መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ለካቲት 2019
4-10 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሮሜ 1–3
“ንሕልናኻ ብቐጻሊ ኣሰልጥኖ”
(ሮሜ 2:14, 15) እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ ብባህርዮም ነቲ ሕጊ ኺገብርዎ ኸለዉ፡ ንሳቶም ሕጊ ዘይብሎም ክነሶም፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። 15 ሕልናኦም ምሳታቶም ኰይኑ እናመስከረሎም፡ ሓሳቦም እውን እናኸሰሶም ወይ እናኣመኻነየሎም፡ እቲ ሕጊ ዚሓትቶ ግብሪ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ
ንየሆዋ ዘይፈልጥዎ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ብዙሕ ግዜ ቕኑዕን ጌጋን ከም ዘሎ ይፈልጡ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሓሳቦም ከም ዚኸስሶም ወይ ከም ዜመኻንየሎም’ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 2:14, 15) ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት፡ ቅትለት ወይ ስርቂ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ዋላ እኳ እንተ ዘይተፈለጦም፡ ነቲ ቕኑዕን ጌጋን ኪፈልዩ የሆዋ ኣብ ውሽጦም ዘንበረሎም ሕልና እዮም ዚሰምዑ ዘለዉ። ብዘይካዚ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ህይወትና ጽቡቕ ምርጫታት ክንገብር ዝሃበና መሰረታዊ ስርዓታት ወይ ሓቅታት እዮም ዚስዕቡ ዘለዉ።
(ሮሜ 2:15) ሕልናኦም ምሳታቶም ኰይኑ እናመስከረሎም፡ ሓሳቦም እውን እናኸሰሶም ወይ እናኣመኻነየሎም፡ እቲ ሕጊ ዚሓትቶ ግብሪ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ
ገሊኦም ሰባት ንስምዒታቶም ኪስዕቡ ኸለዉ፡ ንሕልናኦም ዚሰምዑ ዘለዉ ይመስሎም እዩ። ቅኑዕ ኰይኑ ኽሳዕ እተሰምዖም፡ ዝደለይዎ ዘበለ ኺገብሩ ዚኽእሉ ይመስሎም እዩ። ስምዒታትና ግና ዘይፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ኬስሕተና ይኽእል እዩ። ስምዒታትና ኣዝዩ ሓያል ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ንሕልናና ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጠላምን ቀባጽን እዩ። መንከ ኺፈልጦ ይኽእል፧” ይብል። (ኤርምያስ 17:9) ስለዚ፡ ሓደ ነገር ጌጋ ኽነሱ፡ ቅኑዕ ኪመስለና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ይሰጕጎም ነይሩ እዩ፣ ቅኑዕ ዝገበረ እውን ይመስሎ ነይሩ እዩ። ብናቱ ርእይቶ፡ ሰናይ ሕልና እዩ ነይርዎ። ጸኒሑ ግና፡ “እቲ ዚምርምረኒ፡ የሆዋ እዩ” ኢሉ እዩ። (1 ቈረንቶስ 4:4፣ ግብሪ ሃዋርያት 23:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:3) ብዛዕባ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ነገር የሆዋ ኸመይ ከም ዚስምዖ ምስ ተማህረ ግና፡ ኪልወጥ ከም ዜድልዮ ፈሊጡ እዩ። እምበኣር፡ ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባርና፡ ‘የሆዋ እንታይ ክገብር እዩ ዚደልየኒ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና።
ንሓደ ሰብ እንተ ፈቲኻዮ፡ ከተጕህዮ ኣይትደልን ኢኻ። ንሕና እውን ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ፡ ዜጕህዮ ነገር ክንገብር ኣይንደልን ኢና። ንየሆዋ ኸይነጕህዮ ብርቱዕ ፍርሃት ከነሕድር ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነህምያ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ነቲ ኸም ሹም መጠን ዝነበሮ ስልጣን ንምህብታም ኣይተጠቕመሉን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ባዕሉ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንኣምላኽ ስለ ዝፈራህኩ” ኢሉ እዩ። (ነህምያ 5:15) ነህምያ ንየሆዋ ዜጕህዮ ዋላ ሓደ ነገር ኪገብር ኣይደለየን። ንሕና እውን ከም ነህምያ፡ ንየሆዋ ዜጕህዮ ሕማቕ ነገር ከይንገብር ንፈርህ ኢና። ብንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና ኸኣ፡ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ነገር ክንምሃር ንኽእል ኢና።—ተወሳኺ ሓበሬታ 6 ርአ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ሮሜ 3:4) ያእ ኣይፋሉን! ከምቲ፡ “ብቓላትካ ምእንቲ ኽትጸድቕን ኪፍረደካ ኸሎ ምእንቲ ኽትረትዕን” ዚብል እተጻሕፈ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ዀይኑ፡ ኵሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ዀይኑ ይረኸብ።
ካብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዚጐልሕ ነጥብታት
3:4። እቲ ሰብ ዚብሎ ነገር ምስቲ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ዝበሎ ኺጋጮ ኸሎ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ብምውካልን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ብምምልላስን፡ ‘ኣምላኽ ሓቀኛ ዀይኑ ኸም ዚርከብ’ ንገብር። ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ብቕንኣት ብምክፋል እውን፡ ካልኦት ንኣምላኽ ሓቀኛ ዀይኑ ንኺረኽብዎ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።
(ሮሜ 3:24, 25) በቲ ብክርስቶስ የሱስ እተኸፍለ በጃ ድማ፡ ብናጻ ውህበት ብጸጋኡ እዮም ዚጸድቁ። 25 ኣምላኽ ንዕኡ፡ ነቶም ብደሙ ዚኣምኑ መተዓረቒ ገይሩ ኣቚምዎ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ እናተጻወረ ነቲ ቐደም እተገብረ ሓጢኣት ብምሕዳግ፡ ጽድቁ ኼርኢ ኢሉ እዩ።
ካብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዚጐልሕ ነጥብታት
3:24, 25—እቲ ‘ብየሱስ ክርስቶስ እተኸፍለ በጃ’ ነቲ “ቐደም . . . እተገብረ ሓጢኣት” ኪሽፍኖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዚርከብ ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ ናይ መጀመርታ ትንቢት፡ የሱስ ብ33 ድ.ክ. ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ምስ ሞተ ተፈጸመ። (ገላ. 3:13, 16) ይኹን እምበር፡ ብኣረኣእያ የሆዋ እንተ ርኢናዮ: እቲ በጃ ኻብታ ነቲ ትንቢት እተዛረበላ ግዜ ጀሚሩ ተኸፊሉ እዩ። ከመይሲ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝዓለሞ ኺዓግቶ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር የልቦን። ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ መሰረት ብምግባር፡ ንሓጢኣት እቶም ኣብዚ መብጽዓ እዚ እምነት ዘሕደሩ ዘርኢ ኣዳም ይቕረ ኺብለሎም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ በጃ፡ እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ሰባት ትንሳኤ ኸም ዚረኽቡ ገበረ።—ግብ. 24:15።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ሮሜ 1:1-17) ካብ ጳውሎስ እቲ ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዐ፡ ንብስራት ኣምላኽ ከኣ እተፈልየ፡ እተላእከት መልእኽቲ፣ 2 እዚ ብስራት እዚ ድማ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ብነብያቱ ኣቢሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎ ዀይኑ፡ 3 ብዛዕባ እቲ ብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝመጸ ወዱ እዩ። 4 ንሱ ኻብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅድስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ ተጋሂዱ እዩ፣ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ። 5 ስለ ስሙ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ብእምነት ተኣዛዝነት ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን ተቐቢልና ኢና፣ 6 ካብቶም ኣህዛብ እውን ንስኻትኩም ናይ የሱስ ክርስቶስ ክትኰኑ ተጸዊዕኩም ኣለኹም። 7 ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ሮሜ ዘለዉ ቕዱሳት ኪዀኑ እተጸውዑ ፍቑራት ኣምላኽ፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 8 እምነትኩም ኣብ ኵላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ። 9 ከየቋረጽኩ ዅሉ ሳዕ ኣብ ጸሎተይ ከም ዝጠቕሰኩም፡ እቲ ብዛዕባ ወዱ እናኣበሰርኩ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ፣ 10 ሕጂ ኣብ መወዳእታ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰሊጡንስ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እልምን እየ። 11 ምእንቲ ኽትጸንዑስ፡ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም ኢለ፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣለኹ፣ 12 ማለት፡ ብእምነት ሓድሕድና፡ በታ ናትኩምን በታ ናተይን እምነት፡ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ኢለ እየ። 13 ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ኣብ ካልኦት ኣህዛብ ዝረኸብክዎ፡ ኣባኻትኩም እውን ፍረ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ ብዙሕ ግዜ ኸም ዝሓለንኩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣለኹ። 14 ንግሪኻውያንን ንጓኖትን፡ ንለባማትን ንዓያሹን ዕዳ ኣሎኒ። 15 ስለዚ፡ ኣብ ሮሜ ንዘለኹም እውን ከበስረኩም ተሃንጥየ ኣለኹ። 16 ብብስራትሲ ኣይሓፍርን እየ፣ እኳ ደኣስ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ፡ ከምኡ ድማ ንግሪኻዊ፡ ንድሕነት ዚኸውን ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 17 ከመይሲ፡ ከምቲ፡ “ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር” ዚብል እተጻሕፈ፡ ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ብእምነትን ንእምነትን ይግለጽ ኣሎ።
11-17 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሮሜ 4-6
“ኣምላኽ ንፍቕሩ . . . የርእየና ኣሎ”
(ሮሜ 5:8) ግናኸ፡ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሙማቱ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ በዚ የርእየና ኣሎ።
(ሮሜ 5:12) ስለዚ ኸኣ፡ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ—።
ኣምላኽ፡ ፍቕሩ ንዓና የርኢ ኣሎ
ጳውሎስ፡ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ኢሉ ነቲ ጕዳይ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሮሜ 5:12) ነዚ ኽንፈልጥ ዝኸኣልና፡ ኣምላኽ ነቲ ህይወት ደቂ ሰብ ብኸመይ ከም ዝጀመረ ዚገልጽ ጸብጻብ ተመዝጊቡ ኸም ዚጸንሕ ስለ ዝገበረ እዩ። የሆዋ፡ ኣዳምን ሄዋንን ንዚበሃሉ ኽልተ ሰባት ፈጠረ። ፈጣሪ ፍጹም እዩ፣ እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ናይ መጀመርታ ሰባት እውን ፍጹማት እዮም ነይሮም። ኣምላኽ ሓደ መምርሒ ሃቦም፡ ነቲ መምርሒ እንተ ጥሒሶም ድማ፡ ከም ዚሞቱ ነገሮም። (ዘፍ. 2:17) ይኹን እምበር፡ ስለ እተበላሸዉ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ቅኑዕ መምርሒ ጠሓሱ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ወሃብ ሕጎምን ልዑላዊ ገዛኢኦምን ከይከውን ነጸግዎ።—ዘዳ. 32:4, 5።
(ሮሜ 5:13, 14) ሕጊ ቕድሚ ምምጻኡስ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነይሩ እዩ፣ ሕጊ ኸየሎ ግና፡ ሓጢኣት ኣይቍጸርን እዩ። 14 ግናኸ፡ ሞት ካብ ኣዳም ክሳዕ ሙሴ፡ ኣብቶም ከም ኣበሳ ኣዳም ዘይሓጥኡ እውን ነጊሱ እዩ፣ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ኺመጽእ ዝነበሮ እዩ።
ኣምላኽ፡ ፍቕሩ ንዓና የርኢ ኣሎ
ኣዳም ውሉዳት ዝወለደ ድሕሪ ምሕጣኡ ስለ ዝነበረ፡ ንዅሎም ደቁ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ኣሕሊፉሎም እዩ። ዘርኢ ኣዳም ከም ኣቦኦም ነቲ መለኮታዊ ሕጊ ስለ ዘይጠሓሱ፡ በቲ ኣዳም ዝፈጸሞ ሓጢኣት ተኸሰስቲ ኣይነበሩን፣ ካልእ ሕጊ እውን ገና ኣይተዋህቦምን ነይሩ። (ዘፍ. 2:17) ኰይኑ ግን፡ ሓጢኣት ወሪሶም እዮም። ስለዚ ኸኣ፡ ክሳዕ እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ሓጥኣን ከም ዝዀኑ ብንጹር ዚሕብሮም ሕጊ ዝሃበሉ እዋን፡ ሓጢኣትን ሞትን ኣብ ልዕሊ ሰባት ሰልጢኑ ነበረ። (ሮሜ 5:13, 14 ኣንብብ።) ሓጢኣት ዜምጽኦ ሳዕቤን ንምብራህ፡ ብውርሲ ንዚመሓላለፍ ሕማም ከም ኣብነት ጌርና ኽንወስድ ንኽእል ኢና፣ ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕማም፡ ሄሞፊልያ ዚበሃል ነዝዒ ደም ዜስዕብ ሕማም ኪጥቀስ ይከኣል። ንኣብነት፡ እቲ ንዛር (ሃጸይ) ኒኮላስ ዳግማይን ንኣሌክሳንድራን ወዶም ዝነበረ ኣሌክሲ፡ ሄሞፊልያ ወሪሱ ኸም ዝነበረ ኣንቢብካ ትኸውን ኢኻ። ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስድራ ቤት ዚውለዱ ውሉዳት ተሰከምቲ እቲ ሕማም ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ በቲ ሕማም ከይሳቐዩ ይኽእሉ እዮም። ሓጢኣት ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ። እቲ ኻብ ኣዳም እተወርሰ ሓጢኣት ክትሃድመሉ ዘይከኣል ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ዜሳቒ እዩ። ኵሉ ይወርሶ እዩ። ወትሩ ሞት እዩ ዜስዕብ። ናብ ኵሎም ውሉዳት ከኣ እዩ ዚሓልፍ። እሞኸ እዚ ሕማቕ ኵነታት እዚ ኺውገድ ይከኣልዶ፧
(ሮሜ 5:18) እምበኣር፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ እተዀነነ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ንህይወት ይጸድቕ ኣሎ።
(ሮሜ 5:21) ስለምንታይ፧ ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝነገሰ፡ ከምኡ ድማ ጸጋ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ኣቢሉ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ጽድቂ ምእንቲ ኺነግስ እዩ።
ኣምላኽ፡ ፍቕሩ ንዓና የርኢ ኣሎ
ኣብዚ እታ “ምጽዳቕ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እንታይ ትርጕም ሒዛ ኣላ፧ ሓደ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሒዛቶ ዘላ ሓሳብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ሕጋውነት እተልብስ ሕጋዊ ተምሳል እያ። ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ርክብ ንእተገብረ ለውጢ ደኣ እምበር፡ እቲ ሰብ ንዚገብሮ ውሽጣዊ ለውጢ ኣይኰነን እተመልክት። . . . ኣብቲ ተምሳል፡ ኣምላኽ ንተኸሳሲ ጽቡቕ ከም ዚብይነሉ ዳኛ ኰይኑ እዩ ተገሊጹ፣ እቲ ተኸሳሲ ዘይጽድቃዊ ተግባር ብምግባሩ ተኸሲሱ እዩ ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ኣምላኽ ቀሪቡ። ኣምላኽ ግን ነቲ ተኸሳሲ ሓራ ኣውጽኦ።”
እቲ ጻድቕ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” ንሓደ ሓጥእ ሰብ ኬጽድቖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 18:25) ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ምድሪ ብምልኣኽ፡ ንሰባት ንምጽዳቕ መሰረት ኣንበረ። የሱስ ከቢድ ፈተናታትን ላግጽን ግፍዕን እኳ እንተ ወረዶ፡ ምሉእ ብምሉእ ፍቓድ ኣቦኡ ፈጺሙ እዩ። ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኺመውት ከሎ እውን ከይተረፈ፡ ንጽህናኡ ሓልዩ እዩ። (እብ. 2:10) የሱስ ነቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብኣዊ ህይወቱ መስዋእቲ ብምግባር፡ ንዘርኢ ኣዳም ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኼውጽኦም ወይ ኪብጀዎም ዚኽእል በጃ ኸፈለ።—ማቴ. 20:28፣ ሮሜ 5:6-8።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ሮሜ 6:3-5) ወይስ ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ኪህልወና እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና፡ ተኻፈልቲ ሞቱ ኽንከውን ከም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 4 እምበኣር፡ ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ንሕና እውን ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ብጥምቀትና ናብ ሞቱ ምስኡ ተቐቢርና ኢና። 5 ብኣምሳል ሞቱ ምስኡ እንተ ሓቢርና፡ ብኣምሳል ትንሳኤኡ እውን ብርግጽ ምስኡ ኽንሓብር ኢና።
ካብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዚጐልሕ ነጥብታት
6:3-5—ናብ ክርስቶስ የሱስን ናብ ሞቱን ምጥማቕ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ኪቐብኦም ከሎ፡ ምስ የሱስ ሓደ ብምዃን ኣባላት ኣካል ክርስቶስ፡ ማለት ኣባላት እታ የሱስ ዝርእሳ ጉባኤ ይዀኑ። (1 ቈረ. 12:12, 13, 27፣ ቈሎ. 1:18) እዚ ኸኣ ናብ ክርስቶስ የሱስ ምጥማቕ የመልክት። ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ብምሕዳግ መስዋእታዊ ናብራ ህይወት ስለ ዚነብሩ፡ ‘ናብ ሞት ክርስቶስ ተጠሚቖም’ እውን ኪበሃል ይከኣል እዩ። ስለዚ፡ እቲ ዚሞትዎ ሞት፡ ንኻልኦት ናይ ምብጃው ዓቕሚ እኳ እንተ ዘይብሉ፡ ልክዕ ከም የሱስ መስዋእታዊ ሞት እዩ። ሞይቶም ኣብ ሰማይ ንኺነብሩ ምስ ተንስኡ ድማ ናብ ሞት ክርስቶስ ምጥማቖም ይዛዘም።
(ሮሜ 6:7) እቲ ዝሞተስ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ።
ኣቦሓጎታተይ እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧
ሓጥኣን ምስ ተንስኡ፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ነገራት ድዮም ኪፍረዱ፧ ኣይፋሎምን። ሮሜ 6:7፡ “እቲ ዝሞተ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ” ትብል። እቶም ሓጥኣን ምስ ሞቱ፡ ካብ ሓጢኣቶም ናጻ ዀይኖም እዮም። ስለዚ፡ በቲ ድሕሪ ትንሳኤ ዚፍጽምዎ ነገራት ደኣ እምበር፡ በቲ ፍቓድ ኣምላኽ ቅድሚ ምፍላጦም ዝገበርዎ ነገራት ኣይፍረዱን እዮም። እቶም “ሓጥኣን” እንታይ ጥቕሚ እዮም ኪረኽቡ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ሮሜ 4:1-15) እምበኣር፡ እቲ ብስጋ ኣቦና ዝዀነ ኣብርሃም እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና፧ 2 ኣብርሃም ሳላ ግብሪ ጸዲቑ እንተ ዚኸውንሲ፡ መመክሒ ምረኸበ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይኰነን። 3 እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ እንታይ ድዩ ዚብል፧ “ኣብርሃም ብየሆዋ ኣመነ፡ ጽድቂ ዀይኑ ድማ ተቘጽረሉ።” 4 ንሓደ ዚገብር ሰብ፡ ዓስቡ ኸም ጸጋ ዘይኰነስ፡ ከም ዚእውዶ ዕዳ እዩ ዚቝጸረሉ። 5 ንሓደ ዘይገብር፡ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ደኣ ዚኣምን ሰብ ግና፡ እምነቱ ኸም ጽድቂ እያ እትቝጸረሉ። 6 ከምቲ ዳዊት ብዛዕባ ሓጐስ እቲ ኣምላኽ ብዘይ ግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ ሰብ ዝበሎ እዩ፦ 7 “እቶም ጥሕሰቶም እተሓድገሎም፡ ሓጢኣቶም እውን እተኸድነሎም፡ ሕጉሳት እዮም፣ 8 የሆዋ ሓጢኣቱ ዘይቈጽረሉ ሰብ ሕጉስ እዩ።” 9 እዛ ሓጐስ እዚኣ ደኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ፡ ወይስ ንዘይግዙራት እውን፧ ከመይሲ፡ “ንኣብርሃም፡ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ” ንብል ኢና። 10 መዓስከ እያ እተቘጽረትሉ፧ ምስ ተገዝረ ድያ፡ ወይስ ከይተገዝረ፧ ምስ ተገዝረ ዘይኰነስ፡ ከይተገዝረ እያ። 11 ንዅሎም እቶም ከይተገዝሩ ዚኣምኑ እሞ፡ እዚ እውን ጽድቂ ዚቝጸረሎም ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውን፡ በታ ኸይተገዝረ ኸሎ ዝነበረቶ እምነት ኣቢሉ፡ ምልክት፡—ማለት ግዝረት፡—ከም ማሕተም ጽድቂ ገይሩ ተቐቢሉ እዩ፣ 12 ኣቦ ግዙራት ዘርኢ፡ ማለት ነቶም ዚግዘሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣስኣሰር እታ ኣቦና ኣብርሃም ከይተገዝረ ኸሎ ዝነበረቶ እምነት ስዒቦም ብስርዓት ዚመላለሱ እውን ኣቦኦም ኰይኑ እዩ። 13 ከመይሲ፡ ኣብርሃም ወይስ ዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ኪኸውን እተተስፈወ፡ ብሕጊ ዘይኰነስ፡ ብእምነት ብዚርከብ ጽድቂ እዩ። 14 እቶም ንሕጊ ዚስዕቡ ወረስቲ እንተ ዚዀኑስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ ተስፋ እውን ባዶ ምዀነት። 15 እቲ ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዜምጽእ፣ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፡ ኣብኡ ኣበሳ የልቦን።
18-24 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሮሜ 7-8
“‘ብሃረርታዶ ትጽበ’ ኣለኻ፧”
(ሮሜ 8:19) ከመይሲ፡ ፍጥረት ንምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ብሃረርታ ይጽበ ኣሎ።
የሆዋ ናብቲ ናይ ሓቂ ሓርነት ይምራሕካ
ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድራውያን ኣገልገልቱ ዚህቦም ሓርነት፡ “ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ” በለ። (ሮሜ 8:19-21) “እቲ ፍጥረት” ነቶም ካብቲ “ምግላጽ” እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ደቂ ኣምላኽ ዚጥቀሙ፡ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ደቂ ሰብ የመልክት። እዞም “ደቂ” እዚኦም ተንሲኦም ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ንምድሪ ኻብ እከይ ብምጽራይ፡ ነቶም “ብዙሓት ሰብ” ናብቲ ሓድሽ ስርዓት ኪመርሕዎም እዮም፣ በዚ ኸምዚ፡ እቲ ምግላጽ ይጅምር።—ራእ. 7:9, 14።
(ሮሜ 8:20) ምኽንያቱ፡ ፍጥረት ብፍቓዱ ዘይኰነስ፡ በቲ ዘግዝኦ፡ ብተስፋ ንኸንቱ እዩ ተገዚኡ፣
ብተስፋና ንተሓጐስ
የሆዋ ንደቂ ሰብ “ተስፋ” ዝሃቦም፡ በቲ “ዘርኢ” ኣቢሉ ኻብቲ “ናይ ጥንቲ ተመን” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኬድሕኖም ምዃኑ መብጽዓ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን እዩ። (ራእ. 12:9፣ ዘፍ. 3:15) ቀንዲ ኽፍሊ እቲ “ዘርኢ፡” የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ገላ. 3:16) የሱስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ኣቢሉ፡ ደቂ ሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኺወጹ ምዃኖም ተስፋ ኣንቢሩ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ፡ ምስ “ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ” ተተሓሒዙ ኣሎ። እቶም ክብሪ ዝለበሱ ቕቡኣት፡ ካልኣይ ክፍሊ እቲ “ዘርኢ” እዮም። ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ነዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ኬጥፍእዎ ኸለዉ ድማ፡ ‘ኪግለጹ’ እዮም። (ራእ. 2:26, 27) እዚ ኸኣ፡ ነቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚወጹ ኻልኦት ኣባጊዕ ድሕነት ኬምጽኣሎም እዩ።—ራእ. 7:9, 10, 14።
(ሮሜ 8:21) እዛ ተስፋ እዚኣ ኸኣ፡ ፍጥረት ንባዕሉ እውን፡ ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ኺወጽእን ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ኪህልዎን እያ።
ብተስፋና ንተሓጐስ
“ፍጥረት” ደቂ ሰብ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኣየ ኸመይ ዝበለ እፎይታ ዀን እዮም ኪረኽቡ! ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ክብሪ ዝለበሱ “ደቂ ኣምላኽ” ምስ ክርስቶስ ከም ካህናት ኰይኖም ብምዕያይ ንረብሓታት መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ኣብ ደቂ ሰብ ኬውዕልዎ ኸለዉ፡ ብተወሳኺ ‘ኺግለጹ’ እዮም። ሽዑ እቶም እዙዛት “ፍጥረት” ደቂ ሰብ፡ ከም ተገዛእቲ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ በብቝሩብ “ካብ ባርነት ጥፍኣት፡” ማለት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኺወጹ እዮም። ኣብተን ሽሕ ዓመትን ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ኣብ ዚህሉ ናይ መወዳእታ ፈተናን ንየሆዋ እሙናት እንተ ዀይኖም፡ ስሞም ንሓዋሩ “ኣብ መጽሓፍ ህይወት” ኪጸሓፍ እዩ። “ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ድማ ኪኣትዉ እዮም። (ራእ. 20:7, 8, 11, 12) እዚ ብሓቂ ኽቡር ተስፋ እዩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ሮሜ 8:6) ናይ ስጋ ምሕሳብ፡ ሞት እዩ፣ ናይ መንፈስ ምሕሳብ ግና፡ ህይወትን ሰላምን እዩ፣
ትዝክሮዶ፧
ኣብ መንጎ “ናይ ስጋ ምሕሳብ”ን “ናይ መንፈስ ምሕሳብ”ን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ (ሮሜ 8:6)
ናይ ስጋ ዚሓስብ ሰብ ኣብቲ ዘይፍጹም ስጋኡ ዘለዎ ትምኒታትን ዝንባለታትን የተኵር፡ ወግሐ ጸብሐ ድማ ብዛዕባ ናይ ስጋ ይዛረብ፡ ንናይ ስጋ ዘበለ ኸኣ ኣኽቢሩ ይርእዮ። ናይ መንፈስ ዚሓስብ ሰብ ድማ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሓሳብ ኣምላኽን እዩ ዜተኵር፣ ከምዚ ዝበለ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ይጽሎ እዩ። ናይ ስጋ ምሕሳብ ናብ ሞት እዩ ዚመርሕ፡ ናይ መንፈስ ምሕሳብ ግና ናብ ህይወትን ሰላምን እዩ ዚመርሕ።—w16.12፡ ገጽ 15-17።
(ሮሜ 8:26, 27) ከምኡ ድማ፡ እቲ መንፈስ እውን ንድኻምና ይድግፎ እዩ፣ ክንጽሊ ኼድልየና ኸሎስ፡ እንታይ ክንብል ከም ዚግብኣና ኣይንፈልጥን ኢና፣ እቲ መንፈስ ባዕሉ ግና ብዘይተዘርበ እህህታ ገይሩ ይልምነልና እዩ። 27 ንሱ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ምእንቲ ቕዱሳት ይልምን እዩ እሞ፡ እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ሓሳብ እቲ መንፈስ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ።
ጸሎትካ ብዛዕባኻ እንታይ ይገልጽ፧
ሓድሓደ ግዜ፡ ብብሕቲ ኣብ እንጽልዮ ጸሎት እንታይ ከም እንብል ኣይንፈልጥን ንኸውን። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። እቲ ልቢ ዚምርምር [ኣምላኽ]፡ . . . ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።” (ሮሜ 8:26, 27) የሆዋ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ብዙሕ ጸሎት ከም ዚምዝገብ ገይሩ እዩ። ነቲ መንፈስ ኣብ ዝነፈሶ ቓሉ ዚርከብ ጸሎትን ልማኖን ከም ናትና ገይሩ ብምቕባል፡ እንደልዮ የማልኣልና። ኣምላኽ ንዓና ይፈልጠና እዩ፡ ነቲ እቲ መንፈስ ብጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ እተዛረቦ ነገራት እውን ይፈልጦ እዩ። እቲ መንፈስ ምስ “ዚልምነልና” ወይ ዜማልደልና፡ የሆዋ ንልማኖና ይምልሰልና እዩ። ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕና እናፈለጥናዮ ምስ ከድና ግን፡ ብዛዕባ እንታይ ከም እንጽሊ ብቐሊሉ ናብ ኣእምሮና ኺመጸልና ይኽእል እዩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ሮሜ 7:13-25) እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንዓይ ሞት ዝዀነኒ፧ ያእ ኣይፋሉን! ሓጢኣት በቲ ሰናይ ኣቢሉ ሞት ከም ዜምጽእ ኪርአስ፡ ሓጢኣት በቲ ትእዛዝ ኣቢሉ ኣዝዩ ሓጥእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ። 14 እቲ ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑስ ንፈልጥ ኢና፣ ኣነ ግና ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። 15 ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣለኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። 16 ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እሰማምዓሉ ኣለኹ። 17 ሕጂ ግና እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። 18 ሰናይ ክገብር ድሌት ደኣ ኣሎኒ እምበር፡ ክእለት የብለይን እሞ፡ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘይሓድር እፈልጥ እየ። 19 ከመይሲ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣለኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። 20 ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብሮስ፡ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። 21 እምበኣር፡ ሰናይ ክገብር እናደለኹ፡ እከይ ኣባይ ከም ዘሎ፡ እዚ ሕጊ ዀይኑኒ ረኸብክዎ። 22 ብውሽጠይሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ደስ ይብለኒ እዩ፣ 23 ግናኸ፡ ኣብ ሰብነተይ ምስ ሕጊ ኣእምሮይ ዚዋጋእን ናብቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ዚማርኸንን ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ። 24 እዋይ ኣነ መከረኛ ሰብ! ካብዚ ናብ ሞት ዚመርሕ ሰብነት እዝስ መን ኬናግፈኒ እዩ፧ 25 ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ይመስገን! እምበኣር፡ ብኣእምሮይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት ባርያ እየ።
25 ለካቲት–3 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሮሜ 9-11
“ምሳሌ ኦም ኣውልዕ”
(ሮሜ 11:16) እቲ ኸም በዅራት እተወስደ ኽፋል እቲ ብሑቝ ቅዱስ እንተ ዀይኑ፡ ብምሉኡ እውን ቅዱስ እዩ፣ እቲ ሱር ቅዱስ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ጨናፍሩ እውን ቅዱስ እዩ።
‘ወዳጄ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ’
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ሰባት፡ ምስ ጨናፍር ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ ኣመሳሰሎም። (ሮሜ 11:21) እዚ ኦም ኣውልዕ እዚ፡ ነቲ ምስቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ዚተሓሓዝ ዕላማ ኣምላኽ የመልክት። ሱር እዚ ኦም እዚ ቕዱስ ኰይኑ ንየሆዋ እዩ ዜመልክት፣ የሆዋ ኸኣ እዩ ነቶም ብመንፈስ እስራኤላውያን ህይወት ዚህቦም። (ኢሳ. 10:20፣ ሮሜ 11:16) እቲ ጕንዲ ነቲ ቐንዲ ኽፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ የሱስ እዩ ዜመልክት። እቲ ጨናፍር ከኣ፡ ‘ንብምሉኦም’ እቶም ካልኣይ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም እዩ ዜመልክት።
(ሮሜ 11:17) ግናኸ፡ ገለ ኻብቶም ጨናፍር እንተ ተሰይሮም፡ ንስኻ ድማ ኣውልዕ በረኻ ኽነስኻ፡ ኣብ መንጎኦም እንተ ተዳቒልካ፡ ተኻፋሊ እቲ ማራ ሱር ኣውልዕ ድማ እንተ ዄንካ፡
(ሮሜ 11:20, 21) ሕራይ! ንሳቶም ብዘይምእማኖም ተሰይሮም፣ ንስኻ ግና ብእምነት ኢኻ ደው ኢልካ ዘለኻ። ፍራህ ደኣ እምበር፡ ኣይትተዓበ። 21 ኣምላኽ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝዀኑ ኻብ ዘይነሓፎምሲ፡ ንዓኻ እውን ኣይኪንሕፈካን እዩ።
‘ወዳጄ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ’
እሞኸ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም እንታይ ገበረ፧ ጳውሎስ ከም ዝገለጾ፡ ነቶም እተሰብሩ ጨናፍር ንምትካእ፡ ጨናፍር ኣውልዕ በረኻ ተወሲዱ ኣብቲ ኦም ኣውልዕ ከም ዚትከል ተገብረ። (ሮሜ 11:17, 18 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ከምቶም ኣብ ጉባኤ ሮሜ ዝነበሩ ዝኣመሰሉ ገሊኦም ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት፡ ኣብቲ ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ ተተኺሎም እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ኰኑ። ኣብ ፈለማ፡ ጨናፍር ኣውልዕ በረኻ ስለ ዝነበሩ፡ ክፍሊ እዚ ፍሉይ ኪዳን ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኣይነበሮምን። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ መንፈሳውያን ኣይሁድ ኪዀኑ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም።—ሮሜ 2:28, 29።
(ሮሜ 11:25, 26) ኣሕዋተየ፡ ጥበበኛታት ከም ዝዀንኩም ምእንቲ ኸይመስለኩምሲ፡ ብዛዕባ እዚ ቕዱስ ምስጢር ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይደልን እየ፦ ምሉእ ቍጽሪ ኣህዛብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ኣብ እስራኤል ብኸፊል ድንዛዘ ልቢ ዀይኑ ኣሎ፣ 26 በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኵሉ እስራኤል ኪድሕን እዩ። ከምቲ ኸምዚ ዚብል እተጻሕፈ እዩ፦ “መናገፊ ኻብ ጽዮን ኪመጽእ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ እከይ ኬርሕቕ እዩ።
‘ወዳጄ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ’
እቲ የሆዋ ን“ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ብዚምልከት ዘውጸኦ ዕላማ፡ ብዜደንቕ መገዲ ይፍጸም ኣሎ። (ገላ. 6:16) ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ “ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን እዩ።” (ሮሜ 11:26) ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ እዋን፡ “ብዘሎ እስራኤል፡” ማለት ብምሉኦም መንፈሳውያን እስራኤላውያን፡ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኣብ ሰማይ ኬገልግሉ እዮም። ንዕላማ የሆዋ ኺዓናቕፎ ዚኽእል ዋላ ሓደ ነገር የልቦን።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ሮሜ 9:21-23) ሰራሕ ካይላዶ ኻብ ሓደ ጸብሪ ገሊኡ ንኽብሪ፡ ገሊኡ እውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቕሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧ 22 ኣምላኽ ቍጥዓኡ ኼርእን ሓይሉ ኼፍልጥን ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቕሑ ቝጥዓ ብብዙሕ ዓቕሊ እንተ ጾሮምከ፧ 23 እዚ ኸኣ ነቶም ኣቐዲሙ ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቕሑ ምሕረት፡ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም ኢሉ እንተ ዀነኸ፧
ተግሳጽ የሆዋ ይቕረጽካ
ሰባት ሓንጊዶም በቲ ዓብዪ ሰራሕ መሬት ዝዀነ የሆዋ ኪቕረጹ እንተ ዘይደልዮምከ፧ የሆዋ ንስልጣኑ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ፧ መሬት ነቲ እተደልየ ዕላማ እንተ ዘይበቒዑ እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል እሞ ሕሰብ። እቲ ሰራሕ መሬት ብእኡ ገይሩ ኻልእ ዓይነት ኣቕሓ ኪሰርሕ ወይ ከኣ ስቕ ኢሉ ኺድርብዮ ይኽእል እዩ። እቲ መሬት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ጌጋ ናይቲ ሰራሕ መሬት እዩ። እቲ ሰራሒና ዝዀነ የሆዋ ግና ፈጺሙ ኣይጋገን እዩ። (ዘዳ. 32:4) ሓደ ሰብ ብየሆዋ ኪቕረጽ ፍቓደኛ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ጕድለት ወትሩ ናይቲ ሰብ እዩ። የሆዋ ንሰባት ኪቐርጾም ከሎ፡ ኣብ ዚህብዎ ምላሽ ተመርኲሱ ነቲ ዚቐርጸሉ መገዲ የተዓራርዮ እዩ። እቶም ጽቡቕ ምላሽ ዚህቡ ሰባት ከኣ ንጽቡቕ ይቕረጹ። ንኣብነት፡ ቅቡኣት ክርስትያናት “ንኽብሪ” ስለ ዚቕረጹ፡ “ኣቕሑ ምሕረት” እዮም ዚዀኑ። እቶም ሓንጊዶም ንኣምላኽ ዚጻረርዎ ሰባት ግና፡ “ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቕሑ ቝጥዓ” እዮም ዚዀኑ።—ሮሜ 9:19-23።
(ሮሜ 10:2) ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም እየ።
it-1-E 1260 ¶2
ቀናእ፡ ቅንኢ
ግጉይ ቅንኣት። ሓደ ሰብ ብቕንዕና ተላዒሉ እኳ ንሓደ ዕላማ ቕንኣት እንተ ሃለዎ ወይ ቀናእ እንተ ዀነ፡ ኪጋገ ወይ ንኣምላኽ ባህ ከየብሎ ይኽእል እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ ከምኡ እዮም ነይሮም። በቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚገብርዎ ግብርታት እዮም ጽድቂ ኺረኽቡ ዚደልዩ ነይሮም። ጳውሎስ ግና፡ ልክዕ ፍልጠት ስለ ዘይነበሮም፡ ቅንኣቶም ኣንፈቱ ዝሰሓተ ኸም ዝነበረ ሓቢሩ ኣሎ። ስለዚ፡ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ናይ ሓቂ ጽድቂ ኣይረኸቡን። ጽድቂ ምእንቲ ኺረኽቡን ካብ ኵነኔ እቲ ሕጊ ሓራ ምእንቲ ኺወጹን፡ ጌጋኦም ተረዲኦም ብክርስቶስ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ነይርዎም። (ሮሜ 10:1-10) ሳውል ብዓል ጠርሴስ ሓደ ኻባታቶም እዩ ነይሩ፣ ንሱ ንኣይሁድነት እምብዛ ቐናእ ብምንባሩ፡ ‘ንጉባኤ ኣምላኽ ሰጒጕዋን ኣዕንዩዋን’ እዩ። ንሕጊ ሙሴ ተጠንቂቑ ይሕልዎ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ መዳይ እቲ “መንቅብ ዘይብለይ” ኪብል ክኢሉ እዩ። (ገላ 1:13, 14፣ ፊል 3:6) ኰይኑ ግና፡ እቲ ንኣይሁድነት ዝነበሮ ቕንኣት ኣንፈቱ ዝሰሓተ እዩ ነይሩ። ቅኑዕ ዝልቡ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ብክርስቶስ ኣቢሉ ብዘርኣዮ ጸጋ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺምለስ ኣጋጣሚ ኸፊቱሉ እዩ።—1ጢሞ 1:12, 13።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ሮሜ 10:1-15) ኣሕዋተየ፡ ሃረርታ ልበይን ምእንታኦም ናብ ኣምላኽ ዘቕርቦ ምህለላይንሲ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ እዩ። 2 ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም እየ። 3 ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም፡ ጽድቂ ርእሶም እውን ኪስርቱ ብምድላዮም፡ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝእዋን። 4 ዚኣምን ዘበለ ጽድቂ ምእንቲ ኺረክብሲ፡ ክርስቶስ መወዳእታ ሕጊ እዩ። 5 ከመይሲ፡ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ብሕጊ ዚርከብ ጽድቂ፡ “እቲ ዚገብሮ ሰብ፡ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። 6 እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፦ “ብልብኻ ኸምዚ ኣይትበል፦ ‘መን ናብ ሰማይ ኪድይብ እዩ፧’ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶ፣ 7 ወይስ፡ ‘መን ናብ መዓሙቝ ኪወርድ እዩ፧’ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬምጽኦ።” 8 ግናኸ እንታይ እዩ ዚብል፧ “እቲ ቓል ቀረባኻ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ”፣ ማለት እቲ እንሰብኮ “ቓል” እምነት። 9 ብኣፍካ እቲ ቓል፡ ማለት የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነጊርካ፡ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እውን ብልብኻ እንተ ኣሚንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። 10 ከመይሲ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑ እውን ይድሕን እዩ። 11 እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ፡ “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይኪሓፍርን እዩ” ይብል እዩ። 12 ምኽንያቱ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ ሃብታም ዝዀነ ሓደ ጐይታ እዩ ዘሎ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ግሪኻውን ፍልልይ የልቦን። 13 ማለት፡ “ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።” 14 ግናኸ፡ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ፡ ከመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ ኸመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ እዮም፧ ብዘይ ሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ እዮም፧ 15 ከምቲ፡ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቓት እየን!” ዚብል እተጻሕፈ፡ ከይተላእኩኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰብኩ እዮም፧