ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 20 ገጽ 23
  • ውጽኢታዊ መደምደምታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውጽኢታዊ መደምደምታ
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውጽኢታዊ መደምደምታ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ኣወዓዕላ ጥቕስታት ነጺሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ልቢ ንምትንካይ ጻዕሪ ተገይሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 20 ገጽ 23

መጽናዕቲ 20

ውጽኢታዊ መደምደምታ

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መክብብ 12:13, 14

ጽማቝ ሓሳባት፦ ኣብ መደምደምታ ዘረባኻ፡ ሰማዕትኻ ነቲ እተማህርዎ ኪቕበልዎን ኪትግብርዎን ተማሕጸኖም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ንመደምደምታኻ ምስቲ ሓፈሻዊ ርእሰ ነገር ኣተሓሕዞ። ንቐንዲ ነጥብታትካን ንፍረ ነገርካን ዳግም ጥቐሶ ወይ ብኻልእ ቃላት ለዊጥካ ጥቐሶ።

  • ንሰማዕትኻ ኣለዓዕሎም። ንሰማዕትኻ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኣርእዮም፡ ከምኡ ንምግባር ዜድሊ ጽቡቕ ምኽንያታት ድማ ሃቦም። ነቲ እትብሎ ኸም እትኣምነሉ ብዜርኢ መገዲ ብዕቱብ ተዛረብ።

  • ንመደምደምታኻ ቐሊልን ሓጺርን ግበሮ። ሓድሽ ቀንዲ ነጥቢ ኣይተእቱ። ኣብ ተግባር ምእንቲ ኼውዕልዎ፡ ብሒደት ቃላት ጌርካ ናይ መወዳእታ ምሕጽንታ ኣቕርብ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ኣብ መደምደምታኻ ኣይትተሃወኽ፣ ድምጽኻ እውን እናደኸመ ኪኸይድ የብሉን። እቲ ናይ መወዳእታ ምሉእ ሓሳባት፡ ትዛዝም ከም ዘለኻ ብዚሕብር ቃና ድምጺ ኣቕርቦ።

ኣብ ኣገልግሎት

ምይይጥኩም ክትድምድም ከለኻ፡ ሰማዒኻ ኺዝክሮ ንእትደልዮ ቐንዲ ነጥቢ ድገመሉ። ንዝርርብኩም ዚዀልፍ ነገር እንተ ኣጋጢሙ፡ ነቲ ዝርርብ ብኣወንታዊ መገዲ ዛዝሞ። ዋላ እውን እቲ ሰብ ስዲ እንተ ዀነ፡ ካልእ ግዜ ኺሰምዕ ዜለዓዕሎ ምላሽ ሃቦ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ