ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ምብጽጻሕ መጽሔት ኣማዕብል
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንመጽሔታትና ምንባብ ዚፈትዉ ሓያሎ ሰባት፡ ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ድሌት የብሎምን። ምናልባት ብሃይማኖቶም ዕጉባት ይዀኑ ወይ እውን ንኼጽንዑ ግዜ ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኣዘውቲሮም መጽሔታትና ብዘንበቡ መጠን፡ ንቓል ኣምላኽ ኪብህግዎ ይኽእሉ እዮም። (1 ጴጥ. 2:2) ምናልባት ሓንቲ ዓንቀጽ ንልቦም ኽትትንክፍ ትኽእል ወይ እውን ኵነታቶም ይቕየር ይኸውን። ስሩዕን ሓጺርን ዝዀነ ምብጻሕ፡ ዝያዳ ፍዅስ ከም እንብሎም ይገብር፡ ብዛዕባ እቲ ዜገድሶምን ዜተሓሳስቦም ነገራት ንኽንፈልጥ እውን ይሕግዘና እዩ። ድሕሪ ግዜ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅመር ይኽእል ይኸውን።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
ዝርዝር ኣስማት እቶም መጽሔታት ከተበጻጽሓሎም እትኽእል ሰባት ኣዳሉ። ንቕዳሕ እተን ሓደስቲ መጽሔታት ኣበርክተሎም፣ ነተን ዚቕጽላ መጽሔታት ከም እተምጽኣሎም ድማ ሓብሮም።