኢሳይያስ 33:22 ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ፈራዲና: እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ: እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ: ንሱ ኼድሕነና እዩ።”
6 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ንየሆዋ ከም ናይ ጉዳያትን ክርክራትን ፈራዲ ገይሮም ፈሊጦምዎ ኢዮም። ንኣብነት: ‘እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ’ ነቲ ንሶዶምን ጎሞራን ዝምልከት ናይ እከይ መርትዖታት ድሕሪ ምምዛኑ: እቶም ተቐማጦ ጥፍኣት ከም ዝግብኦም ፈሪዱን ነቲ ጽድቃዊ ፍርዲ እቲ ድማ ተግቢርዎን ኢዩ። (ዘፍጥረት 18:20-33፣ እዮብ 34:10-12) የሆዋ ኵሉ ግዜ ፍርድታቱ ክፍጽም ዝኽእል ጻድቕ ፈራዲ ምዃኑ ክንፈልጥስ ክሳዕ ክንደይ ከተኣማምነና ዘለዎ ኰን ኢዩ!
7. ምስ እስራኤል ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ የሆዋ ከም ፈራዲ ኰይኑ ዝዓየየ ብኸመይ ኢዩ፧
7 ኣብ ጥንታዊ እስራኤል: የሆዋ ሓድሓደ ግዜ ብቐጥታ ፍርዲ ሂቡ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ፍጹም ፈራዲ ንጉዳያት ይውስን ከም ዝነበረ ብምፍላጥካስ ኣይምተጸናናዕካንዶ፧ (ዘሌዋውያን 24:10-16፣ ዘሁልቍ 15:32-36፣ 27:1-11) ከምኡውን ኣምላኽ: ንምፍራድ ከም መዐቀኒ ዝጠቕሙ ብምሉኦም ጽቡቓት ዝነበሩ “ናይ ፍርዲ ውሳኔታት” (ትሓዓ ) ሂቡ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 25:18, 19፣ ነህምያ 9:13፣ መዝሙር 19:9, 10፣ 119:7, 75, 164፣ 147:19, 20) ንሱ ‘ፈራድ ኵላ ምድሪ’ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ኵልና ንትንከፍ ኢና።—እብራውያን 12:23
8. ዳንኤል ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር ከመይ ዝበለ ራእይ ኢዩ ዝረኣየ፧
8 ነዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት መግለጺ “ናይ ዓይኒ ምስክር” ኣሎና። ነብዪ ዳንኤል ንመንግስታት ወይ ሃጸያት ዝውክሉ ጨካናት ኣራዊት ዘለውዎ ራእይ ተቐበለ። (ዳንኤል 7:1-8, 17) ንሱ ከምዚ ኢሉ ወሰኸ:- ‘ዝፋናት [ተዳለወ ትሓዓ ]: ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ ነበረ።’ (ዳንኤል 7:9) ዳንኤል ዝፋናት ከም ዝረኣየ ‘ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ [የሆዋ] ድማ ከም እተቐመጠ ’ ኣስተብህል። ንገዛእ ርእስኻ ‘ኣብዚ ዳንኤል ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ንጉስ ምዃን ድዩ ዝምስክር ዘሎ፧’ ብምባል ሕተት።—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
9. ኣብ ዝፋን ናይ ‘ምቕማጥ’ ሓደ ትርጉም እንታይ ኢዩ፧ ኣብነታት ሃብ።
9 ልክዕ ኢዩ: ሓደ ሰብ ኣብ ዝፋን “ተቐመጠ” ዝብል ምስ እነንብብ: ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ዓይነት ኣዘራርባ ስለ ዝጥቀም: ንጉስ ከም ዝዀነ ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: “[ዚምሪ] ነጊሱ ኣብ ዝፋኑ ምስ ተቐመጠ . . . ።” (1 ነገስት 16:11፣ 2 ነገስት 10:30፣ 15:12፣ ኤርምያስ 33:17) ሓደ መሲሓዊ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “ኣብ ዝፋኑ ድማ ኪቕመጥን ኪገዝእን እዩ። ” ስለዚ: ‘ኣብ ዝፋን ምቕማጥ’ ማለት ንጉስ ምዃን ማለት ኢዩ። (ዘካርያስ 6:12, 13) የሆዋ ኣብ ዝፋን ከም እተቐመጠ ንጉስ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። (1 ነገስት 22:19፣ ኢሳይያስ 6:1፣ ራእይ 4:1-3) ንሱ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” እዩ። እንተዀነ ግን: ናይ ሉዓላውነቱ ሓድሽ መዳይ ከረጋግጽ ከሎ: ልክዕ ኣብ ዝፋኑ ከም ዝቕመጥ ዘሎ ሓድሽ ንጉስ: ነጊሱ ክበሃል ይከኣል ኢዩ።—1 ዜና መዋእል 16:1, 31፣ ኢሳይያስ 52:7፣ ራእይ 11:15-17፣ 15:3፣ 19:1, 2, 6
10. ናይ እስራኤላውያን ነገስታት ቀዳማይ ተግባር እንታይ ነበረ፧ መብርሂ ሃብ።
10 ኣብዚ ግን ሓደ መሰረታዊ ነጥቢ ኣሎ:- ናይ ጥንታውያን ነገስታት ቀንዲ ተግባር ጉዳያት ምስማዕን ፍርድታት ምሃብን ኢዩ ነይሩ። (ምሳሌ 29:14) ክልተ ኣንስቲ ንሓደ ቈልዓ ውላድና ኢዩ ምስ በላ ዝነበረ ናይ ሰሎሞን ጥበባዊ ፍርዲ ዘክሮ። (1 ነገስት 3:16-28፣ 2 ዜና መዋእል 9:8) ሓደ ካብቶም መንግስታዊ ህንጻታቱ “መጋባእያ ዚወጸሉ ገበላ ዝፋን:” “ገበላ ፍርዲ” እውን ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ ኢዩ። (1 ነገስት 7:7) የሩሳሌም ‘ዝፋናት ፍርዲ እተነብረላ’ ቦታ ተባሂላ ትግለጽ ነይራ ኢያ። (መዝሙር 122:5) ብንጹር: ‘ኣብ ዝፋን ምቕማጥ’ ማለት ፍርዳዊ ስልጣን ምርኣይ ማለት እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ዘጸኣት 18:13፣ ምሳሌ 20:8
11, 12. (ሀ) ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ተጠቒሱ ዘሎ: ናይ የሆዋ ምቕማጥ እንታይ ትርጉም ኢዩ ነይርዎ፧ (ለ) የሆዋ ንኽፈርድ ከም እተቐመጠ ካልኦት ጥቕስታት ብኸመይ ኢዮም ዘረጋግጹ፧
11 ሕጂ ናብቲ ዳንኤል ‘እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ተቐሚጡ ’ ዝረኣየሉ ትርኢት ንመለስ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ዳንኤል 7:10: ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “ፍርዲ ዀነ: መጻሕፍቲውን ተገንጸለ።” እወ: እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ብዛዕባ ግዝኣት ዓለም ከምኡውን እቲ ወዲ ሰብ ክገዝእ ብቑዕ ምዃኑ ፍርዲ ንምሃብ ኢዩ ዝቕመጥ ዝነበረ። (ዳንኤል 7:13, 14) ድሕርዚ ‘እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ መጸ: ፍርዲ ድማ’ ነቶም ምስ ወዲ ሰብ ኰይኖም ክገዝኡ ብቑዓት ምዃኖም እተፈርዱ ‘ናይ ልዑል ቅዱሳን ተዋህበ’ ዝብል ነንብብ። (ዳንኤል 7:22 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብ መወዳእታ ‘ፍርዲ ይኸውን’ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ዓለም ድማ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ የውርድ።—ዳንኤል 7:26a
12 ስለዚ: ዳንኤል ኣምላኽ ‘ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ’ ምርኣዩ: ፍርዲ ክህብ ይመጽእ ኣሎ ማለት ኢዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ዳዊት “[የሆዋ] [ፍርደይን ትሓዓ ] ነገረይን ወዳእካ እሞ: ጻድቕ ፈራዲ ዄንካ ኣብ ዝፋን ተቐመጥካ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 9:4, 7) ዮኤል ድማ “ኣነ [የሆዋ] . . . ንዅሎም ህዝብታት ክፈርድሲ: ኣብኡ ክቕመጥ እየ እሞ: እቶም ህዝብታት ይበገሱ: ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከኣ ይውጽኡ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮኤል 3:12፣ ምስ ኢሳይያስ 16:5 ኣነጻጽሮ።) ክልቲኦም የሱስን ጳውሎስን ኣብቲ ሰባት: ጉዳይ ንኽሰምዑን ፍርዲ ንኽህቡን ዝቕመጥሉ ናይ ፍርዲ ኵነታት ኢዮም ነይሮም።b—ዮሃንስ 19:12-16፣ ግብሪ ሃዋርያት 23:3፣ 25:6
ናይ የሱስ ቦታ
13, 14. (ሀ) የሱስ ንጉስ ከም ዝኸውን ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ መረጋገጺ ነበሮም፧ (ለ) የሱስ መዓስ ኢዩ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ: ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንነጀው ዝገዝአኸ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
13 የሆዋ ክልቲኡ: ንጉስን ፈራድን ኢዩ። የሱስከ፧ እቲ ብዛዕባ ናይ የሱስ ምውላድ ዝኣወጀ መልኣኽ ከምዚ በለ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ: . . . መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።” (ሉቃስ 1:32, 33) የሱስ ነቲ ናይ ዳዊት ንግስነት ነባሪ ወራሲ ክኸውን ነበሮ። (2 ሳሙኤል 7:12-16) ዳዊት “[የሆዋ ትሓዓ ] ንጐይታይ [የሱስ]: ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም: ኣብ የማነይ ተቐመጥ: በሎ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ: ኣብ ማእከል ጸላእትኻ [እናሰዓርካ ኪድ ትሓዓ ]” ስለ ዝበለ: ካብ ሰማይ ኢዩ ክገዝእ።—መዝሙር 110:1-4
14 እዚ መዓስ ክኸውን ነበሮ፧ የሱስ ሰብ ከሎ ከም ንጉስ ኣይገዝአን። (ዮሃንስ 18:33-37) ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ሞተ: ተንሲኡ ድማ ንሰማይ ዓረገ። እብራውያን 10:12 ከምዚ ትብል:- “ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ: . . . ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።” የሱስ እንታይ ስልጣን ነበሮ፧ ‘ኣምላኽ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ኣቐመጦ: ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ኣርኣሶ። ኣብ ልዕሊ እታ ማሕበር ድማ ርእሲ ገበሮ።’ (ኤፌሶን 1:20-22) ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ንጉሳዊ ስልጣን ስለ ዝነበሮ: ጳውሎስ: የሆዋ “ካብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና: ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና” ኢሉ ክጽሕፍ ይኽእል ነይሩ ኢዩ።—ቈሎሴ 1:13፣ 3:1
15, 16. (ሀ) የሱስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኰነን እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) የሱስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክገዝእ ዝጀመረ መዓስ ኢዩ፧
15 ይኹን እምበር: ኣብቲ ግዜ እቲ: የሱስ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ከም ንጉስን ፈራድን ኰይኑ ኣይዓየየን። ነቲ ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ዝዓየሉ ግዜ እናተጸበየ: ኣብ ጐድኒ ኣምላኽ ኢዩ ተቐሚጡ ነይሩ። ጳውሎስ ብዛዕባኡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፤ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮምሲ: ኣብ የማነይ ተቐመጥ: ዝበሎ፧”—እብራውያን 1:13
16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናይ የሱስ እዋን ምጽባይ ብ1914 ኣብቲ ዘይርአ ሰማያት ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኰነ: ከም እተወድአ ዝነግር ብዙሕ መርትዖ ጽሒፎም ኢዮም። ራእይ 11:15, 18 ከምዚ ትብል:- “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን ኰይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ።” “ኣህዛብ ተቘጢዖም: ቍጥዓኻውን መጺኡ።” እወ: ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ህዝብታት ኣብ ንሓድሕዶም ቍጥዓኦም ገሊጾም ኢዮም። (ሉቃስ 21:24) እቲ ካብ 1914 ኣትሒዝና ዝረኣናዮ ውግኣት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ፌራ: ዋሕዲ መግቢ: ከምኡውን ካልእ ተመሳሳሊ ነገራት: የሱስ ሕጂ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ይገዝእ ከም ዘሎን መወዳእታ ዓለም ድማ ከም ዝቐረበን ዘረጋግጽ ኢዩ።—ማቴዎስ 24:3-14
17. ክሳዕ ሕጂ ከመይ ዝበሉ መሰረታውያን ነጥብታት ኢና ኣረጋጊጽና ዘሎና፧
17 ብሕጽር ዝበለ ድግማ:- ኣምላኽ ከም ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ከም ዝቕመጥ ክዝረብ ይከኣል ኢዩ: ይኹን እምበር ብኻልእ መገዲ ድማ ንኽፈርድ ኣብ ዝፋኑ ክቕመጥ ይኽእል ኢዩ። ብ33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ: ሕጂ ድማ ናይታ መንግስቲ ንጉስ ኰይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር: እዚ ሕጂ ከም ንጉስ ዝገዝእ ዘሎ የሱስ: ከም ፈራዲ ኰይኑኸ ይዓዪ ድዩ፧ እዚኸ: ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ: ንኣና ከገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
18. የሱስ ፈራዲ እውን ከም ዝኸውን እንታይ መርትዖ ኢዩ ዘሎ፧
18 እቲ ፈራዶ ንኽምዝዝ መሰል ዘለዎ የሆዋ: ንስርዓታቱ ከም ዝመልእ ፈራዲ መጠን ንየሱስ መረጾ። የሱስ ብዛዕባ እቶም ብመንፈስ ህያዋን ዝዀኑ ሰባት ክዛረብ ከሎ ነዚ ኣርኣዮ:- “ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር: ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ።” (ዮሃንስ 5:22) እንተዀነ ግን: ናይ ህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ስለ ዝዀነ: ናይ የሱስ ፍርዳዊ ግደ ክንዮ እቲ ዓይነት ምፍራድ እቲ ዝሓልፍ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:1) ሓደ ግዜ ጳውሎስ “[ኣምላኽ] በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዅሉ እምነት እናሀበ ዝመደቦ ሰብኣይ [የሱስ] ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ [ኣሎ]” ብምባል ገለጸ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:31፣ መዝሙር 72:2-7
19. የሱስ ከም ፈራዲ መጠን ከም እተቐመጠ ምዝራብ ቅኑዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
19 ስለዚ የሱስ ንፍሉይ ናይ ፍርዲ ዕማም ኣብ ዝፋን ክብሩ ተቐሚጡ ኣሎ ኢልና ክንድምድምስ ርግጽኛታት ዲና፧ እወ። የሱስ ነቶም ሃዋርያት “ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ: ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ: ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል [ክትፈርዱ ኢኹም]” በሎ። (ማቴዎስ 19:28 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሽሕ’ኳ የሱስ ሕጂ ናይታ መንግስቲ ንጉስ እንተዀነ: እቲ ኣብ ማቴዎስ 19:28 ተጠቒሱ ዘሎ ተወሳኺ ዕዮኡ: ኣብቲ ሽሕ ዓመት ንኽፈርድ ኣብ ዝፋን ምቕማጥ ከጠቓልል ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ንዅሎም ጻድቃንን ሓጥኣንን ደቅሰብ ክፈርድ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ናብ ሓደ ካብቶም ምስ ግዜናን ናብራናን ዝተሓሓዙ: ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታታት ኣቓልቦ ክንገብር ከሎና: ነዚ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ሓጋዚ ኢዩ።
እቲ ምሳልያዊ ዛንታ እንታይ ኢዩ ዝብል፧
20, 21. ሃዋርያት የሱስ ምስ ግዜና ዝዛመድ እንታይ ሕቶ ኢዮም ዝሓተቱ: እዚኸ ናብ ከመይ ዝበለ ሕቶ ይመርሕ፧
20 የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረ ሓጺር እዋን: ደቀ መዛሙርቱ “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴዎስ 24:3) የሱስ ‘መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ’ ኣብ ምድሪ ኣገደስቲ ምዕባለታት ክህሉ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። እቲ መወዳእታ እቲ: ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ዘሎ ሓጺር እዋን: ህዝብታት ‘ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።’—ማቴዎስ 24:14, 29, 30
21 እንተዀነ ግን: ኣብተን ሃገራት እቲኣተን ዘለዉ ህዝብታት ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ ብኸመይ ክሓልፍዎ ኢዮም፧ ካብቲ በዘን “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ” ዝብላ ቃላት ዝጅምር ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን እስከ ንርአ።—ማቴዎስ 25:31, 32
22, 23. እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ብ1914 ፍጻሜኡ ከም ዘይጀመረ ዝሕብሩ ነጥብታት እንታይ ኢዮም፧
22 እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ከምቲ ንነዊሕ ግዜ እንርድኦ ዝነበርና: የሱስ ብ1914 ኣብ ንጉሳዊ ሓይሉ ምስ ተቐመጠ ዝውዕል ድዩ፧ ሓቂ ኢዩ: ማቴዎስ 25:34 ንየሱስ ከም ንጉስ ገይራ ትዛረበሉ ኢያ: ስለዚ እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ካብቲ የሱስ ብ1914 ንጉስ ዝዀነሉ ኣትሒዙ ዘሎ ግዜ ተፈጻምነት ከም ዝረክብ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ድሕርዚ ቀልጢፉ ከመይ ዝበለ ፍርዲ ኢዩ ክፍጽም፧ ናይ “ኵሎም ኣህዛብ” ፍርዲ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ: ናብቶም “ቤት ኣምላኽ ” ነቕውም ኢና ዝብሉ ኢዩ ቆላሕታኡ ዝገበረ። (1 ጴጥሮስ 4:17) ምስ ሚልክያስ 3:1-3: ብምስምማዕ: የሱስ: ከም ልኡኽ የሆዋ መጠን: ነቶም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዝነበሩ ቅቡኣት ክርስትያናት ብፍርዳዊ መገዲ መርሚርዎም ኢዩ። ነቶም ብሓሶት “ቤት ኣምላኽ” ኢና ዝበሉ ህዝበ ክርስትያን ፍርዳዊ ውሳኔ ዝወሃበሉ ግዜ እውን ኢዩ ነይሩ።c (ራእይ 17:1, 2፣ 18:4-8) እንተዀነ ግን: ኣብቲ ግዜ እቲ ወይ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ: የሱስ ንህዝብታት ኵለን ሃገራት ኣብ መወዳእታ ከም ኣባጊዕን ኣጣልን መጠን ክፈርድ ኢሉ ከም እተቐመጠ ዝሕብር ነገር የሎን።
23 ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ዘሎ ናይ የሱስ ዕዮ እንተድኣ መርሚርናዮ: ኣብ መወዳእታ ንዅሎም ኣህዛብ ክፈርዶም ኢና እንዕዘብ። እቲ ምሳልያዊ ዛንታ: ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝሞተ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንናይ ዘለኣለም ሞት ወይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝፍረድ: ከምዚ ዝበለ ምፍራድ ንብዙሕ ዓመታት ከም ዝቕጽል ኣይሕብርን ኢዩ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ዝሞቱ ሰባት ናብቲ ናይ ደቅሰብ ተራ መቓብር ኢዮም ከይዶም። (ራእይ 6:8፣ 20:13) እንተዀነ ግን: እቲ ምሳልያዊ ዛንታ: ነቲ የሱስ ኣብቲ ግዜ እቲ ብህይወቶም ንዝህልዉን ነቲ ፍርዳዊ ውሳኔኡ ዝጋጠምዎን ናይ “ኵሎም ኣህዛብ” ሰባት ዝፈርደሉ ግዜ ኢዩ ዝገልጽ።
24. ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን መዓስ ክፍጸም ኢዩ፧
24 ብኻልእ ኣበሃህላ: እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ነቲ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ዝመጸሉ መጻኢ ግዜ ዘመልክት ኢዩ። ነቶም ሽዑ ብህይወቶም ዝጸንሑ ሰባት ንኽፈርዶም ክቕመጥ ኢዩ። ፍርዱ ኣብቲ ንገዛእ ርእሶም ብኸመይ ከም ዘቕርቡዋ ክምስረት ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ “ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን . . . ዘሎ ምፍልላይ” ብግሁድ ክርአ ኢዩ። (ሚልክያስ 3:18) እቲ ልክዕ ምእዋጅን ምፍጻምን ናይቲ ፍርዲ ኣብ ውሽጢ እተወሰነ ግዜ ክፍጸም ኢዩ። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ውልቀ-ሰባት ግሁድ ዝዀነ ነገራት እተመስረት ቅኑዕ ፍርዲ ክህብ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 5:10 እውን ርአ።
25. ማቴዎስ 25:31 ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ምቕማጥ ክዛረብ ከሎ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ፧
25 እዚ ማለት እምበኣር: እቲ ኣብ ማቴዎስ 25:31 እተጠቕሰ: የሱስ ንኽፈርድ ኢሉ ‘ኣብ ዝፋን ክብሩ ምቕማጡ:’ ነቲ እዚ ሓያል ንጉስ እዚ ንኣህዛብ ፍርዲ ክእውጅን ክፍጽምን ኢሉ ዝቕመጠሉ መጻኢ ግዜ ዘመልክት ኢዩ። እወ: እቲ ኣብ ማቴዎስ 25:31-33, 46 ዝርከብ ንየሱስ ዝምልከት ትርኢት: ምስቲ ከም ፈራዲ ኰይኑ ፍርዱ ንኽፍጽም እተቐመጠ: ስልጣን ሒዙ ዘሎ ንጉስ: ጥንታዊ ዝመዓልቱ: ዝገልጽ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ዝርከብ ትርኢት ዝነጻጸር ኢዩ።
26. ከመይ ዝበለ ሓድሽ መግለጺ ናይቲ ምሳልያዊ ዛንታ ኢዩ ብሩህ ዝዀነ፧
26 ነቲ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ከምዚ ገይርካ ምርድኡ: ነተን ኣባጊዕን ኣጣልን ፍርዲ ምሃብ: ንመጻኢ ግዜ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር። እዚ: ድሕሪ ምብራዕ ናይቲ ኣብ ማቴዎስ 24:29, 30 ተጠቒሱ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” (ትሓዓ ) ከምኡውን ወዲ ሰብ ‘ብኽብሩ ምስ መጸ’ ክፍጸም ኢዩ። (ምስ ማርቆስ 13:24-26 ኣነጻጽሮ።) ድሕርዚ: እዚ እኩይ ኣገባብ ብምሉኡ ኣብ መወዳእታኡ ምስ በጽሐ: የሱስ ፍርዲ ክህብን ክፍጽምን ክጋባእ ኢዩ።—ዮሃንስ 5:30፣ 2 ተሰሎንቄ 1:7-10
27. ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ምሳልያዊ ዛንታ የሱስ ንምፍላጥ ክንግደሰሉ ዘሎና እንታይ ኢዩ፧
27 እዚ ነቲ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ዝፍረዳሉ: ማለት ብዛዕባ እቲ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ዝፍጸመሉ ግዜ ዘሎና ምርዳእ ዘነጽር ኢዩ። እዚ ግን ነዞም ብስራት ናይታ መንግስቲ ብቕንኢ እንሰብኽ ዘሎና ሰባት ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፈና፧ (ማቴዎስ 24:14) ንዕዮና ትሑት ኣገዳስነት ከም ዝህልዎ ዝገብር ድዩ ወይስ ዓቢ ናይ ሓላፍነት ሰከም ዘምጽእ ኢዩ፧ ብኸመይ ከም እንትንከፍ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ንርአ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እታ ኣብ ዳንኤል 7:10, 26 ዘላ “ፍርዲ” ዀነ እትብል ቃል: ኣብ እዝራ 7:26 ከምኡውን ዳንኤል 4:37፣ 7:22 እውን ትርከብ ኢያ።
b ነቲ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ናብ ቤት ፍርዲ ምክሳሶም ኣመልኪቱ: ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም [ቃል ብቓሉ “ኮፍ ተብልዎምዶ”] ኢኹም፧”—1 ቈረንቶስ 6:4
c ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 56, 73, 235-45, 260 ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ የሆዋ ከም ንጉስን ፈራድን ኰይኑ ዝዓዪ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ‘ኣብ ዝፋን ምቕማጥ’ እንታይ ክልተ ትርጉም ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧
◻ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማቴዎስ 25:31 ዘሎ ግዜ: ቅድም እንታይ ኢና ንብል ነይርና: ይኹን እምበር ንእተኣረመ ኣረኣእያ እንታይ መሰረት ኣሎ፧
◻ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 25:31 ተሓቢሩ ዘሎ: ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዝቕመጥ መዓስ ኢዩ፧