ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • fg ትምህርቲ 5 ሕቶ. 1-5
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
  • ብስራት ኣምላኽ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ገነት ኣበይ ትርከብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • “ኣብ ገነት የራኽበና!”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
ብስራት ኣምላኽ
fg ትምህርቲ 5 ሕቶ. 1-5

ትምህርቲ 5

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

1. ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧

ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን ከለዉ፡ ጸኒሖም ከኣ ምስ ተሰጉ

የሆዋ ንምድሪ መንበሪት ደቂ ሰብ ክትከውን እዩ ፈጢርዋ። ስለዚ እምበኣር፡ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ኣይኰኑን ተፈጢሮም። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዚነብሩ መላእኽቲ ኣቐዲሙ ፈጢሩ ነይሩ እዩ። (እዮብ 38:4, 7) ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም ግና፡ ገነት ኤደን ኣብ እትብሃል ባህ እተብል ቦታ እዩ ኣንቢርዎ። (ዘፍጥረት 2:15-17) ንዕኡን ንዘርኡን ከኣ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ሂብዎም።—መዝሙር 37:29፣ 115:16 ኣንብብ።

ኣብ ፈለማ፡ ኤደን ጥራይ እያ ገነት ነይራ። እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ንምድሪ ብዘርኦም ኪመልእዋ ነበሮም። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ንምልእቲ ምድሪ ኺገዝእዋን ገነት ኪገብርዋን ነበሮም። (ዘፍጥረት 1:28) እወ፡ ምድሪ ኸቶ ኣይትጠፍእን እያ። ወትሩ፡ መንበሪት ደቂ ሰብ ኰይና ኽትቅጽል እያ።—መዝሙር 104:5 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ

2. ሎሚ ምድሪ ገነት ዘይኰነት ስለምንታይ እያ፧

ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍረሱ፡ የሆዋ ድማ ካብ ገነት ኣውጽኦም። ብሰንኪ እዚ፡ ገነት ጠፍአት፣ ደቂ ሰብ ከኣ ኪመልስዋ ኣይከኣሉን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምድሪ ኣብ ኢድ እኩይ ተዋሂባ ኣላ” ይብል።—እዮብ 9:24።—ዘፍጥረት 3:23, 24 ኣንብብ።

ሰባት ኣብ ምድራዊት ገነት ኣባይቲ ኺሃንጹ ኸለዉ

የሆዋ ነቲ ኣብ ፈለማ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ ገዲፍዎ ድዩ፧ ኣይገደፎን። ንሱ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ። ዕላማኡ ኸይተፈጸመ ኸኣ ኣይተርፍን እዩ። (ኢሳይያስ 45:18) ንደቂ ሰብ ናብቲ ኣብ መጀመርታ ዓሊምሎም ዝነበረ ዅነታት ኪመልሶም እዩ።—መዝሙር 37:11, 34 ኣንብብ።

3. ምድሪ፡ ገነት እትኸውን ብኸመይ እያ፧

የሱስ ብኣምላኽ እተሸመ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ከሎ፡ ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እያ። ኣብቲ ኣርማጌዶን ዚብሃል ውግእ፡ ንመላእኽቲ ኣምላኽ መሪሑ ንዅሎም እቶም ንኣምላኽ ዚጻረርዎ ሰባት ኬጥፍኦም እዩ። ሽዑ፡ ንሰይጣን ን1,000 ዓመት ኪኣስሮ እዩ። ንህዝቢ ኣምላኽ ግና ኪመርሖምን ኬዕቍቦምን እዩ። ንሳቶም ካብቲ ጥፍኣት ድሒኖም ኣብ ገነት፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ራእይ 20:1-3፣ 21:3, 4 ኣንብብ።

4. መከራ ዜብቅዕ መዓስ እዩ፧

ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ እከይ ዜወግዶ መዓስ እዩ፧ የሱስ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር “ምልክት” ሂቡ ነይሩ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ዓለም ንህልውና ደቂ ሰብ ዜስግእ እዩ፣ ኣብ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ንነብር ከም ዘለና ኸኣ ይሕብር።—ማቴዎስ 24:3, 7-14, 21, 22 ኣንብብ።

የሱስ ኣብተን 1,000 ዓመት፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ንምድሪ ኣብ ዚገዝኣሉ እዋን፡ ንዅሉ መከራ ኼጥፍኦ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 11:9) ንጉስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ እውን ስለ ዜመሓድር፡ ንሓጢኣት እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ኪድምስሶ እዩ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ንሕማምን ንእርጋንን ንሞትን ኬወግዶ እዩ።—ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24 ኣንብብ።

5. ኣብ እትመጽእ ገነት ዚነብሩ መን እዮም፧

ሰባት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪምሃሩ ኸለዉ

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ምስቶም ንኣምላኽ ስለ ዜፍቅርዎ ብኸመይ ከም ዜሐጕስዎ ኺመሃሩ ዚደልዩ ሰባት ክትራኸብ ኢኻ

እቶም ንኣምላኽ ዚእዘዝዎ ሰባት ኣብ ገነት ኪነብሩ እዮም። (1 ዮሃንስ 2:17) የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንትሑታት ሰባት ብምድላይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብኸመይ ተቐባልነት ከም ዚረኽቡ ኺምህርዎም ለኣኾም። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ የሆዋ ኣብታ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ እትህሉ ገነት ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት የዳሉ ኣሎ። (ጸፎንያስ 2:3) ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ተባዕትዮ ብኸመይ ዝሓሹ ሰብኡትን ኣቦታትን ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ብኸመይ ዝሓሻ ኣንስትን ኣዴታትን ኪዀና ኸም ዚኽእላ ዚገልጽ ትምህርቲ ይውሃብ እዩ። ቈልዑን ወለድን ብሓባር የምልኹ፡ ካብቲ ብስራት ብኸመይ ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ እውን ይምሃሩ እዮም።—ሚክያስ 4:1-4 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 እታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ