ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hdu ዓንቀጽ 6
  • ቅድሚ ለበዳ እተዛዘመ ዕዮ ህንጸት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቅድሚ ለበዳ እተዛዘመ ዕዮ ህንጸት
  • ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፕሮጀክትታት ዓመተ ኣገልግሎት 2021
  • ግዜኻን ጕልበትካን ክትውፊ ትኽእልዶ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይግበር፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ንየሆዋ ዜኽብሮ ዕዮ ህንጸት
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ንክርስትያናት ኣሕዋቶም የገልግሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
hdu ዓንቀጽ 6
ሰራሕተኛታት ህንጸት፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካመሩን፡ ሓድሽ ምልክት ይሰቕሉ።

ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧

ቅድሚ ለበዳ እተዛዘመ ዕዮ ህንጸት

1 ሕዳር 2020

ኣብ ዓዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ይጥመቑ ብምህላዎም፡ በብግዜኡ ንቲኦክራስያዊ ዕዮ ዚኸውን ተወሳኺ ህንጻታት የድልየና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከባ ኽፍልታት ከባብያዊ ንድፊ ህንጸት፡ ኣብ ዓመተ ኣገልግሎት 2020 ልዕሊ 2,700 ቦታታት ኣምልኾ ኺሃንጻ ወይ ኪጽግና መደብ ኣውጺአን ነይረን። a

ኰይኑ ግና እዚ መደባት ብለበዳ ኮቪድ-19 ተዓናቒፉ እዩ። ኮሚተ ሕትመት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ንምዕቋብን ምስ መምርሒታት መንግስቲ ንምስምማዕን ኣብ መላእ ዓለም ንዚካየድ መብዛሕትኡ ፕሮጀክትታት ህንጸት ንግዜኡ ደው ኣቢልዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዓመተ ኣገልግሎት 2020፡ ቅድሚ እቲ ለበዳ፡ ልዕሊ 1,700 ቦታታት ኣምልኾ ተሃኒጹን ተጸጊኑን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ልዕሊ 100 ዚኸውን ዓብዪ ፕሮጀክትታት ጨንፈር ተዛዚሙ እዩ። ክልተ እተዛዘመ ፕሮጀክት ህንጸት፡ ንኣሕዋትና ብኸመይ ከም ዝጠቐሞም እስከ ንርአ።

ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካመሩን። እቲ ኣብ ዱዋላ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ኣዝዩ ንእሽቶን ሰፊሕ ምምሕያሽ ዜድልዮን እዩ ነይሩ። ኮሚተ ሕትመት ነቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪጽግኖ ሓሲቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ንምጽጋኑ ዚወጽእ ገንዘብ ካብ ዋጋ እቲ ህንጻ ንላዕሊ ዀይኑ ረኸቦ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ሓድሽ ህንጻ ኺህነጽ ወይ ህንጻ ዓዲግካ ኺጽገን ዚክኣል እንተ ዀይኑ መጽናዕቲ ተገይሩ ነይሩ እዩ፣ ግናኸ፡ ኽልቲኡ ኣይሰለጠን።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ምምሕዳር እቲ ኸባቢ ብሰሜን ዱዋላ ማለት ብጥቓ ሓደ ኻብቲ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ ዚሓልፍ ጽርግያ ኺሰርሕ ከም ዝወጠነ ኣሕዋት ፈለጡ። እቲ ጽርግያ ነቲ ቦታ ዜድሊ ኣገልግሎት ዜጣጥሕ እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እዚ እዩ ዜድልዮ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ክፋል መሬት እቲ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ፡ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚኸውን ህንጻ ኺህነጽ ፈቒዱ።

ስእልታት፡ 1. ኣሕዋት ካብ ስሚንቶ እተሰርሐ ሕጡብ እናነደቑ ይሰኣሉ። 2. ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ እዋን ህንጸት፡ ካሻስትሩስ ዚፈስሰሉ የዳልዉ።

ኣሕዋትን ኣሓትን እቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካመሩን ኪህነጽ ከሎ ይሕግዙ

ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ተዀናተርትን ኣብዚ ፕሮጀክት እዚ ብሓባር ዓይዮም እዮም። እዚ ኸኣ ግዜን ገንዘብን ቈጢቡ እዩ። ከም ሓቂ፡ እቲ ፕሮጀክት ምስ ተዛዘመ፡ ካብቲ ተገሚቱ ዝነበረ ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ተቘጢቡ እዩ። ስድራ ቤት-ኤል ቀቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ናብቲ ሓድሽ ህንጻ ኺግዕዙ ኺኢሎም እዮም።

እተዛዘመ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካመሩን ካብ ላዕሊ ይርአ።

ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካመሩን ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ተዛዚሙ

ኣብ ካሜሩን ዚነብሩ ቤት-ኤላውያን፡ ካብቲ ኽትነብረሉን ክትዓይየሉን ምሹእ ዝዀነ ህንጻ ተጠቒሞም እዮም። ነዚ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከኣ ከም ውህበት የሆዋ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣብ ቤት-ኤል ዚነብሩ ሰብ ሓዳር፡ “ነዚ ውህበት እዚ ዘሎና ሞሳ ንምርኣይ፡ ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ኢና” በሉ።

ኣሕዋትን ኣሓትን ቅድሚ እቲ ለበዳ ኣብቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈቶም ኰይኖም ይዓዩ

ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ቶሆላባል መክሲኮ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ጕጅለ ትርጉም ቶሆላባል ጥቓ መክሲኮ ሲቲ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ማእከላይ ኣመሪካ ዓይዩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ቋንቋ ቶሆላባል ብቐንዱ ኣብ ኣልታሚራኖን ኣብ ላስ ማርጋሪታስን እዩ ዚዝረብ። እዚ ቦታታት እዚ፡ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዳርጋ 1,000 ኪሎ ሜተር ርሒቑ እዩ ዚርከብ። ብሰንኪ እዚ እቶም ተርጐምቲ፡ ምስ እዋናዊ ቛንቋ ቶሆላባል ማዕረ ማዕረ ንምኻድ ኣጸጊምዎም ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ትርጉም ቋንቋ ቶሆላባልን ኣብ ቅዳሓት ድምጽን ዚሕግዙ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ብቑዓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኪረክብ ኣጸጊምዎ ነይሩ እዩ።

ኣሕዋትን ኣሓትን ንኣጸድ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ የጣጥሑ።

ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ፕሮጀክት ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ይሕግዙ

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኮሚተ ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ነቲ ጕጅለ ትርጉም ናብቲ ቛንቋ ቶሆላባል ዚዝረበሉ ኸባቢ ኺግዕዝ ደለዮ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ህንጻ ዓዲጉ ኺጽግኖ ወሰነ። እዚ ንኣብያተ ጽሕፈት ዚኸውን ህንጻ ካብ ምህናጽ ወይ ካብ ምክራይ ዜዋጽእ እዩ።

ኣብ መክሲኮ ዚርከብ እተዛዘመ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ቶሆላባል።

ሓደ ተርጓሚ ብኸመይ ከም እተጠቕመ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተርጓሚ ዀይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብቲ ኸባቢ ቛንቋይ እትዛረብ ሓንቲ ስድራ ቤት እውን ኣጋጢማትኒ ኣይትፈልጥን እያ። ሕጂ ግና፡ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ሕምብርቲ እቲ ቛንቋ ቶሆላባል ዚዝረበሉ ኸባቢ እያ እትርከብ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ምስ ተዛረብቲ ቛንቋ ቶሆላባል መዓልታዊ እየ ዝራኸብ። በዚ ኸምዚ፡ ብዙሕ ቃላት ክፈልጥን ዕዮይ ኪመሓየሽን ክኢሉ እዩ።”

ቤት ጽሕፈት ትርጉም ቶሆላባል፡ ቅድምን ድሕርን እቲ ፕሮጀክት ጽገና

ፕሮጀክትታት ዓመተ ኣገልግሎት 2021

ኵነታት እንተ ፈቒዱ፡ ኣብ ዓመተ ኣገልግሎት 2021፡ ምስ 75 ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶን ኣብያተ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ዚተሓሓዝ ፕሮጀክት ተወጢኑ ኣሎ። ኣብ ሸሞንተ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ተወጢኑ ዝነበረ ዕዮ ኪቕጽል እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ራማፖ፡ ኒው ዮርክ ዚግበር ምስ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚተሓሓዝ ሓድሽ ፕሮጀክት ህንጸት፡ ከምኡ እውን ምግዓዝ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣርጀንቲናን ኢጣልያን የጠቓልል። ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 1,000 ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ የድሊ ኣሎ። ልዕሊ 6,000 ዚኸውን መአከቢ ቦታታት ከኣ ዘይምሹእ ብምዃኑ ኺትካእ የድልዮ ኣሎ። ብዘይካዚ ምጽጋን ዜድልዮ 4,000 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣሎ።

ስእልታት፦ ሕጂ ዜድሊ ቝጽሪ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ንዕቤት ኣብ ግምት ዘእተወ ተወሳኺ ቝጽሪ ኣዳራሻትን ዜርኢ ሰሌዳ። 1. ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፦ 1,179፣ ዚትካእ መአከቢ ቦታ፦ 1,367፣ ዚትካእ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፦ 4,672፣ ጠቕላላ፦ 7,218። 2. ዓመታዊ ፕሮጀክት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፦ 699፣ ዓመታዊ ፕሮጀክት ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፦ 2,028።

ኵሉ እዚ ዕዮ ህንጸትን ጽገናን ብኸመይ እዩ ዚምወል፧ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ማእከላይ ኣመሪካ ዝዀነ ሓው ላዛሮ ጎንዛለዝ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ብዛዕባ ፕሮጀክት ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ቶሆላባል ኣብ እተገብረ ምይይጥ መሊስዋ ነይሩ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ኣብ ክሊ ጨንፈርና ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ድሩት ዓቕሚ እዩ ዘለዎም። ብዘይ ደገፍ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣብዚ ኸባቢ ንዚነብሩ ኣመንቲ ንዚዀኑ ብጾትና ዚኸውን ቤት ጽሕፈት ትርጉም ኪህነጽ ኣይምተኻእለን። እቲ ኣሕዋትና ዝገበርዎ ወፈያ፡ ንተርጐምቲ ናብቲ ቛንቋኦም ዚዝረበሉ ኸባቢ ኺግዕዙ ኣኽኢልዎም እዩ። ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና ዜርእይዎ ልግሲ ኻብ ልቢ ነማስወሉ ኢና።” እወ፡ እዚ ፕሮጀክትታት ህንጸት እዚ፡ ሳላቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዝገበርኩምዎ ወፈያ እዩ ኺካየድ ተኻኢሉ። ሓያሎ ኻብዚ ወፈያታት ከኣ ብdonate.jw.org ኣቢሉ እዩ ተገይሩ።

a ክፍልታት ከባብያዊ ንድፊ ህንጸት፡ ኣብ ክሊ ጨንፈረን ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይውጥናን የፈጽማን እየን። ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከብ ክፍሊ ዓለምለኻዊ ንድፊ ህንጸት፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከብ ፕሮጀክትታት ህንጸት ቀዳምነት ዚውሃቦ ይሰርዕን የተሓባብርን እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ