ሕማቕ ነገር ምስ ዝግበር ክንነግር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ገለ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ሰባት “እቲ ሓደ ነገር ርእዩ ዘቃልዕ ሰብ: ናይ ህዝቢ ጸላኢ ኢዩ ዝኸውን” ዝብል ብሂል ኣለዎም። ኦሉ: ምዕባዩ ሓዉ ምስ ሓፍቱ ምንዝር ከም ዝፈጸመ ምስ ነገረ ከምዚ ኢዩ ኣጋጢምዎ። ሓዉ “ሓሲኻ ኢኻ!” ብምባል ተቛየቖ። ድሕርዚ ንኦሉ ኣጸቢቑ ወቕዖ: ካብ ናይቲ ስድራቤት መንበሪ ገዛ ሰጐጎ: ንዅሉ ናይ ኦሉ ክዳውንቲ ድማ ኣንደዶ። እቶም ኣብቲ ዓዲ ዘለዉ ሰባት ድማ ንሓዉ ደገፍዎ። ኦሉ ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ዓዲ ብኽፉእ ዝርአ ኰነ: ስለዚ ድማ ነቲ ዓዲ ገዲፍዎ ክወጽእ ነበሮ። እታ ጓል ከም ዝጠነሰት ምስ ተፈልጠት ጥራይ ኢዩ ኦሉ ዝበሎ ሓቂ ከም ዝነበረ እተፈልጠ። እቲ ሓዉ ተናስሐ: ኦሉ ድማ እንደገና ስምረት ረኸበ። ነገራት ብሓቂ ዝገደደ ምዀነ ነይሩ። ኦሉ ክቕተል ይኽእል ነይሩ ኢዩ።
እቶም ንየሆዋ ፍቕሪ ዘይብሎም ሰባት ዝገበርዎ ጌጋ ክቃላዕ ከም ዘይፈትዉ ንጹር ኢዩ። እቲ ሓጥእ ሰብኣዊ ዝንባለ ተግሳጽን ቍጥዓን ካብ ዝመጸ ይምጻእ ክቕበል ኣይደልን ኢዩ። (ምስ ዮሃንስ 7:7 ኣረኣእዮ።) ናይ ካልኦት ጌጋ ነቶም ከዐርይዎም ዝኽእሉ ሰባት ምንጋር ብዝምልከት ብዙሓት ከም ጕንዲ ስቕ እንተ በሉ እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ።
ተግሳጽ ዘምጽኦ ጥቕሚ ምምሳው
ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ንተግሳጽ ዝምልከት እተፈለየ ኣረኣእያ ኢዩ ዘሎ። ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰብኡትን ኣንስትን እቲ የሆዋ ነቶም ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ዝጋገዩ ሰባት ንምሕጋዝ ገይርዎ ዘሎ ምድላው ኣጸቢቖም የማስውሉ ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ተግሳጽ ናይ ፍቕራዊ ሕያውነቱ መግለጺ ገይሮም ኢዮም ኣፍልጦ ዝህብሉ።—እብራውያን 12:6-11
እዚ በቲ ኣብ ህይወት ንጉስ ዳዊት ዘጋጠመ ነገር ብኣብነት ክግለጽ ይኽእል ኢዩ። ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ጻድቕ ሰብኣይ እኳ እንተነበረ: ኣብ ሓደ ከቢድ ጌጋ ዝወደቐሉ ግዜ ነይሩ ኢዩ። መጀመርታ: ዝሙት ፈጸመ። ድሕርዚ ጌጋኡ ንምሽፋን ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ንኽቕተል ምድላዋት ገበረ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ናይ ዳዊት ሓጢኣት ንነብዪ ናታን ገለጸሉ: ንሱ ድማ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብትብዓት ንዳዊት ገጽ ንገጽ ነገሮ። ሓደ ሓያል ዝዀነ ኣብነት ብምጥቃም: ናታን ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ብዙሓት ኣባጊዕ ዘለዋኦ ክነሱ ጋሻ ምስ መጾ ኣብ ክንዲ ካብተን ናቱ ዝሓርድ ናይቲ ሓንቲ ዝፈትዋ ሽበን ጥራይ ዝነበረቶ ድኻ ሰብኣይ ወሲዱ ብምሕራድ ንጋሽኡ ብምእንጋዱ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ሓተቶ። እቲ ቀደም ጓሳ ዝነበረ ዳዊት ድማ ኵርኡ ኣዝዩ ነደደ። “እቲ እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወዲ ሞት” ኢዩ በለ። ድሕርዚ ናታን “እቲ ሰብኣይ እቲ ንስኻ ኢኻ” ብምባል ነቲ ኣብነት ናብኡ ኣውዓሎ።—2 ሳሙኤል 12:1-7
ዳዊት ምስ ናታን ኣይሓረቐን፣ ወይ ድማ ንገዛእ ርእሱ ክከላኸለላ ወይ ሕነ ናብ ምፍዳይ ኣየድሃበን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ናታን ዝሃቦ ተግሳጽ ንሕልንኡ ኣጸቢቑ ተንከፎ። ዳዊት ድማ ካብ ልቢ ተጣዒሱ “ንእግዚኣብሄር በደልኩ” ብምባል ተናስሐ።—2 ሳሙኤል 12:13
እቲ ናታን ዝገበሮ ምቕላዕ ሓጢኣት ዳዊት: ብኣምላኻዊ ተግሳጽ ተሰንዩ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ። ዋላ እኳ ዳዊት ካብ ሳዕቤናት ጌጋኡ እንተ ዘየምለጠ: ተናስሐ: ምስ የሆዋ ድማ ተዓረቐ። ዳዊት ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ተግሳጽ ከመይ ተሰምዖ፧ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጻድቕ ይውቅዓኒ: ለውሃት እዩ: ይዝለፈኒ: ዘይቲ ርእሲ እዩ: ርእሰይ ኣይእበዮ።”—መዝሙር 141:5
ኣብዚ ግዜና እውን: ኣገልገልቲ የሆዋ: እቶም ንብዙሕ ዓመታት እሙናት ኰይኖም ዝጸንሑ እውን ከይተረፈ ኣብ ከቢድ ጌጋ ክወድቁ ይኽእሉ ኢዮም። ሽማግለታት ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ ብምግንዛብ ብዙሓት ሓገዝ ደልዮም ክቐርብዎም ተበግሶ ወሲዶም ኢዮም። (ያእቆብ 5:13-16) ይኹን እምበር: ሓድሓደ እዋን በደል ዝፈጸመ ሰብ ከምቲ ዳዊት ዝገበሮ ሓጢኣቱ ክሽፍን ይፍትን ይኸውን። ኣብታ ጉባኤ ብዛዕባ እተገብረ ከቢድ ጌጋ ምስ እንፈልጥ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
ናይ መን ሓላፍነት ኢዩ፧
ሽማግለታት ከቢድ ሓጢኣት ከም እተገብረ ምስ ዝሰምዑ: ነቲ ዝምልከቶ ውልቀ-ሰብ ዘድሊ ሓገዝን መኣረምታን ንምሃብ ይቐርብዎ ኢዮም። ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኸምዚ ዝበለ እተጋገየ ሰብ ምፍራድ ናይ ሽማግለታት ሓላፍነት ኢዩ። ንመንፈሳዊ ኵነታት ናይታ ጉባኤ ኣጸቢቖም ብምክትታል ንዝዀነ ይኹን ዘይጥበባዊ ወይ ድማ ጌጋ ስጕምቲ ዝወሰደ ሰብ ይሕግዝዎን ይምዕድዎን።—1 ቈረንቶስ 5:12, 13፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:2፣ 1 ጴጥሮስ 5:1, 2
እንተዀነ ግን: ሽማግለ እንተድኣ ዘይኴንካ: እሞ ኸኣ ብዛዕባ ካልእ ክርስትያን ዝገበሮ ከቢድ ጌጋ ምስ እትፈልጥ እንታይ ይኹን፧ ኣብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ መምርሒታት ኣሎ። እቲ ሕጊ: ሓደ ሰብ ብዛዕባ ናይ ክሕደት ተግባራት: ምትላል: ቅትለት: ወይ ካልእ ክብድ ዝበለ ገበናት ምስ ዝርኢ: ንዝምልከቶ ሰብ ክነግርን ዝፈለጦ ክምስክርን ሓላፍነቱ ኢዩ። ዘሌዋውያን 5:1 ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ሰብ: ቃል ማሕላ ሰሚዑ: ንሱ ብዝረአዮ ወይ ብዝፈለጦ ምስክር ኰይኑ እንተ ዘይገለጾ: . . . በደሉ ይጸውር።”—ምስ ዘዳግም 13:6-8፣ ኣስቴር 6:2፣ ምሳሌ 29:24 ኣረኣእዮ።
ሎሚ ክርስትያናት ዋላ እኳ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እንተ ዘይኰኑ በቲ እቲ ሕግታት ሒዝዎ ዘሎ መንፈስ ግን ክምርሑ ይኽእሉ ኢዮም። (መዝሙር 19:7, 8) ስለዚ ሓደ ክርስትያን ብጻይ ዝገበሮ ከቢድ ሓጢኣት ምስ እትፈልጥ: እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
ነቲ ጕዳይ ብዝግባእ ምሓዙ
ብመጀመርታ: ከቢድ ጌጋ ከም እተፈጸመ ንኽትኣምን ቅቡል መርትዖ ምህላው ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ “ንብጻይካ ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ኣይትጕድኣዮ: ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠበር” ኢሉ ይገልጽ።—ምሳሌ 24:28
ብቐጥታ ናብቶም ሽማግለታት ክትከይድ ትውስን ትኸውን። ከምዚ ምግባር ጌጋ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ እዋን እቲ ኣዝዩ ፍቕራዊ ተግባር ዝኸውን ነቲ ዝምልከቶ ሰብ ምዝራብ ኢዩ። ምናልባት እቲ መርትዖታት ከምቲ ብደገ እትርእዮ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ወይ ድማ እቲ ጕዳይ ድሮ ሽማግለታት ይከታተልዎ ይህልዉ ይዀኑ። ብህድኣት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስቲ ሰብ ተመያየጥ። ከቢድ ጌጋ ከም እተገብረ ዘእምን ምኽንያት እንተድኣ ኣሎ ንዕኡ ወይ ንዓኣ ሓገዝ ደልዮም ናብ ሽማግለታት ክኸዱ ኣተባባዓዮም: ከምዚ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ጥባባዊ ምዃኑ ድማ ግለጸሎም። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንኻልኦት ኣይትንገር: ምኽንያቱ ከምዚ ምግባር ሕሜት ኢዩ።
እቲ ሰብ ኣብ እተወሰነ ግዜ ንሽማግለታት እንተድኣ ዘይነገረ: ድሕርዚ ባዕልኻ ክትነግሮም ኣሎካ። ድሕርዚ ሓደ ወይ ክልተ ሽማግለታት ምስቲ እተኸሰሰ ሰብ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክመያየጡ ኢዮም። እቶም ሽማግለታት ጌጋ ተገይሩ እንተ ዀይኑ ንምርኣይ ‘ክደልዩ: ክምርምሩ: ኣጸቢቖም ክጥይቑ’ ኢዮም። እንተድኣ ተገይሩ ኰይኑ: ነቲ ጕዳይ ብመሰረት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መምርሒ ገይሮም ክሕዝዎ ኢዮም።—ዘዳግም 13:12-14
ብዛዕባ እተገብረ ጌጋ ንምኽሳስ እንተ ወሓደ ክልተ መሰኻኽር የድልዩ። (ዮሃንስ 8:17፣ እብራውያን 10:28) እቲ ሰብ ነቲ ክሲ ምስ ዝኽሕዶ: እሞ ኸኣ ናትካ ምስክርነት ጥራይ ምስ ዝህሉ እቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ኢዩ ዝግደፍ። (1 ጢሞቴዎስ 5:19, 24, 25) እዚ ኸኣ: ኵሉ ነገር ኣብ ቅድሚ የሆዋ ‘ቅሉዕ’ ምዃኑ: ሰለዚ ድማ እቲ ሰብ ገበነኛ እንተድኣ ኰይኑ ቀስ ኢሉ ሓጢኣቱ ‘ክረኽቦ’ ምዃኑ ብምፍላጥ ኢዩ ዝግበር።—እብራውያን 4:13፣ ዘሁልቍ 32:23
እንተዀነ ግን: እቲ ሰብ ነቲ ክሲ ከሓዶ: ምስክር ድማ ንስኻ ጥራይ ኢኻ ንበል። ጠቂንካ ተባሂልካ ሕነ ንምፍዳይ ንዝግበር ክሲ እተቓላዕካ ክትከውን ትኽእልዶ፧ እቲ ጕዳይ ምስ ዘይምልከቶም ሰባት ኴንካ እንተ ዘይሓሚኻ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ነታ ጉባኤ ዝትንክፋ ነገራት ነቶም ዝምልከቶም ከምኡውን ንዘጋጥሙ ጕዳያት ክዕዘቡን ከዐርዩን ሓላፍነት ንዘለዎም ሰባት ምንጋር ምጥቃን ኣይኰነን። አረ: ምስቲ ኵሉ ግዜ ቅኑዕን ናይ ተኣማንነትን ተግባር ንኽንገብር ዘሎና ባህጊ ዝሰማማዕ ኢዩ።—ምስ ሉቃስ 1:74, 75 ኣረኣእዮ።
ኣብታ ጉባኤ ቅድስና ምዕቃብ
ሓደ ካብቲ እተገብረ ጌጋ ንዝምልከቶም ሰባት ክነግረሉ ዘሎና ምኽንያት ናይታ ጉባኤ ጽፈት ንምሕላው ስለ ዝጠቅም ኢዩ። የሆዋ ጽፉፍ: ቅዱስ ኣምላኽ ኢዩ። ኵሎም እቶም ዘምልኽዎ ድማ ብመንፈስን ስነ-ምግባርን ጽፉፋት ክዀኑ ኢዩ ዝደልዮም። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ከምዚ ኢሉ ይምዕድ:- “ከም እዙዛት ውሉድ እምበር: ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ኸሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ: ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ: ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ: ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ: ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።” (1 ጴጥሮስ 1:14-16) ዘይጽፉፍ ወይ ጌጋ ተግባራት ዝገበሩ ውልቀ-ሰባት ንምዕራይ ወይ ንምውጻእ ስጕምቲ እንተ ዘይተወሲዱ ርኽሰት ከምጽኡ ይኽእሉ: እታ ጉባኤ ድማ ብምልእታ ስምረት የሆዋ ትስእን።—ምስ እያሱ ምዕራፍ 7 ኣረኣእዮ።
እተን ሃዋርያ ጳውሎስ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝጻሓፈን ደብዳበታት: ነቲ እተገብረ ጌጋ ምንጋር ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓገዘ ዘርኢ ኢዩ። ኣብታ ቀዳመይቲ ደብዳበኡ: ጳውሎስ “ምንዝርና ብሱሩ: ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ: ማለት፤ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ: ይውረየኩም አሎ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረንቶስ 5:1
እቲ ሃዋርያ ነቲ ጸብጻብ ካብ መን ከም ዝረኸቦ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን ኢዩ። ጳውሎስ ምናልባት ብዛዕባ እቲ ኵነታት ካብቶም ካብ ቈረንቶስ ናብቲ ጳውሎስ ዝነበሮ ኤፌሶን እተጓዕዙ እስጢፋኖስ: ፈርጡናጦስ: ከምኡውን ኣካይቆስ ሰሚዑዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺ ጳውሎስ ካብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ሕቶ ዝሓዘት ደብዳበ ተቐቢሉ ኢዩ። እቲ ምንጪ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ክእመኑ ብዝኽእሉ መሰኻኽር እቲ ጕዳይ ንጳውሎስ ምስ ተነግሮ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ መምርሒ ክህብ ክኢሉ ኢዩ። “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ” ኢሉ ጸሓፈ። እቲ ሰብኣይ ድማ ካብታ ጉባኤ ተወገደ።—1 ቈረንቶስ 5:13፣ 16:17, 18
እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መምርሒ ጽቡቕ ፍረዶ ኣምጺኡ፧ ብርግጽ ኣምጺኡ ኢዩ! ኣብ መወዳእታ እቲ ጌጋ ዝገበረ ሰብ ጌጋኡ ክርዳእ ክኢሉ ኢዩ። ኣብታ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጻሓፋ ካልኣይቲ ደብዳበኡ ነቲ እተናስሐ ሰብኣይ እታ ጉባኤ ‘ይቕረ ክትብለሉን ከተጸናንዖን’ ጳውሎስ ኣተባብዐ። (2 ቈረንቶስ 2:6-8) ስለዚ እቲ እተገብረ ጌጋ ነቶም ዝምልከቶም ሰባት ስለ እተነግረ ነታ ጉባኤ ጽፍፍቲ ከም እትኸውን ገይርዋ: ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ኣበላሽዩ ዝነበረ ሰብ ድማ እንደገና ስምረት ኣምላኽ ከም ዝረክብ ገይሩ ኢዩ።
ኣብቲ ጳውሎስ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝሰደዳ ናይ መጀመርታ ደብዳበ ካልእ ኣብነት ንረክብ ኢና። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እቲ ሃዋርያ ኣስማት ናይቶም ነቲ ጕዳይ ዝነገርዎ መሰኻኽር ጠቒሱ ኣሎ። “ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ: ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ አለዉ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 1:11) ጳውሎስ ንሰባት ዘይግብኦም ክብሪ ምሃብ ሓዊስካ እቲ ዝነበረ ክርክር ናይታ ጉባኤ ሕብረት ንምጥፋእ ዘስግእ ናይ መናፍቕነት ኣረኣእያ ከም ዝፈጠረ ፈሊጡ ነበረ። ስለዚ ድማ ጳውሎስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሕንነት እቶም ኣመንቲ ብጾቱ ካብ ዝነበሮ ተገዳስነት ተላዒሉ ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ: ነታ ጉባኤ ድማ ናይ መኣረምታ ምኽሪ ጸሓፈላ።
ሎሚ: ኣብተን ኣብ መላእ ምድሪ ዝርከባ ጉባኤታት ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስምረት ዘለዎ ኣቕዋም ብምሓዝ ናይታ ጉባኤ መንፈሳዊ ጽፈት ምእንቲ ክዕቅቡ ኣበርቲዖም ኢዮም ዝዓዩ። ገሊኣቶም ከምዚ ንኽገብሩ ይሳቐዩ ኢዮም፣ አረ ገሊኣቶምስ ንጽህና ንምሕላው ሞይቶም እውን ኢዮም። ብርግጽ ጌጋ ሸለል ምባል ወይ ድማ ምሽፋን ነዚ ጻዕርታት እዚ ሞሳ ዘይምርኣይ ኢዩ።
ነቶም እተጋገዩ ምሕጋዝ
ገለ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ዝወደቑ ሰባት ናብ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ካብ ምኻድ ዘድሓርሕሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ መብዛሕትኡ እዋን ናብቶም ሽማግለታት ኬድካ እትረኽቦ ጥቕሚ ስለ ዘይተገንዘቡ ኢዩ። ገሊኣቶም እንተድኣ ተናዚዝና ሓጢኣትና ኣብ ምልእቲ እታ ጉባኤ ክፍለጥ ኢዩ ዝብል ጌጋ እምነት ኣለዎም። ካልኦት ድማ ሓጢኣቶም ክሳዕ ክንድቲ ከቢድ ከም ዘይኰነ ገይሮም ንገዛእ ርእሶም የታልሉ። ካልኦት ከኣ ብዘይ ናይ ሽማግለታት ሓገዝ ገዛእ ርእሶም ባዕሎም ከዐርዩ ከም ዝኽእሉ ገይሮም ይሓስቡ።
እንተዀነ ግን: ከምዚኣቶም ዝበሉ ጌጋ ዝፈጸሙ ሰባት ካብቶም ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ፍቕራዊ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ። ያእቆብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ: ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር: ዘይቲ እናለኸይዎ: ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ: ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።”—ያእቆብ 5:14, 15
ነቶም እተጋገዩ መንፈሳውነቶም ክምለስ ንምሕጋዝ እተገብረ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ምድላው ኰን ኢዩ! እቶም ሽማግለታት ነቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ዘረስርስ ምኽሪ ብምጥቃም ከምኡውን ኣብ ክንድኦም ኰይኖም ብምጽላይ: ነቶም መንፈሳዊ ቃንዛ ዘለዎም ሰባት ካብቲ ጌጋ መገዶም ክምለሱ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ድማ እተናስሑ ሰባት ምስቶም ፈቃራት ሽማግለታት ክራኸቡ ከለዉ ኣብ ክንዲ እተዀነኑ ኰይኑ ዝስምዖም: መብዛሕትኡ እዋን እተሓደሱን ጾር ዝፈዀሰሎምን ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ሓደ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘሎ መንእሰይ ምንዝር ፈጸመ: ንሓጢኣቱ ድማ ንገለ ኣዋርሕ ሸፈኖ። ሓጢኣቱ ምስ ተቓለዐ: ነቶም ሽማግለታት ከምዚ በሎም:- “ብዛዕባ እቲ ምስታ ጓል ዝገበርክዎ ርክብ ገለ ሰብ ሓቲቱኒ እንተ ዝኸውን ነይሩስ ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ምዀነ ነይሩ! ከምዚ ዝበለ ነገራት ክትናዘዘሉ ዓቢ ዕረፍቲ ኢዩ።”—ምስ መዝሙር 32:3-5 ኣረኣእዮ።
ኣብ ሕጊ እተመስረተት ፍቕሪ እትገብሮ ተግባር ኢዩ
እተጠምቁ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘ካብ ሞት ናብ ህይወት ተሳጊሮም’ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 3:14) እንተዀነ ግን: ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዝፍጽሙ ናብቲ ናይ ሞት መገዲ ተመሊሶም ማለት ኢዩ። እንተድኣ ዘይተሓጊዞም: ምንሳሕን ናብቲ ናይ ሓቀኛ ኣምላኽ ኣምልኾ ክምለሱን ብምጽላእ በቲ ጌጋ ይጽቀጡ ይዀኑ።—እብራውያን 10:26-29
ንእተገብረ ጌጋ ምንጋር ነቲ እተጋገየ ሰብ ዘሎካ ናይ ሓቂ ሓልዮት ዘርኢ ኢዩ። ያእቆብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቱም ኣሕዋተየ: ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለ: ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ: እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ: ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕን: ብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዚኸድን: ይፍለጥ።”—ያእቆብ 5:19, 20
ስለዚ እምበኣር: ሕማቕ ነገር ምስ ዝግበር ክንነግር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ንሰናይ ነገር ዝጠቅም ኢዩ። ብዛዕባ እተገብረ ሕማቕ ነገር ምንጋር ብሓቂ ተግባር ናይታ ክርስትያናት ንኣምላኽ: ነታ ጉባኤ: ከምኡውን ነቲ ጌጋ ዝገበረ ሰብ ዘርእይዋ ኣብ ሕጊ እተመስረተት ፍቕሪ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊ ስርዓታት ብተኣማንነት ክብ ኣቢሉ ክሕዞ ከሎ: የሆዋ ነታ ጉባኤ ብሓፈሻ ኣጸቢቑ ይባርኻ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሱ [የሆዋ] ድማ: ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይ እንታ ኽትኰኑ: ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ።”—1 ቈረንቶስ 1:8
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ንሓደ እተጋገየ ምስክር ምስቶም ሽማግለታት ክዘራረብ ምትብባዑ ፍቕሪ ከም ዘሎካ ዘንጸባርቕ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ሽማግለታት ንእተጋገዩ ሰባት ስምረት ኣምላኽ ክረኽቡ ይሕግዝዎም