ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
ቅድሚ ለበዳ እተዛዘመ ዕዮ ህንጸት
1 ሕዳር 2020
ኣብ ዓዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ይጥመቑ ብምህላዎም፡ በብግዜኡ ንቲኦክራስያዊ ዕዮ ዚኸውን ተወሳኺ ህንጻታት የድልየና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከባ ኽፍልታት ከባብያዊ ንድፊ ህንጸት፡ ኣብ ዓመተ ኣገልግሎት 2020 ልዕሊ 2,700 ቦታታት ኣምልኾ ኺሃንጻ ወይ ኪጽግና መደብ ኣውጺአን ነይረን። a
ኰይኑ ግና እዚ መደባት ብለበዳ ኮቪድ-19 ተዓናቒፉ እዩ። ኮሚተ ሕትመት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ንምዕቋብን ምስ መምርሒታት መንግስቲ ንምስምማዕን ኣብ መላእ ዓለም ንዚካየድ መብዛሕትኡ ፕሮጀክትታት ህንጸት ንግዜኡ ደው ኣቢልዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዓመተ ኣገልግሎት 2020፡ ቅድሚ እቲ ለበዳ፡ ልዕሊ 1,700 ቦታታት ኣምልኾ ተሃኒጹን ተጸጊኑን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ልዕሊ 100 ዚኸውን ዓብዪ ፕሮጀክትታት ጨንፈር ተዛዚሙ እዩ። ክልተ እተዛዘመ ፕሮጀክት ህንጸት፡ ንኣሕዋትና ብኸመይ ከም ዝጠቐሞም እስከ ንርአ።
ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካመሩን። እቲ ኣብ ዱዋላ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ኣዝዩ ንእሽቶን ሰፊሕ ምምሕያሽ ዜድልዮን እዩ ነይሩ። ኮሚተ ሕትመት ነቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪጽግኖ ሓሲቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ንምጽጋኑ ዚወጽእ ገንዘብ ካብ ዋጋ እቲ ህንጻ ንላዕሊ ዀይኑ ረኸቦ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ሓድሽ ህንጻ ኺህነጽ ወይ ህንጻ ዓዲግካ ኺጽገን ዚክኣል እንተ ዀይኑ መጽናዕቲ ተገይሩ ነይሩ እዩ፣ ግናኸ፡ ኽልቲኡ ኣይሰለጠን።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ምምሕዳር እቲ ኸባቢ ብሰሜን ዱዋላ ማለት ብጥቓ ሓደ ኻብቲ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ ዚሓልፍ ጽርግያ ኺሰርሕ ከም ዝወጠነ ኣሕዋት ፈለጡ። እቲ ጽርግያ ነቲ ቦታ ዜድሊ ኣገልግሎት ዜጣጥሕ እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እዚ እዩ ዜድልዮ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ክፋል መሬት እቲ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ፡ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚኸውን ህንጻ ኺህነጽ ፈቒዱ።
ኣሕዋትን ኣሓትን እቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካመሩን ኪህነጽ ከሎ ይሕግዙ
ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ተዀናተርትን ኣብዚ ፕሮጀክት እዚ ብሓባር ዓይዮም እዮም። እዚ ኸኣ ግዜን ገንዘብን ቈጢቡ እዩ። ከም ሓቂ፡ እቲ ፕሮጀክት ምስ ተዛዘመ፡ ካብቲ ተገሚቱ ዝነበረ ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ተቘጢቡ እዩ። ስድራ ቤት-ኤል ቀቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ናብቲ ሓድሽ ህንጻ ኺግዕዙ ኺኢሎም እዮም።
ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካመሩን ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ተዛዚሙ
ኣብ ካሜሩን ዚነብሩ ቤት-ኤላውያን፡ ካብቲ ኽትነብረሉን ክትዓይየሉን ምሹእ ዝዀነ ህንጻ ተጠቒሞም እዮም። ነዚ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከኣ ከም ውህበት የሆዋ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣብ ቤት-ኤል ዚነብሩ ሰብ ሓዳር፡ “ነዚ ውህበት እዚ ዘሎና ሞሳ ንምርኣይ፡ ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ኢና” በሉ።
ኣሕዋትን ኣሓትን ቅድሚ እቲ ለበዳ ኣብቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈቶም ኰይኖም ይዓዩ
ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ቶሆላባል መክሲኮ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ጕጅለ ትርጉም ቶሆላባል ጥቓ መክሲኮ ሲቲ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ማእከላይ ኣመሪካ ዓይዩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ቋንቋ ቶሆላባል ብቐንዱ ኣብ ኣልታሚራኖን ኣብ ላስ ማርጋሪታስን እዩ ዚዝረብ። እዚ ቦታታት እዚ፡ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዳርጋ 1,000 ኪሎ ሜተር ርሒቑ እዩ ዚርከብ። ብሰንኪ እዚ እቶም ተርጐምቲ፡ ምስ እዋናዊ ቛንቋ ቶሆላባል ማዕረ ማዕረ ንምኻድ ኣጸጊምዎም ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ትርጉም ቋንቋ ቶሆላባልን ኣብ ቅዳሓት ድምጽን ዚሕግዙ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ብቑዓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኪረክብ ኣጸጊምዎ ነይሩ እዩ።
ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ፕሮጀክት ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ይሕግዙ
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኮሚተ ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ነቲ ጕጅለ ትርጉም ናብቲ ቛንቋ ቶሆላባል ዚዝረበሉ ኸባቢ ኺግዕዝ ደለዮ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ህንጻ ዓዲጉ ኺጽግኖ ወሰነ። እዚ ንኣብያተ ጽሕፈት ዚኸውን ህንጻ ካብ ምህናጽ ወይ ካብ ምክራይ ዜዋጽእ እዩ።
ሓደ ተርጓሚ ብኸመይ ከም እተጠቕመ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተርጓሚ ዀይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብቲ ኸባቢ ቛንቋይ እትዛረብ ሓንቲ ስድራ ቤት እውን ኣጋጢማትኒ ኣይትፈልጥን እያ። ሕጂ ግና፡ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ሕምብርቲ እቲ ቛንቋ ቶሆላባል ዚዝረበሉ ኸባቢ እያ እትርከብ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ምስ ተዛረብቲ ቛንቋ ቶሆላባል መዓልታዊ እየ ዝራኸብ። በዚ ኸምዚ፡ ብዙሕ ቃላት ክፈልጥን ዕዮይ ኪመሓየሽን ክኢሉ እዩ።”
ቤት ጽሕፈት ትርጉም ቶሆላባል፡ ቅድምን ድሕርን እቲ ፕሮጀክት ጽገና
ፕሮጀክትታት ዓመተ ኣገልግሎት 2021
ኵነታት እንተ ፈቒዱ፡ ኣብ ዓመተ ኣገልግሎት 2021፡ ምስ 75 ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶን ኣብያተ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ዚተሓሓዝ ፕሮጀክት ተወጢኑ ኣሎ። ኣብ ሸሞንተ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ተወጢኑ ዝነበረ ዕዮ ኪቕጽል እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ራማፖ፡ ኒው ዮርክ ዚግበር ምስ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚተሓሓዝ ሓድሽ ፕሮጀክት ህንጸት፡ ከምኡ እውን ምግዓዝ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣርጀንቲናን ኢጣልያን የጠቓልል። ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 1,000 ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ የድሊ ኣሎ። ልዕሊ 6,000 ዚኸውን መአከቢ ቦታታት ከኣ ዘይምሹእ ብምዃኑ ኺትካእ የድልዮ ኣሎ። ብዘይካዚ ምጽጋን ዜድልዮ 4,000 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣሎ።
ኵሉ እዚ ዕዮ ህንጸትን ጽገናን ብኸመይ እዩ ዚምወል፧ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ማእከላይ ኣመሪካ ዝዀነ ሓው ላዛሮ ጎንዛለዝ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ብዛዕባ ፕሮጀክት ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ቶሆላባል ኣብ እተገብረ ምይይጥ መሊስዋ ነይሩ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ኣብ ክሊ ጨንፈርና ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ድሩት ዓቕሚ እዩ ዘለዎም። ብዘይ ደገፍ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣብዚ ኸባቢ ንዚነብሩ ኣመንቲ ንዚዀኑ ብጾትና ዚኸውን ቤት ጽሕፈት ትርጉም ኪህነጽ ኣይምተኻእለን። እቲ ኣሕዋትና ዝገበርዎ ወፈያ፡ ንተርጐምቲ ናብቲ ቛንቋኦም ዚዝረበሉ ኸባቢ ኺግዕዙ ኣኽኢልዎም እዩ። ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና ዜርእይዎ ልግሲ ኻብ ልቢ ነማስወሉ ኢና።” እወ፡ እዚ ፕሮጀክትታት ህንጸት እዚ፡ ሳላቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዝገበርኩምዎ ወፈያ እዩ ኺካየድ ተኻኢሉ። ሓያሎ ኻብዚ ወፈያታት ከኣ ብdonate.jw.org ኣቢሉ እዩ ተገይሩ።
a ክፍልታት ከባብያዊ ንድፊ ህንጸት፡ ኣብ ክሊ ጨንፈረን ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይውጥናን የፈጽማን እየን። ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከብ ክፍሊ ዓለምለኻዊ ንድፊ ህንጸት፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከብ ፕሮጀክትታት ህንጸት ቀዳምነት ዚውሃቦ ይሰርዕን የተሓባብርን እዩ።