መዝሙር 7
ክርስትያናዊ ወፈያ
1. የሆዋ ንዅሉ ፍጥረት
ስለ ዝፈጠሮ፡
ንብረቱ’ዩ ምድረ ሰማይ
ባዕሉ ዝገበሮ።
ውዳሰን ኣምልኾን ኵሉ
ይግባእ ንዕኡ፡
እስትንፋስ ሂወት ሂቡና’ዩ፡
ረኺብና ብሳላኡ።
2. የሱስ ተጠሚቑ ብማይ፡
ጽድቂ ንኺዓምም፡
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቃል ኣትዩ
ፍቓዱ ኺፍጽም።
ኰይኑ ወዲ ኣምላኽ ቅቡእ፡
ምስ ወጸ ኻብቲ ማይ፡
ኣገልግሎቱውን ጀመረ፡
ኰይኑ ናይ ኣምላኽ ውፉይ።
3. የሆዋ ኽንውድሰካ፡
ነቕርብ ርእስና፣
ገዛእ ነፍስና ቐቢጽና፡
ንውፊ ህይወትና።
ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ፡
ወድኻ ሂብካና፡
ደጊም ንዓኻ’ዩ ምንባርና፡
ኣይኰነን ንርእስና።
(ማቴ. 16:24፣ ማር. 8:34፣ ሉቃ. 9:23 እውን ርአ።)