መጽናዕቲ 27
ብናትካ ቓላት ምዝራብ
ንመደረኻ ኣጸቢቕካ ተዳሊኻሉ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። መሃሪ ሓሳባት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። እቲ እተጠቐምካሉ ስነ-መጐት ብቑዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰጋእ ከይበልካ ኸተቕርቦ እውን ትኽእል ትኸውን። ይኹን እምበር: ሰማዕትኻ ኣተኵሮኦም ዚከፋፈል እንተ ዀይኑ: ማለት ብሓሳባቶም ስለ ዝገሹ ኻብ ዘረባኻ ሒደት ጥራይ ዚሰምዑ እንተ ደኣ ዀይኖም: መደረኻ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚኽእል፧ ኣብቲ መደረ ኬቕልቡ ዜሸግሮም እንተ ደኣ ዀይኑ: ልቦም ክትትንክፍ ትኽእልዶ፧
ጠንቂ እዚ ጸገም እዚ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ እተፈላለየ ረቛሒታት እኳ እንተሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ግን እቲ ተዛራባይ ነቲ መደረ ብናቱ ቓላት ገይሩ ስለ ዘየቕርቦ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ብዙሕ ሳዕ ናብ ጽሑፉ ስለ ዚጥምት ወይ ከኣ ኣዘራርባኡ እምብዛ ወግዓዊ ስለ ዚኸውን እዩ። እዚ ጸገማት እዚ ግን ምስቲ ነቲ መደረኡ እተዳለወሉ ኣገባብ እተተሓሓዘ እዩ።
ንመደረኻ መጀመርታ ኣብ ወረቐት እንተ ደኣ ጽሒፍካዮ እሞ ድሕሪኡ ናብ ኣስተዋጽኦ ኽትቅይሮ እንተ ደኣ ፈቲንካ: ብናትካ ቓላት ጌርካ ንኸተቕርቦ ኼጸግመካ ኸም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እትጥቀመሉ ቓላት ፈሊኻ መሪጽካ ኢኻ። ነቲ ኣስተዋጽኦ እቲ እኳ እንተ ተጠቐምካ: ነቲ መጀመርታ ዘዳለኻዮ ሰፊሕ ጽሑፍ ክትዝክሮ ኽትፍትን ኢኻ። ሓሳባት ኣብ ጽሑፍ እንተ ደኣ ሰፊሩ: እቲ ቛንቋ ኻብቲ መዓልታዊ ዘረባኻ ብዝያዳ ወግዓዊ ይኸውን: ኣቃውማ እቲ ምሉእ ሓሳባት ከኣ ዝያዳ ሕልኽላኽ ኰይኑ እዩ ዚርከብ። እዚ ኸኣ ኣብ ኣቀራርባኻ ኺንጸባረቕ እዩ።
ንመደረኻ ብዝርዝር ኣብ ክንዲ እትጽሕፎ: ነዚ ዚስዕብ ክትጥቀመሉ ፈትን:- (1) ፍረ ነገርን ንዕኡ ንምብራህ እትጥቀመሉ ምስቲ ርእሰ ነገር ዚኸይድ ቀንዲ ነጥብታትን ምረጽ። ንሓደ ሓጺር መደረ: ክልተ ቐንዲ ነጥብታት ጥራይ እኹል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንውሕ ዝበለ መደረ ኸኣ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ቐንዲ ነጥብታት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። (2) ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ንዕኡ ንምብራህ እትጥቀመሉ ቐንዲ ጥቕስታትን ምሳሌታትን ንመርትዖ ዚኸውን ኣገዳስነት ዘለዎ ቐንዲ ሓሳባትን ኣስፍር። (3) ንመደረኻ እንታይ መእተዊ ተጠቒምካ ኸም እትጅምሮ ሕሰበሉ። ምናልባት ሓደ ወይ ክልተ ምሉእ ሓሳባት ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። ንመዕጸዊኻውን ኣቐዲምካ ሕሰበሉ።
ንኣቀራርባኻ ኣቐዲምካ ኽትዳለወሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ይኹን እምበር: ነቲ መደረ ቓል ብቓሉ ኸይትሽምድዶ ተጠንቀቕ። ብናትካ ቓላት ንምዝራብ: ንኣቀራርባኻ ኽትዳለወሉ ኸለኻ ኣብቲ ኪቐርብ ዘለዎ ሓሳባት ደኣ እምበር: ኣብቲ ቓላት ኣይተተኵር። እቲ ሓሳባት ተኣሳሲሩ ብቐሊሉ ኣብ ኣእምሮኻ ኽሳዕ ዚቕረጽ ኣጽንዓዮ። መደረኻ ብስነ-መጐታዊ ኣገባብን ብጥንቃቐን ቅርጺ ሂብካ እንተ ደኣ ኣዳሊኻዮ: እዚ ንምግባር ኬጸግመካ የብሉን፣ እቲ ሓሳባት ኣብ ኣቀራርባኻ ብቐሊሉን ብባህርያዊ መገድን ኪግለጽ ኣለዎ።
ነቲ ጥቕምታቱ ሕሰበሉ። ብናትካ ቓላት ብምዝራብ ዚርከብ ኣገዳሲ ጥቕሚ: ብዚርዳእ ኣገባብ ስለ እትዛረብ ሰባት ብቐሊሉ ምላሽ ኪህቡኻ እዮም። ኣቀራርባኻ ዝያዳ ህያውን ንሰማዕትኻ ዜገድስን ይኸውን።
እዚ ኣገባብ ኣዘራርባ እዚ ንሰማዕትኻ ብዝበለጸ ንኽትጥምቶም ስለ ዚሕግዘካ: ነቲ ምስ ሰማዕትኻ ዘሎካ ርክብ እውን የመሓይሾ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ምሉእ ሓሳባት ክትዛረብ ከለኻ ነቲ ቓላት ንምርኣይ ኣብ ጽሑፍካ ስለ ዘይትምርኰስ: ሰማዕትኻ ንመደረኻ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጦ: ነቲ እትዛረቦ ኸኣ ካብ ልቢ ኸም እትኣምነሉ ኺግንዘቡ እዮም። ስለዚ: እዚ ባህርይ ዘረባ እዚ ትዘራረብ ከም ዘለኻ ዄንካ ውዕዉዕን ንልቢ ሰማዕትኻ ዚትንክፍን መደረ ንኸተቕርብ ዚሕግዝ እዩ።
ብናትካ ቓላት እናተዛረብካ እተቕርቦ መደረ ተዓጻጻፋይ ንኽትከውን እውን ይሕግዘካ እዩ። እቲ ጽሑፍ ምምዕርራይ ክትገብረሉ ዘይትኽእል ኰይኑ ብድርቕ ዝበለ መገዲ እተዳለወ ኣይኰነን። ንኣብነት: ኣብታ መደረ እተቕርበላ መዓልቲ ኣቐድም ኣቢሉ ምስቲ እተቕርቦ ርእሰ ነገር ዚኸይድ ኣገዳሲ ዜና ቐሪቡ ንበል። ነዚ ኽትጠቕሶ ብቑዕዶ ኸይኰነ፧ ወይ ከኣ እናተዛረብካ ኸለኻ ሰማዕትኻ ንትምህርቲ ዝኣኸሉ ሓያሎ ቘልዑ ዚርከብዎም ምዃኖም ኣስተብሂልካ ንበል። ምሳሌታትካን መግለጺታትካን እቲ ትምህርቲ ንህይወቶም ብኸመይ ከም ዚትንክፎም ንኺግንዘቡ ኽትሕግዘሉ ብእትኽእል መገዲ ኸተመዓራርዮ ኽንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ!
ብናትካ ቓላት ብምዝራብ ዚርከብ ካልእ ጥቕሚ ኸኣ ንኣእምሮኻ ምንቕቓሕ እዩ። ሰማዕትኻ መማሰውትን ምላሽ ዚህቡን ምዃኖም ምስ እትግንዘብ: ንስኻ እውን ውዕዉዕ መንፈስ ይህልወካ እሞ ነቲ ሓሳባት ተስፍሖ ወይ ከኣ ግዜ ወሲድካ ገለ ገለ ነጥብታት ንምጕላሕ ትድረኽ ኢኻ። ሰማዕትኻ ተገዳስነቶም እናቐሃመ ይኸይድ ከም ዘሎ እንተ ደኣ ኣስተብሂልካ: ብሓሳባቶም ገይሾም ከለዉ ስቕ ኢልካ ኣብ ክንዲ እትዛረብ ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ገለ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።
ሳዕቤኑ ኣርሕቆ። ብናትካ ቓላት ምዝራብ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኪህልዎ ኸም ዚኽእል እውን ክትፈልጥ ኣሎካ። ሓደ ኻብኡ ግዜ ንኸተሕልፍ ትፍተን ኢኻ። እናተዛረብካ ኸለኻ ብዙሕ ተወሳኺ ሓሳባት ተእቱ እንተ ደኣ ዄንካ: ግዜኻ ምሕላው ኬጸግመካ ይኽእል እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ክፋል መደረ እተመደበ ግዜ ኣብ ኣስተዋጽኦኻ ምልክት ግበረሉ። ነዚ ድማ ብጥብቂ ሓልዎ።
ብፍላይ ኣብቶም ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ዚርአ ኻልእ ሳዕቤን ከኣ ሕሉፍ ርእሰ-ምትእምማን እዩ። ገሊኣቶም ብዙሕ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስለ ዚዛረቡ: ገለ ሓሳባት ኣኻኺቦም ነቲ ምዱብ ግዜ ኺሽፍኑ ኣየጸግሞምን እዩ። ይኹን እምበር: ትሕት ብምባል ኵላትና ኻብቲ የሆዋ እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነሉ መደብ ትምህርቲ ተጠቀምቲ ምዃንና ምስ እንግንዘብ: ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ብጸሎት ንኽንሓስበሉን ጽቡቕ ጌርና ንኽንዳለወሉን ክንድረኽ ኢና።—ኢሳ. 30:20 ትርጕም 1990፣ ሮሜ 12:6-8
እቶም ብናቶም ቃላት ናይ ምዝራብ ተመክሮ ዘይብሎም ሓያሎ ተዛረብቲ: ነቲ ኺዛረብዎ ዚሓስቡ ነጥብታት ክንርስዖ ንኽእል ኢና ዚብል ጭንቀት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ነቲ ንፉዕ ተዛራባይ ኪገብረካ ዚኽእል ተወሳኺ ስጕምቲ ንኸይትስጕም ኪዓግተካ ኣይተፍቅደሉ። ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ: የሆዋ ብመንፈሱ ኺሕግዘካ ኸኣ ጸሊ።—ዮሃ. 14:26
ገሊኦም ተዛረብቲ ኣብ ቃላት እምብዛ ስለ ዜተኵሩ: ብናቶም ቃላት ኪዛረቡ ይኸብዶም እዩ። ብናትካ ቓላት ክትዛረብ ከለኻ እትጥቀመሉ ቓላትን ኣገባብ ሰዋስውን ልክዕ ከምቲ ብንባብ ኣብ ዚቐርብ መደረ ዘሎ እተመርጸ ዓይነት ከይከውን ይኽእል እዩ። ምስ ካልእ ሰብ ትዘራረብ ከም ዘለኻ ዄንካ ብዚስሕብ መገዲ ምስ እተቕርቦ ግን: ነቲ ጕድለት እቲ ኺሽፍኖ ይኽእል እዩ። ሰባት ብዚርድእዎ ፈኲስ ቃላትን ቅልል ብዝበለ ምሉእ ሓሳባትን ንዚቐርበሎም መደረ ብዝያዳ ምላሽ ይህብሉ እዮም። ግቡእ ምድላው እንተ ደኣ ጌርካ: ብባህርያዊ መገዲ ቕኑዕ ሓረጋት እናተጠቐምካ ኽትዛረብ ኢኻ። እዚ ድማ ስለ ዝሸምደድካዮ ዘይኰነስ: ነቲ ሓሳባት ብዚግባእ ስለ ዘጽናዕካዮ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ዘረባኻ እሩም ኣዘራርባ ትጥቀም እንተ ደኣ ዄንካ ኸኣ: ኣብ መድረኽ እውን ብባህርያዊ መገዲ ኽትዛረብ ኢኻ።
እንታይ ዓይነት መዘኻኸሪ ኽትጥቀም ከም ዘሎካ። ድሕሪ ብዙሕ ምልምማድ ተመክሮ እናቐሰምካ ምስ ከድካ: ንመደረኻ እተዳልዎ ኣስተዋጽኦ ንነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ሒደት ቃላት ጥራይ ዝሓቘፈ ኪኸውን እዩ። እዚ ሒደት ቃላት እዝን ክትጥቀመሉ ዝመደብካዮ ጥቕስታትን ብቐሊሉ ኽትውከሰሉ ኣብ እትኽእል ሓደ ካርድ ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ወረቐት ከተስፍሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ መብዛሕትኡ ግዜ ሓጺር ኣስተዋጽኦ ኢኻ ብኣእምሮኻ እትሕዝ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽትገብር ብዛዕባ ሓደ ርእሰ ነገር ምርምር እንተ ደኣ ጌርካ: ኣብ ንእሽቶ ወረቐት ሕጽር ዝበለ መዘኻኸሪ ጽሒፍካ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስካ ኸተቐምጦ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ኣብታ “ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ” እትብል ጽሕፍቲ ወይ ኣብታ ሪዚኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ ጽሑፍ ከም ዘለዎ ንምይይጥካ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።
ይኹን እምበር: ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት እተፈላለየ ኽፍልታት ከተቕርብ ከምኡውን ህዝባዊ መደረ ኽትህብ ምስ እትምደብ: ዝያዳ ስፍሕ ዝበለ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ከም ዜድልየካ ፍሉጥ እዩ። ስለምንታይ፧ ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ወይ መደረ ቕድሚ ምቕራብካ: ነቲ ትምህርቲ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትዝክሮ እዩ። ምስናይዚ ግን እናተዛረብካ ኸለኻ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሉእ ሓሳባት ቃላት ንምርኣይ ብዙሕ ሳዕ ኣብቲ ጽሑፍ ትጥምት እንተ ደኣ ዄንካ: ሰማዕትኻ ነቲ ብናትካ ቓላት ብምዝራብ ዚርከብ ጥቕሚ ኣይኪረኽብዎን እዮም። ንመዘኻኸሪ ስፍሕ ዝበለ ጽሑፍ ትጥቀም እንተ ደኣ ዄንካ: ሒደት ቃላትን ጥቕስታትን ጥራይ ክትውከስ ከም እትኽእል ጌርካ ምልክት ግበረሉ።
ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ተዛራባይ መደረ ኺህብ ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ብናቱ ቓላት ገይሩ ዚዛረብ እኳ እንተ ዀነ: ምስዚ ዓይነት ኣቀራርባ እዚ ኣሕቢሩ ነቲ ኻልእ ዓይነት ኣገባብ ኣቀራርባ ምስ ዚጥቀመሉ እውን ረብሓ ኣለዎ። ኣብ መእተውን መዕጸውን ንሰማዕቲ እናጠመትካ ዜእምንን ብጥንቃቐ እተመርጸ ሓሳባትን ከተቕርብ ስለ ዜድሊ: ሒደት ምሉእ ሓሳባት ሸምዲድካ ምዝራብ ውጽኢታዊ እዩ። ጭብጥታት: ኣሃዛት: ናይ ሰባት ይኹን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ከተቕርብ ከለኻ እናንበብካ ኸም ዚምስጥ ጌርካ ኸተቕርቦ ይግባእ።
መግለጺ ኽንህብ ምስ እንሕተት። ሓድሓደ ግዜ ኣቐዲምና ንኽንዳሎ ኣጋጣሚ ኸይረኸብና ብዛዕባ እምነትና ንኽንገልጽ ንሕተት ኢና። እዚ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸለና: ሓደ ሰብ ተቓውሞ ኼበግስ ከሎ ኼጋጥም ይኽእል እዩ። ምስ ኣዝማድና: ምስ መሳርሕትና: ወይ ምስ መማህርትና ኽንራኸብ ከለና እውን: ከምዚ ዓይነት ኵነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ሰበ-ስልጣን መንግስቲ እውን ብዛዕባ እምነትናን ኣገባብ ናብራናን ክንገልጸሎም ኪሓቱና ይኽእሉ እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት “ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ: ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን” ይብል።—1 ጴጥ. 3:15
ጴጥሮስን ዮሃንስን ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 4:19, 20 ተመዝጊቡ ዘሎ ነቲ ሳንሄድሪን ዚበሃል ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ብኸመይ ከም ዝመለስሉ ኣስተብህለሉ። ብኽልተ ምሉእ ሓሳባት ጥራይ መትከሎም ኣነጺሮም ገለጹ። እቲ ነቶም ሃዋርያት ዝቐረበሎም ጕዳይ ነቲ ቤት ፍርዲ ንባዕሉ እውን ዚምልከቶ ምዃኑ ብምጥቃስ ንሰማዕቶም ብዚሰማማዕ መገዲ እዮም ኣቕሪቦምዎ። ድሕርዚ ኸኣ ንእስጢፋኖስ ናይ ሓሶት ክስታት ቀረበሉ እሞ ናብቲ ቤት ፍርዲ እቲ ተወስደ። ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7:2-53 ዚርከብ ከይተዳለወ ዘቕረቦ ሓያል መልሱ ኣንብቦ። ነቲ ዘቕረቦ ሓሳባት ከመይ ገይሩ እዩ ወዲብዎ፧ መስርዕ ኣፈጻጽማኡ ብምሕላው ታሪኻዊ ፍጻመታት ዘርዘረ። ኣብ ዚሰማማዕ ነጥቢ ምስ በጽሐ ኸኣ ህዝቢ እስራኤል ዘርኣይዎ ናይ ዕልወት መንፈስ ኣጕለሐ። ኣብ መደምደምታ: ንሳቶም እውን ንወዲ ኣምላኽ ብምቕታል እቲ ዓይነት መንፈስ እቲ ኸም ዘንጸባረቑ ገለጸሎም።
ሃንደበት ብዛዕባ እምነትካ ንኽትገልጽ ምስ እትሕተት: ዜዕግብ መልሲ ንኽትህብ ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ነቲ ኻብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ንዝቐረበሉ ሕቶ ቕድሚ ምምላሱ ዝጸለየ ነህምያ ምሰሎ። (ነህ. 2:4) ቀጺልካ: ቅልጥፍ ኢልካ ብኣእምሮኻ ኣስተዋጽኦ ኣዳሉ። እቲ መሰረታዊ ደረጃታት በዚ ዚስዕብ መገዲ ኺዝርዘር ይከኣል:- (1) ኪግለጽ ዜድልዮ ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ምረጽ (ካብታ “ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ” ገለ ገለ ነጥብታት ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።) (2) ነዚ ነጥብታት እዚ ንምብራህ ነየናይ ጥቕስታት ከም እትጥቀም መድብ። (3) እቲ ሓታቲ ብፍታው ምእንቲ ኺሰምዓካ ኸመይ ጌርካ ብሜላ ኸም እትጅምር ሕሰብ። ድሕርዚ ኽትዛረብ ጀምር።
ጸቕጥታት ምስ ዚወርደካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኽትዝክሮ ዲኻ፧ የሱስ ንሰዓብቱ ኸምዚ በሎም:- “እንታይ ከም እትዛረቡ: በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ: ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር: ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ።” (ማቴ. 10:19, 20) እዚ ኺበሃል ከሎ ግን እቲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብተኣምራዊ መገዲ ዝወሃቦም ዝነበረ “ቓል ጥበብ” ኪወሃበካ እዩ ማለት ኣይኰነን። (1 ቈረ. 12:8) ካብቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንባሮቱ ዜዳልወሎም ትምህርቲ ኣዘውቲርካ ትጥቀም እንተ ደኣ ዄንካ ግን: መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ዜድልየሉ ግዜ ነቲ ዜድሊ ሓበሬታ ኼዘኻኽረካ እዩ።—ኢሳ. 50:4
ብናትካ ቓላት ጌርካ ምዝራብ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዜጠራጥር ኣይኰነን። ነዚ ዓይነት ኣዘራርባ እዚ ኣብታ ጉባኤ ኽፍልታት ከተቕርብ ከለኻ ኣዘውቲርካ እንተ ደኣ ተለማሚድካሉ: ሃንደበት ከይተዳለኻ መልሲ ንኽትህብ ኣብ እትሕተተሉ ግዜ እውን ሓሳባት ዚስርዓሉ ኣገባብ ተመሳሳሊ ስለ ዝዀነ ኣይኬጸግመካን እዩ። ድሕር ምሕር ኣይትበል። ብናትካ ቓላት ንምዝራብ ትለማመድ እንተ ደኣ ዄንካ: ንኣገልግሎት ወፍርኻ ዝያዳ ውጽኢታዊ ንኽትገብሮ ኺሕግዘካ እዩ። ኣብ ጉባኤ መደረታት ናይ ምሃብ ፍሉይ መሰል እንተ ኣልዩካ ኸኣ: ንሰማዕትኻ ኣብ መደረኻ ኸም ዜቕልቡን ልቦም ከም ዚትንከፍን ክትገብር ኢኻ።