ሕቶ ሳጹን
◼ ኣብታ ኣብ እንነብረሉ ኸባቢ እተመደበት ጉባኤ ምክፋል እንታይ ረብሓታት ኣለዎ፧
ካብቲ ናይ ጉባኤ ምድላው ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዘነቓቕሓና’ ምትብባዕ ንረክብ ኢና። (እብ. 10:24, 25) ኣብ ጉባኤ ሓቂ ንመሃር: ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ንምፍጻም ድማ ንዕጠቕ። (ማቴ. 28:19, 20) ብተወሳኺውን ብተኣማንነት ፈተናታት ንኽንጽመም ንበራታዕ: ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓያሎ ጸቕጥታትን ጭንቀታትን ንኽንጻወር ድማ ናይ ፈቃራት ተዓዘብቲ ሓገዝ ንረክብ ኢና። እምበኣር ጉባኤ ንመንፈሳዊ ድሕንነትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብታ ኣብ እንነብረሉ ኸባቢ እተመደበት ጉባኤ ምክፋል ገለ ረብሓታት ኣለዎዶ፧
እተፈላለዩ ሰባት እተፈላለየ ዅነታት ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ከም ዓለማዊ ስራሕ: ዘይኣማኒ በዓል ሓዳር: ከምኡውን ኵነታት መጓዓዝያ ዝኣመሰለ ነገራት ሓደ ኣስፋሒ ኣብዚ መዳይ እዚ ንዝገብሮ ውሳነ ኽትንክፎ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ኣብታ ኣብ ዝነብረሉ ኸባቢ እተመደበት ጉባኤ ኽካፈል ከሎ መንፈሳውን ስጋውን ረብሓታት ከም ዝረክብ እተረጋገጸ ኢዩ። እቶም ሽማግለታት ኣብ ህጹጽ ኵነታት ምስ ኵሎም ኣስፋሕቲ ብቕልጡፍ ክራኸቡ ይኽእሉ ኢዮም። ብዛዕባ ካልእ ረብሓታት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝወጸ ናይ ሕቶ ሳጹናት ተገሊጹ ኣሎ።—ግንቦት 1991: መጋቢት 1976: ከምኡውን ጥሪ 1967 (ሰለስቲኡ ብእንግሊዝኛ)
ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ኣብ ጥቓኻ ኣብ ዝግበር ኣኼባ ምክፋል ዝሓሸ ኢዩ። ከመይሲ: ምስ ካልኦት ንኸነዕልል ግዜ ንረክብ: ኣገዳሲ ዕማማት ንፍጽም: ከምኡውን ኣብ መኽፈቲ መዝሙርን ጸሎትን ክንርከብ የኽእለና ኢዩ። ሓደስቲ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ጥቓና ዝነብሩ እንተ ዀይኖም: ብተደጋጋሚ ንኽንበጽሖም: መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጽንዖም: ከምኡውን ናብቲ ብዝያዳ ምቹእ ዝዀነሎም ኣኼባ ንኽንሕብሮም ዝቐለለ ይዀነልና።
ርእሲ ስድራቤታት ብዛዕባዚ ጕዳይ እዚ ብጸሎት ከም ዝሓስብሉ ከምኡውን ንመንፈሳውን ስጋውን ረብሓታት ስድራቤቶም እቲ ዝሓሸ እንታይ ምዃኑ ኽውስኑ ኸለዉ ንዅሉ እቲ ረቛሒታት ተጠንቂቖም ከም ዝምርምሩ ርግጸኛታት ኢና።—1 ጢሞ. 5:8
◼ ኣኼባታት ዝግበረሉ እዋን መዓስ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝውስን ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧
ኣኼባ ዝግበረሉ እዋን ናይ ግድን ኣብ ገሊኡ እተወሰነ ግዜያት ክኸውን ኣለዎ እኳ እንተ ዘይተባህለ: እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ እቲ ኣኼባ ዝግበረሉ እዋን ዘይኰነስ እቲ ግዜ እተመርጸሉ ምኽንያት ኢዩ። ሓንቲ ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ግዜ ኽትውስን ከላ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትሓስበሉ ይግባእ:- ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝጥቀማሉ ኽንደይ ካልኦት ጉባኤታት ኣለዋ: እንታይ ኣማራጺታትከ ኣሎ፧ ንመብዛሕትኦም ሓደስቲ ተገደስቲ ኣብቲ ኣኼባ ንኽካፈሉ ዝጥዕሞም መዓስ ኢዩ፧ ናይቲ ዓዲ ሰዓታት ስራሕን ትምህርትን ከመይ ኢዩ፧ ኣኼባታት ኣብ እተወሰነ ግዜ እንገብሮ ኻብ ምንታይ ድራኸ ተበጊስና ኢና፧ ንጉባኤና ብሓፈሻ ንምጥቃም ገለ ናይ ብሕቲ ምርጫና መስዋእቲ ኽንገብር ንኽእል ዲና፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ እሞ ንርአ:- “ኵሉ ተፈቒዱለይ: ኵሉ ግን ኣይጠቅምን እዩ: ኵሉ ተፈቒዱለይ: ኵሉ ግና ኣይሀንጽን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።” (1 ቈረ. 10:23, 24) ሽማግለታት ኣኼባ ዝግበረሉ እዋን ሓሳብ ከቕርቡ ኸለዉ: ምስዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ብምስምማዕ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ንርእሶም ክሓቱ ይኽእሉ ኢዮም:- እዚ ምድላው እዚ ንኣባላት እታ ጉባኤን ንሓደስቲ ተገደስትን ኣብ ኣኼባታት ንኽካፈሉ ዝጥዕሞም ብምዃኑ ብመንፈስ ዝጠቕሞም ድዩ፧ እዚ መደብ እዚ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንኽንህብ ድዩ ዝሕግዘና ወይ ዕሽሽ ንኽንብሎ፧
ሽማግለታት ዘቕረብዎ ሓሳባት ድሕሪ ምምርማር: ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዝጥዕማ ግዜ ኽትምድብ ትኽእል ኢያ። ኣብታ ኣዋር ሚኒስትሪ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 62: ሕጡብ ጽሑፍ 1 ተገሊጹ ኸም ዘሎ: እቶም ኣስፋሕቲ “ንመብዛሕትኦም ኣባላት እታ ጉባኤ ዝጥዕም ግዜ ኢዮም ዝመርጹ።” እቶም መደባቶም ምስቲ ናይ ኣኼባ እዋን ዝጋጮ ዘበሉ ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ዕሽሽ ምእንቲ ኸይብሉ ተሓጒሶም ምትዕርራይ ክገብሩ ኣለዎም። ኣብ ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሓደ ንላዕሊ ጉባኤታት ዝእከባ እንተ ዀይነን: እቲ ኣኼባ ዝገብራሉ ሰዓታት ኣብ ምውሳን ብፍቕራውን ክርስትያናውን መገዲ ኽሰማምዓ ኣለወን።
ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝግበረሉ እዋን ከከምቲ ናይቲ ጕጅለ ተኣከብቲ ኽፈላለ ይኽእል ኢዩ።