ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr23 ሓምለ ገጽ 1-11
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 3-9 ሓምለ
  • 10-16 ሓምለ
  • 17-23 ሓምለ
  • 24-30 ሓምለ
  • 31 ሓምለ–6 ነሓሰ
  • 7-13 ነሓሰ
  • w16.09 6 ¶16
  • w00 1/2 32
  • 14-20 ነሓሰ
  • 21-27 ነሓሰ
  • 28 ነሓሰ–3 መስከረም
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2023
mwbr23 ሓምለ ገጽ 1-11

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

© 2023 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

3-9 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዝራ 4-6

“ነቲ ዕዮ ዕንቅፋት ኣይትኹኑ”

w22.03 17 ¶13

እቲ ንዘካርያስ እተራእዮስ ይረኣየካዶ ኣሎ፧

13 ዳግመ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ተኣጊዱ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ነቲ ዕዮ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ሊቀ ኻህናት እያሱን ኣመሓዳሪ ዘሩባቤልን ነታ “ቤት ኣምላኽ ዳግም ኪሃንጽዋ ጀመሩ።” (እዝ. 5:1, 2) እዚ ንገሊኦም ኣይሁድ ሕማቕ ውሳነ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ፡ ካብቶም ዕንቅፋት ኪፈጥሩ ሒዅ ዚብሉ ዝነበሩ ጸላእቲ ኺሕባእ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም እያሱን ዘሩባቤልን፡ የሆዋ ይድግፎም ከም ዘሎ መረጋገጺ የድልዮም ነይሩ እዩ፣ መረጋገጺ ኸኣ ረኺቦም እዮም። ብኸመይ፧

w86 1/2 29፡ ሳጹን ¶2-3

የሆዋ “ንዓበይቲ ኣይሁድ ይሕልዎም ነበረ”

እቶም ተረፍ ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ምስ ተመልሱ፡ ን16 ዓመት ዋላ ሓንቲ ንጥፈታት ኣይነበረን። ነብዪ ሃጌን ነብዪ ዘካርያስን ንኣይሁድ ካብቲ ደስኪሎምሉ ዝነበሩ ዅነታት ኣነቓቕሕዎም፣ ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ናይ ምህናጽ ዕዮ ድማ ካብቲ ደው ኢሉሉ ዝነበረ ደረጃ ቐጸለ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ሰበ ስልጣን ፋርስ ኣብቲ ዕዮ ዕንቅፋት ፈጠሩ። እዞም ተጻረርቲ እዚኦም፡ “ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሃንጽዋ . . . መን ትእዛዝ ሂቡኩም፧” ዚብል ሕቶ ኣልዓሉ።—እዝራ 5:1-3።

እቲ ነዚ ሕቶ እዚ ዚውሃብ ምላሽ ወሳኒ እዩ ነይሩ። እቶም ዓበይቲ እንተ ዚድሃሉ ነይሮም፡ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ብሃንደበት ምተቛረጸ። ነቶም ሰበ ስልጣን እንተ ዜቘጥዕዎም ነይሮም ድማ፡ ኣብቲ ዕዮ እቲ ብኡብኡ እገዳ ምተገብረ። ስለዚ፡ እቶም ዓበይቲ (ብዘሩባቤል እቲ ሹምን ብእያሱ እቲ ሊቀ ኻህናትን እናተመርሑ ኪዀኑ ኣለዎም) ብሜላ ውጽኢታዊ ምላሽ ሃቡ። ነቶም ሰበ ስልጣን ብዛዕባ እቲ ንኣይሁድ ነዚ ዕዮ እዚ ኺዓይዩ ዚፈቅድ ንነዊሕ ግዜ ተረሲዑ ዝነበረ ንጉስ ቂሮስ ዘውጽኦ ኣዋጅ ኣዘኻኸርዎም። እቶም ሰበ ስልጣን ከኣ ሕጊ ፋርስ ከም ዘይቅየር ይፈልጡ ብምንባሮም፡ ንኣዋጅ ንጉስ ካብ ምቅዋም ተቘጠቡ። በዚ ኸምዚ፡ ክሳዕ እቲ ንጉስ ዳርዮስ ነቲ ዕዮ ኪቕጽል ዝፈቐደሉ እዋን፡ እቲ ዕዮ ኣይተቛረጸን።—እዝራ 5:11-17፣ 6:6-12።

w22.03 15 ¶7

እቲ ንዘካርያስ እተራእዮስ ይረኣየካዶ ኣሎ፧

7 ነቶም ሃነጽቲ ቤተ መቕደስ ዕረፍቲ ዚህብ ለውጢ ተረኽበ። እንታይ ዓይነት ለውጢ፧ ዳርዮስ ቀዳማይ፡ ሓድሽ ንጉስ ፋርስ ኰይኑ ኺገዝእ ጀመረ። ኣብ ካልኣይ ዓመት ግዝኣቱ፡ ማለት ብ520 ቅ.ክ. ከኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህንጸት ቤተ መቕደስ እተገብረ እገዳ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ፈለጠ። ሽዑ፡ እቲ ዕዮ ኺዛዘም ዚድግፍ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። (እዝ. 6:1-3) ውሳነ እቲ ንጉስ ንብዙሓት ኣገሪሙ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ንጉስ ካብኡ ሓሊፉ እውን ዝገበሮ ነገር ነይሩ እዩ። ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ፡ ነቲ ዕዮ ኸይዓናቕፉ፡ እኳ ድኣስ፡ ብገንዘብን ብኻልእ ነገራትን ኪድግፉ ትእዛዝ ኣውጽኣሎም። (እዝ. 6:7-12) በዚ ኸምዚ፡ እቶም ኣይሁድ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ፡ ማለት ብ515 ቅ.ክ. ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ዛዘምዎ።—እዝ. 6:15።

w22.03 18 ¶16

እቲ ንዘካርያስ እተራእዮስ ይረኣየካዶ ኣሎ፧

16 የሆዋ መምርሒኡ ዚህበሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ እዩ። (ማቴ. 24:45) ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይርድኣና መምርሒ ይህብ ይኸውን። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ባህርያዊ ሓደጋ፡ ክንገብሮ ዘሎና ዝርዝር ሓበሬታ ይውሃበና ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ከባቢና ባህርያዊ ሓደጋ ኣጋጢሙ ስለ ዘይፈልጥ፡ ‘እዚ ሓበሬታ ንዓና ዚምልከት ኣይኰነን’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ወይ ከኣ ኣብ እዋን ለበዳ፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣመና ጥንቃቐ ዜርኢ ዘሎ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። እቲ ዚውሃበና መምርሒ ግብራዊ ዀይኑ እንተ ዘይተሰሚዑና፡ እንታይ ክንገብር ይግባእ፧ እስራኤላውያን ነቲ ብእያሱን ብዘሩባቤልን ኣቢሉ እተዋህቦም ምኽሪ ብምስዓቦም፡ ከም እተጠቕሙ ንዘክር። ብዛዕባ ዘንበብናዮ ኻልእ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ሓድሓድ ግዜ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብሰብኣዊ ኣረኣእያ ግብራዊ ዘይመስል፡ ግናኸ ህይወት ዜድሕን መምርሒታት ይቕበሉ ነይሮም እዮም።—መሳ. 7:7፣ 8:10።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w93 15/6 32 ¶3-5

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእልዶ፧

እቲ ሰልዲ ኣብዛ ሕጂ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርኪ እትርከብ ከተማ ጠርሴስ እዩ ተሰሪሑ። ብዘመን እቲ ማዛዮስ ዚብሃል ኣብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ ሹም ፋርስ ድማ እዩ ተሰሪሑ። ሹም “ስግር እቲ ፈለግ፡” ማለት ሹም ስግር ፈለግ ኤፍራጥስ ከም ዝዀነ ኸኣ ተሓቢሩ ይርከብ።

እዛ ሓረግ እዚኣ ኣገዳሲት ዝዀነት ግና ስለምንታይ እያ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሕደ መጸውዒ ንረክብ ኢና። ኣብ እዝራ 5:6–6:13፡ ዳርዮስ ንጉስ ፋርስን ታትናይ ዚብሃል ሹምን እተለኣኣኽዎ ደብዳበታት ተመዝጊቡ ኣሎ። እቲ ሽዑ ተላዒሉ ዝነበረ ጕዳይ፡ ብዛዕባ ዳግመ ህንጸት ቤተ መቕደስ የሩሳሌም እዩ ነይሩ። እዝራ ኽኢላ ቐዳሒ ሕጊ ኣምላኽ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዚጽሕፎ ጽሑፍ ብልክዕ ኪምዝግቦ እዩ ትጽቢት ዚግበረሉ። ኣብ እዝራ 5:6ን 6:13ን ከኣ፡ ንታትናይ፡ “ሹም ስግር እቲ ፈለግ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።

እዝራ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብ460 ቅ.ክ.፡ ማለት ካብቲ እቲ ሰልዲ እተሰርሓሉ ኣስታት 100 ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ጽሒፍዎ። ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ሰባት ንሓደ ናይ ጥንቲ ብዓል ስልጣን ዚውሃብ መጸውዒ ኸም ደቂቕ ዝርዝር ጕዳይ ገይሮም ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ዋላ እውን ኣብ ደቀቕቲ ዝርዝራት ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖም እንተ ኽኢልካ፡ እዝስ ነቲ ኣብቲ ዚጽሕፍዎ ነገር ዘሎካ እምነት ኣይውስኾንዶ፧

10-16 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዝራ 7-8

“ባህርያት እዝራ ንየሆዋ ኽብሪ ኣምጺኡሉ”

w00 1/10 14 ¶8

መጽናዕቲ—ዓስቢ ዘለዎን ዘሐጕስን ኢዩ

8 እወ፡ እቲ ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ካብ ልብና፡ ካብቲ መንበሪ ውሽጣዊ ስምዒትና ክወጽእ ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ሓሳባት ንኸነስተንትን ባህ ክብለና ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ዓሚቝ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት ክንሓስብ፡ ክንመራመር፡ ከነስተንትን የድልየና። እዚ ኸኣ ንበይንኻ ኴንካ ብዛዕባኡ ምስትንታንን ምጽላይን የድሊ። ልክዕ ከም እዝራ ቃል ኣምላኽ ንምንባብን ምጽናዕን ልብና ከነዳሉ ኣሎና። ብዛዕባኡ ከምዚ ዝብል ተጻሒፉ ንረክብ፦ “እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፡ ስርዓትን ፍርድን ከኣ ኣብ እስራኤል ኪምህርንሲ ልቡ ኣዳለወ።” (እዝራ 7:10) እዝራ ልቡ ከዳልወሉ ዝነበሮ ስለስተ ምኽንያታት ርአ፦ ንምጽናዕ፡ ብብሕቱ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ከምኡውን ንኻልኦት ንኽምህር። ነዚ ኣብነት እዚ ክንስዕቦ ኣሎና።

si 75 ¶5

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ ቍጽሪ 13—1 ዜና መዋእል

5 ነዚ ሓቀኛን ልክዕን ታሪኽ ንምምዝጋብ፡ ካብ እዝራ ዝሓሸ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ ኣይነበረን። ስለምንታይሲ፡ “እዝራ . . . ሕጊ የሆዋ ንምምርማር፡ ንምግባር፡ ስርዓታቱን ፍርድታቱን እውን ኣብ እስራኤል ንምምሃር ልቡ ኣዳለወ።” (እዝ. 7:10) የሆዋ እውን ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ሓገዞ። እቲ ፋርሳዊ ገዛኢ ኸኣ፡ እዝራ ጥበብ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ኣለለየ፣ ኣብ ኣውራጃ ይሁዳ እውን ሰፊሕ ስልጣን ሃቦ። (እዝ. 7:12-26) በዚ ኸምዚ፡ እዝራ ኻብ ኣምላኽን ካብ ንጉስን ስልጣን ስለ እተዋህቦ፡ ኣብቲ ሽዑ ኺርከብ ዚከኣል ዝነበረ ብሉጽ ሰነዳት ተመርኲሱ ጸብጻቡ ኺጽሕፍ ይኽእል ነይሩ እዩ።

it-1 1158 ¶4

ትሕትና

ቅኑዕ መምርሒ ንምርካብ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ርእሱ ዜትሕት ሰብ፡ ካብኡ መምርሒ ኺረክብ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እዝራ ንኻህናትን ንነቲኒምን ንኣንስትን ንቘልዑን ከይጸብጸብካ ንልዕሊ 1,500 ሰብኡት ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ናይ ምምራሕ ከቢድ ሓላፍነት ተዋህቦ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ነታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ንምስላም ዜገልግል ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ምሳታቶም ተማሊኦም ነበሩ። ኣብቲ ጕዕዞ ዕቝባ የድልዮም እኳ እንተ ነበረ፡ እዝራ ኣብ ሰብኣዊ ሓይሊ ኸም ዚውከሉ ጌርካ ኺርኣዩ ስለ ዘይደለየ፡ ካብ ንጉስ ፋርስ ዜሰንይዎም ወተሃደራት ኪልምን ኣይደለየን። ብዘይካዚ ንንጉስ፡ “እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ዚደልይዎ እያ” ኢልዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርእሶም ምእንቲ ኼትሕቱ ኢሉ፡ ጾም ኣወጀ። እቶም ህዝቢ ድማ ልማኖኦም ናብ ኣምላኽ ኣቕረቡ፣ ንሱ ኸኣ ካብቶም ኣብ መገዲ ኼድብዩ ዚኽእሉ ጸላእቶም ስለ ዘዕቈቦም፡ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ብሰላም ዛዘምዎ። (እዝ 8:1-14, 21-32) እቲ ሓደ ኻብ ምሩኻት ባቢሎን ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል እውን መምርሒ ኺረክብን ኪርዳእን ኢሉ ርእሱ ስለ ዘትሓተ፡ ኣምላኽ ብመልኣኹ ገይሩ ራእይ ብምልኣኽ ሞገሱ ኣርኣዮ።—ዳን 10:12።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w06 15/1 19 ¶10

ካብ መጽሓፍ እዝራ ዚጐልሕ ነጥብታት

7:28–8:20—ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ሓያሎ ኣይሁድ ምስ እዝራ ናብ የሩሳሌም ኪኸዱ ዘይደለዩ ስለምንታይ እዮም፧ እቶም መጀመርታ ናብ ሃገሮም እተመልሱ ኣይሁድ ካብ ዚመጹ 60 ዓመት ሓሊፉ እኳ እንተ ነበረ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩ ሰባት ሒደት እዩ ነይሩ። ናብ የሩሳሌም ምምላስ ኪበሃል ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ሕማቕን ሓደገኛን ኵነታት፡ ሓድሽ ናብራ ህይወት ምምስራት ማለት እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቶም ኣብ ባቢሎን በልጺጎም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ ኣይሁድ ዚስሕብ ስጋዊ ነገራት ኣብ የሩሳሌም ኣይርአን እዩ ነይሩ። እቲ ሓደገኛ ጕዕዞ እውን ዕሽሽ ኢልካ ዚሕለፍ ኣይኰነን። እቶም እተመልሱ ናብ የሩሳሌም ንኺጐዓዙ ኣብ የሆዋ ድልዱል እምነት፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕንኣት፡ ከምኡውን ትብዓት ኪህልዎም ነበሮ። እዝራ እውን ከይተረፈ በታ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረት ኢድ ኣምላኽ በርቲዑ እዩ። በቲ እዝራ ዝሃቦም ምትብባዕ 1,500 ስድራቤታት—6,000 ሰባት ኣቢሎም ዝዀኑ—ንኺምለሱ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። እዝራ ብዝወሰዶ ተወሳኺ ስጕምትታት ከኣ 38 ሌዋውያንን 220 ነቲኒምን ፍቓደኛታት ኰይኖም ተመልሱ።

17-23 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዝራ 9-10

“ዘይተኣዛዝነት ዜስዕቦ ስቓይ”

w06 15/1 20 ¶1

ካብ መጽሓፍ እዝራ ዚጐልሕ ነጥብታት

9:1, 2—ምስ ህዝቢ እቲ ሃገር ምውሳብ ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓደገኛ ዝነበረ፧ እቶም ናብ ሃገሮም እተመልሱ ኣይሁድ እቲ መሲህ ክሳዕ ዝመጽእ ዓቀብቲ ኣምልኾ የሆዋ ኪዀኑ ነበሮም። ምስ ካልኦት ኣህዛብ ምውሳብ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ገሊኣቶም ምስቶም ጣኦት ዜምልኹ ኣህዛብ ምውሳቦም፡ መወዳእታኡ እቶም ህዝቢ ብምሉኦም በቶም ኣረማውያን ኣህዛብ ኪወሓጡሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ዚፈጥር እዩ ነይሩ። ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸኣ ካብ ገጽ ምድሪ ኺጠፍእ ምኸኣለ ነይሩ። እቲ መሲህ ደኣ እሞ ናብ መን እዩ ኺመጽእ፧ እዝራ በቲ እተገብረ ነገራት ኣዝዩ ሰንቢዱ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ!

w09 1/10 10 ¶6

የሆዋ ኻባና ዚደልዮ እንታይ እዩ፧

ብፍታው ምእዛዝና በረኸት የምጽኣልና እዩ። ሙሴ፡ ‘ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት ሓሉ’ ኢሉ ጸሓፈ። (ቍጽሪ 13) እወ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ኽንእዘዞ ዚደሊ ትእዛዛት ምእዛዝና ንጥቕምና እዩ። ፈጺሙ ኺጐድኣና ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና። (1 ዮሃንስ 4:8) ስለዚ፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕግታት ዚህበና ዘለኣለማዊ ድሕንነት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ እዩ። (ኢሳይያስ 48:17) ነቲ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ነገራት ምግባር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኻብ ብዙሕ ጭንቀት የድሕነና፡ ናብቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ግዝኣት መንግስቱ ዚርከብ ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ድማ ይመርሓና።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w06 15/1 20 ¶2

ካብ መጽሓፍ እዝራ ዚጐልሕ ነጥብታት

10:3, 44—እቶም ቈልዑ ምስ ኣዴታቶም እተሰደዱ ስለምንታይ እዮም፧ እቶም ቈልዑ እንተ ዚተርፉ ነይሮም፡ እተሰደዳ ኣንስቲ ምእንቲ ደቀን ኪብላ ኸም ዚምለሳ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ንኣሽቱ ቘልዑ ናይ ኣዲኦም ቈላሕታ የድልዮም እዩ።

24-30 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ነህምያ 1-2

“ጸለኹ”

w08 15/2 3 ¶5

ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኣብ ቅድሜኻ ግበሮ

5 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣምላኽ ንኺሕግዘና ቐልጢፍና ኽንጽሊ የድሊ ይኸውን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ፡ እቲ ኣሰላፊ ሜሱ ዝዀነ ነህምያ ጕህዩ ኸም ዝነበረ ኣስተብሃለ። “እንታይ እሞ ትደሊ፧” ኢሉ ኸኣ ሓተቶ። ‘ሽዑ ነህምያ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ጸለየ።’ መቸም እቲ ብልቡ ዘቕረቦ ጸሎት ሓጺር ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ መልሲ ሃቦ፣ ከመይሲ፡ ነህምያ ንመካበብያ የሩሳሌም ንምህናጽ ፍቓድ እቲ ንጉስ ረኸበ። (ነህምያ 2:1-8 ኣንብብ።) እወ፡ እቲ ብልብኻ እትጽልዮ ሓጺር ጸሎት እውን እንተ ዀነ፡ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ

be 177 ¶5

ብናትካ ቓላት ምዝራብ

ሃንደበት ብዛዕባ እምነትካ ንኽትገልጽ ምስ እትሕተት፡ ዜዕግብ መልሲ ንኽትህብ ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ነቲ ኻብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ንዝቐረበሉ ሕቶ ቕድሚ ምምላሱ ዝጸለየ ነህምያ ምሰሎ። (ነህ. 2:4) ቀጺልካ፡ ቅልጥፍ ኢልካ ብኣእምሮኻ ኣስተዋጽኦ ኣዳሉ። እቲ መሰረታዊ ደረጃታት በዚ ዚስዕብ መገዲ ኺዝርዘር ይከኣል፦ (1) ኪግለጽ ዜድልዮ ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ምረጽ (ካብታ “ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ” ገለ ገለ ነጥብታት ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።) (2) ነዚ ነጥብታት እዚ ንምብራህ ነየናይ ጥቕስታት ከም እትጥቀም መድብ። (3) እቲ ሓታቲ ብፍታው ምእንቲ ኺሰምዓካ ኸመይ ጌርካ ብሜላ ኸም እትጅምር ሕሰብ። ድሕርዚ ኽትዛረብ ጀምር።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w86 15/2 25

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይዕወት

ኣይፋልን፣ ስለምንታይሲ፡ ነህምያ ብዛዕባ ዕንወት የሩሳሌም ቅድሚኡ ንነዊሕ ግዜ “መዓልትን ለይትን” እዩ ዚጽሊ ነይሩ። (1:4, 6) ንመካበብያ የሩሳሌም ኪሃንጾ ኸም ዚደሊ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ዚነግረሉ ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ ኸኣ፡ መሊሱ ጸለየ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ ደጋጊሙ ኺገብሮ ዝጸንሐ ነገር ገበረ። የሆዋ ንጸሎቱ ስለ ዝመለሰሉ ኸኣ፡ ነህምያ ንመካበብያ የሩሳሌም ኪሃንጽ ተመዘዘ።

እንታይ ንምሃር፧ ነህምያ ኻብ የሆዋ እዩ መምርሒ ደልዩ። ንሕና እውን ከቢድ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ‘ብጸሎት ክንጸንዕን’ ምስቲ የሆዋ ዚህበና መምርሒ ተሳኒና ኽንመላለስን ኣሎና።—ሮሜ 12:12።

31 ሓምለ–6 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ነህምያ 3-4

“ንናይ ጕልበት ስራሕ ከም ዜሕስረካ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧”

w06 1/2 9 ¶9

ካብ መጽሓፍ ነህምያ ዚጐልሕ ነጥብታት

3:5, 27 ከምቶም ‘ክቡራት’ ተቆዓውያን ዝነበሮም ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ምእንቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚግበር ናይ ጕልበት ዕዮ ዜሕስረና ጌርና ኣይንወስዶን ኢና። ኣብ ክንዳኡ ግን ነቶም ብፍታው ዜገልግሉ ዝነበሩ ተቆዓውያን ክንቀድሖም ንኽእል ኢና።

w19.10 23 ¶11

የሆዋ እንታይ ኬዅነካ እዩ፧

11 ድሕርዚ፡ ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት፡ ኣዋልድ ሻሉም ኣብቲ ንመካበብያ የሩሳሌም ኣብ ምጽጋን እተገብረ ዕዮ እጃመን ኣበርኪተን እየን። (ነህ. 2:20፣ 3:12) ኣቦአን ሻሉም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኣጸጋምን ሓደገኛን ዕዮ ንምዕያይ ግና ፍቓደኛታት ኰይነን እየን። (ነህ. 4:15-18) ካብቶም ኣብቲ ዕዮ “ንምስታፍ ርእሶም ኣየትሓቱን” እተባህለሎም ምርኡያት ተቆዓውያን ኣዝየን እተፈልያ እየን ነይረን። (ነህ. 3:5) እቲ ዕዮ ብ52 መዓልቲ ምስ ተፈጸመ፡ ኣዋልድ ሻሉም ከመይ ከም እተሰምዐን እሞ ንገምቶ! (ነህ. 6:15) ኣብዚ ግዜና እውን፡ ፍቓደኛታት ዝዀና ኣሓት ኣብ ፍሉይ ዓይነት ኣገልግሎት፡ ማለት ንየሆዋ እተወፈየ ህንጻታት ኣብ ምህናጽን ኣብ ምጽጋንን ተሓጒሰን ይሳተፋ እየን። ክእለተንን ውዕዉዕ መንፈሰንን ተኣማንነተንን ከኣ ነቲ ዕዮ ዕዉት ኪኸውን ኣበርክቶ ይገብር እዩ።

w04 1/8 18 ¶16

ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ምምዕባል

16 ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ ክርስትያናት ነቲ ክርስቶስ ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዝነበሮ ኣረኣእያ ኼማዕብሉ ኺጽዕሩ ኣለዎም። ኣብ ጉባኤ ኺፍጸም ዘለዎ እተፈላለየ ዕዮ ኣሎ። ትሑት መሲሉ ዚርአ ነገራት ክትገብር እንተ ተሓተትካ፡ ቅር ኪብለካ የብሉን። (1 ሳሙኤል 25:41፣ 2 ነገስት 3:11) ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ኣብ መአከቢ ዓበይቲ ኣኼባታት እተዋህቦም ዝዀነ ይኹን ዕዮ ብሓጐስ ኪዓዩ ተተባብዕዎም ዲኹም፧ ትሑት ዚበሃል ዕዮ ኽትዓዩ ይርእዩኹም ድዮም፧ ሕጂ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግል ዘሎ ሓደ ሓው፡ ነቲ ወለዱ ዝገደፉሉ ኣብነት ብንጹር እዩ ዚዝክሮ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ነቲ ዓብዪ ኣኼባ እንገብረሉ መአከቢ ንምጽራይ ዚወሃብ ዕዮ ብኸመይ ከም ዚፍጽምዎ ምርኣየይ፡ ኣገዳሲ ገይሮም ከም ዝረኣይዎ እዩ ሓቢሩኒ። እቲ ስራሕ ትሑት ጌርካ ይርአ ብዘየገድስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንጉባኤ ወይ ነሕዋት ዚጠቅም ዕዮ ንምዕያይ ፍቓደኛታት ነበሩ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ቤትኤል ዝዀነ ይኹን እተዋህበኒ ስራሕ ብፍታው ክቕበል ሓጊዙኒ እዩ።”

መንፈሳዊ ሃብቲ

w06 1/2 9 ¶1

ካብ መጽሓፍ ነህምያ ዚጐልሕ ነጥብታት

4:17, 18—ሓደ ሰብ ብሓደ ኢዱ ጥራይ ዕዮ ህንጸት ኪዓዪ ዚኽእል ከመይ ገይሩ እዩ፧ ጾር ንዚስከሙ ሰባት እዚ ኣየጸግምን እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሶም ወይ ኣብ መንኵቦም ጾር ተሰኪሞም፡ ብሓደ ኢዶም ብምድጋፍ ‘ብሓደ ኢዶም ከኣ ኣጽዋሮም ይሕዙ ነበሩ።’ እቶም ብኽልተ ኣእዳዎም ኪዓዩ ዜድልዮም ዝነበረ ነደቕቲ ኸኣ “ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ ሕቜኡ ተዐጢቑ ይነድቕ ነበረ።” ከም ኣጋጣሚ ጸላኢ እንተ መጺእዎም፡ ንኺዋግኡ ድሉዋት እዮም ነይሮም።

7-13 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ነህምያ 5-7

“ነህምያ ኼገልግል እምበር፡ ኪግልገል ኣይደለየን”

w02 1/11 27 ¶3

ጥንቲ ዝነበሩን ሕጂ ዘለዉን ደገፍቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ

ነህምያ ግዜኡን ናይ ምምሕዳር ክእለቱን ጥራይ ኣይኰነን ወፍዩ። ገንዘቡ እውን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምድጋፍ ኣውዒልዎ ኢዩ። ብገንዘቡ ገይሩ ንኣይሁድ ኣሕዋቱ ኻብ ባርነት ተበጀዎም። ብዘይ ሓረጣ ገንዘብ ኣለቅሐ። ነቲ ንሹማምንቲ ዝግባእ ግብሪ ኸምጽኡሉ ብምእዛዝ እውን ንኣይሁድ ‘ኣየኽበደሎምን።’ ኣብ ክንድኡስ ኣብ ርእሲ ‘እቶም ካብቲ ኸባቢ ዝመጹ ኣህዛብ፡ ሚእትን ሓምሳን ሰብ’ ኣብ መኣዱ ይምገቡ ነበሩ። ኣብ መመዓልቲ ‘ሓደ ብዕራይን ሽዱሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን ኣዕዋፍን’ ንኣጋይሹ የዳሉ ነበረ። ብተወሳኺውን፡ በብዓሰርተ መዓልቲ “ኣዝዩ ብዙሕ ወይኒ” የዳሉ ነበረ፡ እዚ ዅሉ ድማ ካብ ጁቡኡ ኢዩ ዘቕርቦ ነይሩ።—ነህምያ 5:8, 10, 14-18

w16.09 6 ¶16

‘ኣእዳውካ ኣይተሓለላ’

16 ነህምያን ብጾቱን ደገፍ የሆዋ ምስ ረኸቡ፡ ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ኺፍጽሙ ኣእዳዎም ኣበርቲዖም እዮም። ንመካበብያ የሩሳሌም ድማ ኣብ ውሽጢ 52 መዓልቲ ወድእዎ! (ነህ. 2:18፡ እ.ጽ.፣ 6:15, 16) ነህምያ ነቲ ዕዮ ይቈጻጸሮ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ዳግመ ህንጸት መካበብያ የሩሳሌም ተሳቲፉ እዩ። (ነህ. 5:16) ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ፈቃራት ሽማግለታት እውን፡ ንቲኦክራስያዊ ፕሮጀክትታት ህንጸት ብምድጋፍ ወይ ነቲ ዚእከቡሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይን ኣብ ምጽጋንን ብምክፋል ኣስኣሰር ነህምያ ይስዕቡ እዮም። ምስ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ብምክፋልን ጕስነታዊ ምብጻሕ ብምግባርን እውን፡ ኣእዳው እቶም ጭኑቕ ዝልቦም የበርትዑ እዮም።—ኢሳይያስ 35:3, 4 ኣንብብ።

w00 1/2 32

የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ክዝክረካ፧

ምስዚ ብዝሰማማዕ መገዲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ምዝካር” ማለት ኣወንታዊ ስጕምቲ ምውሳድ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። ንኣብነት፡ ምድሪ ብማይ ኣይሂ ን150 መዓልትታት ምስ ኣጥለቕለቐት ‘ኣምላኽ ንኖህ ዘከሮ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፡ እቲ ማይ ከኣ ጐደለ።’ (ዘፍጥረት 8:1) ድሕሪ ገለ ክፍለ-ዘበናት ሳምሶን ብፍልስጥኤማውያን ዓይኑ ምስ ዓወረን ብሰንሰለት ምስ ተኣስረን “እግዚኣብሄር . . . በጃኻ ዘክረኒ። . . . በጃኻ ነዛ ግዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሃበኒ” ኢሉ ጸለየ። የሆዋ፡ ሳምሶን ንጸላእቲ ኣምላኽ ሕነ ምእንቲ ክፈዲ ካብ ናይ ሰብ ንላዕሊ ዝዀነ ሓይሊ ብምሃብ ዘከሮ። (መሳፍንቲ 16:28-30) ንነህምያ እውን የሆዋ ጻዕሩ ባሪኹሉ ኢዩ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓቀኛ ኣምልኾ እንደገና ተመስረተ።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w07 1/7 30 ¶15

“ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ”

15 ሳልሳይ፡ ነህምያ ሕጊ ኣምላኽ ከም ዚጥሕስ ንምግባር ነቲ ኸሓዲ ዝዀነ እስራኤላዊ ዝነበረ ሸማዕያ ተጠቕሙ። ሸማዕያ ንነህምያ “ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ውሽጢ መቕደስ ብሓደ ንራኸብ፡ ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም . . . እሞ፡ ደገ ቤተ መቕደስ ንዕጸዎ” በሎ። ሸማዕያ ንነህምያ ኪቐትልዎ ስለ ዚኽእሉ፡ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ተሓቢኡ ህይወቱ ኼድሕን ከም ዚኽእል እዩ ዚነግሮ ነይሩ። ነህምያ ግን ካህን ኣይነበረን። ኣብቲ ቤት ኣምላኽ እንተ ተሓቢኡ ድማ ሓጢኣት እዩ ዚፍጽም። እሞኸ ህይወቱ ንምድሓን ኢሉ ሕጊ ኣምላኽ ይጥሕስ ደዀን ይኸውን፧ ነህምያ፡ “ከማይ ዝበለስ ምእንቲ ኺድሕን ኢሉ፡ ናብ መቕደስ ዚአቱ መን እዩ፧ ኣነስ ኣይአቱን” ኢሉ መለሰ። ነህምያ ኣብቲ እተዘርግሓሉ መጻወድያ ዘይኣተወ ስለምንታይ እዩ፧ ሸማዕያ ኸምኡ እስራኤላዊ እኳ እንተ ዀነ፡ “ኣምላኽ ከም ዘይለአኾ” ግን ይፈልጥ ነበረ። ናይ ሓቂ ነብዪ እንተ ዚኸውን፡ ንሕጊ ኣምላኽ ኪጥሕስ ኣይምመኸሮን። ነህምያ እንደገና በቶም እኩያት ተጻረርቲ ኺሰዓር ኣይፈቐደን። ስለዚ ድማ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ “እቲ መካበብያ ኻብ ወርሒ ኤሉል ብመበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፡ ብሓምሳን ክልተን መዓልቲ፡ ተፈጺሙ” ኢሉ ጸብጻብ ኪህብ ከኣለ።—ነህምያ 6:10-15፣ ዘሁልቍ 1:51፣ 18:7

14-20 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ነህምያ 8-9

“ሓጐስ የሆዋ ዕርድኹም እዩ”

w13 15/10 21 ¶2

ጽቡቕ ምድላው ካብ እተገብረሉ ጸሎት ዚርከብ ትምህርቲ

2 ኣይሁድ ንህንጸት መካበብያ የሩሳሌም፡ ካብቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣኼባ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሞም ፈጺሞምዎ ነበሩ። (ነህ. 6:15) ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ዕዮ እቲ ብ52 መዓልቲ እዮም ፈጺሞምዎ። ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ መንፈሳውነቶም ፍሉይ ኣቓልቦ ኺገብሩ ጀመሩ። ስለዚ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ሓዳስ ወርሒ ቲሽሪ፡ እዝራ ምስ ካልኦት ሌዋውያን ኰይኑ ሕጊ ኣምላኽ ዓው ኢሉ ኼንብበሎምን ኪገልጸሎምን ከሎ ንኺሰምዕዎ ኣብ ኣደባባይ ተኣከቡ። (1ይ ስእሊ) ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤታት፡ እንተላይ “ምስትውዓል ዘለዎም ኵላቶም፡” “ካብ ዚበርህ ጀሚሩ ኸኣ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ” ደው ኢሎም ይሰምዑ ነበሩ። እዝስ፡ ነቶም ሎሚ ኣብ ምሹእ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣኼባታት እንገብር ኣሕዋትን ኣሓትን ኣየ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! ይኹን እምበር፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ሓድሓደ ግዜ ኣእምሮኻ ስለ ዚህውትት፡ ብዙሕ ኣገዳስነት ብዛዕባ ዘይብሉ ነገራት ክትሓስብ ትጅምር ዲኻ፧ ከምዚ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ እቶም ጥንታውያን እስራኤላውያን ዝገደፍዎ ኣብነት እንደገና መርምሮ። ንሳቶም ጽን ኢሎም ኣብ ርእሲ ምስማዖም፡ ነቲ ዝሰምዕዎ ኣብ ልቦም ስለ ዘሕደርዎ፡ ብደረጃ ህዝቢ ሕግታት ኣምላኽ ብዘይምሕላዎም በኽዮም እዮም።—ነህ. 8:1-9።

w07 15/7 22 ¶9-10

‘ብመንፈስ ትመላለስ’ ዲኻ፧

9 ሓጐስ ኪበሃል ከሎ ደስታ ማለት እዩ። የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW፣ መዝሙር 104:31) ወዱ እውን ፍቓድ ኣቦኡ ብምግባር ይሕጐስ እዩ። (መዝሙር 40:8፣ እብራውያን 10:7-9) ‘ሓጐስ የሆዋ እውን ሓይልና እዩ።’—ነህምያ 8:10

10 ኣምላኽ ዚህበና ሓጐስ ኣብ እዋን ሽግር፡ ጓሂ፡ ወይ መስጐጕቲ እኳ ኸይተረፈ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ዓሚቝ ዕግበት የምጽኣልና። “ምፍላጥ ኣምላኽ” እውን ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣልና! (ምሳሌ 2:1-5) ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዜሐጕስ ርክብ ኣብ ርጡብ ፍልጠት ከምኡውን ኣብኡን ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስን ኣብ ዘላትና እምነት እተመርኰሰ እዩ። (1 ዮሃንስ 2:1, 2) ክፍሊ እቲ እንኮ ዓለምለኻዊ ሕውነት ምዃን ካልእ ምንጪ ሓጐስ እዩ። (ጸፎንያስ 3:9፣ ሃጌ 2:7) ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ተስፋን ነቲ ብስራት ንምእዋጅ ዘሎና ዓብዪ መሰልን የሐጕሰና እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ 24:14) ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ከምኡ የሐጕሰና እዩ። (ዮሃንስ 17:3) እዚ ዅሉ ዜደንቕ ተስፋታት ስለ ዘሎና፡ ‘ምሉእ ሓጐስ ክንሕጐስ’ ኣሎና።—ዘዳግም 16:15

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-1 145 ¶2

ኣራማይስጢ

ካብቲ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን እተመልሱሉ ግዜ ብርክት ዝበለ ዓመታት ምስ ሓለፈ፡ ካህን እዝራ ኣብ የሩሳሌም ንእተኣከቡ ህዝቢ ኻብ መጽሓፍ ሕጊ ኣንበበሎም፣ ገሊኦም ሌዋውያን እውን ነቶም ህዝቢ ገለጹሎም። ብዛዕባ እዚ፡ ነህምያ 8:8 ከምዚ ትብል፦ “ካብታ መጽሓፍ፡ ካብ ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ዓው ኢሎም የንብቡን ብንጹር ይገልጹን ትርጉሙ የብርሁን ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ነቲ ዚንበብ ዝነበረ ኣረድእዎም።” ብንጹር ይገልጹ ወይ የስተርጕሙ ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ እብራይስጢ ናብ ኣራማይስጢ ይትርጕሙ ነይሮም ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ እብራውያን ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣራማይስጢ ለሚዶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ትርጉሙ የብርሁ ኺብሃል ከሎ ኸኣ፡ ኣይሁድ ዋላ እኳ ነቲ እብራይስጢ እንተ ተረድእዎ፡ እቲ እተነብበ ጽሑፍ ሒዝዎ ዘሎ ዓሚቝ ትርጉም የብርሁሎም ማለት ኪኸውን ኣለዎ።

21-27 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ነህምያ 10-11

“ንየሆዋ ብሕታዊ መስዋእቲ ኣቕሪቦም”

w98 15/10 22 ¶13

ምስ ስማ እትሰማማዕ የሩሳሌም

13 እቲ ኣብ ግዜ ነህምያ እተሓትመ “ኪዳን” ነቶም ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ናብቲ መናድቕ የሩሳሌም ዝጽምበለሉ መዓልቲ ኣዳለዎም። ቈላሕታ ክግበረሉ ዝግባእ ካልእ ህጹጽ ጕዳይ ግን ነይሩ ኢዩ። ሕጂ የሩሳሌም ብ12 መዓጹ ዘለዎ ዓቢ መንደቕ ኢያ ተኸቢባ፡ ዝያዳ ተቐማጢ ኸኣ የድልያ ነበረ። ገለ እስራኤላውያን ኣብኡ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ‘እታ ኸተማ ገፋሕን ዓባይን ነበረት። እቶም ኣብ ማእከላ ዝነብሩ ህዝቢ ኸኣ ሒደት ነበሩ።’ (ነህምያ 7:4) ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ እቶም ህዝቢ ‘ከካብ ዓሰርተስ ሐሓደ ወሲዶም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ፡ ናብ የሩሳሌም ከቐምጥዎም ዕጭ ተዋደቑ።’ እቲ ብፍታው ዝሃብዎ ምላሽ ከኣ እቶም ህዝቢ “ነቶም ብፍቓዶም ኣብ የሩሳሌም ኪቕመጡ ዝፈተዉ ዅሎም ሰባት” ክምርቕዎም ደፋፍኦም። (ነህምያ 11:1, 2) እዝስ ነቶም ኣብቲ ዝያዳ ናይ ብሱላት ክርስትያን ሓገዝ ዘድልየሉ ቦታታት ንኽኸዱ ኵነታቶም ዘፍቅደሎም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ!

w86 15/2 26

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይዕወት

ርስትኻ ሓዲግካ ናብ የሩሳሌም ምግዓዝ፡ እተወሰነ ወጻኢታትን ጸገማትን ነይርዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቶም ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዚነብሩ ተቐማጦ ንእተፈላለየ ሓደጋታት እተቓልዑ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ነቶም ብፍታዎም ኣብ የሩሳሌም ኪቕመጡ ዝወሰኑ ዘበሉ ነኣድዎም፡ የሆዋ ኺባርኾም እውን ጸልዮምሎም ኪዀኑ ኣለዎም።

w16.04 8 ¶15

ተኣማንነት ናብ ስምረት ኣምላኽ ይመርሕ

15 ህይወትና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ፍቓዱ ኸም እንገብር ኢና ተመባጺዕና። ነቲ መብጽዓና ሓሊና ንምምልላስ፡ ጥቕሚ ርእስና ኽንስውእ ከም ዘሎና ንፈልጥ ኔርና ኢና። ዘይንፈትዎ ነገር ክንገብር ምስ እንሕተት ግና፡ ፍቓደኛነትና ብዝያዳ ይፍተን እዩ። ከምዚ ዝበለ መስዋእቲ ምስ እንኸፍልን ዋላ እውን ኣብ ዘይጥዕመና ዅነታት ንኣምላኽ ምስ እነገልግሎን፡ እሙናት ምዃንና ነርኢ። እዚ ዜምጽኦ በረኸት ከኣ፡ ካብቲ እንኸፍሎ መስዋእቲ ኣጸቢቑ ዚዓቢ እዩ። (ሚል. 3:10) ጓል ይፍታሕ ግና እንታይ እያ ዝገበረት፧

መንፈሳዊ ሃብቲ

w06 1/2 11 ¶1

ካብ መጽሓፍ ነህምያ ዚጐልሕ ነጥብታት

10:34—እቶም ህዝቢ ዕንጨይቲ ኺውፍዩ እተሓቱ ስለምንታይ እዮም፧ ብዛዕባ ምውፋይ ዕንጨይቲ ዚምልከት ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ሙሴ የለን። እዚ ሕቶ እዚ ዝቐረበ ኣብቲ እዋን እቲ ኣድላዪ ስለ ዝነበረ ጥራይ እዩ። ነቲ መስዋእትታት ኣብቲ መሰውኢ ንምንዳድ ብዙሕ ዕንጨይቲ የድሊ ነበረ። እስራኤላውያን ዘይኰኑ ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግሉ ዝነበሩ ነቲኒም እኹላት ኣይነበሩን ኪዀኑ ኣለዎም። ስለዚ፡ ቐጻሊ ዝዀነ ምውፋይ ዕንጨይቲ ኺግበር ነቶም ህዝቢ ዕጭ ኣውደቑሎም።

28 ነሓሰ–3 መስከረም

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ነህምያ 12-13

“ኣዕሩኽ ክትመርጽ ከለኻ ንየሆዋ እሙን ኩን”

it-1 95 ¶5

ዓሞናውያን

ጦብያ ኻብ ቤተ መቕደስ ምስ ተሰጕጐ፡ ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ጉባኤ እስራኤል ከይኣቱ ዚኽልክል ኣብ ዘዳግም 23:3-6 ዚርከብ ሕጊ ኣምላኽ ተነብበን ተተግበረን። (ነህ 13:1-3) እዚ ኣስታት 1,000 ዓመት ይገብር ዝወጸ ቐይዲ፡ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን ኪሕግዝዎም ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም እዩ ተሓጊጉ። እዚ ሕጊ እዚ ድማ፡ እዞም ኣህዛብ እዚኦም ኵሉ መሰላቶም ዚሕለወሎም ምሉእ ሕጋውያን ኣባላት ህዝቢ እስራኤል ከይዀኑ ዚኽልክል ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ውልቀ ሰብ ምስ እስራኤላውያን ርክብ ኪህልዎ ኸም ዘይክእል ወይ ኣብ መንጎኦም ኪነብር ከም ዘይክእል፡ በዚ ኸምዚ ድማ ካብቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዚባርኾም በረኸት ኪጥቀም ከም ዘይክእል ዜመልክት ኣይኰነን። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጸለቅ ምስቶም ጀጋኑ ዳዊት ተጸብጺቡ ምህላዉ፡ ከምኡ እውን ዛንታ ሩት እታ ሞኣባዊት ነዚ መርትዖ ይኸውን እዩ።—ሩት 1:4, 16-18።

w13 15/8 4 ¶5-6

ተቐዲስካ ኢኻ

5 ነህምያ 13:4-9 ኣንብብ። ሕማቕ ጽልዋ ብዚገብረልና ነገራት ተኸቢብና ስለ ዘሎና፡ ቅዱሳት ኴንና ኽንቅጽል ቀሊል ኣይኰነን። ብዛዕባ ኤልያሺብን ጦብያን እሞ ንመርምር። ኤልያሺብ ሊቀ ኻህናት እዩ ነይሩ። ጦብያ ድማ ዓሞናዊ እዩ ነይሩ፣ ኣብቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ምምሕዳር ፋርስ ከኣ ንኡስ መኰነን ኰይኑ ይዓዪ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጦብያን ብጾቱን ነቲ ነህምያ ንመናድቕ የሩሳሌም ንምህናጽ ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ኼቋርጽዎ ይጽዕሩ ነበሩ። (ነህ. 2:10) ዓሞናውያን፡ ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣትዉ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 23:3) እቲ ሊቀ ኻህናት ደኣ እሞ ንምንታይ እዩ ንጦብያ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ዝነበረ ኣዳራሽ፡ ቦታ ዝሃቦ፧

6 ጦብያ ምስ ኤልያሺብ ናይ ቀረባ ርክብ መስሪቱ ነበረ። ጦብያን ወዱ ዮሓናን ኣይሁዳውያን ኣንስቲ ተመርዕዮም ነበሩ፡ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ከኣ ንጦብያ ብጽቡቕ የልዕልዎ ነበሩ። (ነህ. 6:17-19) ሓደ ኻብቶም ደቂ ደቂ ኤልያሺብ፡ ጓል ሳንባላጥ ተመርዕዩ ነበረ። ሳንባላጥ፡ ሓደ ኻብቶም ሹማምንቲ ሰማርያን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ጦብያን እዩ ነይሩ። (ነህ. 13:28) እዚ ርክብ እዚ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኤልያሺብ ንሓደ ዘይኣማንን ተጻራርን ዝነበረ ሰብ፡ ጽልዋ ንኺገብረሉ ስለምንታይ ከም ዝፈቐደሉ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ይኹን እምበር፡ ነህምያ ንዅሉ ኣቕሑ ጦብያ ኻብቲ ኣዳራሽ ኣውጺኡ ብምድርባይ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት ኣርእዩ እዩ።

w96 15/3 16 ¶6

ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ምግጣሙ

6 ንየሆዋ ኣምላኽ እሙናት እንተድኣ ኰይንና፡ ምስ ኵሎም እቶም ጸላእቱ ዝዀኑ ዕርክነት ምግባር ከነወግድ ኢና። ስለዚ ድማ ኢዩ እቲ ወደ መዝሙር ያእቆብ “ኣትን ዘመውቲ፡ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፡ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን” ኢሉ ዝጸሓፈ። (ያእቆብ 4:4) ከምቲ ንጉስ ዳዊት “ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽላኣዮም፧ ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖም፧ ፍጹም ጽልኢ እጸልኦም፡ ጸላእተይ እዮም” ኢሉ ዘረጋገጾ ዓይነት ተኣማንነት ክህልወና ኢና እንደሊ። (መዝሙር 139:21, 22) ምስኦም ምንም ዘራኽብ ስለ ዘይብልና ምስ ኵሎም ኰነ ኢሎም ሓጢኣት ዝገብሩ ሰባት ምንም ሕብረት ክንገብር ኣይንደልን ኢና። ተኣማንነት፡ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ጸላእቲ የሆዋ ዝዀኑ ሰባት ብኣካል ይኹን ብመገዲ ቴሌቭዥን፡ ኣቢልና ርክብ ከይንገብር ዝሕልወናዶ ኸይኰነ፧

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-2 452 ¶9

ሙዚቃ

ኣብ ቤተ መቕደስ ምዝማር፡ ዓብዪ ኣገዳስነት እዩ ነይርዎ። እቶም ዘመርቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዙሕ ሳዕ ተጠቒሶም ምህላዎም፡ ከምኡ ድማ ምሉእ ብምሉእ ንኣገልግሎቶም ውፉያት ኪዀኑ ተባሂሉ ኻብቲ ኻልኦት ሌዋውያን ዚዓይይዎ “ኻልእ ዕዮታት ሓራ” ምዃኖም ነዚ ሓቂ እዚ ዚምስክር እዩ ነይሩ። (1ዜና 9:33) ኣብ መንጎ እቶም ካብ ባቢሎን እተመልሱ ህዝቢ ንበይኖም ተዘርዚሮም ምህላዎም ከኣ፡ ፍሉያት ጕጅለ ሌዋውያን ኰይኖም ከም ዝቐጸሉ የርኢ። (እዝ 2:40, 41) ንጉስ ኣርታሕሻስታ (ሎንጊማነስ) እኳ ብስልጣኑ ተጠቒሙ ንዓታቶምን ንኻልኦት ፍሉያት ጕጅለን ካብ “ግብርን ቀረጽን ተጎን” ሓራ ገይርዎም እዩ። (እዝ 7:24) ጸኒሑ፡ ንጉስ ‘ነቶም ዘመርቲ ነንመዓልቲ ምዱብ መሰናድዎ ኺስርዓሎም’ ኣዘዘ። ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣርታሕሻስታ ኸም ዘውጽኦ ጌርካ ተገሊጹ እኳ እንተሎ፡ እዝራ በቲ ኻብ ኣርታሕሻስታ እተዋህቦ ስልጣን ተጠቒሙ ዘውጽኦ ኪኸውን ኣለዎ። (ነህ 11:23፣ እዝ 7:18-26) ስለዚ፡ ኵሎም ዘመርቲ ኻብ ሌዋውያን እኳ እንተ ነበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓታቶም “ዘመርትን ሌዋውያንን” ብምባል ከም ፍሉይ ጕጅለ ገይሩ ዝረቝሓሉ ምኽንያት ኪርድኣና ይኽእል እዩ።—ነህ 7:1፣ 13:10።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ