ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr23 መጋቢት ገጽ 1-11
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 6-12 መጋቢት
  • 13-19 መጋቢት
  • 20-26 መጋቢት
  • 27 መጋቢት–2 ሚያዝያ
  • 10-16 ሚያዝያ
  • 17-23 ሚያዝያ
  • 24-30 ሚያዝያ
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2023
mwbr23 መጋቢት ገጽ 1-11

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

© 2022 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

6-12 መጋቢት

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ዜና መዋእል 23-26

“ኣምልኾ ቤተ መቕደስ ኣጸቢቑ ተወዲቡ”

it-2 241

ሌዋውያን

ዳዊት ንዕዮ ሌዋውያን ጽቡቕ ገይሩ እዩ ወዲብዎ። ካባታቶም ተቘጻጸርቲ፡ ኣሕሉቕ፡ ፈራዶ፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ፡ ተሓዝቲ መዝገብ ሸመ። ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ሌዋውያን ኣብታ ቤተ መቕደስን ኣብቲ ኣጸዳትን ኣብቲ መመገቢ ኽፍልታትን ምስ መባእን መስዋእትን ንጽህናን መምዘንን መለክዕን ሓለዋታትን ብእተተሓሓዘ ንኻህናት ይሕግዝዎም ነበሩ። እቶም ሌዋውያን ሙዚቀኛታት ምስ ምድብ ካህናት ብዚመሳሰል መገዲ ኣብ 24 ጕጅለ ተወዲቦም በብእብረ የገልግሉ ነበሩ። እቲ ዕዮታት ከኣ ብዕጫ ተወሰነ። እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኣበየናይ ኣፍ ደገ ኸም ዜገልግሉ እውን ብዕጫ ተወሰነ።—1ዜና 23፣ 25፣ 26፣ 2ዜና 35:3-5, 10።

it-2 686

ካህን

እቶም ካህናት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ትሕቲ እተፈላለዩ ኣሕሉቕ ተወዲቦም ነበሩ። ገሊኡ ኣገልግሎታት ንመን ከም ዚውሃብ ንምውሳን ከኣ ዕጫ ኣውደቑ። እቶም 24 ክፍሊ ሓሓደ ሰሙን የገልግሉ ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ የገልግሉ ነበሩ። ኣብ በዓላት፡ እቶም ህዝቢ ኸምቲ ኣብ ወፈያ እታ ቤተ መቕደስ እተገብረ ኣሽሓት መስዋእትታት የቕርቡ ብምንባሮም፡ ኵሎም እቶም ካህናት የገልግሉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (1ዜና 24:1-18, 31፣ 2ዜና 5:11፣ ምስ 2ዜና 29:31-35፣ 30:23-25፣ 35:10-19 ኣረኣኢ።) ሓደ ኻህን ኣገልግሎቱ ምስቲ ነቶም ኣብቲ ግዜ እተመደቡ ኻህናት ዚውሃቦም ኣገልግሎት ክሳዕ ዘይተጋጨወ፡ ኣብ ካልእ ግዜያት እውን ኬገልግል ይኽእል ነይሩ እዩ። ብመሰረት ያታ ረቢታት፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቶም ካህናት ብዙሓት ብምንባሮም፡ እቲ ንሰሙን ዚውሃብ ኣገልግሎት ኣብቶም ነቲ ኽፍሊ ዜቝሙ በበይኑ ዓሌታት ይከፋፈል ነበረ፣ በዚ ኸምዚ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ቤተ ሰብ ከከም ብዝሑ ሓደ መዓልቲ ወይ ሒደት መዓልትታት የገልግል ነበረ።

it-2 451-452

ሙዚቃ

ዳዊት ምስቲ ንቤተ መቕደስ የሆዋ እተገብረ ምድላዋት ብዚተሓሓዝ፡ 4,000 ሌዋውያን ንኣገልግሎት ሙዚቃ ፈለየ። (1ዜና 23:4, 5) ካብዚኣቶም እቶም 288 “ንየሆዋ ምዝማር ዝሰልጠኑ፡ . . . ኵሎም ክኢላታት” ነበሩ። (1ዜና 25:7) ብዘሎ እቲ ስርዓት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቶም ኣሳፍን ሄማንን የዱቱንን (ኤታን እውን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኪኸውን ኣለዎ) ዚብሃሉ ሰለስተ ኽኢላታት ሙዚቀኛታት ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ካብ ዘርኢ እቶም ሰለስተ ደቂ ሌዊ፡ ማለት ካብ ጌርሾምን ቀሃትን መራሪን ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ሰለስተ ቐንዲ ዓሌት ቤተ ሰብ ሌዊ ኣብ ሙዚቃ ቤተ መቕደስ ተወኪሎም ነበሩ። (1ዜና 6:16, 31-33, 39-44፣ 25:1-6) ደቂ እዞም ሰለስተ ሰባት ብድምር 24 እዮም ነይሮም፣ ኵላቶም ድማ ካብቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ 288 ክኢላታት ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ ውሉድ ርእሲ ሓደ ኽፍሊ ሙዚቀኛታት ኰይኑ ብዕጫ ተሸመ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ኸኣ ካብ ደቁን ካብ ካልኦት ሌዋውያንን እተሓርዩ 11 “ኽኢላታት” ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ 288 ([1 + 11] × 24 = 288) ክኢላታት ዝዀኑ ሌዋውያን ሙዚቀኛታት፡ ከም ካህናት፡ ኣብ 24 መስርዕ ተኸፍሉ። ኵሎም እቶም ዝተረፉ 3,712 “ተልመዴን” በዚ ኸምዚ እንተ ተኸፋፊሎም፡ ኣብ 24 ክፍሊ ኣብ ከክፍሊ ብገምጋም ተወሰኽቲ 155 ሰባት ይውሰኹ ነበሩ፣ ማለት ንነፍሲ ወከፍ ክኢላ ኣብ እተፈላለየ ደረጃ ትምህርቲ ሙዚቃ ዚርከቡ ኣስታት 13 ሌዋውያን ይምደቡሉ ነበሩ። (1ዜና 25:1-31) ብዘይካዚ፡ ገሊኦም ካህናት ነፋሕቲ መለኸት ኰይኖም የገልግሉ ብምንባሮም፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሌዋውያን ሙዚቀኛታት ዚድመሩ ተወሰኽቲ እዮም ነይሮም።—2ዜና 5:12፣ ምስ ዘሁ 10:8 ኣረኣኢ።

it-1 898

ሓላው ኣፍ ደገ

ኣብ ቤተ መቕደስ። ንጉስ ዳዊት ቀቅድሚ ሙማቱ ንሌዋውያንን ኣብ ቤተ መቕደስ ንዚዓይዩ ዓየይትን፡ እንተላይ ንሓለውቲ ኣፍ ደገ ወደቦም፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ 4,000 ሓለውቲ ኣፍ ደገ ነበሩ። ንሳቶም በብኽፍልታቶም ንሸውዓተ መዓልቲ ይመጹ ነበሩ። ንቤት የሆዋ ናይ ምሕላውን ነቲ መዓጹ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ናይ ምኽፋትን ናይ ምዕጻውን ሓላፍነት ከኣ ነበሮም። (1ዜና 9:23-27፣ 23:1-6) ገሊኦም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ሓለዋ፡ ነቲ እቶም ህዝቢ ናብታ ቤተ መቕደስ ዜምጽእዎ ገንዘብ ናይ ምክትታል ሓላፍነት ነበሮም። (2ነገ 12:9፣ 22:4) ጸኒሑ፡ የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ንዮኣስ ኪነግስ ምስ ቀብኦ፡ እታ ስልጣን ዝመንዝዐት ንግስቲ ዓታልያ ነቲ ንእሽቶ ዝነበረ ዮኣስ ምእንቲ ኸይተጥቅዖ፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ ፍሉያት ሓለውቲ ተመዲቦም ነበሩ። (2ነገ 11:4-8) ድሕርዚ፡ ንጉስ ዮስያስ ንኣምልኾ ጣኦት ኬጥፍእ ከሎ፡ እቶም ሓለውቲ ማዕጾ ነቲ ንኣምልኾ በዓል ዜገልግል ኣቕሑ ኻብታ ቤተ መቕደስ ኣብ ምውጻእ ሓገዙ። ነዚ ድማ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣንደድዎ።—2ነገ 23:4።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w22.03 22 ¶10

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንሓጐስካ የዕዝዞ

10 ብሓባር ክንዝምር ከለና ንየሆዋ ነምልኾ ኢና። (መዝ. 28:7) እስራኤላውያን ንመዝሙር ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾኦም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ንጉስ ዳዊት፡ 288 ሌዋውያን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኪዝምሩ መዲቡ ነይሩ እዩ። (1 ዜና 25:1, 6-8) ሎሚ እውን ክንዝምር ከለና፡ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ንገልጽ ኢና። እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ጽባቐ ድምጽና ኣይኰነን። ነዚ ዚስዕብ ምስስል እስከ ንርአ፦ ክንዛረብ ከለና፡ ‘ኵላትና ብዙሕ ሳዕ ንስሕት’ እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ጉባኤ ይኹን ኣብ ኣገልግሎት ካብ ምዝራብ ድሕር ኣይንብልን ኢና። (ያእ. 3:2) ብተመሳሳሊ፡ ‘ድምጽና ብሉጽ ኣይኰነን’ ዚብል ሓሳብ፡ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ኻብ ምዝማር ኪዓግተና ኣይነፍቅደሉ።

13-19 መጋቢት

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ዜና መዋእል 27-29

“ሓደ ኣቦ ንወዱ ዝሃቦ ፍቕራዊ ማዕዳ”

w05 15/2 19 ¶9

ንክርስትያናዊ መንነትና ንሓልዎ

9 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብብሕትኻ ንኽትኣምነሉ መጽናዕቲ ግበር። ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ዘሎና መንነት ኣብ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ደልዲሉ እንተ ዘይተሰሪቱ፡ ኪሃስስ ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 1:9, 10) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብዕድመ ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ ብዘየገድስ፡ እቲ ዚኣምነሉ ነገር ብሓቂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተሰረተ ምዃኑ ኼረጋግጽ ኣለዎ። ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ንዅሉ ተዐዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (1 ተሰሎንቄ 5:21) ኣብ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዋ ስድራቤት ዝዓበዩ ክርስትያን መንእሰያት፡ ኣብ እምነት ወለዶም ብምምርኳስ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ገይሮም ኪኣምኑ የብሎምን። ዳዊት ንሰሎሞን ወዱ “ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ” ኢሉ ተማሕጸኖ። (1 ዜና መዋእል 28:9) እቲ መንእሰይ ዝነበረ ሰሎሞን፡ ኣቦኡ ነታ ኣብ የሆዋ ዘላቶ እምነት ብኸመይ ከም ዝሃነጻ ምርኣዩ ጥራይ እኹል ኣይነበረን። ንየሆዋ ባዕሉ ኺፈልጦ ነይርዎ፡ ከምኡ ድማ ገበረ። ከመይሲ፡ “ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክአቱን ጥበብን ፍልጠትን ሀበኒ” ኢሉ ንኣምላኽ ለሚንዎ እዩ።—2 ዜና መዋእል 1:10

w12 15/4 16 ¶13

ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ኣገልግሎ

13 እቲ ትምህርቲ ንጹር እዩ። ኣብ ከም ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብን ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ምስታፍን ዝኣመሰለ ባህ ዜብልን ዜዕግብን ዕዮ ኣዘውቲርና ምክፋልና ዚነኣድ እኳ እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ምግልጋል ግና ካብኡ ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። (2 ዜና 25:1, 2, 27) ሓደ ክርስትያን ብልቡ ገና ነቲ ‘ኣብ ድሕሪት ዘሎ ነገራት፡’ ማለት ንገሊኡ ናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ዜፍቅሮ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ኣብ ሓደጋ እዩ ዜእትዎ። (ሉቃ. 17:32) ነቲ “ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ” ዚብል ምኽሪ ንስዕቦ እንተ ዄንና ጥራይ ኢና ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ እንበቅዕ።’ (ሮሜ 12:9፣ ሉቃ. 9:62) ስለዚ፡ ኵልና ዝዀነ ይኹን ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ነገራት፡ ዋላ እውን ጠቓሚ ወይ ባህ ዜብል ይምሰል፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኻብ ምፍጻም ከይዓግተና ኽንጥንቀቕ ኣሎና።—2 ቈረ. 11:14፣ ፊልጲ 3:13, 14 ኣንብብ።

w17.09 32 ¶20-21

“ትባዕን . . . ስራሕን”

20 ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን፡ ዕዮ ህንጸት ቤተ መቕደስ ክሳዕ ዚውዳእ የሆዋ ምስኡ ኸም ዚኸውን ነጊርዎ ነይሩ እዩ። (1 ዜና 28:20) ሰሎሞን ከኣ፡ ነዘን ቃላት ኣቦኡ ኣብ ኣእምሮኡን ኣብ ልቡን ኣሕዲርወን እዩ፣ ንእሽቶን ዘይምኩርን ምዃኑ ነቲ ዕዮ ኻብ ምፍጻም ኪዓግቶ እውን ኣይፈቐደን። ብትብዓት ሰርሐ፡ ብሓገዝ የሆዋ ድማ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመትን መንፈቕን ነታ እተደንቕ ቤተ መቕደስ ሃኒጹ ወድኣ።

21 የሆዋ ኸምቲ ንሰሎሞን ዝሓገዞ፡ ንዓኻ እውን ኣብ ስድራ ቤትካን ኣብ ጉባኤኻን ብትብዓት ክትሰርሕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 41:10, 13) ንየሆዋ ብትብዓት ተምልኾ እንተ ዄንካ፡ ሕጅን ኣብ መጻእን በረኸቱ ኸም እትረክብ ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ሃየ እምበኣር፡ “ትባዕን . . . ስራሕን።”

መንፈሳዊ ሃብቲ

w17.03 29 ¶6-7

እሙን ዓርኪ ዲኻ፧

ዳዊት ኣብ ግዜ ሽግር ካብ ጐድኑ ዘይተፈልዩ ኣዕሩኽ ነይሮምዎ እዮም። ሓደ ኻባታቶም፡ ሑሻይ እዩ ነይሩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ “ፈታው ዳዊት” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (2 ሳሙ. 16:16፣ 1 ዜና 27:33) ሑሻይ ዓርክን ፈታውን እቲ ንጉስ እዩ ነይሩ፣ ሓድሓደ ግዜ ብምስጢር ዚንገሮ ትእዛዛት ዚፍጽም ብዓል ስልጣን ነይሩ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ዝፋን ምስ መንጠለ፡ ብዙሓት እስራኤላውያን ምስ ኣቤሴሎም እኳ እንተ ወገኑ፡ ሑሻይ ግና ከምኡ ኣይገበረን። ዳዊት ኪሃድም ከሎ፡ ሑሻይ ምስኡ ኸደ። ዳዊት፡ ወዱን ካልኦት ዚኣምኖም ሰባትን ስለ ዝጠለምዎ ተጐዲኡ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ሑሻይ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዳዊት እተኣልመ ውዲት ዜፍሽል ተልእኾ ብምውሳድን እሙን ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ነቲ ኸም ብዓል ስልጣን መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ኪፍጽም ኢሉ ኣይኰነን ከምኡ ገይሩ። ናይ ሓቂ እሙን ዓርኪ እዩ ነይሩ።—2 ሳሙ. 15:13-17, 32-37፣ 16:15–17:16።

20-26 መጋቢት

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ዜና መዋእል 1-4

“ንጉስ ሰሎሞን ዘይጥበባዊ ውሳነ ገይሩ”

it-1 174 ¶5

ሰራዊት

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰሎሞን ኣብ መዝገብ ሰራዊት እስራኤል ሓድሽ ምዕራፍ እዩ ተጻሒፉ። ንግስናኡ ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ሰላማዊ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግና ኣፍራስን ሰረገላታትን ኣብዝሐ። (ኣብ “ሰረገላ” ርአ።) መብዛሕትኦም እቶም ኣፍራስ ካብ ግብጺ እዮም ተዓዲጎም ዚመጹ ነይሮም። ነዚ ሓድሽ ኣሃዱታት ሰራዊት መንበሪ ዚኸውን ከተማታት ኣብ ብዘላ እታ ሃገር ኪህነጽ ኣድልዩ ነበረ። (1ነገ 4:26፣ 9:19፣ 10:26, 29፣ 2ዜና 1:14-17) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነዚ ሰሎሞን ዘተኣታተዎ ኣሰራርሓ ኣይባረኾን፣ ንሱ ምስ ሞተን እታ መንግስቲ ምስ ተመቕለትን ከኣ፡ ሰራዊት እስራኤል ተዳኸመ። ከምቲ ኢሳይያስ ጸኒሑ ዝጸሓፎ፡ “እቶም ረድኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱ፡ ኣብ ኣፍራስ ዚውከሉ፡ ብዙሓት ብምዃነን ኣብ ሰረገላታት፡ ሓያላት ብምዃኖም ከኣ ኣብ ኣፍራስ ውግእ ዚእመኑ፡ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱን፡ ንየሆዋ ድማ ኣይደልይዎን።”—ኢሳ 31:1።

it-1 427

ሰረገላ

ኣብ እስራኤል፡ ክሳዕ ዘመን ሰሎሞን፡ ዚረብሕ ሃገራዊ ሰራዊት ሰረገላታት ኣይነበረን። ከምኡ ዝዀነሉ ቐንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ዝዀነ ንጉስ ኣፍራስ ከየብዝሕ ኣምላኽ መጠንቀቕታ ስለ ዝሃበ እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ ድሕንነት እቲ ህዝቢ ኣብ ኣፍራስ ከም ዚምርኰስ ገይሮም ኪሓስቡ ኣይደለዮምን። ሰረገላ ብፈረስ ስለ ዚጕተት፡ ብሰንኪ እዚ ቐይዲ እዚ ንብዝሒ ሰረገላታት ደረት ተገይሩሉ ነበረ። (ዘዳ 17:16) ሳሙኤል ብዛዕባ እቲ ሰብኣውያን ነገስታት ኣብ ህዝቢ ዜስዕብዎ ጾር ኬጠንቅቕ ከሎ፡ “ንኣወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኪገብሮም እዩ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (1ሳሙ 8:11) ኣቤሴሎምን ኣዶንያን ንግስና ንምምንዛዕ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ፡ ነፍሲ ወከፎም ሰሰረገላን ቀቅድሚኦም ዚጐይዩ ሓሓምሳ ሰብኡትን ገይሮም ነበሩ። (2ሳሙ 15:1፣ 1ነገ 1:5) ዳዊት ንንጉስ ጾባ ኣብ ዝሰዓረሉ እዋን፡ 100 ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ ነበረ።—2ሳሙ 8:3, 4፣ 10:18።

ንጉስ ሰሎሞን ንሰራዊት እስራኤል ኪሃንጾ ኸሎ፡ ንብዝሒ ሰረገላታት ናብ 1,400 ኣዕረጎ። (1ነገ 10:26, 29፣ 2ዜና 1:14, 17) ኣብ የሩሳሌም ኰነ ኣብ ኵለን እተን ከተማታት ሰረገላ ኸኣ፡ ንዅሉ እዚ ሰረገላታት ውግእ ንምክንኻን ዜድሊ ፍሉይ መሳለጥያታት ተገይሩ ነበረ።—1ነገ 9:19, 22፣ 2ዜና 8:6, 9፣ 9:25።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w05 1/12 19 ¶6

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋእል ዚጐልሕ ነጥብታት

1:11, 12 የሆዋ፡ ልባዊ ድሌት ሰሎሞን ጥበብን ፍልጠትን ምርካብ ምዃኑ ኻብ ልመናኡ ረኣየ። ንሕና እነቕርቦ ጸሎት እውን ልባዊ ድሌትና እንታይ ምዃኑ ዜርኢ እዩ። ስለዚ፡ ንትሕዝቶ ጸሎትና ምምርማርና ጥበባዊ እዩ።

27 መጋቢት–2 ሚያዝያ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ዜና መዋእል 5-7

“ልበይ ወትሩ ኣብኣ ኪኸውን እዩ”

w02 15/11 5 ¶1

ኣኼባና ኣይንሕደግ

ጸኒሑ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ንጉስ ምስ ኰነ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ሓደ ቐዋሚ ቤት ንምህናጽ ዘለዎ ሓያል ባህጊ ገለጸ። ዳዊት ብዙሕ ውግኣት ስለ እተዋግአ ግን የሆዋ “ንስመይ ቤት ኣይክትሰርሓሉን ኢኻ” በሎ። ኣብ ክንድኡስ ንሰሎሞን ወዱ ቤተ መቕደስ ክሃንጽ መረጾ። (1 ዜና መዋእል 22:6-10) ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመትን መንፈቕን ድሕሪ ምህናጽ ብ1026 ቅ.ኣ.ዘ. ኣመረቓ። የሆዋ ድማ “ነዛ ዝሰራሕካያ ቤት፡ ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ኸንብር ቀዲሰያ አሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን” ብምባል ስምረቱ ገለጸሉ። (1 ነገስት 9:3) እስራኤላውያን እሙናት ክሳዕ ዝዀኑ፡ የሆዋ ነታ ቤት ሞገሱ ኸንብረላ ወሰነ። ካብቲ ቕኑዕ መገዲ እንተ ኣልጊሶም ግን ሞገሱ ኻብታ ቤት ክኣሊ፡ እታ ቤት ድማ ዑና ኽትከውን ምዃና ገለጸሎም።—1 ነገስት 9:4-9፣ 2 ዜና መዋእል 7:16, 19, 20

it-2 1077-1078

ቤተ መቕደስ

ታሪኽ። እዛ ቤተ መቕደስ ክሳዕ 607 ቅ.ክ. እያ ጸኒሓ፣ ሽዑ ድማ በቲ ብንጉስ ነቡካድነጻር ዚምራሕ ሰራዊት ባቢሎን ዓነወት። (2ነገ 25:9፣ 2ዜና 36:19፣ ኤር 52:13) እስራኤል ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ጥሒሉ ብምንባሩ፡ ኣምላኽ ንኣህዛብ፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ደጋጊሞም ኬጥቅዑ ፈቐደሎም፣ ኣብ ገሊኡ እዋናት ከኣ መዛግብቲ እታ ቤተ መቕደስ ይዝርፍዎ ነበሩ። ብዘይካዚ፡ እታ ቤተ መቕደስ ዕሽሽ እተባህለትሉ እዋን ነይሩ እዩ። ብዘመን ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን፡ ማለት ካብቲ እታ ቤተ መቕደስ እተመረቐትሉ ድሕሪ 33 ዓመት ኣቢሉ (993 ቅ.ክ.)፡ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ መዛግብቲ እታ ቤተ መቕደስ ዘረፈ። (1ነገ 14:25, 26፣ 2ዜና 12:9) ንጉስ ኣሳ (977-937 ቅ.ክ.) ንቤት የሆዋ ኣኽብሮት እኳ እንተ ነበሮ፡ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝነበሮ ኺዳን ምእንቲ ኼፍርስ እሞ በዚ ኸምዚ የሩሳሌም ምእንቲ ኽትድሕን ኢሉ ኣብ መዛግብቲ እታ ቤተ መቕደስ ዝረኸቦ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ ንቤን-ሃዳድ ብምሃብ ናይ ዕሽነት ተግባር ገበረ።—1ነገ 15:18, 19፣ 2ዜና 15:17, 18፣ 16:2, 3።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w10 1/12 11 ¶7

‘ንልቢ ደቂ ሰብ ይፈልጦ’

ካብቲ ሰሎሞን ዝጸለዮ ጸሎት መጸናንዒ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ደቂ ሰብ ውሽጣዊ ስምዒትና፡ ማለት ‘ቍስልናን ቃንዛናን’ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኡልናን ይዀኑ። (ምሳሌ 14:10) የሆዋ ግን ንልብና ስለ ዚፈልጦ ኣዝዩ ይሓልየልና እዩ። ልብና ብጸሎት ናብኡ ምፍሳስና፡ ጾርና ንኽንስከሞ ዝቐለለ ኪዀነልና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ይብል።—1 ጴጥ. 5:7።

w93 2/1 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ፍሉይ ዘይተሓስበ ዅነታት፡ ንኣብነት ብሰንኪ ሕማም ወይ መገሻ፡ ሓደ ክርስትያን ከምቲ ዝሓሰቦ ኣብ በዓል ዝኽሪ ኣይእከብን ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት እንታይ ኪግበር ይግባእ፧

ኣብ በዓል ዝኽሪ፡ ቅጫን ወይንን ይዘውር እዩ፣ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ እተቐብኡን ንሰማያዊ ህይወት እተሓርዩን ድማ ካብኡ ይወስዱ እዮም። (ማቴዎስ 26:26-29፣ ሉቃስ 22:28-30) ዓመት ዓመት ኪወስድ ዝጸንሐ ሰብ እንተ ሓሚሙ እሞ ኣብ ገዛኡ ወይ ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ እንተ ኣልዩ፡ ሓደ ኻብ ሽማግለታት ጉባኤኡ ኻብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስደሉ፡ ነቲ በዓል ዚምልከት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብበሉ፡ ድሕሪኡ ነቲ ቕጫን ወይንን ኬቕርበሉ ይኽእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ እቲ ቕቡእ ክርስትያን ካብ ጉባኤኡ ርሒቑ እንተ ኣልዩ፡ ኣብቲ ኸባቢ ናብ እትርከብ ጉባኤ ኪኸይድ ኣለዎ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደ ቕቡእ ክርስትያን ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኵነታት ጥራይ እዩ ብመሰረት እቲ ኣብ ዘሁልቍ 9:10, 11 ዚርከብ ትእዛዝን ኣብ 2 ዜና መዋእል 30:1-3, 15 ዚርከብ ኣብነትን ድራር ጐይታ ድሕሪ 30 መዓልቲ (ሓደ ወርሒ) ኬኽብር ዚግደድ።

እቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ተስፋ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” ካብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ትእዛዝ ኣይተዋህቦምን። (ዮሃንስ 10:16) ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ኪእከቡ ኣለዎም፣ ካብቲ ቕጫን ወይንን ግና ኣይወስዱን እዮም። ስለዚ፡ ሓደ ኻባታቶም እንተ ሓሚሙ ወይ ኣብ መገሻ እንተ ኣልዩ እሞ በታ ምሸት እቲኣ ጉባኤ ኺረክብ እንተ ዘይክኢሉ፡ ግቡእ ጥቕስታት ብብሕቱ ኼንብብ (እንተላይ ነቲ የሱስ ነዚ በዓል ዘቘመሉ ጸብጻብ ኬንብብ)፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚብዓል በዓል ምእንቲ ኺባርኾ እውን ኪጽሊ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ዅነታት ግና፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣኼባ ንምግባር ወይ ፍሉይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ንምቕራብ ዚግበር ተወሳኺ መሰናድዎ የልቦን።

10-16 ሚያዝያ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ዜና መዋእል 8-9

“ንጥበብ ኣኽቢራ ርእያታ”

w99 1/11 20 ¶4

መንፈስ ልግሲ ክዓስል ከሎ

ርግጽ ኢዩ፡ ንግስቲ ሳባ ንሰሎሞን ክትበጽሕ ዝኸፈለቶ ግዜን ሃልክን ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ ነይሩ። ሳባ ኣብዚ ዘመናዊት ሪፓብሊክ የመን እትርከበሉ ከባቢ ዝነበረት ኢዩ ዝመስል፣ ስለዚ እታ ንግስትን እቲ ምስኣ ዝነበረ ናይ ኣግማል ቃፍላይን የሩሳሌም ንምብጻሕ ልዕሊ 1,600 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ ኢዩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ እታ ንግስቲ ‘ካብ ወሰን ምድሪ ኢያ መጺኣ።’ ንግስቲ ሳባ ክንድዚ ዝኣክል ሃልኪ ክትገብር ግን ስለምንታይ ኣድለያ፧ እቲ ቐንዲ መኽየዲኣ “ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ” ኢዩ ነይሩ።—ሉቃስ 11:31

w99 1/7 30 ¶4-5

ብዙሕ ዓስቢ እተረኽበሉ ምብጻሕ

ዝዀነ ዀይኑ፡ እታ ንግስቲ “ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ጕዕዞ፡ ምስ ቀመማትን ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ክቡራት ኣእማንን እተጻዕና ኣግማል” ኰይና የሩሳሌም በጽሐት። (1 ነገስት 10:2ሀ) ገለ ሰባት እታ “ብዙሕ ጕዕዞ” እትብል ቃል ንዕጡቓት ዓጀብቲ እተጠቓልል ኢያ ይብሉ። እታ ንግስቲ ብዙሕ ክብሪ ስለ ዝነበራን ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላር ዝግመት ዋጋ ዘለዎ ንብረት ሒዛ ስለ ዝነበረትን ዕጡቓት ዓጀብቲ ምስኣ ምንባሮም ርዱእ ኢዩ።

ንግስቲ ሳባ ግን ዝና ሰሎሞን “ብዛዕባ ስም እግዚኣብሄር” ከም ዝሰምዐት ኣስተውዕል። ስለዚ እዚ ጕዕዞ እዚ ንንግዲ ጥራይ ኢልካ እተገብረ ጕዕዞ ኣይነበረን። እታ ንግስቲ ቐንዲ መኼዲኣ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፡ ምናልባት እውን ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኹ ክትፈልጥ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ካብ ዘርኢ ናይቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ዝነበሩ ሴም ወይ ካም ዝመጸት ክትከውን ስለ ትኽእል፡ ናይ ኣባሓጎታታ ሃይማኖት ንኽትፈልጥ ተሃንጥያ ትኸውን ኢያ።

w99 1/7 30-31

ብዙሕ ዓስቢ እተረኽበሉ ምብጻሕ

ንግስቲ ሳባ ብናይ ሰሎሞን ጥበብን ብናይ መንግስቱ ብልጽግናን ኣዝያ ስለ እተገረመት ‘ውኖኣ ተመሰጠ።’ (1 ነገስት 10:4, 5) ገሊኦም ነዛ ሓረግ እዚኣ እታ ንግስቲ “ሃህ ኢላ ተረፈት” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ ይብሉ ኢዮም። አረ ሓደ ምሁርስ ኣእምሮኣ ስሒታ ኢያ ዝብል ሓሳብ ሂቡ ኢዩ! በዚ ይኹን በቲ፡ እታ ንግስቲ በቲ ዝረኣየቶን ዝሰምዓቶን ነገር ተደኒቓ ኢያ። ንኣገልገልቲ ሰሎሞን ጥበብ ናይዚ ንጉስ ክሰምዑ ስለ ዝኽእሉ ሕጕሳት ኢዮም ኢላቶም ኢያ። ንሰሎሞን ኣብ ዝፋን ስለ ዘቐመጦ ኸኣ ንየሆዋ ባሪኻቶ ኢያ። ድሕርዚ ንንጉስ ክቡር ዝዋግኡ ህያብ ሃበቶ፡ እቲ ኣዋርቕ ጥራይ በዚ ናይ ሕጂ ዋጋ ክግመት ከሎ 40,000,000 ዶላር ኣቢሉ ይኸውን። ሰሎሞን እውን ነታ ንግስቲ “ዝለመነቶ ዘበለ ዅሉ ድላያ ሀባ።”—1 ነገስት 10:6-13

it-2 990-991

ሰሎሞን

ንግስቲ ሳባ፡ ኵሉ ጽባቐ እታ ቤተ መቕደስን ቤት ሰሎሞንን ኣብ መኣዱ ዚቐርብ ምግብን መስተን ኣከዳድና እቶም ኣሳሰይቱን ነቲ ብስሩዕ ዚቐርብ ዚሓርር መስዋእትን ምስ ረኣየት፡ “ውኖኣ ተመሰጠ።” ስለዚ ድማ፡ “ፍርቁ እኳ ኣይተነግረንን። ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ዚበልጽ ጥበብን ብልጽግናን ኣሎካ” በለቶ። ድሕሪኡ፡ እቶም ኣብ ቅድሚ እዚ ንጉስ ዜገልግሉ ገላዉ ሕጉሳት ምዃኖም ገለጸት። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ንሰሎሞን ፍትሕን ጽድቅን ምእንቲ ኼስፍን ኢሉ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘንገሶ የሆዋ ወደሰቶ።—1ነገ 10:4-9፣ 2ዜና 9:3-8።

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-2 1097

ዝፋን

ካብ ዝፋናት ገዛእቲ እስራኤል፡ እቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ዝፋን ጥራይ እዩ ብዝርዝር ተገሊጹ ዚርከብ። (1ነገ 10:18-20፣ 2ዜና 9:17-19) ኣብ “ኣዳራሽ ዝፋን፡” ማለት ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ከረን ሞርያ ዚርከብ ህንጻታት ዝነበረ እዩ ዚመስል። (1ነገ 7:7) እዚ ‘ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሐ ዓብዪ ዝፋን፡ ብእተጻረየ ወርቂ እተለበጠ እዩ ነይሩ፣ ብድሕሪኡ ኸኣ ከቢብ ጽላል ነበሮ፣ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እውን መደገፍ ኢድ ነበሮ።’ ነዚ መንበር ንጉስ ንምስራሕ ስኒ ሓርማዝ ከም ቀንዲ መስርሒ ዀይኑ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኣብ ህንጸት ቤተ መቕደስ እተጠቕሙሉ ኣሰራርሓ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዕንጨይቲ ተሰሪሑ ብጽሩይ ወርቂ እተለበጠን ብስኒ ሓርማዝ እተሰላለመን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ንዚርኢ ሰብ፡ ብስኒ ሓርማዝን ወርቅን ጥራይ እተሰርሐ ኺመስሎ ይኽእል እዩ። እቲ ጽሑፍ ናብቲ ዝፋን ዜደይብ ሽዱሽተ ደረጃ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “ኣብ ጐድኒ እቲ መደገፊታት ኢድ ድማ ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። ኣብቲ ሽዱሽተ ደረጃ 12 ኣንበሳ፡ ማለት ኣብ ክልቲኡ ጫፍ እቲ ሽዱሽተ ደረጃ ሓሓደ፡ ደው ኢሎም ነበሩ” ይብል። (2ዜና 9:17-19) ኣንበሳ ንስልጣን ገዛኢ ዜመልክት ግቡእ ምልክት እዩ ነይሩ። (ዘፍ 49:9, 10፣ ራእ 5:5) እቶም 12 ኣንበሳ ነቶም 12 ነገዳት እስራኤል ዜመልክቱ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብቲ ዝፋን ዚቕመጥ ገዛኢ ዘለዎም ተገዛእነት ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስቲ ዝፋን ዝለገበ ኸኣ ናይ ወርቂ ድኳ እግሪ ነበረ። እዚ ኻብ ስኒ ሓርማዝን ወርቅን እተሰርሐ ዝፋን፡ ምስቲ ጽላሉን ኣብ ቅድሚኡ ዚርከቡ ኣናብስን ክብ ኢሉ እተነብረሉ ቦታን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብቲ ብተመራመርቲ ስነ ጥንቲ እተረኽበ፡ ኣብ ሓወልታት እተሳእለ፡ ወይ ኣብ ጽሑፋት እተገልጸ ብግዜኡ ዝነበረ ዝፋናት ይበልጽ ነበረ። ከምቲ ጸሓፊ ዜና መዋእል ዝገለጾ፡ “ከምዚ ዝበለ ዝገበረት ካልእ መንግስቲ ኣይነበረትን።”—2ዜና 9:19።

17-23 ሚያዝያ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ዜና መዋእል 10-12

“ካብ ጥበባዊ ምኽሪ ተጠቐም”

w18.06 13 ¶3

ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ምኸኣለ ነይሩ

ሮብዓም ኣብ መጻወድያ ዝኣተወ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ንሓሳብ እቲ ህዝቢ እንተ ተቐቢሉ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ሰበ ስልጣን ቤተ መንግስትን ዝነበሮም ምሾትን ዚረኽብዎ ኣታውን ኪንኪ እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ንሓሳቦም እንተ ነጺግዎ እቲ ህዝቢ ኺዓሉ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ሮብዓም እንታይ ኪገብር ነበሮ፧ እዚ ሓድሽ ንጉስ መጀመርታ ምስቶም ኣማኸርቲ ሰሎሞን ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት ተማኸረ። ድሕሪኡ ግና፡ ካብቶም መሳቶኡ ዝዀኑ መንእሰያት ምኽሪ ደለየ። ንምኽሪ እቶም መንእሰያት ሰሚዑ ድማ ነቶም ህዝቢ ብጭካነ ኺሕዞም ወሰነ። “ኣርዑትኩም ከኽብዶ እየ፣ ክውስኸሉ እውን እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፣ ኣነ ኸኣ ብጭጕራፍ” ኢሉ ድማ መለሰሎም።—2 ዜና 10:6-14።

w01 1/9 29 ¶1

ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነ ኸም እትገብር

ብተወሳኺውን የሆዋ ኣብ ገጉባኤና ብዛዕባ ውሳነታትና ኸነመያይጦም እንኽእል ብሱላት ኣሕዋት ሂቡና ኣሎ። (ኤፌሶን 4:11, 12) ምኽሪ ኽንሓትት ከሎና ግን ከምቶም ምስ ሓሳቦም ዝሰማማዕ ሰብ ክሳዕ ዝረኽቡ እተፈላለዩ ሰባት ዘማኽሩ ኽንከውን የብልናን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ዝደልይዎ ዓይነት ምኽሪ ኢዮም ዝስዕቡ። ከም ሮብዓም ከይንኸውን እውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ውሳነ ዘድልዮ ኸቢድ ጕዳይ ምስ ኣጋጠሞ፡ ንኣቦኡ ኻብ ዘገልግሉ ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት ጽቡቕ ምኽሪ ተዋህቦ። እንተዀነ ግን፡ ነቲ ምኽሮም ኣብ ክንዲ ምስዓብ፡ ካብቶም ምስኡ ዝዓበዩ መንእሰያት ምኽሪ ሓተተ። ንምኽሮም ብምስዓቡ ዘይጥበባዊ ውሳነ ገበረ፡ ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዝሰፍሐ ኽፍሊ ግዝኣቱ ሰኣነ።—1 ነገስት 12:1-17

ምኽሪ ምስ እትደሊ ናብቶም ተመክሮ ዘለዎምን ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቖም ዝፈልጡን ንቕኑዕ ስርዓታት ኣኽብሮት ዘለዎምን ሰባት ኪድ። (ምሳሌ 1:5፣ 11:14፣ 13:20) ዝከኣል እንተ ዀይኑ፡ ግዜ ወሲድካ ነቲ ምስቲ ጕዳይ ዝተሓሓዝ መሰረታዊ ስርዓታትን ነቲ ዝኣከብካዮ ሓበሬታታትን ኣስተንትነሉ። ንነገራት ብብርሃን ቃል የሆዋ ኽትሪኦ ምስ ጀመርካ፡ እቲ ቕኑዕ ውሳነ ዝያዳ ንጹር ክዀነልካ ኢዩ።—ፊልጲ 4:6, 7

it-2 768 ¶1

ሮብዓም

እቲ ሮብዓም ነቲ ጕዳይ ብትዕቢትን ብጕልበትን ዝሓዘሉ መገዲ፡ ንመብዛሕትኦም እቶም ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ጐሰዮም። ነገድ ይሁዳን ነገድ ብንያምን ጥራይ እዮም ንቤት ዳዊት ደገፎም ሂቦም፣ ብዘይካዚ፡ ኣብ ክልቲአን መንግስትታት ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ከምኡ እውን ካብቶም ዓሰርተ ነገድ ዝዀኑ ገሊኦም ውልቀ ሰባት ንቤት ዳዊት ደገፍዎ።—1ነገ 12:16, 17፣ 2ዜና 10:16, 17፣ 11:13, 14, 16።

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-1 966-967

ድቤላ ዚመስል ጋኔን

ኣብ እያሱ 24:14 ዚርከብ ቃላት እያሱ፡ እስራኤላውያን ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝጸንሑሉ ዓመታት ብናይ ሓሶት ኣምልኾ እታ ዓዲ ኸም እተጸልዉ ይሕብር፣ ህዝቅኤል ድማ እዚ ኣረማዊ ልምድታት ድሕሪኡ ንነዊሕ ግዜ ኸም ዝቐጸለ ሓቢሩ ኣሎ። (ህዝ 23:8, 21) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ፡ “ድቤላ [ን]ዚመስሉ ኣጋንንቲ ኣይሰውኡ” ተባሂሉ ኻብ ኣምላኽ ትእዛዝ እተዋህቦም ምዃኑ (ዘሌ 17:1-7)፡ ከምኡ ድማ የሮብዓም “ነቲ በረኽትን ነቶም ድቤላ ዚመስሉ ኣጋንንትን ነቶም ንሱ ዝገበሮም ምራኹትን” ናይ ርእሱ ኻህናት ምሻሙ (2ዜና 11:15)፡ እስራኤላውያን እውን ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝውቱር ዝነበረ ኣምልኾ ድቤላ ኸም ዝነበሮም ዚሕብር ምዃኑ ገሊኦም ምሁራት ይኣምኑ እዮም። ሄሮዶተስ (ኣብ 2ይ መጽሓፍ፡ ምዕራፍ 46)፡ ግሪኻውያን ነቲ ኣብ ፓንን ሳጢርን ዝነበሮም እምነት ካብዚ ዓይነት ኣምልኾ ግብጻውያን ከም ዝወሰድዎ ገሊጹ ኣሎ፣ እዞም ፓንን ሳጢርን ዚብሃሉ፡ ኣቕርንትን ጭራን ኣእጋርን ድቤላ ዘለዎም፡ ህርፋን ጾታዊ ርክብ እውን ዘለዎም ኣማልኽቲ ጫካ ኸም ዝዀኑ ጌርካ እዮም ዚግለጹ ነይሮም። ኣብቶም ኣብ መዋእል ጸልማት ዝነበሩ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ዚዝውተር ዝነበረ ንሰይጣን ጭራን ኣቕርንትን እተሰንጠቐ ኣእጋርን ከም ዘለዎ ጌርካ ናይ ምስኣል ልማድ፡ ምንጩ ኻብቲ ፍርቂ ኣካላቶም ከም እንስሳ ጌርካ ዚግለጹ ኣማልኽቲ ግብጺ ኸም ዝዀነ ሓሳብ ይውሃብ እዩ።

እዞም “ጨጓራት” (ሴሪም) እተባህሉ ብሓቂ እንታይ ምንባሮም ግና ኣይተገልጸን። ቃል ብቓሉ ድቤላታት ወይ ብመልክዕ ድቤላታት እተሰርሑ ጣኦታት ከም ዝዀኑ ገይሮም ዚርእይዎም እኳ እንተ ኣለዉ፡ ነዚ ብንጹር ዚሕብር ግና የሎን፣ ካልእ ጥቕስታት እውን ነዚ ዚኸውን መርትዖ የብሉን። እታ ቓል፡ እቶም ነዞም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኹ ሰባት ኣብ ኣእምሮኦም ንኣማልኽቶም ድቤላ ዚመስሉ ገይሮም ወይ ጨጓራት ገይሮም ይስእልዎም ምንባሮም ጥራይ ከተመልክት ትኽእል እያ። ወይ ከኣ፡ ከምቲ እታ ንጣኦታት እተመልክት ኣብ ብዙሕ ጥቕስታት እትርከብ “ፋንድያ” ኻብ ዝትርጉማ ቓል ዝመጸት መጸውዒት ቃል ብቓሉ እቶም ጣኦታት ብፋንድያ ኸም እተሰርሑ ዘይተመልክት፡ እታ “ድቤላታት” እትብል እውን ንዅሎም ጣኦታት ንዕቀት ንምግላጽ ጥራይ እተመልክት ክትከውን ትኽእል እያ።—ዘሌ 26:30፣ ዘዳ 29:17።

24-30 ሚያዝያ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ዜና መዋእል 13-16

“ኣብ የሆዋ ተወከል—መዓስ፧”

w21.03 5 ¶12

ኣቱም መንእሰያት፡ ካልኦት ምእንቲ ኺኣምኑኹም እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

12 ንጉስ ኣሳ ብንእስነቱ ትሑትን ተባዕን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ንኣቦኡ ኣብያ ተኪኡ ምስ ነገሰ፡ ኣንጻር ኣምልኾ ጣኦት ወፈራ ገበረ። “ንይሁዳ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎ፡ ሕግን ትእዛዝን ከኣ ኪሕልዉ ነገሮም።” (2 ዜና 14:1-7) ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ 1,000,000 ሰራዊት ሒዙ ንይሁዳ ኺወርር ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣሳ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ብጥበብ ናብ የሆዋ ተማህለለ፦ “ኦ የሆዋ፡ እቶም እትረድኦም ብዙሓት ይኹኑ ወይ ሓይሊ ዘይብሎም ይኹኑ ዜገድሰካ ኣይኰነን። ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ብኣኻ ተኣሚንና . . . ኣለና እሞ፡ ርድኣና።” እዚ ጽቡቕ ቓላት እዚ፡ ኣሳ ኣብቲ የሆዋ ንዕኡን ንህዝቡን ንምድሓን ዘለዎ ኽእለት ክሳዕ ክንደይ እምንቶ ኸም ዝነበሮ እዩ ዜርኢ። በዚ ኸምዚ፡ ኣሳ ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ተወከለ፣ “የሆዋ ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን . . . ሰዓሮም።”—2 ዜና 14:8-12።

w21.03 5 ¶13

ኣቱም መንእሰያት፡ ካልኦት ምእንቲ ኺኣምኑኹም እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

13 ምስ 1,000,000 ሰራዊት ምግጣም ከቢድ ብድሆ ምዃኑ መሸም ትሰማምዓሉ ኢኻ። ኣሳ ኸኣ ነዚ እዩ ብዓወት ሰጊሩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ዝቐለለ ብድሆ ምስ ኣጋጠሞ፡ ንየሆዋ ኣየማኸሮን። እቲ እኩይ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ኣንጻሩ ምስ መጸ፡ ካብ ንጉስ ሶርያ ሓገዝ ሓተተ። እዚ ውሳነ እዚ፡ ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ኣምጺኡ። የሆዋ ብነብዪ ሓናኒ ኣቢሉ ንኣሳ፡ “ብንጉስ ሶርያ ስለ እተኣመንካ፡ ብየሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ስለ ዘይተኣመንካ፡ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ኻብ ኢድካ ኣምሊጡ እዩ” በሎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ ንኣሳ ቐጻሊ ውግእ ተላዕሎ። (2 ዜና 16:7, 9፣ 1 ነገ. 15:32) ካብዚ እንታይ ትምሃር፧

w21.03 6 ¶14

ኣቱም መንእሰያት፡ ካልኦት ምእንቲ ኺኣምኑኹም እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

14 ወትሩ ትሑት ኴንካ ተመላለስ፡ ብቐጻሊ እውን ኣብ የሆዋ ተወከል። ክትጥመቕ ከለኻ፡ ኣብ የሆዋ ዓብዪ እምነትን ትውክልትን ከም ዘሎካ ኣርኢኻ ኢኻ። የሆዋ ድማ ኣባል ስድራ ቤቱ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ሂቡካ እዩ። ሕጂ እቲ ቝም ነገር፡ ብቐጻሊ ኣብ የሆዋ ምውካል እዩ። ህይወት ዚቕይር ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ኣብ የሆዋ ምውካል ቀሊል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ካልእ ግዜ ግና ከመይ ኢኻ፧ ከም መዘናግዕን ዓለማዊ ስራሕን ናይ ህይወት ሸቶታትን ዝኣመሰለ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ኣብ የሆዋ ምውካል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጥበብ ኣይትጸጋዕ። ንዅነታትካ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ድለ፣ ምስቲ መምርሒ ተሰማሚዕካ ኸኣ፡ ስጕምቲ ውሰድ። (ምሳ. 3:5, 6) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ኢኻ፡ ካብ ጉባኤኻ ኸኣ ኣኽብሮት ክትረክብ ኢኻ።—1 ጢሞቴዎስ 4:12 ኣንብብ።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w17.03 19 ¶7

ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ ኣገልግሎ

7 ኵላትና ንኣምላኽ ውፉያት ምዃንና ንምርግጋጽ ልብና ኽንምርምር ኣሎና። ስለዚ፡ ‘ንየሆዋ ኸሐጕሶን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽጣበቐሉን ንህዝቡ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ጽልዋ ኺሕሉን ቈሪጸ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት። ኣሳ ነታ ኣብታ ሃገር ‘ከም ኣደ ንጉስ ስልጣን ዝነበራ’ ማዓካ ኺቃወማ ኽሳዕ ክንደይ ትብዓት ከም ዘድለዮ እሞ ሕሰብ። ከም ማዓካ ዝበለ ሰብ ኣይትፈልጥን ትኸውን፡ ኣሳ ንዘርኣዮ ቕንኣት ክትቀድሓሉ እትኽእለሉ ዅነታት ግና ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ወይ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ሓጢኣት ፈጺሙ ስለ ዘይተነስሐ እንተ ተወጊዱ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ምስቲ ሰብ እቲ ዝነበረካ ርክብ ብምብታኽ ቈራጽ ስጕምቲ ትወስድ ዲኻ፧ ልብኻ እንታይ ክትገብር ምደረኸካ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ